ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ገነት የራኽበና!”

“ኣብ ገነት የራኽበና!”

“ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ።”—ሉቃ. 23:43

መዝሙር፦ 145, 139

1, 2. ብዛዕባ ገነት እንታይ በበይኑ ትርጉም እዩ ዚውሃብ፧

ብዙሓት ስምዒቶም ምቍጽጻር ከቢድዎም ነይሩ። ካብ ወጻኢ ሃገር ናብቲ ኣብ ሶል፡ ኮሪያ ዚግበር ኣኼባ ዝኸዱ ኣኼበኛታት ካብቲ ስታድዩም ኪወጹ ጀመሩ። ብዙሓት ካባታቶም፡ “ኣብ ገነት የራኽበና!” እናበሉ ኣእዳዎም የወዛውዙ ነበሩ። ብዛዕባ እንታይ ገነት እዮም ዚዛረቡ ነይሮም፧

2 ሰባት ነታ ገነት እትብል ቃል በበይኑ ትርጉም እዮም ዚህብዋ። ገሊኦም፡ ገነት ዘይትጭበጥ ሕልሚ ኸም ዝዀነት ይኣምኑ። ገሊኦም ከኣ ሓጐስን ዕግበትን ንዚረኽቡሉ ዘበለ ዅሉ፡ ከም ገነት ገይሮም ይቘጽርዎ። ንኣብነት፡ ሓደ ጥሜት እተወድአ ሰብ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ኣብ ዘለዎ ድግስ ኮፍ ምስ ዚብል፡ ኣብ ገነት ዘሎ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ኣብ መበል 19 ዘመን እትነብር ዝነበረት ተጓዓዚት ከኣ፡ ዕምባባ መሮር ዝመልኦ ስንጭሮ ምስ ረኣየት፡ “እዋይ ገነት!” ኢላ ኣድንቖታ ገሊጻ እያ። እቲ ቦታ እቲ ኣብ ዓመት 15 ሜተር ውርጪ ዝዘንቦ እኳ እንተ ዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ገነት ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። እሞ ደኣ ገነት ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዋ፧ ኣብ ገነት ክትኣቱ ተስፋ ትገብር ዲኻ፧

3. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገነት እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ሓደ ግዜ ዝነበረት ገነትን ብዛዕባ እታ ብሕጂ እትመጽእ ገነትን ይዛረብ እዩ። ገነት ዚብል ሓሳብ ካብ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዙ እዩ ዘሎ። ኣብ ዘፍጥረት 2:8፡ “የሆዋ ኣምላኽ ድማ ኣብ ኤደን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት [“ስፍራ ኣታኽልቲ፡” እ.ጽ.] ተኸለ፣ ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ” ዚብል ነንብብ ኢና። እቲ ጽሑፍ እብራይስጢ፡ ስፍራ ኣታኽልቲ ኤደን እዩ ዚብል፣ እታ ኤደን እትብል ቃል ከኣ፡ “ባህታ” ማለት እያ። ብርግጽ ድማ እታ ስፍራ ኣታኽልቲ እቲኣ ባህ እተብል እያ ነይራ። እኹል ምግቢ ዝነበራ፡ ውቁብ ትዕይንቲ ዚርኣየላ፡ ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን ከኣ ሰላም ዝሰፈና ቦታ እያ ነይራ።—ዘፍ. 1:29-31

4. ነታ ስፍራ ኣታኽልቲ ኤደን፡ ገነት ኢልና ኽንጽውዓ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 እታ ብእብራይስጢ “ስፍራ ኣታኽልቲ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል ፓራዲሶስ እያ እትብል። ብማክሊንቶክን ስትሮንግን እተዳለወ ሳይክሎፔድያ ብዛዕባ ፓራዲሶስ ከምዚ ይብል፦ “ካብ ጕድኣት ንምዕቋብ እተሓጽረ ሰፊሕ መናፈሻ፡ ግናኸ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐኡ ዘይተበላሸወ ዀይኑ፡ ሓያሎ ኻብኡ ፍረ ዚፈሪ ነዋሕቲ ኣግራብ ዘለዎ፡ ብጽሩይ ወሓይዝ ማይ ዚሰቲ፡ ኣብ ገማግሙ መጓሰ ዓጋዜን ወይ ኣባጊዕ ዘለዎ ቦታ፡—እዚ ትዕይንቲ እዚ እዩ ኣብ ኣእምሮ ግሪኻዊ ተጓዓዚ ነይሩ።”—ምስ ዘፍጥረት 2:15, 16 ኣረኣኢ።

5, 6. ሰባት ኣብ ገነት ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ዝሰኣኑ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ ናብ ምንታይ ሕቶ እዩ ዚመርሓና፧

5 ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን ኣብታ ገነት እቲኣ እዩ ኣንቢርዎም፣ ኣብኣ ግና ኣይቀጸሉን። ስለምንታይ፧ ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዙ፡ ካብኣ ተሰጕጉ። በዚ ኸምዚ፡ ንሳቶምን ዘርኦምን ነቲ ኣብ ገነት ንምንባር ዝነበሮም ኣጋጣሚ ኣጥፍኡ። (ዘፍ. 3:23, 24) እታ ስፍራ ኣታኽልቲ እቲኣ፡ ክሳዕ እቲ ብዘመን ኖህ ዝመጸ ማይ ኣይሂ ሰብ ዘይነብራ ዀይና ቐጺላ ኽትከውን ትኽእል እያ።

6 ገሊኦም ሰባት፡ ‘ሰብ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ገነት ኪነብር ይኽእል ደዀን ይኸውን፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ጭቡጥ ሓቅታት እንታይ ምላሽ ይህበና፧ ምስ እትፈትዎም ሰብካ ኣብ ገነት ክትነብር ተስፋ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ተስፋ እቲ ዚኸውን ብቑዕ መሰረት ኣሎካዶ፧ ገነት ከም እትመጽእ ርግጸኛታት ዝዀንናሉ ምኽንያት ክትገልጽ ትኽእልዶ፧

ገነት ከም እትመጽእ ዚሕብር መርትዖታት

7, 8. (ሀ) ኣምላኽ ንኣብርሃም እንታይ ኢሉ እዩ ኣተስፍይዎ፧ (ለ) ኣብርሃም ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ እንታይ እዩ ሓሲቡ ኪኸውን ዚኽእል፧

7 መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ፈጣሪ እታ ቐዳመይቲ ገነት ብድራኸ መንፈሱ ኣብ ዘጽሓፋ መጽሓፍ እዩ ዚርከብ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ፈታዊኡ እንታይ ከም ዝበሎ እስከ ንርአ። የሆዋ ንኣብርሃም፡ ንዘርኡ “ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ” ኼብዝሖ ምዃኑ ኣተስፍይዎ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ በረኸት ኪረኽቡ እዮም” ኢሉ ኣተስፍይዎ እዩ። (ዘፍ. 22:17, 18) ንወዲ ኣብርሃምን ንወዲ ወዱን እውን ነቲ ተስፋ እቲ ኣተስፍይዎም እዩ።—ዘፍጥረት 26:4፣ 28:14 ኣንብብ።

8 ኣብርሃም ናይ መወዳእታ ዓስቢ ደቂ ሰብ ሰማያዊት ገነት ከም ዝዀነት ገይሩ ኸም ዝሓሰበ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን። ስለዚ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ “ዅሎም ኣህዛብ ምድሪ” ዚረኽብዎ በረኸት ኪዛረብ ከሎ፡ ኣብርሃም ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚረኽብዎ በረኸት እዩ ዚሓስብ ነይሩ። እቲ ተስፋ እቲ ኻብ ኣምላኽ ብምዃኑ ኸኣ፡ “ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ” ዝሓሸ ዅነታት ከም ዚረኽቡ እዩ ዚእምት ነይሩ። ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ዚድግፍ እንታይ ተወሳኺ መርትዖ ኣሎ፧

9, 10. እንታይ ደሓር እተነግረ ተስፋታት እዩ ንዚመጽእ በረኸት መሰረት ዚዀነና፧

9 ሓደ ኻብቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ ዳዊት ብዛዕባ እቲ “እኩያት”ን “ገበርቲ ኽፉእ”ን ዚጠፍኡሉ መጻኢ እዋን ሓቢሩ እዩ። “እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም” እውን ኢሉ እዩ። (መዝ. 37:1, 2, 10) ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ” ኢሉ እዩ። ቀጺሉ ድማ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ተነብዩ እዩ። (መዝ. 37:11, 29፣ 2 ሳሙ. 23:2) እዚ መረጋገጺ እዚ ኣብቶም ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ዚደልዩ ሰባት እንታይ ጽልዋ ዝነበሮ ይመስለካ፧ ኣብ ምድሪ ጻድቃን ጥራይ ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ከም ገነት ኤደን ዝኣመሰለት ገነት ኣብ ምድሪ ኸም እትህሉ ሓሲቦም ኪዀኑ ኣለዎም።

10 ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ነገልግሎ ኢና ዚብሉ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ንየሆዋን ንናይ ሓቂ ኣምልኾን ዝባኖም ሃብዎ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንባቢሎናውያን፡ ንህዝቡ ስዒሮም ናብ ምርኮ ኺወስድዎምን ነታ ምድሪ ኼባድምዋን ፈቐደሎም። (2 ዜና 36:15-21፣ ኤር. 4:22-27) ግናኸ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ድሕሪ 70 ዓመት ናብ ዓዶም ከም ዚምለሱ ነብያት ኣምላኽ ተነበዩ። እቲ ትንቢታት እቲ ተፈጺሙ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንዓና እውን ትርጉም ኣለዎ። ገለ ኻብኡ ኽንምርምር ኸለና፡ ኣብታ ኣብ ምድሪ እትህሉ ናይ መጻኢ ገነት ነተኵር ከም ዘለና ኣይንረስዕ።

11. ኢሳይያስ 11:6-9 ብኸመይ እያ ተፈጺማ፧ እንታይ ሕቶ ግና እዩ ገና ምላሽ ዜድልዮ፧

11 ኢሳይያስ 11:6-9 ኣንብብ። ኣምላኽ ብኢሳይያስ ኣቢሉ፡ ህዝቡ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ፡ ምስ ከቢድን ሓደገኛን ኵነታት ከም ዘይቃለሱ፡ ካብ ኣራዊት ወይ ከም ኣራዊት ካብ ዝኣመሰሉ ሰባት ብዚመጽእ መጥቃዕቲ እውን ከም ዘይሰግኡ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ንኣሽቱን ዓበይትን ብደሓን ኪነብሩ ምዃኖም ሓቢሩ ነይሩ እዩ። እዝስ ነቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረ ዅነታት ዜዘኻኽር ደይኰነን፧ (ኢሳ. 51:3) ብዘይካዚ ድማ፡ እቲ ብኢሳይያስ ኣቢሉ እተነግረ ትንቢት፡ ሃገረ እስራኤል ጥራይ ዘይኰነትሲ፡ ብዘላ ምድሪ ‘ኸምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦ ዀይና ብፍልጠት የሆዋ ኸም እትመልእ’ ይሕብር እዩ። እዚ መዓስ እዩ ዚኸውን፧

12. (ሀ) እቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን እተመልሱ እንታይ በረኸት እዮም ረኺቦም፧ (ለ) ኣብ ኢሳይያስ 35:5-10 ዚርከብ ትንቢት ብሕጂ ኸም ዚፍጸም ዚሕብር እንታይ እዩ፧

12 ኢሳይያስ 35:5-10 ኣንብብ። ኢሳይያስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ኣራዊት ወይ ሰባት ነቶም ተመለስቲ ኸም ዘየስግእዎም ገሊጹ እዩ። ምድሮም ከም ገነት ኤደን እኹል ማይ ስለ ዚህልዋ፡ እኹል ፍረታት ከም እተፍሪ ሓቢሩ እዩ። (ዘፍ. 2:10-14፣ ኤር. 31:12) እቲ ትንቢት ግና ኣብኡ ጥራይ ድዩ ተፈጺሙ ዜብቅዕ፧ እቶም ምሩኻት ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዝሓወዩ ዚሕብር ዋላ ሓደ መርትዖ የልቦን። ንኣብነት፡ ዕዉራት ከም ዝረኣዩ ዚሕብር ነገር የልቦን። ስለዚ፡ ቃል ብቓሉ ዚሓውዩ ኸም ዚህልዉ እዩ ኣምላኽ ዚሕብር ነይሩ።

13, 14. እቶም ምሩኻት ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 65:21-23 ዚርከብ ቃላት ብኸመይ እዮም ኪፍጸም ዝረኣይዎ፧ እንታይ ክፋል እቲ ትንቢት ግና እዩ ብሕጂ ዚፍጽም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

13 ኢሳይያስ 65:21-23 ኣንብብ። ኣይሁድ ምስ ተመልሱ፡ ምሹእ ኣባይቲ ኣይጸንሖምን፣ ብሉጽ ሕርሻታትን ኣታኽልቲ ወይንን እውን ኣይረኸቡን። ኣምላኽ ምስ ባረኾም ግና፡ ምድሮም ተቐዪራ እያ። ኣባይቲ ሃኒጾም ኪነብሩሉ ምኽኣሎም ብሓቂ ኣሐጒስዎም እዩ! ዘርኢ ዘሪኦም እውን ምህርቲ ሓፊሶም እዮም።

14 ኣብዚ ትንቢት እዚ ዘሎ ኣገዳሲ ዝርዝር ነጥቢ እሞ ነስተብህለሉ። ዕድመና “ኸም ዕድመ ኦም” ዝዀነሉ ግዜ ኺመጽእ ድዩ፧ ገሊኡ ኣእዋም ንኣሽሓት ዓመታት እዩ ዚነብር። ደቂ ሰብ ክንድኡ ዚኣክል ዕድመ ምእንቲ ኺነብሩ፡ ጥዕና ኺረኽቡ ኣለዎም። ከምቲ ኢሳይያስ ኣብ እተነበዮ ዓይነት ኵነታት ኪነብሩ እንተ ኽኢሎም፡ ብሓቂ ገነት እዩ ዚኸውን! እቲ ትንቢት እቲ ድማ ኪፍጸም እዩ!

እቲ የሱስ ብዛዕባ ገነት እተዛረቦ ተስፋ ብኸመይ እዩ ኺፍጸም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15, 16 ርአ)

15. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ተጠቒሱ ዘሎ ገሊኡ በረኸት ከመይ ጌርካ ኣሕጽር ኣቢልካ ምገለጽካዮ፧

15 እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ተስፋታት ንናይ መጻኢ ገነት እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ እሞ ኣስተንትነሉ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ሰባት በረኸት ኣምላኽ ኪረኽቡ እዮም። ካብ ኣራዊት ኰነ ኸም ኣራዊት ካብ ዝኣመሰሉ ሰባት ዚሰግእ ኣይኪህሉን እዩ። ዕዉራትን ጸማማትን ሓንካሳትን ኪሓውዩ እዮም። ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ኣባይቲ ኺሃንጹን ንምግቢ ዜድልዮም ባዕሎም ኬብቍሉን እዮም። ካብ ኣእዋም ዚነውሕ ዕድመ ኺህልዎም እዩ። እወ፡ ኣብ መጻኢ ኸምኡ ኸም ዚኸውን ዚሕብር ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረክብ ኢና። ገሊኦም ግና ነቲ ትንቢታት ብጌጋ ኸም እተረዳእናዮ ገይሮም ይርእዩና እዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እንታይ ኢልካ ምመለስካሎም፧ ምድሪ ብሓቂ ገነት ከም እትኸውን ዚሕብር እንታይ ድልዱል ምኽንያት ምሃብካ፧ እቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ ድልዱል ምኽንያት ይህበና እዩ።

ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ

16, 17. ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ የሱስ ብዛዕባ ገነት ተዛሪቡ፧

16 የሱስ ንጹህ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉ ኺመውት ተፈርዶ። ኣብ ክልቲኡ ጐድኑ ድማ ክልተ ገበነኛታት ተሰቕሉ። ሓደ ኻባታቶም ከኣ፡ የሱስ ንጉስ ምዃኑ ተኣመነ፣ ድሕሪኡ፡ ንየሱስ፡ “መንግስትኻ ምስ ሓዝካ፡ ዘክረኒ” በሎ። (ሉቃ. 23:39-42) የሱስ ኣብቲ ኣብ ሉቃስ 23:43 ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዅላትና ጠቒሱ ኣሎ። ገሊኦም ዘመናውያን ምሁራት ነቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ “ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢሎም ቃል ብቓሉ ይትርጕምዎ እዮም። የሱስ “ሎሚ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ብዛዕባ እዚ እተፈላለየ ኣረኣእያ ኣሎ።

17 ኣብ ሓያሎ ዘመናዊ ቛንቋታት ክልተ ነጥቢ ንትርጉም ምሉእ ሓሳብ ንምምሕልላፍ ወይ ንምንጻር የገልግል እዩ። ክሳዕ ሕጂ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ሒዙ ኣብ ዘሎ ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ ግና ስርዓተ ነጥቢ ብስሩዕ ኣይዕየየሉን እዩ ነይሩ። እምበኣር፡ የሱስ፡ “እብለካ ኣለኹ፡ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ድዩ ዚብሎ ነይሩ፡ ወይስ “ሎሚ እብለካ ኣለኹ፡ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ”፧ ተርጐምቲ ነቲ ስርዓተ ነጥቢ ኸከምቲ የሱስ ኣመሓላሊፍዎ ኢሎም ዚኣምኑሉ መልእኽቲ ገይሮም የእትውዎ እዮም፣ ኣብ ዝውቱር ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብኽልቲኡ መገዲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

18, 19. የሱስ እንታይ ማለቱ ኸም ዝነበረ ኸመይ ጌርና ኽንርዳእ ንኽእል፧

18 ኰይኑ ግና፡ የሱስ ኣቐዲሙ ንሰዓብቱ፡ “ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ” ምባሉ ዘክር። ብተወሳኺ ድማ፡ “ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰባት ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ኪቐትልዎ እዮም፣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 12:40፣ 16:21፣ 17:22, 23፣ ማር. 10:34) ከምኡ ኸም ዝዀነ ድማ ሃዋርያ ጴጥሮስ ሓቢሩ ኣሎ። (ግብ. 10:39, 40) ስለዚ፡ የሱስ በታ ንሱን እቲ ገበነኛን ዝሞቱላ መዓልቲ ናብ ዝዀነ ገነት ኣይከደን። ኣምላኽ ክሳዕ ዜተንስኦ፡ የሱስ “ኣብ መቓብር [ወይ፡ “ሃደስ”]” መዓልትታት ጸኒሑ እዩ።—ግብ. 2:31, 32፣ እ.ጽ.። *

19 እቲ የሱስ ነቲ ገበነኛ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ብዚብል ቃላት ኸም ዝጀመረ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። እዚ ዓይነት ኣዘራርባ እዚ ብዘመን ሙሴ ልሙድ እዩ ነይሩ። ሙሴ ድማ፡ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ።—ዘዳ. 6:6፣ 7:11፣ 8:1, 19፣ 30:15

20. ነቲ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝበሎ ዘሎና ግንዛበ ዚድግፍ እንታይ ነገራት ኣሎ፧

20 ሓደ ኻብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሃቦ ምላሽ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “ኣብዚ ጽሑፍ እዚ እታ ‘ሎሚ’ እትብል ቃል እያ ጐሊሓ ዘላ፣ ስለዚ እቲ ጽሑፍ፡ ‘ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ኣብ ገነት ምሳይ ክትከውን ኢኻ’ ተባሂሉ ኺንበብ ኣለዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ቓል ተኣትዩ፣ ጸኒሑ ኸም ዚፍጸም ድማ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ምብራቓውያን ልሙድ ዝዀነ ኣዘራርባ፡ እቲ ቓል ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኸም እተኣትወ፡ ብርግጽ ከኣ ኸም ዚፍጸም ዚእምት እዩ።” ስለዚ፡ ኣብ ሓምሻይ ዘመን እተተርጐመ ትርጉም ሱርስት ነዚ የሱስ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ኣሜን፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኤደን ምሳይ ከም እትኸውን ሎሚ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ። እቲ ተስፋ እቲ መሸም ንዅላትና ኼተባብዓና ኣለዎ።

21. እቲ ገበነኛ ናበይ ኣይኰነን ከይዱ፧ ስለምንታይከ ኸምኡ እንብል፧

21 እቲ ዚመውት ዝነበረ ገበነኛ፡ የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ምስኡ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኪዀኑ ቓል ከም ዝኣተወሎም ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 22:29) ብዘይካዚ ኸኣ፡ እቲ ገበነኛ ኣይተጠምቀን ነይሩ። (ዮሃ. 3:3-6, 12) ስለዚ፡ የሱስ ንዕኡ ኣብ ምድራዊት ገነት ኪትንስእ ምዃኑ ቓል ከም ዝኣተወሉ ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ናብ ገነት ተመንዚዑ” ብዛዕባ ዝበሎ ሰብ ራእይ ርእዩ እዩ። (2 ቈረ. 12:1-4) ጳውሎስን ካልኦት እሙናት ሃዋርያትን ዘይከም እቲ ኣብ ኣፍ ሞት ዝነበረ ገበነኛ፡ ምስ የሱስ ኣብ መንግስቱ ንምዃን ናብ ሰማይ ኪኸዱ እተሓርዩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ነገር፡ ማለት ብዛዕባ ናይ መጻኢ “ገነት” እዩ ዚዛረብ ነይሩ። * እዝስ ንምድሪ ዜጠቓልል ድዩ፧ ኣብኡኸ ኽትኣቱ ትኽእል ዲኻ፧

እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧

22, 23. እንታይ ተስፋ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

22 ዳዊት፡ ‘ጻድቃን ንምድሪ ዚርስተዩሉ’ እዋን ከም ዚመጽእ ምንባዩ ኣይንረስዕ። (መዝ. 37:29፣ 2 ጴጥ. 3:13) ዳዊት ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ብመገድታት ጽድቂ ኣምላኽ ዚመላለሱሉ እዋን እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ኢሳይያስ 65:22 ዚርከብ ትንቢት እውን፡ “ዕድመ ህዝበይሲ ኸም ዕድመ ኦም ኪኸውን እዩ” ይብል እዩ። እዚ ኸኣ ሰባት ንኣሽሓት ዓመታት ከም ዚነብሩ ይእምት እዩ። እዚ ኸም ዚኸውንሲ ትጽቢት ክትገብር ትኽእል ዲኻ፧ እወ፡ ብመሰረት ራእይ 21:1-4፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ቈላሕታ ኺገብረሎም እዩ፣ ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ኣብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ንዚነብሩ ሰባት ኣተስፍይዎ ዘሎ በረኸት ድማ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” ዚብል እዩ።

23 እምበኣር፡ እቲ ስእሊ ንጹር እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ነታ ኣብ ኤደን ዝነበረት ገነት ስኢኖምዋ እዮም፣ ግናኸ፡ እቲ ተስፋ እቲ ንዘለኣለም ኣይጠፍአን። ከምቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ፡ ንሰባት ኣብ ምድሪ ኺባርኾም እዩ። ዳዊት ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ዓቃላትን ጻድቃንን ንምድሪ ኸም ዚርስተይዋን ኣብኣ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩን ተዛሪቡ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዚርከብ ትንቢታት ከኣ፡ ነቲ ኣብ ገነት ዚሰፍን ደስ ዜብል ኵነታት ብሃንቀውታ ኽንጽበዮ የኽእለና እዩ። እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ እቲ የሱስ ነቲ ኣይሁዳዊ ገበነኛ ዝኣተወሉ ቓል ምስ ተፈጸመ እዩ ዚኸውን። ንስኻ እውን ኣብታ ገነት እቲኣ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ፡ እቲ ኣብ ኮሪያ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ “ኣብ ገነት የራኽበና!” ኢሎም እተዛረብዎ ቓላት ኪፍጸም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 18 ፕሮፌሰር ማርቪን ፔት፡ “ብልምዲ እታ ‘ሎሚ’ እትብል ቃል፡ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ንዝንውሓቱ እዋን ከም እተመልክት ናይ ግዜ መመልከቲ ጌርካ እያ እትውሰድ ነይራ። ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኣጸጋሚ ዚገብሮ ግና፡ ምስቲ የሱስ ድሕሪ ሞቱ ፈለማ ናብ ሃደስ ከም ‘ዝወረደ’ (ማቴ. 12:40፣ ግብ. 2:31፣ ሮሜ 10:7) እሞ ድሕሪኡ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ ዚገልጽ ኣብ ካልእ ቦታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ብርኡይ ስለ ዚጋጮ እዩ።”

^ ሕ.ጽ. 21 ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።