2 ዜና መዋእል 29:1-36

  • ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ (1, 2)

  • ህዝቅያስ ዝገበሮ ተሓድሶ (3-11)

  • እታ ቤተ መቕደስ ጸረየት (12-19)

  • ኣገልግሎት እታ ቤተ መቕደስ ተሓደሰ (20-36)

29  ህዝቅያስ+ ወዲ 25 ዓመት ከሎ ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 29 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኣብያ እዩ፣ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ።+  ንሱ ድማ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+  ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ነተን መዓጹ ቤት የሆዋ ኸፈተንን ጸገነንን።+  ንኻህናትን ንሌዋውያንን ኣምጺኡ ኸኣ፡ ኣብቲ ብምብራቕ ዘሎ ኣደባባይ ኣከቦም።  ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሌዋውያን፡ ስምዑኒ። ተቐደሱ፡+ ነዛ ቤት የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም እውን ቀድስዋ፣ ርኽሰት ዘበለ ድማ ካብ መቕደስ ኣርሕቑ።+  ኣቦታትናስ ጠሊሞም፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽና ኸኣ ክፉእ ገይሮም እዮም።+ ንዕኡ ሓዲጎም ከኣ፡ ገጾም ካብ ማሕደር የሆዋ ንንየው መሊሶም፡ ዝባኖም እውን መሊሶም እዮም።+  መዓጹ እቲ ገበላ ድማ ዓጽዮም፡+ ቀነዲል እውን ኣጥፊኦም እዮም።+ ኣብቲ መቕደስ ከኣ ንኣምላኽ እስራኤል ዕጣን ምዕጣንን+ ዚሓርር መስዋእቲ ምቕራብን ሓዲጎም እዮም።+  ስለዚ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ይሁዳን የሩሳሌምን መጺኡ ኣሎ፣+ ከምዚ ብኣዒንትኹም ክትርእይዎ እትኽእሉ ኸኣ፡ መሰክሕን መደመምን መፋጸይን* ገይርዎም ኣሎ።+  እንሆ ድማ ብሰንኪ እዚ፡ ኣቦታትና ብሰይፊ ወዲቖም፡+ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ኣንስትናን ድማ ተማሪኾም ኣለዉ።+ 10  ሕጂ፡ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ኻባና ምእንቲ ኺምለስ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ትምኒት ልበይ እዩ።+ 11  ኣቱም ደቀየ፡ የሆዋ ኣብ ቅድሚኡ ኽትቈሙን ኣገልገልቱ ዄንኩም ከተገልግልዎን+ ክትዓጥኑሉን ሓርዩኩም እዩ እሞ፡+ ሕጂ ሸለልተኛታት እትዀኑሉ* ግዜ ኣይኰነን።” 12  ሽዑ፡ እቶም ሌዋውያን ተንስኡ፣ ንሳቶም ከኣ ካብ ቀሃታውያን፡+ ማሓት ወዲ ዓማሳይን ዮኤል ወዲ ዓዛርያን፣ ካብ መራራውያን፡+ ቂስ ወዲ ዓብዲን ዓዛርያ ወዲ የሃልኤልን፣ ካብ ጌርሾናውያን፡+ ዮኣሕ ወዲ ዚማን ኤደን ወዲ ዮኣሕን፣ 13  ካብ ደቂ ኤሊጻፋን፡ ሺምሪን የዑኤልን፣ ካብ ደቂ ኣሳፍ፡+ ዘካርያስን ማታንያን፣ 14  ካብ ደቂ ሄማን፡+ የሒኤልን ሺምዒን፣ ካብ ደቂ የዱቱን፡+ ሸማዕያን ዑዚኤልን ነበሩ። 15  ንኣሕዋቶም ኣኪቦም ድማ ተቐደሱ፣ ከምቲ ንጉስ ብቓል የሆዋ ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ንቤት የሆዋ ኼንጽህዋ መጹ።+ 16  እቶም ካህናት ድማ ኬንጽሁ ናብ ውሽጢ ቤት የሆዋ ኣተዉ፣ ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝረኸብዎ ርኽሰት ከኣ ናብ ኣጸድ+ ቤት የሆዋ ኣውጽእዎ። እቶም ሌዋውያን ድማ ንዕኡ ወሲዶም ናብ ወጻኢ ናብ ስንጭሮ ቄድሮን ኣውጽእዎ።+ 17  በዚ ኸምዚ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኪቕድሱ ጀመሩ፣ ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ኸኣ፡ ናብ ገበላ የሆዋ በጽሑ።+ ንቤት የሆዋ ድማ ኣብ ሸሞንተ መዓልቲ ቐደስዋ፣ ኣብ መበል 16 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኸኣ ወድኡ። 18  ድሕሪኡ፡ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ኣትዮም ከምዚ በልዎ፦ “ንብዘላ ቤት የሆዋን ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን+ ንዅሉ ኣቕሑኡን+ ነቲ ሰደቓ እተደራረበ እንጌራን*+ ንዅሉ ኣቕሑኡን ኣንጺህናዮ ኣለና። 19  ኵሉ እቲ ንጉስ ኣሓዝ ብግዜ ንግስናኡ ኺጠልም ከሎ ዝደርበዮ ኣቕሑ፡+ ኣዳሊናዮን ቀዲስናዮን ኣለና፣+ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ የሆዋ ድማ ኣሎ።” 20  ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ኣንጊሁ ተንሲኡ ንመሳፍንቲ እታ ኸተማ ኣከቦም፣ ናብ ቤት የሆዋ ድማ ደየቡ። 21  ምእንቲ እታ መንግስትን ምእንቲ እቲ መቕደስን ምእንቲ ይሁዳን መስዋእቲ ሓጢኣት ኪኸውን ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸልን ሸውዓተ ድቤላን ኣምጽኡ።+ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የሆዋ ኬቕርብዎም ኣዘዞም። 22  ነቶም ከብቲ ድማ ሓረድዎም፣+ እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ደም ወሲዶም ኣብቲ መሰውኢ ነጸግዎ፣+ ድሕሪኡ፡ ነቶም ደዓውል ሓሪዶም፡ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ነጸግዎ፣ ነቶም ገንሸላት ሓሪዶም ከኣ፡ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ነጸግዎ። 23  ነቶም ወጣጡ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ናብ ቅድሚ እቲ ንጉስን እቲ ጉባኤን ኣምጽእዎም፡ ኣእዳዎም እውን ኣብ ልዕሊኦም ኣንበሩ። 24  እቶም ካህናት ከኣ ሓረድዎም፣ ንዅሉ እስራኤል ንምትዕራቕ ድማ ብደሞም ኣብቲ መሰውኢ መስዋእቲ ሓጢኣት ገበሩ፣ ከመይሲ፡ ንጉስ፡ እቲ ዚሓርር መስዋእትን እቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ንዅሉ እስራኤል ኪኸውን ኢሉ ነበረ። 25  እቲ ትእዛዝ ካብ የሆዋ ብነብያቱ ኣቢሉ ነበረ እሞ፡ ብትእዛዝ ዳዊትን+ ጋድ+ እቲ ናይ ንጉስ ብዓል ራእይን ነብዪ ናታንን፡+ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት የሆዋ ጸናጽል ሸሓንን በገናታትን መሰንቆታትን* ኣትሒዙ ኣቘሞም።+ 26  እቶም ሌዋውያን ድማ ናውቲ ዳዊት ሒዞም፡ እቶም ካህናት እውን መለኸታት ሒዞም ቈይሞም ነበሩ።+ 27  ህዝቅያስ ከኣ፡ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኪቐርብ ኣዘዘ።+ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ምስ ጀመረ፡ መዝሙር የሆዋ ጀመረ፡ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ናውቲ ዝሃቦ መምርሒ ብምስዓብ እውን እቲ መለኸታት ጀመረ። 28  ብዘሎ እቲ ጉባኤ ኸኣ እቲ መዝሙር ኪዝመርን እቲ መለኸታት ኪንፋሕን ከሎ፡ ይሰግድ ነበረ፣ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ እዚ ዅሉ ቐጸለ። 29  መስዋእቲ ምቕራብ ምስ ወድኡ ድማ፡ ንጉስን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን ፍግም ኢሎም ሰገዱ። 30  ንጉስ ህዝቅያስን እቶም መሳፍንትን ከኣ ነቶም ሌዋውያን ብቓላት ዳዊትን+ ኣሳፍ+ እቲ ብዓል ራእይን ንየሆዋ ኺውድስዎ ኣዘዝዎም። ንሳቶም ድማ ብዓብዪ ታሕጓስ ውዳሰ ኣቕረቡ፡ ፍግም ኢሎም እውን ሰገዱ። 31  ህዝቅያስ ከኣ፡ “ሕጂ ንየሆዋ ኻብ ተፈለኹም፡* ንዑ፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ናብ ቤት የሆዋ ኣምጽኡ” በሎም። እቲ ጉባኤ ድማ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምጽአ፣ ፍቶት ልቢ ዘለዎ ዅሉ ኸኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረበ።+ 32  እቲ ጉባኤ ዘምጽኦ ቝጽሪ ዚሓርር መስዋእቲ፡ 70 ኸብትን 100 ድዑልን 200 ገንሸልን ነበረ፣ እዚ ዅሉ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ነበረ።+ 33  እቲ ቕዱስ መባእ ድማ፡ 600 ኸብትን 3,000 ጤለ በጊዕን ነበረ። 34  ግናኸ፡ ንዅሉ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ንምጥባሕ እኹላት ካህናት ኣይነበሩን፣ ስለዚ፡ እቲ ዕዮ ኽሳዕ ዚውዳእን እቶም ካህናት ክሳዕ ዚቕደሱን+ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓገዝዎም።+ ከመይሲ፡ እቶም ሌዋውያን ካብቶም ካህናት ብዝያዳ ገዛእ ርእሶም ንምቕዳስ ጥንቁቓት* ነበሩ። 35  ብዙሕ ዚሓርር መስዋእትን+ ስብሒ መስዋእቲ ሕብረትን+ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቲ መስተን+ እውን ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ ኣገልግሎት ቤት የሆዋ ናብ ቀደሙ ተመልሰ።* 36  እዚ ዅሉ ብሃንደበት እዩ ዝዀነ እሞ፡ ህዝቅያስን ኵሎም እቶም ህዝብን በቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ዘዳለወሉ ነገር ተሓጐሱ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መላገጽን።”
ወይ፡ “እተዕርፉሉ።”
ማለት፡ እንጌራ ምርኣይ።
ወይ፡ “ክራራትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢድኩም ካብ መላእኩም።”
ቃ.ቃ.፡ “ቅኑዕ ዝልቦም።”
ወይ፡ “ተዳለወ።”