2 ዜና መዋእል 3:1-17

  • ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጻ ጀመረ (1-7)

  • ቅድስተ ቕዱሳን (8-14)

  • ክልተ ዓንዲ ነሓሲ (15-17)

3  ሰሎሞን ድማ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብታ የሆዋ ንኣቦኡ ዳዊት እተራእየላ+ ኸረን ሞርያ፡+ ኣብታ ዳዊት ኣብ ዓውዲ ኦርናን+ እቲ ይቡሳዊ ዘዳለዋ ቦታ ቤት የሆዋ ኺሃንጽ ጀመረ።+  ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ ኺሃንጽ ጀመረ።  እቲ ሰሎሞን ንህንጸት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝሰረቶ መሰረት ከኣ፡ ብናይ ቀደም መለክዒ፡* 60 እመት ዝንውሓቱን 20 እመት ዝግፍሑን ነበረ።+  እቲ ኣብ ቅድሚት ዝነበረ ገበላ ድማ፡ 20 እመት ዝንውሓቱ፡ ማዕረ ግፍሒ እታ ቤት ነበረ፣* ቍመቱ ኸኣ 20 እመት* ነበረ፣ ውሽጡ ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ።+  ነታ ዓባይ ቤት ከኣ ብዕንጨይቲ ጽሕዲ* ረቢቡ፡ ብጽሩይ ወርቂ ለበጣ፣+ ብምስልታት ኦም ስየን+ ሰንሰለታትን+ እውን ሰለማ።  ነታ ቤት ድማ ውቁብ ክቡራት ኣእማን ገበረላ፣+ እቲ እተጠቕመሉ ወርቂ+ ኸኣ ወርቂ ጳርዋይም ነበረ።  ነታ ቤትን ነቲ ሰርወታትን ነቲ ድርኵዂታትን መናድቓን መዓጹኣን ብወርቂ ለበጦ፣+ ኣብቲ መናድቕ ከኣ ኪሩቤል ቀረጸ።+  ክፍሊ* ቕድስተ ቕዱሳን ድማ ገበረ፣+ ንውሓታ ኸም ግፍሒ እታ ቤት 20 እመት፡ ግፍሓ እውን 20 እመት ነበረ። ብ600 ታለንት* ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጣ።+  ሚዛን እቲ ንመሳምር ዝዀነ ወርቂ፡ 50 ሲቃል* ነበረ፣ ነተን ኣብ ደርቢ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን። 10  ኣብ ክፍሊ* እታ ቕድስተ ቕዱሳን ከኣ ክልተ ቕርጻታት ኪሩቤል ገበረ፣ ብወርቂ ድማ ለበጦ።+ 11  ድምር ንውሓት ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል+ 20 እመት ነበረ፣ ሓንቲ ኽንፊ እቲ ቐዳማይ ኪሩብ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ንመንደቕ እታ ቤት ትትንክዮ ነበረት፣ እታ ኻልአይቲ ኽንፉ ድማ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ንሓንቲ ኻብተን ኣኽናፍ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ትትንክያ ነበረት። 12  እታ ሓንቲ ኽንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ከኣ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ነቲ ኻልኣይ መንደቕ እታ ቤት ትትንክዮ ነበረት፣ እታ ኻልአይቲ ኽንፉ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ንሓንቲ ኻብተን ኣኽናፍ እቲ ቐዳማይ ኪሩብ ትትንክያ ነበረት። 13  ኣኽናፍ እዞም ኪሩቤል እዚኦም 20 እመት ተዘርጊሐን ነበራ፣ ብኣእጋሮም ድማ ደው ኢሎም ነበሩ፡ ገጾም እውን ናብ ውሽጢ* ኣቢሉ ነበረ። 14  ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ድሙቕ ቀይሕን ቅጭን ዓለባን ከኣ መጋረጃ ገበረ፣+ ኪሩቤል ድማ ገበረሉ።+ 15  ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ከኣ 35 እመት ዝንውሓቱ ኽልተ ዓንዲ ገበረ፣+ ኣብ ረርእሲ እቲ ዓንዲ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓቱ ርእሲ ዓንዲ ነበረ።+ 16  ከም ድሪ ዚመስል ሰንሰለታት ገይሩ ድማ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ገበሮ፣ 100 ሮማን ገይሩ ኸኣ፡ ኣብቲ ሰንሰለታት ገበሮ። 17  ነቲ ኣዕኑድ ድማ ኣብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ፡ ሓደ ብየማን፡* ሓደ ኸኣ ብጸጋም* ኣቘሞ፣ ነቲ ብየማን ዝነበረ ያኪን፡* ነቲ ብጸጋም ዝነበረ ድማ ቦኣዝ* ኢሉ ሰመዮ።

እግረ ጽሑፍ

እቲ ልሙድ እመት 44.5 ሰ.ሜ. እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኦም እቲ “ናይ ቀደም መለክዒ” ነቲ 51.8 ሰ.ሜ. ዚኸውን ነዊሕ እመት ከም ዜመልክት ይግምቱ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ማዕረ ግፍሒ እታ ቤት ኰይኑ 20 እመት ዝዓቐኑ ነበረ።”
ገሊኡ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት “120” ይብል፡ ገሊኡ ኢደ ጽሑፋትን ገሊኡ ትርጉማትን ግና “20 እመት” ይብል።
ወይ፡ “ተርሚን።”
ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”
ማለት፡ ናብታ ቕድስቲ።
ወይ፡ “ብደቡብ።”
ወይ፡ “ብሰሜን።”
ትርጉሙ፡ “ንሱ [የሆዋ] የጽንዕ።”
ትርጉሙ፡ “ብብርታዐ” ኪኸውን ይኽእል።