2 ዜና መዋእል 31:1-21

  • ህዝቅያስ ክሕደት ኣጥፍአ (1)

  • ንኻህናትን ንሌዋውያንን ግቡእ ደገፍ ተገብረሎም (2-21)

31  እዚ ዅሉ ምስ ተወድአ፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤላውያን ናብ ከተማታት ይሁዳ ወጺኦም፡ ሓወልትታት ኣምልኾ ሰባበሩ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ቘረጹ፡+ ኣብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን+ ድማ ጠሪሶም ክሳዕ ዜጥፍእዎ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፍረሱ።+ ድሕሪኡ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ናብ ከተማታቶም ተመልሱ፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ነናብ ርስቱ ተመልሰ።  ህዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናት ኣብ ክፍልታቶም፡+ ነቶም ሌዋውያን እውን ኣብ ክፍልታቶም፡+ እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣኣገልግሎቶም፡+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ኬቕርቡ፡ ኬገልግሉ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ኣጸዳት* የሆዋ እውን ኬመስግኑን ኪውድሱን ሸሞም።+  ካብ ጥሪት ንጉስ ድማ ሓደ ግደ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ እተጻሕፈ፡ ነቲ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን+ ዚሓርር መስዋእትን+ ነቲ ኣብ ሰናብትን+ ኣብ ሰርቅታት ወርሕን+ ኣብ በዓላትን+ ዚቐርብ ዚሓርር መስዋእትን ኪኸውን ተዋህበ።  ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ፡ ንኻህናትን ንሌዋውያንን፡ ኣብ ሕጊ የሆዋ ምእንቲ ኺጸንዑ፡* ግዲኦም ኪህብዎም ኣዘዞም።+  እዚ ትእዛዝ ምስ ወጸ፡ እስራኤላውያን ካብ ፍረ እኽልን ካብ ጕዕሽ ወይንን ካብ ዘይትን+ ካብ መዓርን ካብ ኵሉ እቶት ግራትን በዅራት ኣብዚሖም ሃቡ፣+ ዕሽር ኵሉ ኸኣ ብብዝሒ ኣምጽኡ።+  እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ድማ፡ ዕሽር ከብትን ኣባጊዕን ዕሽር እቲ ንየሆዋ ኣምላኾም ዝቐደስዎ ቕዱስ ነገራትን ኣምጽኡ።+ ኣምጺኦም ከኣ ብዙሕ ኵምራታት ገበርዎ።  ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ+ መባኦም ኪዅምሩ ጀመሩ፣ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ+ ድማ ወድኡ።  ህዝቅያስን እቶም መሳፍንትን መጺኦም ነቲ ዅምራታት ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ንየሆዋ ወደስዎ፡ ንህዝቡ እስራኤል እውን መረቕዎ።  ህዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ነቶም ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ዅምራታት ሓተቶም። 10  እቲ ኻብ ቤት ጻዶቅ ዝዀነ ዓዛርያ እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ “መባእ ናብ ቤት የሆዋ ኼምጽኡ ኻብ ዝጀመሩሉ ግዜ ኣትሒዙ፡+ እቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዚጸግቡ በሊዖም፡ ገና ብዙሕ ተረፍ እውን ኣሎ። የሆዋስ ንህዝቡ ባሪኽዎ ኣሎ፣ እዚ ኣዝዩ ብዙሕ እውን ተረፍ እዩ” በሎ።+ 11  ሽዑ፡ ህዝቅያስ ኣብ ቤት የሆዋ መኽዘናት* ኬዳልዉ ኣዘዞም፣+ ንሳቶም ከኣ ኣዳለዉ። 12  መባእን ዕሽርን+ ቅዱስ ነገራትን ድማ ብተኣማንነት ኣምጽኡ፣ ኮናንያ እቲ ሌዋዊ ድማ ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ ተቘጻጻሪ ዀይኑ ነበረ፣ ሓዉ ሺምዒ ኸኣ ካልኣዩ ነበረ። 13  የሒኤልን ዓዛዝያን ናሓትን ዓሳሄልን የሪሞትን ዮዛባድን ኤሊኤልን ይስማክያን ማሓትን በናያን ድማ፡ ብትእዛዝ ንጉስ ህዝቅያስ ንኮናንያን ንሓዉ ሺምዒን ዚሕግዙ ሰብ መዚ ነበሩ፣ ዓዛርያ ኸኣ ተቘጻጻሪ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነበረ። 14  ቆሬ ወዲ ዪምና፡ እቲ ሓላው እታ ብምብራቕ ዘላ ኣፍ ደገ ዝዀነ ሌዋዊ፡+ ኣብ ልዕሊ እቲ መስዋእቲ ፍታው+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነበረ፣ ነቲ ንየሆዋ እተዋህበ መባእን+ ነቲ ቕዱስ ቅዱሳንን+ ድማ ይዕድል ነበረ። 15  ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ኸኣ፡ ኤደንን ሚንያሚንን እያሱን ሸማዕያን ኣማርያን ሸካንያን፡ ነቶም ኣብ ክፍልታቶም+ ዘለዉ ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ ኣሕዋቶም ብማዕረ ምእንቲ ኺዕድሉ፡ ኣብ ከተማታት ካህናት፡+ ኣብቲ ብእምነት ዚፍጽምዎ ሓላፍነቶም ነበሩ። 16  እዚ ድማ ኣብ ርእሲ እቲ ነቶም ኣብ ምዝገባ ወለዶ እተዘርዘሩ ኻብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤት የሆዋ ኼገልግሉ ዚመጹን ዕዮታት ክፍልታቶም ዚፍጽሙን ዚግበር ዕደላ እዩ። 17  እቲ ምዝገባ ወለዶ ኻህናት ከኣ በብማይ ቤቶም+ ነበረ፣ ናይቶም ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ሌዋውያን እውን፡+ በብዕዮ ኽፍልታቶም ነበረ።+ 18  ብምኽንያት እቲ ብእምነት ዚፍጽምዎ ሓላፍነቶም ነቲ ቕዱስ ዘበለ ተቐዲሶም ነበሩ እሞ፡ እቲ ምዝገባ ወለዶ ንዅሎም ቈልዑኦምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ኰታስ ንብዘሎ ጉባኤኦም የጠቓልል ነበረ። 19  ነቶም ኣብ ከባቢ ኸተማታቶም ኣብ ዘሎ መጓሰዪ ዚኸውን ግራውቲ ዚነብሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን እውን የጠቓልል ነበረ።+ ካብ ካህናት ተባዕታይ ንዘበለን ካብ ሌዋውያን ኣብ ምዝገባ ወለዶ ንዝኣተወ ዘበለን ገግዲኦም ኪህብዎም ድማ፡ ኣብ ኵለን ከተማታት በብስሞም እተሰምዩ ሰባት ነበሩ። 20  ህዝቅያስ ከኣ ኣብ ብዘሎ ይሁዳ እዚ ገበረ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኹ ድማ ጽቡቕን ቅኑዕን እሙንን ዘበለ ገበረ። 21  ምስ ኣገልግሎት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ዚተሓሓዝ ነገር+ ኰነ ኣብ ሕግን ትእዛዝን፡ ንዅሉ እቲ ንኣምላኹ ኺደልዮ ኢሉ ዝገበሮ ዕዮ ብምሉእ ልቡ ገበሮ፡ ቀንዖ እውን።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ሰፈራት።”
ወይ፡ “ንሕጊ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኪውፈዩ።”
ወይ፡ “መመገቢ ኽፍልታት።”