2 ዜና መዋእል 7:1-22

  • እታ ቤተ መቕደስ ብኽብሪ የሆዋ መልአት (1-3)

  • ጽምብል መመረቕታ (4-10)

  • የሆዋ ንሰሎሞን ተራእዮ (11-22)

7  ሰሎሞን ምጽላይ ምስ ወድአ ድማ፡+ ሓዊ ኻብ ሰማያት ወሪዱ+ ነቲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዖ፣ ነታ ቤት ከኣ ክብሪ የሆዋ መልኣ።+  ክብሪ የሆዋ ነታ ቤት የሆዋ መሊእዋ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህናት ናብ ቤት የሆዋ ኺኣትዉ ኣይከኣሉን።+  ሓዊ ኺወርድ ከሎን ክብሪ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ከሎን፡ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ይርእዩ ነበሩ፣ ብገጾም ናብቲ እምኒ እተነጽፎ ምድሪ ፍግም ኢሎም ሰጊዶም፡ “ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ኢሎም ንየሆዋ ኣመስገንዎ።  ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ኣቕረቡ።+  ንጉስ ሰሎሞን ከኣ 22,000 ከብትን 120,000 በጊዕን መስዋእቲ ገይሩ ኣቕረበ። በዚ ኸምዚ፡ ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መረቕዋ።+  እቶም ካህናት ድማ ኣብቲ እተመደበሎም ዕዮ ደው ኢሎም ነበሩ፣ እቶም ንየሆዋ ዚዝመር መዝሙር ዜሰኒ ናውቲ ዝሓዙ ሌዋውያን እውን ከምኡ።+ (ዳዊት ምሳታቶም* ኰይኑ ኺውድስ ከሎ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ” ተባሂሉ የሆዋ ኺምስገነሉ ኢሉ ንጉስ ዳዊት ነዚ ናውቲ እዚ ገይርዎ ነበረ።) እቶም ካህናት ከኣ ኣብ መንጽሮም ኰይኖም ዓው ኣቢሎም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ፣+ ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ደው ኢሎም ነበሩ።  እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ መሰውኢ ነሓሲ+ ንዚሓርር መስዋእትን ንመስዋእቲ እኽልን+ ንስብሕታትን ዚኣክል ኣይነበረን እሞ፡+ ሽዑ፡ ሰሎሞን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ቤት የሆዋ ዘሎ ማእከል ኣጸድ ዚሓርር መስዋእትን+ ስብሕታት መስዋእቲ ሕብረትን ኬቕርብ ስለ ዝነበሮ፡ ንዕኡ ቐደሶ።  በታ ግዜ እቲኣ፡ ሰሎሞን ምስ ኵሉ እስራኤል፡ ማለት ካብ ለቦ-ሓማት* ክሳብ ርባ* ግብጺ+ ምስ እተኣከበ ኣዝዩ ዓብዪ ጉባኤ ሓቢሩ፡ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓለ።+  ንመመረቕታ እቲ መሰውኢ ሸውዓተ መዓልቲ፡ ንበዓል ከኣ ሸውዓተ መዓልቲ ገይሮም ነበሩ እሞ፡ ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ* ፍሉይ ኣኼባ ገበሩ።+ 10  ኣብ መበል 23 መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፣ ንሳቶም ከኣ በቲ የሆዋ ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኵሉ ጽቡቕ ነገር እናተሓጐሱን+ ልቦም ባህ ኢልዎምን ነናብ ቤቶም ከዱ።+ 11  በዚ ኸምዚ፡ ሰሎሞን፡ ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን ወድአ፣+ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ቤት የሆዋን ብዛዕባ ቤቱን ኪገብር ንሰሎሞን ናብ ልቡ ዝመጾ ዘበለ ኸኣ ሰለጦ።+ 12  የሆዋ ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተራእዮ፡+ ከምዚ እውን በሎ፦ “ጸሎትካ ሰሚዐዮ ኣለኹ፣ ነዛ ቦታ እዚኣ እውን ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ንዓይ ሓርየያ ኣለኹ።+ 13  ንሰማያት ምስ ዝዓጽዎ እሞ ዝናም ምስ ዘይህሉ፡ ጐደበ ንምድሪ ኺበልዓ ኸኣ ምስ ዝእዝዝ፡ ኣብ መንጎ ህዝበይ ድማ ለበዳ እንተ ሰዲደ፡ 14  እዞም ስመይ ኣባታቶም እተጸውዐ ህዝበይ+ ከኣ ትሕት እንተ ኢሎምን+ ገጸይ እንተ ደልዮምን ካብ ክፉእ መገዶም እንተ ተመሊሶምን፡+ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማያት ክሰምዕ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮም እውን ከሕውየሎም እየ።+ 15  ሕጂ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛነይ እውን ኬድህባ እየን።+ 16  ሕጂ ድማ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይ ንሓዋሩ ኣብኣ ኪኸውን ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ፣+ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ወትሩ ኣብኣ ኪኸውን እዩ።+ 17  “ንስኻ ድማ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ብምግባር፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላሊስካ፡ ስርዓታተይን ፍርድታተይን እውን እንተ ሓሊኻ፡+ 18  ሽዑ ኣነ ኸምቲ ንኣቦኻ ዳዊት፡ ‘ካባኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዚገዝእ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’+ ኢለ ኺዳን ዝኣቶኹሉ፡+ ዝፋን ንግስናኻ ኸጽንዕ እየ።+ 19  ግናኸ፡ ንስኻትኩም እንተ ተመሊስኩም፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕግታተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓዲግኩምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩምዎምን እንተ ሰጊድኩምሎምን፡+ 20  ንእስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድረይ ክምንቍሶም እየ፣+ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፣ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ድማ መመሰልን መላገጽን ክገብራ እየ።+ 21  እዛ ቤት እዚኣ ኸኣ ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ። ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ድማ ተገሪሙ ኺጥምታ፡+ ‘የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ከምዚ ዝገበረን ስለምንታይ እዩ፧’ እውን ኪብል እዩ።+ 22  ሽዑ፡ ‘ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም+ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደግዎ፡+ ካልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሓዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዩ።+ ስለዚ እዩ እዚ ዅሉ መዓት ኣብ ልዕሊኦም ዘምጽአ’+ ኺብሉ እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰናይ።”
ንሌዋውያን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”
ወይ፡ “ስንጭሮ።”
ጽባሕ እቲ በዓል፡ ወይ ኣብታ መበል 15 መዓልቲ።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”