ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ኣምላኽ ከም ዚድንግጸልና ዜርኢ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣሎ፧

ጥንታውያን እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ባሮት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣምላኽ ንጭንቆምን ንስቓዮምን ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 3:7፣ ኢሳ. 63:9) ንሕና እውን ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ ንኻልኦት ክንድንግጽ ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ ፍቕሩ ኽንረክብ ዘይንበቅዕ ኰይኑ እንተ ተሰምዓና፡ ንሱ ይድንግጸልና እዩ።—wp18.3፡ ገጽ 8-9

ትምህርትታት የሱስ ንሰባት፡ ንኣድልዎ ኪስዕሩ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧

ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣድልዎ ነይርዎም እዩ። ክርስቶስ ንኣገዳስነት ትሕትና ኣጕሊሑ፡ ዓሌታዊ ትዕቢት እውን ኰኒኑ እዩ። ንሰዓብቱ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ከም ኣሕዋት ገይሮም ኪርኣኣዩ ተማሕጺንዎም እዩ።—w18.06፡ ገጽ 9-10

ካብቲ ኣምላኽ ንሙሴ ናብ ምድሪ ተስፋ ኸይኣቱ ዝኸልከለሉ ምኽንያት እንታይ ንምሃር፧

ሙሴ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ነይርዎ እዩ። (ዘዳ. 34:10) ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ እስራኤላውያን ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ዝጸንሑሉ እዋን፡ እቶም ህዝቢ ኻልኣይ ግዜ ብሕጽረት ማይ ኣጕረምረሙ። ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ፡ ነቲ ኸውሒ ኺዛረቦ ኣዘዞ። ሙሴ ግና ነቲ ኸውሒ ወቕዖ። የሆዋ ንሙሴ ተቘጥዖ፣ እቲ ዘቘጥዖ ምኽንያት ድማ፡ ሙሴ ነቲ እተዋህቦ መምርሒ ብዘይምስዓቡ ወይ በቲ ተኣምር ንኣምላኽ ብዘይምኽባሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘሁ. 20:6-12) እዚ ኸኣ ንየሆዋ ኽንእዘዞን ከነኽብሮን ከም ዘሎና ይምህረና።—w18.07፡ ገጽ 13-14

ደጋዊ ትርኢት ርኢና እንተ ፈሪድና፡ ከመይ ኢልና ኢና ብቐሊሉ ኽንጋገ እንኽእል፧

ብዙሓት ሰባት ብደጋዊ ትርኢት ዚጽለዉሉ እዚ ዚስዕብ ሰለስተ ነገር ኣሎ፦ ዘርኢ ወይ ዓሌት፡ ቍጠባዊ ዅነታት፡ ዕድመ። ንሰባት ብኣረኣእያ ኣምላኽ፡ ማለት ብዘይ ኣድልዎ ንምርኣይ ክንጽዕር ኣሎና። (ግብ. 10:34, 35)—w18.08፡ ገጽ 8-12

ገለ ኻብቲ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ዚሕግዙሉ መዳያት እንታይ እዩ፧

ለውጢ ምደባ ዘጋጠሞ ብዕድመ ዝደፍአ ክርስትያን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ እውን ብዙሕ ኪገብር ይኽእል እዩ። ንዘይኣመንቲ ሰብኡት ንምሕጋዝ፡ ንዘይንጡፋት ንምሕጋዝ፡ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ፡ ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ጻዕሪ ኺገብር ይኽእል እዩ።—w18.09፡ ገጽ 8-11

ኣብ ናውቲ ትምህርቲ እንታይ ነገራት ኣሎ፧

ካርድ ኣድራሻን ወረቐት ዕድመን ኣሎ። ብግቡእ እተዳለወ ሸሞንተ ትራክትን መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን እውን ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ሒደት ብሮሹራት፡ ንመጽናዕቲ እንጥቀመለን ክልተ መጻሕፍቲ፡ ከምኡ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ዜጠቓልላ ኣርባዕተ ጠቓሚ ቪድዮታት ኣብኡ ይርከብ እዩ።—w18.10፡ ገጽ 16

ሓደ ክርስትያን ከምቲ ኣብ ምሳሌ 23:23 እተባህሎ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ‘ንሓቂ ኺዕድጋ’ ዚኽእል፧

ንሓቂ ንምዕዳግ፡ ገንዘብ ኣይንኸፍልን ኢና። ንምጥራያ ግና ግዜና ኽንከፍልን ጻዕሪ ኽንገብርን ኣሎና።—w18.11፡ ገጽ 4

ካብቲ ሆሴእ ንሰበይቱ ጎሜር ዝገበሮ ነገር እንታይ ንምሃር፧

ጎሜር ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ዘመወት፡ ሆሴእ ይቕረ ኢልዋን ከይፈትሓ ሓዳሩ ቐጺሉን እዩ። ሓደ ክርስትያን እንተ መንዚሩ፡ እቲ ንጹህ መጻምድቱ ይቕረ ኺብሎ ይኽእል እዩ። ሓደ ንጹህ ምስቲ በዳሊ መጻምድቱ ኸም ብሓድሽ ጾታዊ ርክብ ኪገብር እንተ ጀሚሩ፡ እዚ ተግባር እዚ ነቲ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ፍትሕ ምኽንያት ዚኸውን ነገር ይስርዞ እዩ።—w18.12፡ ገጽ 13