2 ዜና መዋእል 35:1-27
35 ዮስያስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ንየሆዋ ፋስጋ ኣብዓለ፣+ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ+ ኸኣ መስዋእቲ ፋስጋ ሓረዱ።+
2 ንሱ ድማ ነቶም ካህናት ኣብ ዕዮኦም መደቦም፡ ኣብ ቤት የሆዋ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ እውን ኣተባብዖም።+
3 ነቶም መምህራን ኵሉ እስራኤል ዝዀኑ ንየሆዋ እተቐደሱ ሌዋውያን+ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ነቲ ቕዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ዝሃነጻ ቤት ኣንብርዎ፣+ ደጊም ኣብ መንኵብኩም ኣይክትጾርዎን ኢኹም።+ ሕጅስ ንየሆዋ ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም።
4 ነቲ ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ወዱ ሰሎሞንን ዝጸሓፍዎ ስዒብኩም ከኣ፡ በብማይ ቤትኩም በብኽፍልኹም ተዳለዉ።+
5 በብማይ ቤት ኣሕዋትኩም እቶም ዝተረፉ ህዝቢ፡* በብጕጅለ ማይ ቤት ሌዋውያን፡ ተጐጂልኩም ኣብቲ መቕደስ ደው በሉ።
6 መስዋእቲ ፋስጋ ድማ ሕረዱ፡+ ተቐደሱ፣ ኣሕዋትኩም ከምቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ቓል የሆዋ ኺገብሩ ኸኣ ኣዳልውዎም።”
7 ዮስያስ ድማ ነቲ ህዝቢ፡ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ ዘበሉ፡ ካብ መጓሰ ብድምር 30,000 ገንሸልን* ወጠጦን 3,000 ከብትን ሃቦም። እዚ ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚኸውን ኰይኑ፡ ካብ ጥሪት ንጉስ ነበረ።+
8 መሳፍንቱ እውን ነቲ ህዝብን ነቶም ካህናትን ነቶም ሌዋውያንን፡ መስዋእቲ ፍታው ዚኸውን ሃብዎም። ሒልቅያን+ ዘካርያስን የሒኤልን እቶም መራሕቲ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ፡ ነቶም ካህናት 2,600 መስዋእቲ ፋስጋን 300 ከብትን ሃብዎም።
9 ኮናንያን ኣሕዋቱ ሸማዕያን ናትናኤልን፡ ምስቶም ሓሻብያን የዒኤልን ዮዛባድን ዚብሃሉ ኣሕሉቕ ሌዋውያን ኰይኖም፡ ንሌዋውያን 5,000 መስዋእቲ ፋስጋን 500 ኸብትን ሃብዎም።
10 እቲ ኣገልግሎት ከኣ ተዳለወ፣ ከምቲ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞም ድማ፡ እቶም ካህናት ኣብ ቦታኦም፡ እቶም ሌዋውያን እውን በብኽፍሎም ደው በሉ።+
11 መስዋእቲ ፋስጋ ድማ ሓረዱ፣+ እቶም ሌዋውያን ነቶም እንስሳታት ኪጠብሑ ኸለዉ ኸኣ፡+ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካባታቶም ተቐቢሎም ነጸግዎ።+
12 እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኸምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጻሒፉ ዘሎ ዀይኑ ንየሆዋ ምእንቲ ኪቐርብ ድማ፡ ነቶም በብማይ ቤት እተጐጀሉ ዝተረፉ ህዝቢ ምእንቲ ኺዕድልዎ ኣዳለውዎ፣ ነቶም ከብቲ እውን ከምኡ ገበርዎም።
13 ነቲ መስዋእቲ ፋስጋ ድማ ከምቲ ልምዲ ኣብ ሓዊ ኣብሰልዎ፣*+ ነቲ ቕዱስ መስዋእቲ ኸኣ ኣብ ቍራዓትን ኣብ ዓበይቲ ቝራዓትን ኣብ መቕሎታትን ኣብሲሎም፡ ቀልጢፎም ናብ ኵሉ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣምጽእዎ።
14 ድሕሪኡ፡ ንርእሶምን ንኻህናትን ኣዳለዉ፣ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ክሳዕ ለይቲ ዚሓርር መስዋእትን ስብሕን ይስውኡ ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ሌዋውያን ንርእሶምን ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮንን ኣዳለዉ።
15 እቶም ዘመርቲ ደቂ ኣሳፍ ድማ፡+ ከም ትእዛዝ ዳዊትን+ ኣሳፍን+ ሄማንን የዱቱን+ እቲ ናይ ንጉስ ብዓል ራእይን ኣብ በቦታኦም ነበሩ፣ እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ኣብ እተፈላለየ ኣፍ ደገታት ነበሩ።+ ኣሕዋቶም እቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ኣገልግሎቶም ኬልግሱ ኣየድልዮምን ነበረ።
16 ከም ትእዛዝ ንጉስ ዮስያስ ድማ፡+ ፋስጋ ኺብዓልን+ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ የሆዋ ኪቐርብን በታ መዓልቲ እቲኣ ዅሉ ኣገልግሎት የሆዋ ተዳለወ።
17 እቶም ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤላውያን ከኣ በታ ግዜ እቲኣ ፋስጋ ኣብዓሉ፣ በዓል ቅጫ እውን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዓሉ።+
18 ካብ ዘመን ነብዪ ሳሙኤል ኣትሒዙ፡ ኣብ እስራኤል ከምኡ ዝበለ ፋስጋ ኣይተባዕለን፣ ካብ ነገስታት እስራኤል፡ ከምቲ ዮስያስን እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ኣብኡ እተረኽቡ ይሁዳን እስራኤልን ነበርቲ የሩሳሌምን ዝገበርዎ ገይሩ ፋስጋ ዘብዓለ ሓደ እኳ የልቦን።+
19 እዚ ፋስጋ እዚ፡ ኣብ መበል 18 ዓመት ንግስና ዮስያስ ተባዕለ።
20 ድሕሪ እዚ ዅሉ፡ ዮስያስ ነታ ቤተ መቕደስ* ምስ ኣዳለዋ፡ ኔኮ+ ንጉስ ግብጺ ኣብ ከርከሚሽ ጥቓ ኤፍራጥስ ኪዋጋእ ደየበ። ዮስያስ ከኣ ኪጻረሮ ወጸ።+
21 ንሱ ድማ፡ “ኦ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ምሳኻ እንታይ ኣለዎ፧ ውግአይ ምስ ካልእ ቤት ደኣ እዩ እምበር፡ ሎሚ ናባኻ ኣይኰንኩን ዝመጽእ ዘለኹ፣ ኣምላኽ ድማ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ እዩ። ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ ነቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ምጽራር ሕደግ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ኬጥፍኣካ እዩ” ኢሉ ልኡኻት ለኣኸሉ።
22 ዮስያስ ግና ካብኡ ኣይተመልሰን፣ የግዳስ፡ ምስኡ ኺዋጋእ ትርኢቱ ለወጠ፣+ ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝመጸ ቓል ኔኮ ኸኣ ኣይሰምዖን። ኣብ ጐልጐል መጊዶ ድማ ኪዋጋእ መጸ።+
23 ቀስተኛታት ከኣ ንንጉስ ዮስያስ ወግእዎ፣ ንጉስ ድማ ንገላዉኡ፡ “ብብርቱዕ ቈሲለ እየ እሞ፡ ካብዚ ኣውጽኡኒ” በሎም።
24 ገላዉኡ ኸኣ ካብቲ ሰረገላ ኣውሪዶም ኣብ ካልኣይ ሰረገላ ኣደይቦም ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ። በዚ ኸምዚ ሞተ፡ ኣብ መቓብር ኣቦታቱ ኸኣ ተቐብረ፣+ ኵሎም ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ንዮስያስ ሓዘኑሉ።
25 ኤርምያስ+ ከኣ ንዮስያስ ኣልቀሰሉ፣ ኵሎም እቶም ተባዕትዮን ኣንስትዮን ዘመርቲ+ ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ልቕሶኦም ብዛዕባ ዮስያስ የልቅሱ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪልቀስ ወሰኑ፣ ኣብ ልቕሶታት ድማ ተጻሒፉ ኣሎ።
26 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮስያስን እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ ተጻሒፉ ዘሎ ብተኣማንነት ብዘርኣዮ ፍቕሪ ዝገበሮ ግብርታትን
27 እቲ ዝገበሮን፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጻሒፉ ኣሎ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ደቂ ህዝቢ።”
^ ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
^ ወይ፡ “ጠበስዎ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”