2 ዜና መዋእል 36:1-23

  • ዮኣሓዝ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-3)

  • ዮያቂም፡ ንጉስ ይሁዳ (4-8)

  • ዮያኪን፡ ንጉስ ይሁዳ (9, 10)

  • ጼዴቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳ (11-14)

  • ጥፍኣት የሩሳሌም (15-21)

  • እታ ቤተ መቕደስ ዳግም ክትህነጽ ቂሮስ ዘውጽኦ ኣዋጅ (22, 23)

36  ህዝቢ እታ ምድሪ ድማ ንዮኣሓዝ+ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣብ የሩሳሌም ኣንገስዎ።+  ዮኣሓዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 23 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ነገሰ።  ግናኸ፡ ንጉስ ግብጺ ኣብ የሩሳሌም ካብ ስልጣኑ ኣውረዶ፡ ነታ ምድሪ ድማ 100 ታለንት* ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን መቕጻዕቲ ኽትከፍል ሰልዓላ።+  ንጉስ ግብጺ ኸኣ ንኤልያቂም ሓው ዮኣሓዝ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ፣ ስሙ ድማ ናብ ዮያቂም ለወጦ። ኔኮ+ ኸኣ ንሓዉ ዮኣሓዝ ወሲዱ ናብ ግብጺ ኣምጽኦ።+  ዮያቂም+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 11 ዓመት ነገሰ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ።+  ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ብኽልተ መቝሕ ነሓሲ ኣሲሩ ናብ ባቢሎን ኪወስዶ ኢሉ ኣንጻሩ ደየበ።+  ነቡካድነጻር ድማ ገለ ኻብ ኣቕሑ ቤት የሆዋ ናብ ባቢሎን ወሰደ፡ ኣብ ቤተ መንግስቱ ኣብ ባቢሎን ከኣ ኣንበሮ።+  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮያቂም፡ እቲ ዝገበሮ ፍንፉን ነገራትን እንታይ ከም እተረኽቦን፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጻሒፉ ኣሎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮያኪን ነገሰ።+  ዮያኪን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 18 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ነገሰ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ።+ 10  ኣብ መጀመርታ ዓመት፡* ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ንዕኡ ምስቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ኽቡር ኣቕሑ+ ናብ ባቢሎን ኬምጽእዎ ለኣኸ።+ ንጼዴቅያስ ሓው ኣቦኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ።+ 11  ጼዴቅያስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 21 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 11 ዓመት ነገሰ።+ 12  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኹ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ። ኣብ ቅድሚ እቲ ብትእዛዝ የሆዋ ዚዛረብ ነብዪ ኤርምያስ ርእሱ ኣየትሓተን።+ 13  ካብቲ ብኣምላኽ ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ነቡካድነጻር ድማ ዓለወ፣+ ነቓጽን* ተሪር ዝልቡን ኰነ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እውን ምምላስ ኣበየ። 14  ኵሎም እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ህዝብን ከኣ ከም ኵሉ ፍንፉን ነገራት ኣህዛብ ብዙሕ ጥልመት ገበሩ፣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝቐደሳ ቤት የሆዋ ድማ ኣርከስዋ።+ 15  የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝራሕርሓሎም፡ ብልኡኻቱ ገይሩ የጠንቅቖም፡ ደጋጊሙ የጠንቅቖም ነበረ። 16  ንሳቶም ግና ነድሪ የሆዋ ናብ ህዝቡ ኽሳዕ ዚመጽእ፡+ ኪሓውዩ ዘይክእሉ ኽሳዕ ዚዀኑ፡ ንልኡኻት እቶም ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣላገጹሎም፡+ ንቓሉ ኸኣ ነዓቕዎ፡+ ንነብያቱ እውን ኣባጨዉሎም።+ 17  ስለዚ፡ ንንጉስ ከለዳውያን ኣንጻሮም ኣደየቦ፣+ ንሱ ኸኣ፡ ኣጕባዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም+ ብሰይፊ ቐተለ፣+ ንጐበዝ ኰነ ንድንግል፡ ንዓብዪ ዀነ ንኣረጊት ኣይራሕርሐን።+ ኣምላኽ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ።+ 18  ዓብይን ንእሽቶን ዘበለ ዅሉ ኣቕሑ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን መዛግብቲ ቤት የሆዋን መዛግብቲ ንጉስን መሳፍንቱን፡ ኰታስ ኵሉ ናብ ባቢሎን ወሰደ።+ 19  ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣንደዳ፡+ ንመካበብያ የሩሳሌም ኣፍረሶ፡+ ንዅሉ እተዓርደ ግምብታታ ብሓዊ ኣንደዶ፡ ኵሉ ኽቡር ነገር ድማ ኣጥፍአ።+ 20  ነቶም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ+ ኸኣ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም፣ መንግስቲ* ፋርስ ክሳዕ እትነግስ+ ድማ ንዕኡን ንደቁን ገላዉ ዀኑ።+ 21  እዚ ኸኣ እቲ ብኤርምያስ እተዘርበ ቓል የሆዋ ኽሳዕ ዚፍጸም፡+ እታ ምድሪ ድማ ሰናብታ ኽሳዕ እትኸፍል ኰነ።+ ብዅለን እተን ባዲማትለን ዝነበረት መዓልትታት፡ 70 ዓመት ንምምላእ፡ ሰናብቲ ሓለወት።+ 22  ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ቂሮስ+ ንጉስ ፋርስ፡ እቲ ብኤርምያስ እተዘርበ ቓል የሆዋ+ ምእንቲ ኺፍጸም፡ የሆዋ ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ ብዘላ መንግስቱ እቲ ብጽሑፍ እውን ዝሰፈረ ኸምዚ ዚብል ኣዋጅ ኪእውጅ ኣለዓዓሎ፦+ 23  “ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ ሰማያት፡ መንግስትታት ኵላ ምድሪ ሂቡኒ ኣሎ፣+ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ቤት ክሰርሓሉ እውን መዚዙኒ ኣሎ።+ ካብ ህዝቡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ዘበለ፡ የሆዋ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን እሞ ይደይብ።’”+

እግረ ጽሑፍ

ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣብ ከባቢ መፋርቕ መጋቢት ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ተሪር ዝኽሳዱን።”
ወይ፡ “ንግስነት።”