2 ዜና መዋእል 34:1-33

  • ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ (1, 2)

  • ዮስያስ ዝገበሮ ተሓድሶ (3-13)

  • መጽሓፍ ሕጊ ተረኽበት (14-21)

  • ሑልዳ እተነበየቶ ናይ መዓት ትንቢት (22-28)

  • ዮስያስ ነቶም ህዝቢ፡ ካብታ መጽሓፍ ኣንበበሎም (29-33)

34  ዮስያስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 31 ዓመት ነገሰ።+  ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ፣ ብመገድታት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ተመላለሰ፣ ናብ የማን ኰነ ናብ ጸጋም ኣየላገሰን።  ኣብ 8ይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ፣+ ኣብ መበል 12 ዓመት ከኣ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብ በረኽትን+ ኣዕኑድ ኣምልኾን* ቅሩጽ ምስልታትን+ ፍሱስ ምስልታትን ኬንጽሀን ጀመረ።+  ንመሰውኢታት በዓላት ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ፣ ኣብ ልዕሊኡ ንዝነበረ መሰውኢታት ዕጣን ከኣ ቈረጾ። ንኣዕኑድ ኣምልኾን* ንቕሩጽ ምስልታትን ንፍሱስ ምስልታትን ሰባበሮ፡ ኣድቀቖ፡ ኣብ መቓብራት እቶም ዚስውኡሎም ዝነበሩ ድማ ነስነሶ።+  ንኣዕጽምቲ ኻህናት ከኣ ኣብ መሰውኢታቶም ኣንደዶ።+ በዚ ኸምዚ፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ኣንጽሀን።  ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን+ ስምኦንን ክሳብ ንፍታሌም፡ ኣብ ዙርያአን ኣብ ዘለዋ ዑናታት ከኣ፡  መሰውኢታት ኣፍረሰ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾን* ቅሩጽ ምስልታትን+ ድማ ሓምሺሹ ኣድቀቐ፣ ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ዕጣን ቈረጸ፣+ ድሕሪኡ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።  ኣብ መበል 18 ዓመት ንግስናኡ፡ ነታ ምድርን ነታ ቤተ መቕደስን* ምስ ኣንጽሀን፡ ንሻፋን+ ወዲ ኣጻልያን ንማዓስያ እቲ ሓለቓ እታ ኸተማን ንዮኣሕ ወዲ ዮኣሓዝ እቲ መዝጋብን፡ ቤት የሆዋ ኣምላኹ ኺጽግኑ ለኣኾም።+  ንሳቶም ከኣ ናብ ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት መጺኦም፡ ነቲ እቶም ሓለውቲ ማዕጾ ዀይኖም ዜገልግሉ ሌዋውያን ካብ ምናሴን ካብ ኤፍሬምን ካብ ኵሎም ዝተረፉ እስራኤልን+ ካብ ይሁዳን ካብ ብንያምን ካብ ነበርቲ የሩሳሌምን ዝኣከብዎ እሞ ናብ ቤት ኣምላኽ ዝኣተወ ገንዘብ ሃብዎ። 10  ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ቤት የሆዋ እተሸሙ ኸኣ ሃብዎም። እቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዚዓይዩ ዓየይቲ ኸኣ ነታ ቤት ንምዕራይን ንምጽጋንን ተጠቕሙሉ። 11  ውቑር ኣእማንን ንመደገፊ ዚኸውን ኣዕጫውን ኪዕድጉሉ፡ ነተን ነገስታት ይሁዳ ኺዓንዋ ዝሓደግወን ኣባይቲ ድማ ብኣግማል ኪሃንጽወን ኢሎም እውን፡ ንኢደ ጥበበኛታትን ንሃነጽትን ሃብዎም።+ 12  እቶም ሰባት ከኣ ነቲ ዕዮ ብተኣማንነት ገበርዎ።+ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ሓለፍቲ ዀይኖም ኬገልግሉ እተሸሙ ሌዋውያን፡ ካብ መራራውያን፡+ ያሓትን ኦብድያን፡ ካብ ቀሃታውያን፡+ ዘካርያስን መሹላምን ነበሩ። እቶም ክኢላታት ሙዚቀኛታት ዝነበሩ ሌዋውያን ድማ፡+ 13  ኣብ ልዕሊ እቶም ተራ ሸቃሎ* ነበሩ፣ ሓለፍቲ ዅሎም እቶም ኣብ ኵሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዕዮ ዚዓይዩ ዝነበሩ እውን ነበሩ፣ ገለ ኻብቶም ሌዋውያን ከኣ ጸሓፍትን ኣሕሉቕን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ነበሩ።+ 14  ነቲ ናብ ቤት የሆዋ ዝኣተወ ገንዘብ ኬውጽእዎ ኸለዉ ድማ፡+ ካህን ሒልቅያ ነታ ብሙሴ* እተዋህበት+ መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ረኸባ።+ 15  ሒልቅያ ኸኣ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ “ኣብ ቤት የሆዋ መጽሓፍ ሕጊ ረኺበ” በሎ። ሒልቅያ ድማ፡ እታ መጽሓፍ ንሻፋን ሃቦ። 16  ሻፋን ከኣ ነታ መጽሓፍ ናብ ንጉስ ኣምጽኣ እሞ፡ “ገላዉኻ ዅሉ እቲ እተመደበሎም ይገብሩ ኣለዉ። 17  ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦምዎ፡ ነቶም እተሸሙን ነቲ ዕዮ ዚዓይዩን ድማ ሂቦምዎም” ኢሉ ነገሮ። 18  ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ “ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት መጽሓፍ ሂቡኒ” ኢሉ ነገሮ።+ ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ካብኣ ኣንበበ።+ 19  ንጉስ ነቲ ቓላት እቲ ሕጊ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።+ 20  ንጉስ ድማ ንሒልቅያን ንኣሒቃም+ ወዲ ሻፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ እቲ ጊልያ ንጉስን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 21  “ኣቦታትና ንቓል የሆዋ ኸምቲ ዅሉ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እተጻሕፈ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሓለውዎ፡ እቲ ኣባና ዚክዖ ነድሪ የሆዋ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኬድኩም ብዛዕባ እዚ ኣብዛ እተረኽበት መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ቓላት ምእንታይን ምእንቲ እቶም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፉን ንየሆዋ ሕተትዎ።”+ 22  ሽዑ፡ ሒልቅያ ምስቶም ብንጉስ እተላእኩ ዀይኑ ናብ ነብዪት ሑልዳ ኸደ።+ ንሳ ሰበይቲ ሻሉም ወዲ ቲቅዋ ወዲ ሓርሓስ፡ እቲ ሓላው ክዳውንቲ እያ፣ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፋል የሩሳሌም ድማ ትቕመጥ ነበረት። ንሳቶም ከኣ ኣብኡ ተዛረብዋ።+ 23  ንሳ ድማ ከምዚ በለቶም፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ ከምዚ በልዎ፦ 24  “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከም ኵሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ይሁዳ ዘንበብዎ ኣብታ መጽሓፍ እተጻሕፈ መርገም፡+ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣን ኣብ ልዕሊ ነበርታን መዓት ከምጽእ እየ።+ 25  ብዅሉ ግብርታት ኣእዳዎም ምእንቲ ኬዀርዩኒ፡ ንዓይ ሓዲጎም+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይዓጥኑ ስለ ዘለዉ፡+ ነድረይ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣ ኺክዖ እዩ፡ ኣይኪጠፍእን እውን እዩ።’”+ 26  ነቲ ንየሆዋ ኽትሓትቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ቓላት፡+ 27  እቲ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣን ነበርታን እተባህለ ቓላቱ ምስ ሰማዕካ፡ ልብኻ ስለ ዝለስለሰን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ስለ ዝበልካን ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ስለ ዘትሓትካን ክዳውንትኻ ቐዲድካ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻን፡ ኣነ እውን ሰሚዐካ ኣለኹ፡+ ይብል የሆዋ። 28  ስለዚ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፣* ኣብ መቓብርካ ድማ ብሰላም ክትዓርፍ ኢኻ፣ ኣዒንትኻ እውን ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣን ኣብ ልዕሊ ነበርታን ዘምጽኦ መዓት ኣይኪርእያን እየን።’”’”+ ንሳቶም ከኣ ነቲ ንጉስ ምላሽ ኣምጽኡሉ። 29  ሽዑ፡ ንጉስ ለኣኸ እሞ፡ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣከቦም።+ 30  ድሕሪኡ፡ ንጉስ ምስ ኵሎም ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ኰታስ ምስ ኵሎም ህዝቢ፡ ምስ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ናብ ቤት የሆዋ ደየበ። ኵሉ ቓላት እታ ኣብ ቤት የሆዋ እተረኽበት መጽሓፍ ኪዳን ድማ እናሰምዑ ኣንበበ።+ 31  ንጉስ ከኣ ኣብ ቦታኡ ደው ኢሉ፡ ቃላት እቲ ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ እተጻሕፈ ኺዳን ብምፍጻም፡+ ንየሆዋ ኸም ዚስዕቦ፡ ትእዛዛቱን መዘኻኸሪታቱን ስርዓታቱን ከኣ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን*+ ከም ዚሕሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዳን ኣተወ።*+ 32  ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌምን ብንያምን እተረኽቡ እውን ከም ዚሰማምዑሉ ገበረ። ነበርቲ የሩሳሌም ከኣ ከምቲ ኺዳን ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ገበሩ።+ 33  ድሕሪኡ፡ ዮስያስ ካብ ኵለን ሃገራት እስራኤላውያን ፍንፉን* ዘበለ ዅሉ ኣርሓቐ፣+ ኣብ እስራኤል ንእተረኽቡ ዘበሉ ዅሎም ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኾም ከም ዜገልግልዎ ገበሮም። ብዅሉ ዘመኑ* ኸኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ካብ ምስዓብ ኣየልገሱን።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ቤትን።”
ወይ፡ “ጾር ዚጾሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብኢድ ሙሴ።”
እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኺዳን ሓደሰ።”
ወይ፡ “ጣኦታት።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታቱ።”