ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሃዋርያ ጳውሎስ “ናብ ሳልሳይ ሰማይ”ን “ናብ ገነት”ን “እተመንዝዐ” ብኸመይ እዩ፧—2 ቈረ. 12:2-4

ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:2, 3፡ ጳውሎስ “ናብ ሳልሳይ ሰማይ” ብዛዕባ “እተመንዝዐ” ሰብ ተዛሪቡ ኣሎ። እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ሰብ እቲ መን እዩ፧ ጳውሎስ ናብ ጉባኤ ቈረንቶስ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ኣምላኽ ከም ሃዋርያ ገይሩ ይጥቀመሉ ምንባሩ ኣጕሊሑሎም እዩ። (2 ቈረ. 11:5, 23) ድሕሪኡ ኸኣ ብዛዕባ “ራእያትን ግልጸታትን ጐይታ” ጠቒሱ ኣሎ። ጳውሎስ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ንኻልኦት ኣሕዋት ኣይጠቐሰን። እምበኣር፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፣ ራእያትን ግልጸታትን ከም እተቐበለ ሰብ ገይሩ ድማ እዩ ንርእሱ ዚገልጻ ነይሩ።—2 ቈረ. 12:1, 5

ስለዚ፡ ጳውሎስ እዩ ‘ናብ ሳልሳይ ሰማይን ናብ ገነትን ተመንዚዑ።’ (2 ቈረ. 12:2-4) “ግልጸታት” እትብል ቃል እተጠቕመ ኸኣ፡ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ነገር ከም እተገልጸሉ ንምሕባር እዩ።

እሞ ደኣ ጳውሎስ ኣብ “ሳልሳይ ሰማይ” እንታይ እዩ ርእዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ሰማይ” እትብል ቃል ንግኡዝ ሰማያት ከተመልክት ትኽእል እያ። (ዘፍ. 11:4፣ 27:28፣ ማቴ. 6:26) ኰይኑ ግና፡ እታ “ሰማይ” እትብል ቃል ካልእ ትርጉም እውን ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንሰብኣዊ ግዝኣት ተመልክት እያ። (ዳን. 4:20-22) ወይ ድማ ንመለኮታዊ ግዝኣት፡ ንኣብነት ንግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ተመልክት እያ።—ራእ. 21:1

ጳውሎስ “ሳልሳይ ሰማይ” ርእዩ እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ነገር ንምጕላሕ፡ ንምውዕዋዕ፡ ወይ ብርታዐኡ ንምሕባር ሰለስተ ሳዕ ይደጋግም እዩ። (ኢሳ. 6:3፣ ህዝ. 21:27፣ ራእ. 4:8) ጳውሎስ “ሳልሳይ ሰማይ” ኢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ሓደ ግዝኣት ብሉጽን ልዑልን ምዃኑ ዜጕልሕ ዝነበረ፡ ማለት ብዛዕባ እታ የሱስ ክርስቶስን 144,000 መጋዝእቱን ዚነግሱላ መሲሓዊት መንግስቲ ዚዛረብ ዝነበረ እዩ ዚመስል። (ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 1059, 1062 ርአ።) ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝጸሓፎ፡ ኣምላኽ ዘተስፈወና “ሓድሽ ሰማያት” ንጽበ ኣለና።—2 ጴጥ. 3:13

ጳውሎስ “ገነት” ምጥቃሱኸ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

እታ “ገነት” እትብል ቃል እውን ከምዚ ዚስዕብ ዚብል በበይኑ ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ፦ (1) ነታ ፈለማ ዝነበረት መንበሪት ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ገነት” እትብል ቃል ነታ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ እትህሉ ቓል ብቓሉ ገነት ከተመልክት ትኽእል እያ። (2) ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህልዎም መንፈሳዊ ዅነታት ከተመልክት ትኽእል እያ። (3) ነቲ ኣብ ሰማይ ዚህሉ ኣብ ራእ. 2:7 “ገነት ኣምላኽ” ተባሂሉ እተጠቕሰ እተባረኸ ዅነታት ከተመልክት ትኽእል እያ።—ናይ 15 ሓምለ 2015 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 8 ሕ.ጽ. 8 ርአ።

ጳውሎስ ኣብቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:4 ዘሕለፎ ተመክሮ ንሰለስቲኡ መዳያት የመልክት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ነዚ ጽምቝ ኣቢልና ንምግላጽ፦

እቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:2 ተጠቒሱ ዘሎ “ሳልሳይ ሰማይ” ነቲ የሱስ ክርስቶስን እቶም 144,000ን ዝገዛእቱ “ሓድሽ ሰማያት” ዜመልክት ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ።—2 ጴጥ. 3:13

“ሳልሳይ ሰማይ” እተባህለ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብሉጽን ልዑልን ዓይነት ኣገዛዝኣ ስለ እትገዝእ እዩ።

እታ ጳውሎስ ብራእይ “ተመንዚዑ” ዝኸዳ “ገነት” ድማ፡ (1) ነታ ኣብ ምድሪ እትህሉ ቓል ብቓሉ ገነት፡ (2) ነታ ሽዑ እትህሉ ኻብዚ ሕጂ ዘሎ መንፈሳዊ ገነት እውን ኣመና እትሰፍሕ መንፈሳዊት ገነት፡ ከምኡ ድማ (3) ነታ ኣብ ግዜ ሓዳስ ዓለም ኣብ ሰማይ እትህሉ “ገነት ኣምላኽ” እተመልክት ክትከውን ኣለዋ።

ስለዚ፡ ሓዳስ ዓለም ናይ ሓድሽ ሰማያትን ናይ ሓዳስ ምድርን ድምር እያ ኽትከውን። ነታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽን ነቶም ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ንየሆዋ ዜገልግሉ ደቂ ሰብን ዝሓቘፈ ሓድሽ መሰናድዎ እያ ኽትከውን።