2 ዜና መዋእል 28:1-27

  • ኣሓዝ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-4)

  • ብሶርያን ብእስራኤልን ተሳዕረ (5-8)

  • ዖዴድ ንእስራኤላውያን ኣጠንቀቖም (9-15)

  • ይሁዳ ተዋረደ (16-19)

  • ኣምልኾ ጣኦትን ሞትን ኣሓዝ (20-27)

28  ኣሓዝ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 20 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ። ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ቅኑዕ ኣይገበረን።+  ብመገድታት ነገስታት እስራኤል ደኣ ተመላለሰ፣+ አረ ፍሱስ ምስሊ+ በዓላት እውን ገበረ።  ኣብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም* ከኣ ዓጠነ፡ ከምቲ ፍንፉን ተግባር እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣህዛብ+ እውን ደቁ ብሓዊ ኣንደደ።+  ኣብ በረኽትን+ ኣብ ልዕሊ ዅርባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን+ ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።  ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኹ ኣብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ኣሕሊፉ ሃቦ፣+ ንሳቶም ከኣ ሰዓርዎ እሞ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ምሩኻት ማሪኾም ናብ ደማስቆ ኣምጽእዎም።+ ንሱ እውን ኣብ ኢድ ንጉስ እስራኤል ተዋህበ፣ ንሱ ድማ ንዕኡ ወቒዑ ብዙሓት ቀተለሉ።  ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደግዎ ኸኣ፡ ጴቃሕ+ ወዲ ረማልያ ኣብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ 120,000 ቀተለ፣ ኵላቶም ተባዓት ሰባት ነበሩ።+  ዚክሪ ዚብሃል ኤፍሬማዊ ጅግና ድማ ንማዓስያ ወዲ ንጉስን ንዓዝሪቃም እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ* ሓላፍነት ዝነበሮን ንኤልቃና እቲ ኻልኣዩ ንንጉስን ቀተሎም።  እቶም እስራኤላውያን ከኣ ካብ ኣሕዋቶም 200,000 ኣንስትን ኣወዳትን ኣዋልድን ማረኹ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ዘሚቶም ድማ፡ ነቲ ምርኮ ናብ ሰማርያ+ ወሰድዎ።  ዖዴድ ዝስሙ ነብዪ የሆዋ ግና ኣብኣ ነበረ። ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ እቲ ናብ ሰማርያ ዚመጽእ ዝነበረ ሰራዊት ወጺኡ፡ ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ንይሁዳ ስለ እተቘጥዖ፡ ንዓታቶም ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም፣+ ንስኻትኩም ከኣ ክሳዕ ሰማያት ብዚበጽሕ ነድሪ ቐቲልኩምዎም። 10  ሕጂ ድማ ነቶም ህዝቢ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ገላዉኹምን ኣግራድኩምን ክትገብርዎም ትሓስቡ ኣለኹም።+ ግናኸ፡ ንስኻትኩም እውንዶ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም በደልቲ ኣይኰንኩምን፧ 11  ሕጂ ኸኣ ስምዑኒ፡ እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣባኻትኩም ኣሎ እሞ፡ ነዞም ካብ ኣሕዋትኩም ዝማረኽኩምዎም ምሩኻት ምለስዎም።” 12  ሽዑ፡ ገለ ኻብቶም ኣሕሉቕ ኤፍሬማውያን፡ ዓዛርያ ወዲ ዮሓናንን በረክያ ወዲ መሺለሞትን የሒዝቅያ ወዲ ሻሉምን ዓማሳ ወዲ ሓድላይን፡ ነቶም ካብ ወተሃደራዊ ወፈራ ዝመጹ ተቓወምዎም፡ 13  “ኣብ ቅድሚ የሆዋ በደልቲ ኺገብረና እዩ እሞ፡ ነዞም ምሩኻት ናብዚ ኣይተምጽእዎም። በደልናስ ድሮ ዓብዪ እዩ፡ ኣብ እስራኤል እውን ዚነድድ ቍጥዓ ኣሎ እሞ፡ እዚ ኽትገብርዎ ዝሓሰብኩም፡ ንሓጢኣትናን ንበደልናን ኪውስኸሉ እዩ” ድማ በልዎም። 14  እቶም ዕጡቓት ተዋጋእቲ ኸኣ ነቶም ምሩኻትን ነቲ ዝማትን+ ኣብ ኢድ እቶም መሳፍንትን ብዘሎ እቲ ጉባኤን ሓደግዎ። 15  እቶም ብስሞም እተሰምዩ ሰባት ድማ ተንሲኦም ነቶም ምሩኻት ወሰድዎም፣ ካብቲ ምርኮ ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ዕሩቓት፡ ክዳውንቲ ሃብዎም። ከዲኖም ድማ፡ ኣሳእንን ምግብን መስተን ዚልከይዎ ዘይትን ሃብዎም። ነቶም ድኹማት ኣብ ኣእዱግ ኣወጢሖም ከኣ ናብ ኣሕዋቶም ናብታ ኸተማ ኣእዋም ተምሪ ዝዀነት ያሪኮ ኣብጽሕዎም። ድሕሪኡ፡ ናብ ሰማርያ ተመልሱ። 16  በታ ግዜ እቲኣ፡ ንጉስ ኣሓዝ ንነገስታት ኣሶር ኪረድእዎ ሓተቶም።+ 17  ኤዶማውያን ከኣ መሊሶም ንይሁዳ ወሪሮም ኣጥቅዕዋ፡ ምሩኻት እውን ማረኹ። 18  ፍልስጥኤማውያን+ እውን ኣብ ከተማታት ሼፈላን+ ነጌብን ይሁዳ ወሪሮም፡ ንቤት-ሸመሽን+ ንኣያሎንን+ ንገደሮትን ንሶኮን ዓድታታን ንቲምናን+ ዓድታታን ንጊምዞን ዓድታታን ሓዝወን፣ ኣባታተን ድማ ተቐመጡ። 19  ኣሓዝ ንጉስ እስራኤል ንይሁዳ ስዲ ስለ ዝሓደጋ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓብዪ ጥልመት ስለ እተገብረ፡ የሆዋ ብሰንኩ ንይሁዳ ኣዋረዳ። 20  ቲልጋት-ጲልነሰር+ ንጉስ ኣሶር ድማ ኣንጻሩ መጸ፣ ኣብ ክንዲ ዜበርትዖ ኸኣ፡ ኣጨነቖ።+ 21  ኣሓዝሲ ነታ ቤት የሆዋን ነታ ቤት* ንጉስን+ ንኣባይቲ መሳፍንትን ገፊፉ፡ ንንጉስ ኣሶር ህያብ ሃቦ፣ ግናኸ፡ እዚ ኣይሓገዞን። 22  ንጉስ ኣሓዝ ከኣ ብግዜ ጭንቁ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ብዝያዳ ጠለሞ። 23  ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ድማ ሰውኣሎም፣+ “ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ ንዓታቶም ስለ ዝሓገዝዎም፡ ምእንቲ ኺሕግዙኒ፡ ክስውኣሎም እየ” ኸኣ በለ።+ ግናኸ፡ ንዕኡን ንዅሎም እስራኤልን መዐንቀፊ ዀንዎም። 24  ኣሓዝ ድማ ንኣቕሑ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣከቦ፣ ድሕሪኡ፡ ንኣቕሑ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ቈራረጾ፡+ መዓጹ ቤት የሆዋ ዓጸዎ፡+ ኣብ ኵሉ መኣዝን የሩሳሌም ከኣ ንርእሱ መሰውኢታት ገበረ። 25  ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ንምዕጣን በረኽቲ ገበረ፣+ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ኸኣ ኣዀረዮ። 26  እቲ ዝተረፈ ታሪኹ፡ ኵሉ ግብርታቱ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉ ኣሎ።+ 27  ኣሓዝ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ናብ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን እሞ፡ ኣብታ ኸተማ ኣብ የሩሳሌም ቀበርዎ።+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ህዝቅያስ ነገሰ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ገሃነም” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”