2 ዜና መዋእል 30:1-27

  • ህዝቅያስ ፋስጋ ኣብዓለ (1-27)

30  ህዝቅያስ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ፋስጋ ምእንቲ ኼብዕሉ ናብ ቤት የሆዋ ናብ የሩሳሌም ኪመጹ፡+ ናብ ኵሎም እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፣+ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን+ እውን ከይተረፈ ደብዳበ ጸሓፈ።  ግናኸ፡ ንጉስን መሳፍንቱን ብዘሎ ጉባኤ የሩሳሌምን፡ ነቲ ፋስጋ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ ኺብዓል ወሰኑ፣+  ከመይሲ፡ እኹላት እተቐደሱ ኻህናት ስለ ዘይነበሩን+ እቲ ህዝቢ ናብ የሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን፡ ኣብቲ ስሩዕ ግዜ ኼብዕልዎ ኣይከኣሉን ነበሩ።+  እዚ መሰናድዎ እዚ ኣብ ኣዒንቲ ንጉስን ኣብ ኣዒንቲ ብዘሎ እቲ ጉባኤን ቅኑዕ ነበረ።  ከምቲ እተጻሕፈ ገይሮም ብጕጅለ ኣየብዓልዎን ነበሩ እሞ፡+ እቶም ህዝቢ መጺኦም ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ፋስጋ ኼብዕሉ ኢሎም፡ ኣብ ብዘላ እስራኤል፡ ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳብ ዳን፡+ ኪእወጅ ወሰኑ።  እቶም መልእኽተኛታት* ድማ ካብ ንጉስን መሳፍንቱን ደብዳበታት ሒዞም ናብ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ወጹ፣ ከምቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ኸኣ ከምዚ በሉ፦ “ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ንሱ ናብቶም ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ዘምለጡ ተረፍ ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን ተመለሱ።+  ከምቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ዝጠለምዎ እሞ፡ ከምዚ እትርእይዎ ዘለኹም መሰክሒ ዝገበሮም ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ።+  ሕጂ ድማ፡ ከም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኣይትኹኑ።+ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኺምለስ፡+ ንየሆዋ ኢድኩም ሃቡ፡ ናብታ ንዘለኣለም ዝቐደሳ መቕደሱ ኸኣ ምጹ፡+ ንየሆዋ ኣምላኽኩም እውን ኣገልግልዎ።  ናብ የሆዋ እንተ ተመሊስኩምሲ፡ ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ብማረኽቶም ኪምሓሩ እዮም፡+ ናብዛ ምድሪ ኺምለሱ እውን ኪፍቀደሎም እዩ፣+ የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ርሕሩሕን* መሓርን እዩ፣+ ንስኻትኩም ናብኡ እንተ ተመሊስኩም ድማ፡ ንሱ ገጹ ኻባኻትኩም ኣይኪመልስን እዩ።”+ 10  እቶም መልእኽተኛታት* ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኤፍሬምን ምናሴን፡+ ክሳብ ዛብሎን፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ሓለፉ፣ እቶም ህዝቢ ግና ሰሓቕዎምን ኣላገጹሎምን።+ 11  ካብ ኣሴርን ካብ ምናሴን ካብ ዛብሎንን ግና ገሊኦም ሰባት ርእሶም ኣትሒቶም ናብ የሩሳሌም መጹ።+ 12  እቲ ንጉስን መሳፍንትን ብቓል የሆዋ ዝኣዘዝዎ ምእንቲ ኺፍጸም ከኣ፡ ኢድ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓደ ልቢ ኽትህቦም ኣብ ይሁዳ ነበረት። 13  ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ+ ድማ በዓል ቅጫ ኼብዕል ኢሉ፡+ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ የሩሳሌም ተኣከበ፣ ኣዝዩ ዓብዪ ጉባኤ ኸኣ ነበረ። 14  ተንሲኦም ድማ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበረ መሰውኢታት ኣርሓቑ፣+ ንዅሉ መሰውኢታት ዕጣን ኣርሒቖም+ ከኣ ናብ ስንጭሮ ቄድሮን ደርበይዎ። 15  ድሕርዚ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ መስዋእቲ ፋስጋ ሓረዱ። እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ድማ ሓፈሩ፣ ተቐዲሶም ከኣ ዚሓርር መስዋእቲ ናብ ቤት የሆዋ ኣምጽኡ። 16  ከምቲ ሕጊ ሙሴ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ ኣብ በቦታኦም ደው በሉ፣ እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ደም ካብ ኢድ እቶም ሌዋውያን ተቐቢሎም ነጸጉ።+ 17  ኣብቲ ጉባኤ ብዙሓት ዘይተቐደሱ ነበሩ፣ እቶም ሌዋውያን ድማ ንዅሎም እቶም ዘይነጽሁ ዘበሉ፡ ንየሆዋ ምእንቲ ኪቕደሱ፡ መስዋእቲ ፋስጋ ይሓርዱሎም ነበሩ።+ 18  ከመይሲ፡ ብዙሓት ካብቲ ህዝቢ፡ ምናዳ ኻብ ኤፍሬምን ምናሴን+ ይሳኮርን ዛብሎንን፡ ዘይነጽሁ ኽነሶም፡ ነቲ ጽሑፍ ጥሒሶም፡ ፋስጋ በልዑ። ህዝቅያስ ግና ከምዚ ኢሉ ምእንታኦም ጸለየ፦ “እቲ ሕያዋይ የሆዋ+ 19  ነቲ ኸምቲ ስርዓት ቅድስና ዘይነጽሀ ኽነሱ+ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ኺደሊ ልቡ ዘዳለወ ዘበለ ዅሉ ይሕደገሉ።”+ 20  የሆዋ ኸኣ ንህዝቅያስ ሰሚዑ፡ ነቲ ህዝቢ ይቕረ በለሉ።* 21  እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ እስራኤላውያን ድማ፡ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብዓብዪ ሓጐስ ኣብዓሉ፣+ እቶም ሌዋውያንን እቶም ካህናትን ከኣ መዓልቲ መዓልቲ ናውቶም ዓው ኣቢሎም ንየሆዋ እናወቕዑሉ፡ ንየሆዋ ይውድስዎ ነበሩ።+ 22  ህዝቅያስ ድማ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ብምስትውዓል ዜገልግልዎ ዝነበሩ ሌዋውያን ተዛረቦምን ኣተባብዖምን።* ንሳቶም ከኣ መስዋእቲ ሕብረት እናሰውኡን+ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም እናኣመስገኑን፡ ኣብ ብዘሎ እቲ በዓል፡ ሸውዓተ መዓልቲ በልዑ።+ 23  ኵሎም እቶም ጉባኤ ኸኣ ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ኼብዕሉ ወሰኑ፣ ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ኣብዓሉ።+ 24  ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ነቶም ጉባኤ 1,000 ዝራብዕን 7,000 በጊዕን ሃቦም፣ እቶም መሳፍንቲ ድማ ነቶም ጉባኤ 1,000 ዝራብዕን 10,000 በጊዕን ሃብዎም፣+ ብዙሓት ካህናት እውን ተቐደሱ።+ 25  ኵሎም እቶም ጉባኤ ይሁዳን እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዝመጹ ጉባኤን+ እቶም ካብ ምድሪ እስራኤል ዝመጹን ኣብ ይሁዳ ዚነብሩን ጓኖትን+ ይሕጐሱ ነበሩ። 26  ካብ ዘመን ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ኣትሒዙ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይተገብረን ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።+ 27  እቶም ሌዋውያን ካህናት ከኣ ደው ኢሎም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፣+ ኣምላኽ ድማ ድምጾም ሰምዐ፡ ጸሎቶም እውን ኣብታ ቕድስቲ ማሕደሩ፡ ኣብ ሰማያት በጽሐ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ጐየይቲ።”
ወይ፡ “ጸጋውን።”
ቃ.ቃ.፡ “ጐየይቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣሕወዮ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንልቢ ዅሎም እቶም ንየሆዋ ብምስትውዓል ዜገልግልዎ ዝነበሩ ሌዋውያን ተዛረበ።”