2 ዜና መዋእል 5:1-14

  • ንመመረቕታ እታ ቤተ መቕደስ እተገብረ ምድላዋት (1-14)

    • እቲ ታቦት ናብታ ቤተ መቕደስ ኣተወ (2-10)

5  በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት የሆዋ ዝዓየዮ ዅሉ ዕዮ ወድአ።+ ሰሎሞን ድማ ነቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝቐደሶ ኣምጽኦ፣+ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ንዅሉ እቲ ኣቕሑን ከኣ ኣብ መዛግብቲ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣንበሮ።+  ሽዑ፡ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤል፡ ንዅሎም ርእስታት ነገዳት፡ ንሹማምንቲ ማይ ቤታት እስራኤል ኣከቦም። ንሳቶም ድማ ንታቦት ኪዳን የሆዋ ኻብ ከተማ ዳዊት፡+ ንሳ ጽዮን፡+ ኬደይብዎ፡ ናብ የሩሳሌም መጹ።  ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ዚግበር በዓል፡* ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተኣከቡ።+  ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ መጹ፣ እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ።+  ነቲ ታቦትን ነቲ ድንኳን ምርኻብን+ ንዅሉ እቲ ኣብቲ ድንኳን ዝነበረ ቕዱስ ኣቕሑን ከኣ ኣደየብዎ። እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን* ድማ ኣደየብዎ።  ንጉስ ሰሎሞንን ብዘሎ እቲ ምስኡ ኺእከብ እተጸውዐ ኣኼባ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ነበሩ። ካብ ምብዛሐን እተላዕለ ኺጽብጸባን ኪቝጸራን ዘይከኣላ ኣባጊዕን ከብትን ከኣ ይስውኡ ነበሩ።+  እቶም ካህናት ድማ ንታቦት ኪዳን የሆዋ ናብ ቦታኡ፡ ናብታ ውሽጣዊት ክፍሊ እታ ቤት፡ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ኣእተውዎ።+  ስለዚ፡ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ኣብ ልዕሊ ቦታ እቲ ታቦት ተዘርጊሑ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ኪሩቤል ነቲ ታቦትን ነቲ ዘንግታቱን+ ካብ ላዕሊ ኸደንዎ።  እቲ ዘንግታት ከኣ ካብ ምንዋሑ እተላዕለ፡ ጫፍ እቲ ዘንግታት ካብታ ኣብ ቅድሚ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ ዘላ ቕድስቲ ይርአ ነበረ፣ ካብ ወጻኢ ግና ኣይርአን ነበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ። 10  ኣብቲ ታቦት ከኣ ብዘይካ እተን ህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ኣብ ዚወጹሉ ግዜ፡+ የሆዋ ምሳታቶም ኪዳን ኪኣቱ ኸሎ+ ሙሴ ኣብ ሆሬብ ኣብኡ ዘንበረን ክልተ ጽላት፡+ ካልእ ኣይነበረን። 11  እቶም ካህናት ካብታ መቕደስ ምስ ወጹ፡ (ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናትሲ ኻበየናይ ክፍሊ+ ምዃኖም ብዘየገድስ ተቐዲሶም ነበሩ)፡+ 12  ኵሎም እቶም ናይ ኣሳፍን+ ናይ ሄማንን+ ናይ የዱቱንን+ ናይ ደቆምን ኣሕዋቶምን ዝዀኑ ሌዋውያን ዘመርቲ፡+ ቅጭን ዓለባ ተኸዲኖም፡ ጸናጽል ሸሓንን በገናን መሰንቆን* ከኣ ሒዞም ነበሩ፣ ብምብራቕ እቲ መሰውኢ እውን ደው ኢሎም ነበሩ፣ ምሳታቶም ድማ 120 ካህናት መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።+ 13  እቶም ሰብ መለኸትን እቶም ዘመርትን ብሓደ ድምጺ ንየሆዋ ምስ ወደስዎን ምስ ኣመስገንዎን፡ “ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ”+ ኢሎም ንየሆዋ ኺውድስዎ ኸለዉ ድማ እቲ ድምጺ ኻብቲ መለኸትን ጸናጽል ሸሓንን ካልእ ናውቲ ሙዚቃን ምስ ዓረገ፡ እታ ቤት፡ ቤት የሆዋ፡ ብደበና ተመልአት።+ 14  ነታ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክብሪ የሆዋ መሊእዋ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከኣሉን።+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ በዓል ዳስ።
ወይ.፡ “እቶም ሌዋውያን ካህናት።”
ወይ፡ “ክራርን።”
ወይ፡ “ሰናይ።”