2 ዜና መዋእል 8:1-18

  • ካልእ ዕዮታት ህንጸት ሰሎሞን (1-11)

  • ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚግበር ኣምልኾ ተወደበ (12-16)

  • መራኽብ ሰሎሞን (17, 18)

8  ኣብ መወዳእታ እተን ሰሎሞን ንቤት የሆዋን ንቤቱን* ዝሃነጸለን 20 ዓመት፡+  ሰሎሞን ነተን ሒራም+ ንሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ዳግም ሰርሐን፣ ንእስራኤላውያን* ከኣ ኣብአን ኣስፈሮም።  ሰሎሞን ድማ ናብ ሓማት-ጾባ ኸይዱ ሓዛ።  ኣብ በረኻ ኸኣ ንታድሞር ሰርሓ፣* ንዅለን እተን ኣብ ሓማት+ እተሰርሓ ኸተማታት መኽዘን እውን ሰርሐን።+  ንላዕለዋይ ቤት-ሖሮንን+ ንታሕተዋይ ቤት-ሖሮንን+ ድማ፡ መካበብያን መዓጹን ተገዳማትን ዘለወን እተዓርዳ ኸተማታት ገይሩ ሰርሐን፣  ንበዓላትን+ ንዅለን ናይ ሰሎሞን ከተማታት መኽዘንን ንዅለን ከተማታት ሰረገላታትን+ ንኸተማታት ፈረሰኛታትን ነቲ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵላ ምድሪ ግዝኣቱን ኪሰርሖ እተመነዮ ዘበለን ከኣ ሰርሐ።  ኵሎም እቶም ካብ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን+ ዝተረፉ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ዘይኰኑ ህዝቢ፡+  እቶም እስራኤላውያን ዘየጽነትዎም+ ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ዘርኦም፡ ሰሎሞን ንዓታቶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ገበሮም።+  እስራኤላውያን ግና ተዋጋእቱን ኣሕሉቕ ሓገዝቱን ኣሕሉቕ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ነበሩ እምበር፡+ ሰሎሞን ካባታቶም ንዕዮኡ ባሮት ኣይገበረን።+ 10  ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ ኣዘዝቲ፡ 250 ናይ ንጉስ ሰሎሞን ኣሕሉቕ ሓለፍቲ ነበሩ።+ 11  ሰሎሞን ድማ ንጓል ፈርኦን+ ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ዝሃነጸላ ቤት ኣደየባ፣+ ከመይሲ፡ “እተን ታቦት የሆዋ ዝኣተወን ቦታታት ቅዱሳት ስለ ዝዀና፡ ሰበይተይ እኳ እንተ ዀነት፡ ኣብ ቤት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ክትቅመጥ የብላን” ኢሉ ነበረ።+ 12  ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ገበላ+ ዝሰርሖ መሰውኢ+ የሆዋ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ንየሆዋ ኣቕረበ።+ 13  ከምቲ ትእዛዝ ሙሴ ብሰናብቲ፡+ ብሰርቅታት ወርሒ፡+ በቲ ምዱብ በዓላት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት፡+ ማለት ብበዓል ቅጫን+ ብበዓል ሰሙናትን+ ብበዓል ዳስን፡+ ነንመዓልቲ ዚግባእ ልማድ ስዒቡ ይስውእ ነበረ። 14  ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝሰርዖ ኸኣ፡ ነቶም ክፍልታት ካህናት+ ኣብ ኣገልግሎቶም፡ ነቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ኻህናት ከምቲ መዓልታዊ ልማዶም ኪውድሱን+ ኬገልግሉን ኣብቲ እተመደበሎም ዕዮ፡ ነቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ እውን ኣብ ክፍልታቶም ኣብ እተፈላለየ ኣፍ ደገታት+ ሸሞም፣ ከመይሲ፡ ዳዊት እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ከምኡ ኣዚዙ ነበረ። 15  ካብቲ ንኻህናትን ንሌዋውያንን ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ወይ ብዛዕባ ማዕከናት እተዋህበ ትእዛዝ ንጉስ ድማ ኣየላገሱን። 16  ስለዚ፡ ዕዮ ሰሎሞን፡ ካብታ መሰረት ቤት የሆዋ እተሰረተትላ+ መዓልቲ ኣትሒዙ ኽሳዕ እታ እተፈጸመትላ፡ ኵሉ ብግቡእ እተወደበ ነበረ።* ቤት የሆዋ ኸኣ ተወድአት።+ 17  ሽዑ፡ ሰሎሞን ናብተን ኣብ ገምገም ባሕሪ ምድሪ ኤዶም ዘለዋ ዔጽዮን-ገበርን+ ኤሎትን+ ከደ።+ 18  ሒራም+ ድማ ብገላዉኡ ገይሩ መራኽብን ምኩራት ባሕረኛታትን ሰደደሉ፣ ንሳቶም ከኣ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ናብ ኦፊር+ ከይዶም፡ ካብኣ 450 ታለንት* ወርቂ+ ወሲዶም ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣምጽእዎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንቤተ መንግስቱን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንደቂ እስራኤል።”
ወይ፡ “ዳግም ሰርሓ።”
ወይ፡ “ኵሉ ብግቡእ እተዳለወ ነበረ፣ ኵሉ ተወድአ።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።