ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡ ዜዕግብ ህይወት ኪህልወኩም ይኽእል እዩ

ኣቱም መንእሰያት፡ ዜዕግብ ህይወት ኪህልወኩም ይኽእል እዩ

“መገዲ ህይወት ተፍልጠኒ።”—መዝ. 16:11

መዝሙር፦ 133, 89

1, 2. ካብ ተመክሮ ሓደ ተምሃራይ ከም እተራእየ፡ እንታይ ዓይነት ለውጢ እዩ ኺግበር ዚከኣል፧

ቶኒ ዚብሃል ተምሃራይ፡ ብዘይ ኣቦ እዩ ዓብዩ። ኣብ ትምህርቲ ብዙሕ ተገዳስነት ስለ ዘይነበሮ ድማ፡ ነቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኼቋርጾ ይደሊ ነበረ። ቀዳመ ሰናብቱ ኣብ ፊልምታትን ወይ ምስ ኣዕሩኹን የሕልፎ ነበረ። ዓማጽን ውሉፍ ሓሽሽን ኣይነበረን፣ እንተዀነ ግና፡ ዕላማ ዘይብሉ ህይወት እዩ ዚመርሕ ነይሩ። ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ እውን ይጠራጠር ነይሩ እዩ። ሓደ ግዜ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብ ሓዳር ተራኸበ እሞ ብዛዕባ ጥርጣረታቱን ሕቶታቱን ነገሮም። ንሳቶም ድማ ነታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስታ ብሮሹርን ነታ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ ዘርእስታ ብሮሹርን ሃብዎ።

2 እቶም ሰብ ሓዳር ኪበጽሕዎ ኣብ እተመልሱሉ እዋን፡ ቶኒ ኣመለኻኽታኡ ተቐዪሩ ነበረ። ነተን ብሮሹራት ደጋጊሙ ኻብ ምጽናዑ እተላዕለ፡ ተዓጻጺፈንን ተጨማዲደንን ነበራ። ንሱ ድማ፡ “ኣምላኽ ኪህሉ ኣለዎ” በሎም። ድሕሪኡ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ፡ ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዝነበሮ ኣረኣእያ ድማ በብቝሩብ ለወጦ። ኣብ ትምህርቱ ኸኣ ሓደ ኻብቶም ብሉጻት ተምሃሮ ዀነ። እቲ ርእሰ መምህራን ድማ ቶኒ ሓድሽ ሃይማኖት ከም ዝሓዘ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ዝገበሮ ለውጢ ተገሪሙ፡ “ጠባይካን ነጥብኻን ብዙሕ እዩ ተመሓይሹ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትራኸብ ስለ ዘለኻ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ቶኒ ኸኣ ‘እወ’ ኢሉ ድሕሪ ምምላስ፡ ጽቡቕ ምስክርነት ሃቦ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ብጽቡቕ ድሕሪ ምውዳኡ ድማ፡ ስሩዕ ፈላምን ኣገልጋሊ ጉባኤን ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ሕጂ ፈቃር ኣቦ ብምርካቡ፡ ማለት ንየሆዋ ብምርካቡ እውን ሕጉስ እዩ።—መዝ. 68:5

ንየሆዋ ተኣዘዞ እሞ ኺሰልጠካ እዩ

3. የሆዋ ንመንእሰያት ኣብ ህይወቶም እንታይ ኪስዕቡ እዩ ዚምዕዶም፧

3 የሆዋ ብዛዕባ መንእሰያት ኣጸቢቑ ኸም ዚግደስ ካብ ተመክሮ ቶኒ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኣቱም መንእሰያት፡ ኣብ ህይወትኩም ናይ ሓቂ ኣሳልጦን ዕግበትን ክትረኽቡ ይደልየኩም እዩ። ስለዚ፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ነቲ ዓብዪ ፈጣሪኻ ዘክሮ” ኢሉ ይምዕደኩም እዩ። (መክ. 12:1) ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም፡ ከምኡ ምግባር ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። ግናኸ፡ ጠሪሱ ዘይከኣል ኣይኰነን። ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ብንእስነትካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዕዉት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብኣብነት ንምብራህ፡ ካብቲ እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ እተቘጻጸሩሉ መገድን ካብቲ ዳዊት ምስ ጐልያድ ዝገበሮ ቓልስን እስከ ትምህርቲ ንውሰድ።

4, 5. ካብቲ እስራኤላውያን ንምድሪ ከነኣን ዝወረሩሉን ዳዊት ምስ ጐልያድ እተቓለሰሉን ዛንታታት እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእልታት ርአ።)

4 እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ቀረቡ፡ ኣምላኽ ናይ ቃልሲ ኽእለቶም ኪስሕሉ ወይ ንውግእ ኪስልጥኑ ኣይኰነን ትእዛዝ ሂብዎም። (ዘዳ. 28:1, 2) የግዳስ፡ ትእዛዛቱ ኺሕልዉን ብእኡ ኺእመኑን ከም ዘለዎም እዩ ነጊርዎም። (እያ. 1:7-9) ብኣረኣእያ ሰብ፡ እዚ ምኽሪ እዚ ትርጉም ኣልቦ ኺመስል ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ኣብ ልዕሊ ከነኣናውያን ብተደጋጋሚ ዓወት ስለ ዝሃቦም፡ እዚ ምኽሩ እዚ ብሉጽ እዩ ነይሩ። (እያ. 24:11-13) እወ፡ ንኣምላኽ እዙዝ ንምዃን እምነት ተድሊ እያ፣ እምነት ከኣ ወትሩ ናብ ኣሳልጦ ትመርሕ እያ። እዚ ሓቂ እዚ ግዜ ዚሓልፎ ኣይኰነን። ሎሚ እውን ካብኡ እተፈልየ ኣይኰነን።

5 ጐልያድ ዳርጋ ሰለስተ ሜተር ዝቝመቱ ኽሳዕ ኣፍንጫኡ እተዓጥቀ ሓያል ጅግና እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 17:4-7) ዳዊት ግና ክልተ ነገር ጥራይ እዩ ተዓጢቑ ነይሩ፦ ወንጭፍን ኣብ ኣምላኹ የሆዋ ዝነበረቶ እምነትን። ነቶም ዘይኣምኑ ሰባት፡ ዳዊት ዓሻ ዀይኑ እዩ ተራእይዎም። ግናኸ፡ ብዙሕ እዮም ተጋግዮም! ጐልያድ እዩ ዓሻ ነይሩ።—1 ሳሙ. 17:48-51

6. ሕጂ እንታይ ኢና ብዝርዝር ክንምርምር፧

6 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ኣብ ህይወት ንእንረኽቦ ሓጐስን ኣሳልጦን ኣበርክቶ ዚገብር ኣርባዕተ ነገር ርኢና ኔርና። እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ህርፋንና ምርዋይ፡ ኣምላኽ ንዝሃበና ኣዕሩኽ ምድናቕ፡ ጽቡቕ ሸቶታት ምግባር፡ ከምኡ እውን ከም ህዝቢ ኣምላኽ መጠን ዘሎና ናጽነት ምኽባር እዩ ነይሩ። ሕጂ ድማ ኣብ መዝሙር 16 ብዚርከብ ስርዓታት ጌርና ነዚ ነጥብታት እዚ ብዝርዝር ንመርምሮ።

መንፈሳዊ ህርፋንካ ኣርዊ

7. (ሀ) ንመንፈሳዊ ሰብ ብኸመይ ትገልጾ፧ (ለ) ዳዊት “ግደይ” ኢሉ ገሊጽዎ ዘሎ እንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኣምጺእሉ፧

7 መንፈሳዊ ሰብ ብኣምላኽ ይኣምንን ከም ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣተሓሳስባ ይህልዎን እዩ። መምርሒ ኻብ ኣምላኽ ይጽበ፡ መምርሒ ምስ ተዋህቦ እውን ይእዘዝ እዩ። (1 ቈረ. 2:12, 13) መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ብምዃን፡ ዳዊት ጽቡቕ ኣብነት እዩ። “የሆዋ ግደይን ብጽሒተይን ጽዋአይን እዩ። ንስኻ ንርስተይ ትሕልዎ” ኢሉ ኸኣ ዘሚሩ እዩ። (መዝ. 16:5) ዳዊት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ጽቡቕ ርክብ “ግደይ” ኢሉ ገሊጽዎ እዩ፣ ኣብኡ እውን ይምዕቈብ ነይሩ እዩ። (መዝ. 16:1) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ “ኵለንትናይ እውን ባህ ይብሎ” ኢሉ ኽጽሕፍ ክኢሉ እዩ። እወ፡ ዳዊት ካብቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ናይ ቀረባ ዕርክነት፡ ብዙሕ ባህታ ረኺቡ እዩ።—መዝሙር 16:9, 11 ኣንብብ።

8. ናይ ሓቂ ዕግበት ዘለዎ ህይወት ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

8 ኣብ ህይወቶም ንተድላን ንሃብትን ቀዳምነት ዚህቡ ሰባት፡ ከም ናይ ዳዊት ዓይነት ባህታ ኣይረኽቡን እዮም። (1 ጢሞ. 6:9, 10) ነዚ ብዚምልከት ኣብ ካናዳ ዚነብር ሓደ ሓው፡ “ናይ ሓቂ ዕግበት፡ ኣብ ህይወት ካብ እንረኽቦ ነገራት ዘይኰነስ፡ ነቲ ወሃቢ ዅሉ ጽቡቕ ውህበት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ካብ እንህቦ ነገራት እዩ ዚርከብ” ኢሉ እዩ። (ያእ. 1:17) እወ፡ ነታ ኣብ የሆዋ ዘላትካ እምነት ምስ እተደልድላን ንዕኡ ምስ እተገልግሎን፡ ህይወትካ ትርጉም ይህልዋ፡ ዕግበት ድማ ትረክብ። እሞ ደኣ እምነትካ ብኸመይ ክትዓቢ ትኽእል፧ ምስ የሆዋ ግዜ ኸተሕልፍ ኣሎካ፣ ነዚ ኸኣ ቃሉ ብምንባብ፡ ንፍጥረታቱ ብምዕዛብ፡ ብዛዕባ እታ ንዓኻ ዘላቶ ፍቕርን ብዛዕባ ኻልእ ባህርያቱን ከኣ ብምስትንታን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።—ሮሜ 1:20፣ 5:8

9. ቃል ኣምላኽ ከምቲ ንዳዊት ዝቐረጾ ንዓኻ እውን ምእንቲ ኪቐርጸካ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

9 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ ብኣባታዊ መአረምታ ኣቢሉ ይገልጸልና እዩ። ዳዊት ነቲ እተዋህቦ ምኽሪ ኣኽቢሩ እዩ ርእይዎ። ከመይሲ፡ “ነቲ ዝመኸረኒ የሆዋ ኽውድሶ እየ። ብለይቲ እኳ ውሽጣዊ ሓሳባተይ ይእርመኒ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 16:7) ዳዊት ብዛዕባ ሓሳባት ኣምላኽ የስተንትን ስለ ዝነበረ ንኣተሓሳስባኡ ኸም ናይ ኣምላኽ ገይርዎ እዩ፣ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ኪቐርጾ እውን ፈቒዱ እዩ። ንስኻ እውን ብእምነት ከምዚ ምስ እትገብር፡ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕርን ክትእዘዞ ዘሎካ ድሌትን ይዓቢ እዩ። ብተወሳኺ ድማ መንፈሳዊ ብስለትን ዕምቈትን ትረክብ ኢኻ። ክሪስቲን እትብሃል ሓንቲ ሓብቲ፡ “ምርምር ምስ ዝገብርን ብዛዕባ እቲ ዘንበብክዎ ምስ ዘስተንትንን፡ የሆዋ ነቲ ጽሑፍ እቲ ንዓይ ኢሉ ዘጽሓፎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ኢላ እያ።

10. ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 26:3 ተሓቢሩ ዘሎ፡ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ምሓዝ ብኸመይ ይጠቕመካ፧

10 መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ምስ ዚህልወካ፡ ንዓለምን ንመጻኢኣን ብኣረኣእያ ኣምላኽ ክትርእዮ ዜኽእለካ ፍሉይ ፍልጠትን ልቦናን ተጥሪ ኢኻ። ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ፍልጠትን ልቦናን ዚህበካ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ህይወት ቀዳምነት ኪውሃቦ ንዚግባእ ነገራት ቀዳምነት ኽትህብ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብር፡ ንመጻኢ ድማ ብምሉእ ምትእምማን ክትጽበዮ ስለ ዚደሊ እዩ። (ኢሳይያስ 26:3 ኣንብብ።) ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ጆሹዋ ዚብሃል ሓው፡ “ናብ የሆዋ ቐሪብካ ትመላለስ እንተ ዄንካ፡ ንዅሉ ነገራት ገግቡእ ቦታኡ ኢኻ እትህቦ” ኢሉ እዩ። እዚስ ከመይ ዝበለ ዕግበት ኰን እዩ ዜምጽእ!

ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኣጥሪ

11. ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብዛዕባ ዚርከበሉ መገዲ፡ ዳዊት እንታይ ኢሉ፧

11 መዝሙር 16:3 ኣንብብ። ዳዊት፡ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኸመይ ኪረክብ ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ “ዓብዪ ደስታ” ኸም ዜምጽኡሉ ገሊጹ እዩ። ብስነ ምግባር ንጹሃትን ቅኑዓትን ስለ ዝነበሩ ድማ፡ “ቅዱሳት” ኢልዎም እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ካልእ ዘማሪ ብዛዕባ ኣዕሩኹ ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ኣነ ፈታው ኵሎም እቶም ዚፈርሁኻን እቶም ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 119:63) ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ንስኻ እውን ንየሆዋ ዚፈርሁን ንዕኡ ዚእዘዙን ብዙሓት ጥዑያት ኣዕሩኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንሳቶም ድማ ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

12. ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበረ ዕርክነት ኣብ ምንታይ እተመስረተ እዩ ነይሩ፧

12 ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ ካብቶም መሳቱኡ ዝነበሩ ጥራይ ኣይኰነን ኣዕሩኽ ዚሓሪ ነይሩ። እሞኸ ሓደ ኻብቶም “ግሩማት” እተባህሉ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ዳዊት ትዝክርዶ፧ ምናልባት ንዮናታን ትዝክሮ ትኸውን። ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ዕርክነት ድማ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመዝገበ ብሉጽ ዓይነት ዕርክነት እዩ ነይሩ። ዮናታን ንዳዊት ብ30 ዓመት ይዓብዮ ኸም ዝነበረስ ትፈልጥዶ፧ እሞ ደኣ ንዕርክነቶም መሰረት ዝዀኖ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እምነት ኣብ ኣምላኽን ሓድሕዳዊ ኣኽብሮትን ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ ኣብ ዚዋግኡሉ እዋን ዝነበሮም ትብዓትን እዩ ነይሩ።—1 ሳሙ. 13:3፣ 14:13፣ 17:48-50፣ 18:1

13. ከመይ ጌርካ ኢኻ ዕርክነትካ ኸተስፍሕ እትኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

13 ንሕና እውን ከም ዳዊትን ዮናታንን፡ ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩን ብእኡ ዚኣምኑን ብምፍቃር፡ “ዓብዪ ደስታ” ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ሓንቲ ንኣምላኽ ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገለት ኪራ እትብሃል ሰበይቲ፡ “ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ዓለም ምስ ዚርከቡ፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ባህልን ድማ ምስ ዘለዎም ሰባት፡ ዕርክነት መስሪተ እየ” ኢላ እያ። ንስኻ እውን ከምኡ ምስ እትገብር፡ ቃል ኣምላኽን መንፈሱን ሓድነት ከም ዜምጽእ ክትርኢ ኢኻ።

ጽቡቕ ሸቶታት ግበር

14. (ሀ) ኣብ ህይወትካ ጽቡቕ ሸቶታት ንምግባር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (ለ) ገሊኦም መንእሰያት መንፈሳዊ ሸቶታት ብዛዕባ ምውጻእ እንታይ ሓሳብ ሂቦም፧

14 መዝሙር 16:8 ኣንብብ። ዳዊት ንኣምላኽ ምግልጋል ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ዚህቦ ነገር እዩ ነይሩ። ንስኻ እውን ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳምነት እንተ ሂብካዮን እዚ ንሸቶታትካ ዚጸልዎ እንተ ዀይኑን፡ ብሓቂ ዜዕግብ ህይወት ኪህልወካ እዩ። ነዚ ብዚምልከት ሓደ ስቲቨን ዚብሃል ሓው፡ “ሸቶታት ምውጻአይ፡ ንዘውጻእክዎ ሸቶታት ምውቃዐይ፡ ደሓር ድማ ምልስ ኢለ ነቲ ዝገበርክዎ ምዕባለታት ምምርማረይ፡ ዕግበት ኣምጺኡለይ እዩ” ኢሉ እዩ። ሕጂ ናብ ካልእ ሃገር ግዒዙ ዜገልግል ዘሎ ጀርመናዊ መንእሰይ ከኣ፡ “ምስ ኣረግኩ እሞ ንህይወተይ ምልስ ኢለ ምስ ረኣኽዋ፡ ኵሉ እቲ ዝገብርክዎ ነገራት ንርእሰይ ጥራይ ምንባሩ ኽግንዘብ ኣይደልን እየ” ኢሉ እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዘሎካ ውህበት ንኣምላኽ ክብሪ ንምምጻእን ንኻልኦት ንምሕጋዝን ተጠቐመሉ። (ገላ. 6:10) መንፈሳዊ ሸቶታት ግበር፡ ሸቶታትካ ንምውቃዕ ምእንቲ ኺሕግዘካ ንየሆዋ ብጸሎት ለምኖ። ንሱ ኸኣ ንኸምዚ ዝዓይነቱ ጸሎት መልሲ ምሃብ፡ ደስ ይብሎ እዩ።—1 ዮሃ. 3:22፣ 5:14, 15

15. እንታይ ሸቶታት ኢኻ ኸተውጽእ እትኽእል፧ (“ ግብራዊ ሸቶታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

15 እንታይ ሸቶታት ኢኻ ኸተውጽእ ትኽእል፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብናትካ ኣዘራርባ ሓሳብ ንምሃብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ንምስታፍ፡ ወይ ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቋንቋ ወጻኢ ምእንቲ ኸተገልግል ከኣ፡ ካልእ ቋንቋ ኽትምሃር ትኽእል ኢኻ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዝዀነ ባራክ ዚብሃል መንእሰይ፡ “መዓልቲ መዓልቲ ምሉእ ሓይለይ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘውዕሎ ምዃነይ፡ ብኻልእ ንጥፈት ኪርከብ ዘይከኣል ስምዒት እዩ ዚፈጥረለይ” ይብል።

ኣምላኽ ንዝሃበካ ናጽነት ኣኽብሮ

16. ዳዊት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓታት ጽድቂ ኸመይ ይስምዖ ነይሩ፧ ስለምንታይከ፧

16 መዝሙር 16:2, 4 ኣንብብ። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ እቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ሕግታትን ስርዓታትን ጽድቂ፡ ጽቡቕ ከነፍቅርን ክፉእ ክንጸልእን የኽእለና እዩ፣ ነዚ ባህርይ እዚ ምምዕባልና ድማ ሓራ የውጽኣና እዩ። (ኣሞ. 5:15) ዳዊት እቲ ዘማሪ ንየሆዋ፡ “ምንጪ ሰናየይ” ኢሉ ገሊጽዎ እዩ። ሰናይ ኪብሃል ከሎ፡ ብስነ ምግባር ጽቡቕ ዝዀነ ባህርይ ማለት እዩ። ዳዊት ንኣምላኽ ንምምሳል፡ ከም ኣምላኽ ሰናይ ንምዃን ብዙሕ ጽዒሩ እዩ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክፉእ ዘበለ እውን ጽልኢ ኣማዕቢሉ እዩ። ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ዚጸልኦ ነገራት ድማ፡ ኣምልኾ ጣኦት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ፣ እዚ ተግባር እዚ ንሰባት ዜሕስር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንየሆዋ እውን ዚግብኦ ኽብሪ ኣይህቦን እዩ።—ኢሳ. 2:8, 9፣ ራእ. 4:11

17, 18. (ሀ) ዳዊት ብዛዕባ ሳዕቤናት ናይ ሓሶት ኣምልኾ እንታይ እዩ ተዓዚቡ፧ (ለ) ሎሚ ሰባት ‘ጓሂኦም ዜብዝሑ’ ስለምንታይ እዮም፧

17 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምንዝርና መብዛሕትኡ ግዜ ኽፍሊ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እዩ ነይሩ። (ሆሴ. 4:13, 14) እዚ ዓይነት ኣምልኾ እዚ ድማ ንሓጥእ ስጋ ማራኺ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነባሪ ሓጐስ ዜምጽእ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ከምቲ ዳዊት ዝበሎ፡ “እቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስዕቡ፡ ጓሂኦም የብዝሑ” እዮም ነይሮም። ንብዙሓት ቈልዑ እውን ኣደዳ ብዙሕ መከራ እዮም ዚገብርዎም ነይሮም። (ኢሳ. 57:5) የሆዋ ነዚ ጭካነ እዚ ይፍንፍኖ ነይሩ እዩ። (ኤር. 7:31) በቲ እዋን እቲ እንተ ትነብር ኔርካ፡ ወለድኻ ብየሆዋ ዚኣምኑን ንዕኡ ዚእዘዙን ምዃኖም ብዙሕ መሐጐሰካ ነይሩ።

18 ሎሚ እውን ምንዝርና፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ግብረ ሶዶም ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ቕቡል ጌርካ ይርአ እዩ። በዚ ስነ ምግባራዊ ናጽነት ዚብልዎ መገዲ ዚመላለሱ ሰባት ግና፡ ኣብ መወዳእታ ዚዓጽድዎ ሳዕቤን ካብቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ዝዓጸድዎ ሳዕቤን እተፈልየ ኣይኰነን። (1 ቈረ. 6:18, 19) ከም እተዓዘብካዮ፡ “ጓሂኦም የብዝሑ” እዮም ዘለዉ። ስለዚ፡ ኣቱም መንእሰያት፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ስምዕዎ። ንዕኡ እተርእይዎ ተኣዛዝነት ንጥቕምኹም ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ተኣማመኑ። ኣበሳ ዜምጽኦ ጕድኣት ካብቲ ግዜያዊ ባህታ ኣመና ኸም ዚዛይድ ኣብ ልብኹም ኣሕድሩ። (ገላ. 6:8) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጆሹዋ፡ “ንናጽነትና ብዝደለናዮ መገዲ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና፣ ብዘይግቡእ ምጥቃም ግና ዕግበት ኣየምጽኣልናን እዩ” ይብል።

19, 20. ብየሆዋ ዚኣምኑን ንዕኡ ዚእዘዝዎን መንእሰያት እንታይ በረኸት ይረኽቡ፧

19 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸኒዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፣ ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 8:31, 32) እታ ሓርነት እቲኣ ኸኣ፡ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ካብ ድንቍርናን ካብ ማሪታዊ እምነትን ሓራ ምዃን ተጠቓልል እያ። ካልእ ተወሳኺ ነገር እውን ትሓቍፍ እያ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ነቲ “ኽቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ” እውን ተጠቓልል እያ። (ሮሜ 8:21) ‘ኣብ ቃል ክርስቶስ ብምጽናዕ፡’ ወይ ብትምህርትታቱ ብምምልላስ፡ ነቲ ሓርነት እቲ ሕጂ እውን ክትጥዕሞ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ፡ ብዛዕባ ሓቂ ትምህርቲ ብምቕሳም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ ብምምልላስ፡ ‘ንሓቂ ኽትፈልጣ ኢኻ።’

20 ኣቱም መንእሰያት፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም ናጽነት ኣኽቢርኩም ርኣይዎ። ነቲ ናጽነት እቲ ብጥበብ ተጠቐሙሉ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንመጻኢ ሰናይ መሰረት ክትስርቱ ኢኹም። ምስዚ ብእተተሓሓዘ ሓደ መንእሰይ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ብንእስነትካ ንናጽነትካ ብጥበብ እንተ ተጠቒምካሉ፡ ደሓር ዓበይቲ ውሳነታት ምስ ኣጋጠመካ፡ ንበል ጽቡቕ ስራሕ ንምርካብ ወይ ከኣ ንምምርዓው ወይ ንእተወሰነ ግዜ ኸይተመርዓኻ ንምጽናሕ ኣብ እትውስነሉ እዋን፡ ብሓቂ ይሕግዝ እዩ።”

21. ከመይ ጌርካ ኢኻ ናብ “ናይ ሓቂ ህይወት” ብእትመርሕ መገዲ ኽትመላለስ እትኽእል፧

21 ኣብዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ፡ እቲ ጽቡቕ ዚብሃል ህይወት እኳ ዘየተኣማምንን ሓጺርን እዩ። ጽባሕ እንታይ ሒዛ ኸም እትመጽእ ኣይንፈልጥን ኢና። (ያእ. 4:13, 14) እምበኣር፡ ናብ “ናይ ሓቂ ህይወት፡” ማለት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብእትመርሕ መገዲ እንተ ተጕዓዝና ይሕሸና። (1 ጢሞ. 6:19) ኣምላኽ በታ መገዲ እቲኣ ኽንመላለስ ኣይግድደናን እዩ። እቲ ምርጫ ናትና እዩ። ስለዚ፡ ንየሆዋ ‘ግደኻ’ ግበሮ። ነቲ ንሱ ብብዝሒ ዚህበካ “ጽቡቕ” ኣኽቢርካ ርኣዮ። (መዝ. 103:5) ‘ብዙሕ ሓጐስን ናይ ዘለኣለም ደስታን’ ከም ዚህበካ እውን እመን።—መዝ. 16:11