ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶ” ኣኽብሮ

“ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶ” ኣኽብሮ

“ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።”—ማር. 10:9

መዝሙር፦ 131, 132

1, 2. እብራውያን 13:4 እንታይ ክንገብር እያ ኽትድርኸና ዚግባእ፧

ንየሆዋ ምኽባርሲ የሐጕሰካዶ፧ ከም ዜሐጕሰካ ኣየጠራጥርን እዩ! ኣኽብሮትካ ይግብኦ እዩ፣ እንተ ኣኽቢርካዮ ድማ፡ ንሱ እውን ከም ዜኽብረካ ቓል ኣትዩልካ ኣሎ። (1 ሳሙ. 2:30፣ ምሳ. 3:9፣ ራእ. 4:11) ብተወሳኺ ኸኣ፡ ንሰባት ከተኽብሮም ይደልየካ እዩ፣ ንኣብነት፡ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ኸተኽብሮም ይደልየካ እዩ። (ሮሜ 12:10፣ 13:7) ብፍላይ ከተኽብሮ ዚግባእ ብሕታዊ መዳይ ህይወት ግና ኣሎ። እዚ ድማ መውስቦ እዩ።

2 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ ዓራት መውስቦ ኸኣ ዘይረኸሰ ይኹን” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (እብ. 13:4) ጳውሎስ ርእይቶኡ ጥራይ ኣይኰነን ዚህብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ ጽሑፉ ኣቢሉ ንክርስትያናት፡ ንመውስቦኦም ክቡር ገይሮም ኪርእይዎ መምርሒ ወይ ምሕጽንታ እዩ ዚህቦም ነይሩ። ንስኻኸ ንዅሉ መውስቦ፡ ምናዳ እተመርዓኻ እንተ ዄንካ ድማ ንሓዳርካ ኸምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧

3. የሱስ ብዛዕባ መውስቦ እንታይ ኣገዳሲ ምኽሪ እዩ ሂቡ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ንመውስቦ እተኽብር እንተ ዄንካ፡ ኣብነት የሱስ ኢኻ እትስዕብ ዘለኻ። የሱስ ንመውስቦ ኽቡር ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ፈሪሳውያን ንየሱስ ብዛዕባ ፍትሕ ምስ ሓተትዎ፡ ካብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ መውስቦ ዝበሎ ጠቒሱ፡ “ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም።—ማርቆስ 10:2-12 ኣንብብ፣ ዘፍ. 2:24

4. የሆዋ ንመውስቦ እንታይ ስርዓት እዩ ሰሪዑ፧

4 የሱስ በዚ ኸምዚ መበቈል መውስቦ ኣምላኽ ምዃኑን መውስቦ ኺፈርስ ከም ዘይብሉን ገሊጹ እዩ። ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ኪፋትሑ ኸም ዚኽእሉ ኣይነገሮምን። ኣብቲ ኣብ ኤደን እተገብረ መውስቦ፡ ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ሰበይቲ ዚብል ስርዓት እዩ ነይሩ፣ “ክልቲኦም” ከኣ ነባሪ ሓድነት ኪህልዎም እዩ ተሓሊኑ ነይሩ።

ኣብ መውስቦ እተገብረ ግዜያዊ ለውጥታት

5. ሞት ኣብ ሓዳር እንታይ ጽልዋ የሕድር፧

5 ይኹን እምበር፡ እቲ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሓጢኣት፡ ለውጢ ኣስዒቡ እዩ። ሓደ ኻብቲ ለውጢ ድማ ሞት እዩ፣ እዚ ኸኣ ንመውስቦ ይጸልዎ እዩ። ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኸም ዘይኰኑ ንምብራህ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ እዚ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብኡ ጳውሎስ፡ መውስቦ ብሰንኪ ሞት ከም ዚፈርስ፡ እቲ መጻምድቱ ዝሞቶ ድማ ዳግም ኪምርዖ ኸም ዚኽእል ገሊጹ ኣሎ።—ሮሜ 7:1-3

6. ሕጊ ሙሴ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መውስቦ ዘለዎ ኣረኣእያ ብኸመይ የንጸባርቕ፧

6 እቲ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ፡ ብዛዕባ መውስቦ ዝርዝር ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ሕጊ ድርብ መውስቦ ተፈቒዱ ነይሩ እዩ። እዚ ተግባር እዚ፡ ኣምላኽ ንእስራኤል ሕጉ ቕድሚ ምሃቡ ዝነበረ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ እዚ ሰባት ምእንቲ ኸይጕድኡ፡ ስርዓት ተገይሩሉ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ እስራኤላዊ ንሓንቲ ባርያ እንተ ተመርዕይዋ እሞ ጸኒሑ ድማ ካልአይቲ ሰበይቲ እንተ ኣእትዩ፡ ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቱ ምግብን ክዳንን ናይ መውስቦ ግቡኣን ኬማልኣላ ነይርዎ እዩ። እወ፡ ኬዕቝባን ኪከናኸናን፡ ኣምላኽ ትጽቢት ይገብረሉ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 21:9, 10) ሎሚ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰንናን፣ ካብቲ ሕጊ ግና፡ የሆዋ ብዛዕባ መውስቦ ዘለዎ ኣረኣእያ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። እዝስ ንመውስቦ ኣኽቢርካ ኽትርእዮ ዜለዓዕልዶ ኣይኰነን፧

7, 8. (ሀ) ብመሰረት ዘዳግም 24:1፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ንፍትሕ ዚኸውን እንታይ መሰናድዎ ነይሩ፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ ፍትሕ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

7 ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ደኣ ፍትሕ እተፈቕደ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ንመውስቦ ዘለዎ ኣኽብሮት ኣይነከየን፣ ኰይኑ ግና፡ እተወሰነ ሕድገት ብምግባር፡ ፍትሕ ፈቒዱሎም እዩ። (ዘዳግም 24:1 ኣንብብ።) ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይ ንሰበይቱ ‘ዜሕፍር ነገር እንተ ረኺቡላ፡’ ኪፈትሓ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብቲ ሕጊ፡ “ዜሕፍር” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይተገልጸን። ይኹን እምበር፡ ንጢጥ ቅሚጥ ዘይኰነስ፡ ንዜሕንኽ ወይ ንኸቢድ ጕዳይ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። (ዘዳ. 23:14) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብግዜ የሱስ ብዙሓት ኣይሁድ ንኣንስቶም “ብዝዀነ ምኽንያት” ይፈትሑ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 19:3) ንሕና መሸም ከም ናቶም ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣይንደልን ኢና።

8 ነብዪ ሚልክያስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ፍትሕ ዘለዎ ኣረኣእያ ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሰብኣይ ንሓንቲ ኣረማዊት ጐርዞ ኺምርዖ ኢሉ፡ ‘ንሰበይቲ ንእስነቱ’ ምጥላም ልሙድ ኰይኑ ነይሩ እዩ። ሚልክያስ ግና ኣረኣእያ ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ፍትሕ እጸልእ እየ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ሚል. 2:14-16) እዚ ድማ ምስቲ ቓል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርያ መውስቦ፡ “[ሰብኣይ] ምስ ሰበይቱ . . . ይጠብቕ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” ዝበሎ ዚሰማማዕ እዩ። (ዘፍ. 2:24) የሱስ እውን “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ብምባል ነቲ ኣቦኡ ብዛዕባ መውስቦ ዘለዎ ኣረኣእያ ኸም ዚድግፍ ገሊጹ እዩ።—ማቴ. 19:6

ንፍትሕ መሰረት ዚኸውን ሓደ ምኽንያት ጥራይ

9. ነቲ ኣብ ማርቆስ 10:11, 12 ዘሎ ቓላት የሱስ ብኸመይ ኢና እንርድኦ፧

9 ገሊኦም ሰባት፡ ‘ሓደ ክርስትያን ተፋቲሑ ዳግም ኪምርዖ ዜኽእሎ መሰረት ኣለዎ ድዩ፧’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም። የሱስ ብዛዕባ ፍትሕ ዘለዎ ኣረኣእያ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊኣ ይዝሙ፣ ሰበይቲ ንሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እንተ ተመርዕያ ኸኣ፡ ትዝሙ” ኢሉ እዩ። (ማር. 10:11, 12፣ ሉቃ. 16:18) እምበኣር፡ የሱስ ንመውስቦ ኣኽብሮት ነይርዎ እዩ፣ ካልኦት ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዎም እውን ይደሊ ነይሩ እዩ። እምንቲ ንዝዀነት ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዚምርዖ ሰብኣይ ይዝሙ እዩ፣ ወይ እሙን ንዝዀነ ሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እትምርዖ ሰበይቲ ትዝሙ እያ። ከመይሲ፡ ሓደ ሰብ ንመጻምድቱ ምፍታሑ፡ ነቲ መውስቦ ኸም ዚፈርስ ኣይገብሮን እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ፡ ክልቲኦም ገና “ሓደ ስጋ” እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንጽህቲ ንዝዀነት ሰበይቱ ዚፈትሕ ሰብኣይ ንዝሙት ከም ዜቃልዓ፡ የሱስ ተዛሪቡ እዩ። ብኸመይ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ፍትሕቲ ሰበይቲ ንመነባብሮኣ ዜድልያ ንምርካብ ዳግም ንምምርዓው ክትግደድ ትኽእል ነይራ እያ። ዳግም ምምርዓዋ ኸኣ ማዕረ ዝሙት እዩ ዚቝጸር ነይሩ።

10. ሓደ ክርስትያን እንታይ ምኽንያት እንተ ኣልይዎ እዩ ተፋቲሑ ዳግም ኪምርዖ ዚኽእል፧

10 የሱስ፡ መውስቦ ዚፈርሰሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ንሰበይቱ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና [ብግሪኽኛ፡ ፖርኒያ] ዚፈትሓ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ ይዝሙ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 19:9) ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት እውን ሕደ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እዩ። (ማቴ. 5:31, 32) ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት፡ የሱስ ብዛዕባ “ምንዝርና” ተዛሪቡ እዩ። እታ ቓል እቲኣ፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዚግበር በበይኑ ዝዓይነቱ ጾታዊ ሓጢኣት፡ ማለት ንዝሙትን ንኣመዝራነትን ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ውልቀ ሰባት ንዚግበር ጾታዊ ርክብን ንግብረ ሶዶምን ምስ እንስሳ ንዚግበር ጾታዊ ርክብን ተጠቓልል እያ። ንኣብነት፡ ሓደ ምርዑው ሰብኣይ እንተ መንዚሩ፡ ሰበይቱ ንምፍታሑ ወይ ንዘይምፍታሑ ኽትውስን ትኽእል እያ። እንተ ፈቲሓቶ፡ ኣምላኽ ነቲ መውስቦ ኸም ዝፈረሰ ገይሩ እዩ ዚርእዮ።

11. ሓደ ክርስትያን ኪፋታሕ ዜኽእሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ረኺቡ ኽነሱ ኸይፋታሕ ዚውስን ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

11 ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ ‘ምንዝርና (ፖርኒያ)፡ ናብ ፍትሕ ኪመርሕ ኣለዎ’ ኣይበለን። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሰበይቲ ሰብኣያ መንዚሩ ኽነሱ፡ ሓዳራ ኸይተፍርስ ትኽእል እያ። ምስ በደለ እውን ተፍቅሮ ትኸውን፣ ይቕረ ኽትብሎን ሓዳሮም ንምምሕያሽ ምስኡ ሓቢራ ንምዕያይን ፍቓደኛ ኽትከውን ትኽእል ትኸውን። ምናልባት እንተ ተፋቲሓ እሞ ዳግም እንተ ዘይተመርዕያ፡ ጸገማት የጋጥማ ይኸውን። ንኣብነት፡ ንመነባብሮኣ ዜድልያ ነገራትን ጾታዊ ድሌታን ንምምላእ እንታይ እያ ኽትገብር፧ ብጽምዋ ትብላዕ ደዀን ትኸውን፧ ኣብ ግምት ኪኣትዉ ዘለዎም ውሉዳት ኣለዉዶ፧ እንተ ተፋቲሓ፡ ኣብ ሓቂ ምዕባዮም ኪኸብዳ ይኽእልዶ፧ (1 ቈረ. 7:14) እምበኣር፡ እቲ ዚፋታሕ ንጹህ ሰብ ከቢድ ነገራት ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ።

12, 13. (ሀ) ኣብ ሓዳር ሆሴእ እንታይ ማዕቢሉ ነይሩ፧ (ለ) ሆሴእ ንጎሜር ናብ ሓዳሩ ዝመለሳ ስለምንታይ እዩ፧ ካብኡኸ ብዛዕባ መውስቦ እንታይ ንምሃር፧

12 ነብዪ ሆሴእ ዘሕለፎ ተመክሮ ነዚ ኼብርሃልና ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንሆሴእ፡ “ሰበይቲ ምንዝርና” እትኸውንን “ውሉዳት ምንዝርና” እትወልድን ሰበይቲ ኺምርዖ ምስ ነገሮ፡ ሆሴእ ንጎሜር ተመርዓዋ። ጎሜር ከኣ፡ “ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደትሉ።” (ሆሴ. 1:2, 3) ድሕሪኡ ግና፡ ጓልን ወድን ወለደት፣ ክልቲኦም ድማ ብዝሙት እተወልዱ ኪዀኑ ኣለዎም። ጎሜር ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ዘመወት፡ ሆሴእ ግና ኣይፈትሓን። ድሕሪኡ፡ ንሆሴእ ሓዲጋ ባርያ ዀነት። ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ ሆሴእ ከይዱ ዓደጋ። (ሆሴ. 3:1, 2) የሆዋ ነታ ዘማዊት እስራኤል ብኸመይ ደጋጊሙ ይቕረ ኸም ዝበላ ንምግላጽ፡ ንሆሴእ ከም ምሳሌ ገይሩ ተጠቕመሉ። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧

13 ካብ ክርስትያን ሰብ ሓዳር ሓዲኦም እንተ መንዚሩ፡ እቲ ንጹህ ክርስትያን ኺውስን ኣለዎ። እቲ ንጹህ ተፋቲሑ ዳግም ኪምርዖ መሰረት ከም ዘለዎ የሱስ ገሊጹ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ እቲ ንጹህ መጻምድቲ ይቕረ ኺብል ይኽእል እዩ። እዚ ጌጋ ኣይኰነን። ሆሴእ ንጎሜር ናብ ሓዳሩ መሊስዋ እዩ። ጎሜር ናብ ሆሴእ ምስ ተመልሰት፡ ድሕሪኡ ምስ ካልእ ሰብኣይ ርክብ ከይህልዋ ተነጊርዋ እዩ። ሆሴእ ንእተወሰነ እዋን ምስ ጎሜር ‘ኣይተራኸበን።’ (ሆሴ. 3:3፡ እ.ጽ.) ጸኒሑ ግና ምስኣ ናይ መውስቦ ርክቡ ጀሚሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ኪቕበሎምን ምሳታቶም ርክብ ኪህልዎን ፍቓደኛ ምዃኑ ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። (ሆሴ. 1:11፣ 3:3-5) እሞኸ እዚ ነገር እዚ ብዛዕባ መውስቦ እንታይ ይምህረና፧ ሓደ ንጹህ ምስቲ በዳሊ መጻምድቱ ኸም ብሓድሽ ጾታዊ ርክብ ኪገብር እንተ ጀሚሩ፡ እዚ ንሓዳሩ ኸየፍርስ ከም ዝወሰነ የርኢ። (1 ቈረ. 7:3, 5) እዚ ተግባር እዚ ነቲ ንፍትሕ ምኽንያት ዚኸውን ነገር ይስርዞ እዩ። ድሕሪኡ፡ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መውስቦ ዘለዎ ኣረኣእያ ንምንጽብራቕ ብሓባር ኪዓይዩ ኣለዎም።

ጸገማት ንዘለዎ መውስቦ እኳ ኣኽብሮ

14. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 7:10, 11፡ ኣብ ሓዳር እንታይ ኬጋጥም ይኽእል፧

14 ኵሎም ክርስትያናት ኣብነት የሱስን የሆዋን ብምስዓብ ንመውስቦ ኣኽብሮት ኬርእዩ ኣለዎም። ሰባት ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ ግና፡ ገሊኦም ከምኡ ኣይገብሩን ይዀኑ። (ሮሜ 7:18-23) ስለዚ፡ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብ ሓዳሮም ጸገማት ዝነበሮም ምዃኑ ኼሰምብደና የብሉን። ጳውሎስ፡ “ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈለ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ይፋላለዩ ነይሮም እዮም።—1 ቈረንቶስ 7:10, 11 ኣንብብ።

ጸገማት ንዘለዎ ሓዳር ንምድሓን እንታይ ኪገብር ይከኣል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15, 16. (ሀ) ኣብ ሓዳር ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጢሙ፡ እንታይ ሸቶ እዩ ኺህሉ ዘለዎ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ዘይኣማኒ መጻምድቲ ኣብ ዚህልወሉ ሓዳር፡ እዚ ስርዓት እዚ ብኸመይ ይዓዪ፧

15 ጳውሎስ ናብ ምፍልላይ ዚመርሕ እንታይ ምዃኑ ኣይገለጸን። እቲ ጸገም ግና ብሰንኪ ምንዝርና፡ ንበል ሰብኣይ ስለ ዝመንዘረ ኣይነበረን። ከምኡ እንተ ዚኸውን፡ ሰበይቱ ፈቲሓቶ ዳግም ክትምርዖ ምኽንያት ምረኸበት ነይራ። ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ካብ ሰብኣያ እትፍለ ሰበይቲ፡ “ከይተመርዓወት ትንበር፡ ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ስለዚ፡ ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ከም ሓደ እዮም ዚርኣዩ ነይሮም። ምንዝርና ኽሳዕ ዘይተፈጸመ፡ ዝዀነ ይኹን ጸገም እኳ እንተ ኣለዎም፡ ሸቶኦም ዕርቂ ኪኸውን ከም ዘለዎ ጳውሎስ ገሊጹ እዩ። እቶም ሰብ ሓዳር ካብ ሽማግለታት ጉባኤ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓገዝ ኪሓትቱ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ዅነታት እቲ፡ ሽማግለታት ናብ ሓደ ኸይወገኑ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኺህቡ ኣለዎም።

16 እንተዀነ ግና፡ ካብ ሰብ ሓዳር ሓዲኦም ጥራይ ብስርዓታት ኣምላኽ ኪመላለስ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ዝያዳ ምትሕልላኽ ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ምፍልላይ ቅቡል ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ንፍትሕ መሰረት ዚኸውን ምንዝርና ምዃኑ ቕዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ፣ ንምፍልላይ መሰረት ዚኸውን ግና ኣይዝርዝርን እዩ። ጳውሎስ፡ “ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣልይዋ፡ ንሱ እውን ምስኣ ኺነብር እንተ ፈትዩ፡ ንሰብኣያ ኣይትሕደጎ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረ. 7:12, 13) እዚ ኣብዚ ግዜና እውን ይዓዪ እዩ።

17, 18. ገሊኦም ክርስትያናት ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ ኣብ ሓዳሮም ዝቐጸሉ ስለምንታይ እዮም፧

17 ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ግና እቲ “ዘይኣማኒ ሰብኣይ፡” ‘ምስኣ ኺነብር ከም ዘይፈተወ’ የርኢ እዩ። ከቢድ ኣካላዊ ማህሰይቲ የውርደላ ይኸውን፣ እዚ እውን ንጥዕናኣ ወይ ንህይወታ ዜስግእ ክሳዕ ምዃን ይበጽሕ ይኸውን። ንዓኣ ዀነ ንስድራ ቤቱ ኺድግፍ ዘይደሊ ወይ ከኣ ንመንፈሳውነታ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ኸቢድ ጸገም ይፈጥር ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ሓንቲ ክርስትያን፡ እቲ ሰብኣይ ዝበለ እኳ እንተ በለ፡ ‘ምስኣ ኺነብር ከም ዘይፈተወ’ ዜርኢ ነገር ብምግባሩ፡ ካብኡ ክትፍለ ብብሕታ ኽትውስን ትኽእል እያ። ካልእ ክርስትያን ግና ተመሳሳሊ ጸገማት እናኣጋጠማ ኽነሱ ኣይትፍለን ትኸውን፣ ነቲ ጸገም ተጻዊራ ዅነታታ ኸተመሓይሽ ትጽዕር ትኸውን። ስለምንታይ፧

18 ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምፍልላይ፡ ክልቲኦም ተመራዕዮም ከም ዘለዉ ጌርካ እዮም ዚርኣዩ። ተፋላልዮም ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ነፍሲ ወከፎም ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ስለዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብሓደ ኺነብሩ ተወሳኺ ምኽንያት ሂብዎም እዩ። “እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ሳላ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፣ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲ እውን ሳላ እቲ ሓው ተቐዲሳ እያ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ውሉዳትኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፣ ሕጂ ግና ቅዱሳት እዮም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 7:14) ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ኣመና ፈታኒ ዅነታት ምስ ዘይኣማኒ መጻምድቶም ምንባር ቀጺሎም እዮም። ጸኒሑ መጻምድቶም ናይ ሓቂ ክርስትያን ምስ ኰነ፡ ጻማ ተጻዋርነቶም ብፍሉይ መገዲ ኸም ዝረኸቡ ይምስክሩ እዮም።—1 ቈረንቶስ 7:16 ኣንብብ፣ 1 ጴጥ. 3:1, 2

19. ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዙሕ ዕዉት ሓዳር ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

19 የሱስ ብዛዕባ ፍትሕ ምኽሪ ሂቡ እዩ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ብዛዕባ ምፍልላይ ማዕዳ ሂቡ እዩ። ክልቲኦም ከኣ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንመውስቦ ኣኽቢሮም ኪርእይዎ እዮም ዚደልዩ ነይሮም። ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዙሕ ዕዉት ሓዳር ኣሎ። ኣብ ጉባኤኻ ብዙሓት ሕጉሳት ሰብ ሓዳር ትረክብ ኢኻ። ኵሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓዳር ድማ፡ ንኣንስቶም ብዜፍቅሩ እሙናት ሰብኡትን ንሰብኡተን ብዜፍቅራ ውፉያት ኣንስትን ዝቘመ እዩ፣ እዚ ኸኣ መውስቦ ኽቡር ኪኸውን ከም ዚኽእል የርኢ እዩ። ሚልዮናት ሰባት ንሓቅነት እቲ፡ “ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ” ዚብል ቃል ኣምላኽ ህያዋን መርትዖታት ምዃኖም የሐጕሰና እዩ።—ኤፌ. 5:31, 33