ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

‘የሆዋ ጽቡቕ ገይሩልና እዩ’

‘የሆዋ ጽቡቕ ገይሩልና እዩ’

ኣነን ዳንየለ ሰበይተይን ናብ ሆቴል ድሕሪ ምእታውና ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እታ ተቐባሊት ኣጋይሽ፡ “ናብ ናይ ዶብ ፖሊስዶ ኽትድውል፧” ኢላ ሓተተትኒ። ናብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ጋቦን ካብ እንኣቱ ሒደት ሰዓታት ኢና ጌርና ኔርና፣ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ማለት ኣብ 1970ታት ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ዕዮና ተኣጊዱ እዩ ነይሩ።

ዳንየለ ፈጣን ስለ ዝዀነት፡ “ናብ ፖሊስ ምድዋል ይትረፍካ፡ መጺኦም ኣለዉ!” ኢላ ሕሽዅ በለትኒ። ሽዑ፡ ብድሕሬና ሓንቲ ማኪና ኣብ ኣፍ ደገ ሆቴል ደው በለት። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተዉና። ሳላ እቲ ዳንየለ ዝሃበትኒ መጠንቀቕታ ግና፡ ገሊኡ ሰነዳት ንኻልእ ሓው ክህብ ግዜ ረኸብኩ።

ናብ መደበር ፖሊስ ክንውሰድ ከለና፡ ከምዚኣ ዝበለት ተባዕን መንፈሳዊትን ሰበይቲ ብምርካበይ ዕድለኛ ኸም ዝዀንኩ እሓስብ ነይረ። እዚ ሓደ ኻብቲ ኣነን ዳንየለን ሰሚርና ዝዓየናሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እዩ። ዕዮ ስብከትና ናብ እተኣገደለን ሃገራት ስለምንታይ ንበጽሕ ከም ዝነበርና ኸዘንትወልኩም።

የሆዋ ብለውሃቱ ኣዒንተይ ኣንቍሓለይ

ብ1930 ኣብ ሓንቲ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ እትርከብ ክርዋ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ፡ ሃይማኖት ካቶሊክ ብጽኑዕ ኣብ ዚስዕቡ ስድራ ቤት እየ ተወሊደ። ኵላትና ሰሙን ሰሙን ካብ ዚግበር ቅዳሰ ኣይንበኵርን ኢና ኔርና፣ ኣቦይ እውን ኣብታ ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ይዓዪ ነይሩ እዩ። ወዲ 14 ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ ግና፡ ነቲ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ግብዝና ኣዒንተይ ዘንቍሓለይ ነገር ኣጋጠመኒ።

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ፈረንሳ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰራዊት ጀርመን እያ ነይራ። ካህንና ኸኣ ነቲ ምስ ናዚ ዝወገነ መንግስቲ ቪሺ ኽንድግፍ ኣዘውቲሩ የተባብዓና ነበረ። ዘረባኡ እውን የሰምብደና ነበረ። ከምቲ ብዙሓት ህዝቢ ፈረንሳ ዚገብርዎ ዝነበሩ ድማ፡ ብሕቡእ ረድዮ ቢ.ቢ.ሲ. ንሰምዕ ነበርና፣ እታ ረድዮ ድማ ዜና እቶም ኣንጻር ጀርመንን መሻርኽታን ዝነበሩ ጥሙራት ሓይልታት እያ እትፍኑ ነይራ። ድሕሪኡ እቶም ጥሙራት ሓይልታት ኣብ መስከረም 1944 ናባና ምስ ቀረቡ፡ እቲ ኻህን ተገልቢጡ ነዚ ዚጽምብል መሰናድዎ ገበረ። በዚ ድማ ኣነ ሰምበድኩ። እዚ ተግባሩ ኸኣ ነቲ ኣብ ኣቕሽሽቲ ዝነበረኒ እምነት ኣዳኸሞ።

ድሕሪ እቲ ውግእ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣቦይ ሞተ። ዓባይ ሓብተይ ከኣ ተመርዕያ ኣብ በልጅዩም ትነብር ነበረት፣ ስለዚ፡ ንኣደይ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ነበረኒ። ኣብ ኢንዱስትሪ ዓለባ ድማ ስራሕ ረኸብኩ። ሓለቓይን ደቁን ውፉያት ካቶሊክ እዮም ነይሮም። ኣብቲ ኩባንያ ብሩህ መጻኢ እኳ እንተ ነበረኒ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና ፈተና ኣጋጠመኒ።

ሲሞን ሓብተይ ብ1953 ክትበጽሓና ኣብ ዝመጸትሉ እዋን ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ነበረት። ብመጽሓፍ ቅዱሳ ገይራ ኸኣ እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ዚውሃብ ትምህርትታት ገሃነም እሳትን ስላሴን ኢመዋትነት ነፍስን ሓሶት ምዃኑ ብሜላ ኣርኣየትና። ኣብ ፈለማ፡ ‘ናይ ካቶሊክ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰንክን ተጠቒምኪ’ ኢለ ተማጐትክዋ፣ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና ሓቂ ትዛረብ ከም ዘላ ኣመንኩ። ንሳ ድማ ዝጸንሐ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኣምጽአትለይ፣ ነዚ ኸኣ ለይቲ ኣብ መደቀስየይ ኰይነ ብሃንቀውታ ኣንበብክዎ። ሓቂ ምዃኑ ድማ ቀልጢፈ ኣለለኽዎ፣ ኣብ ጐድኒ የሆዋ እንተ ቘይመ ስራሐይ ከይስእን ግና ፈራህኩ።

ንሒደት ኣዋርሕ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛን ባዕለይ አጽንዕ ነበርኩ። ደሓር ግና ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክኸይድ ወሰንኩ። እቲ ኣብ ጉባኤ ዝነበረ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ሃዋህው ድማ ልበይ ተንከየኒ። ምስ ሓደ ምኩር ሓው ንሽዱሽተ ወርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽናዕኩ፡ ኣብ መስከረም 1954 ተጠመቕኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ፡ ኣደይን ንእሽቶ ሓብተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዀና ብምርኣየይ ተሓጒሰ እየ።

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት፡ ናብ የሆዋ ተጸጋዕና

እቲ ዜሕዝን፡ ኣደይ ካብቲ ብ1958 ኣብ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ሒደት ሰሙናት ኣቐዲማ ሞተት። ኣነ ኣብቲ ኣኼባ ተኣኪበ ነይረ እየ። ካብኡ ኽምለስ ከለኹ፡ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት ኣይነበረንን፣ ስለዚ፡ ነቲ ዓለማዊ ስራሐይ ሓዲገ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ዳንየለ ዶሊ ንእትብሃል ብቕንኣት እተገልግል ፈላሚት ተሓጸኽዋ፣ ኣብ ግንቦት 1959 ከኣ ተመርዓና።

ዳንየለ ኻብቲ ዝዓበየትሉ ኸባቢ ርሒቓ ኣብ ገጠራት ብሪታኒ እያ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀሚራ። ኣብቲ ምእመናን ካቶሊክ ዝመልእዎ ዞባ ብብሽክለታ ኣብ ገጠራት እናተጓዕዘት ንምግልጋል ትብዓት የድልያ ነይሩ እዩ። ንሳ እውን ከማይ፡ እቲ ዕዮ ብህጹጽ ኪዕየ ኸም ዝነበሮ ይስምዓ ነይሩ እዩ፣ መወዳእታ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝቐረበ ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። (ማቴ. 25:13) እቲ ጥቕሚ ርእሳ ናይ ምስዋእ መንፈሳ ኸኣ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጸኒዕና ኽንቅጽል ሓጊዙና እዩ።

ካብቲ እተመርዓናሉ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ናብ ዕዮ ወረዳ ተመደብና። ሽዑ፡ ቀሊል ናብራ ለመድና። እታ ዝበጻሕናያ ናይ መጀመርታ ጉባኤ 14 ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮምዋ፣ እቶም ኣሕዋት ድማ ንዓና ንምቕባል ዓቕሚ ኣይነበሮምን። ስለዚ፡ ኣብ መድረኽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍርናሽ ኣንጺፍና ንድቅስ ነበርና። ምሹእ ወይ ጽቡቕ ኣይነበረን፣ ንሕቘና ግና ፈውሲ እዩ ነይሩ።

በታ ንእሽቶ ማኪናና ጌርና ንጉባኤታት ንበጽሕ ነበርና

ብዙሕ ዕዮ እኳ እንተ ነበረና፡ ዳንየለ ንዕዮ ወረዳ ቐልጢፋ እያ ለሚዳቶ። ኣቐዲሙ ቘጸራ ዘይተገብረሉ ኣኼባ ሽማግለታት ኪግበር ከሎ ኣብታ ንእሽቶ ማኪናና ትጽበየኒ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣማሪራ ኣይትፈልጥን እያ። ኣብ ዕዮ ወረዳ ኽልተ ዓመት ጥራይ ኢና ጸኒሕና። ኣብተን ዓመታት እቲአን ግና፡ ሰብ ሓዳር እሂን ምሂን ኪብሃሃሉን ብስምረት ኪዓይዩን ከም ዘለዎም ተማሂርና ኢና።—መክ. 4:9

ሓድሽ ምድብ ኣገልግሎት ተዋህበና

ብ1962 ናብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚግበር መበል 37 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተዓደምና፣ ሽዑ፡ እቲ ኮርስ ዓሰርተ ወርሒ እዩ ዚወስድ ነይሩ። ካብቶም 100 ተምሃሮ፡ 13 ጽምዲ ሰብ ሓዳር ኢና ኔርና፣ ስለዚ፡ ብሓባር ኣብቲ ትምህርቲ ኽንሳተፍ ምኽኣልና ፍሉይ መሰል እዩ ነይሩ። ምስ ከም እኒ ፍረደሪክ ፍራንዝ፡ ዩሊሲስ ግላስ፡ ኣሌክሳንደር ማክሚላን ዝኣመሰሉ ኣዕኑድ እምነት ግዜ ኸነሐልፍ ምኽኣልና፡ ክሳዕ ሕጂ ዘይሕከኽ ባህ ዜብል ተዝክሮታት እዩ ሓዲጉለይ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብሓንሳእ ምክፋልና ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱና

ኣብቲ ስልጠናና፡ ናይ ምዕዛብ ክእለትና ኸነማዕብል ምሕጽንታ ይውሃበና ነይሩ እዩ። ኣብ ገሊኡ ቐዳም ድሕሪ ቐትሪ፡ ናይቲ መዓልቲ ትምህርቲ ምስ ወዳእና፡ ናብ ከተማ ኒው ዮርክ ኬድና እተፈላለየ ቦታታት ምርኣይ ክፍሊ ስልጠናና እዩ ነይሩ። ንሰኑዩ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮ ብጽሑፍ ንገልጽ ነበርና። ብዙሕ ግዜ ቐዳም ምሸት ድኻም ተወዲእና ኢና ንምለስ ኔርና፣ እቶም ካብ ቤት-ኤል ብፍቓዶም ነቲ ዙረት ዚመርሑና ግና ነቲ ብጽሑፍ ዚቐርበልና ፈተና ዚሕግዘና ቐንዲ ነጥብታት ምእንቲ ኽንዝክር ሕቶታት ይሓትቱና ነይሮም እዮም። ሓደ ቐዳም፡ ምሉእ ድሕሪ ቐትሪ ኣብታ ኸተማ ብኣእጋርና ዞርና። ናብ መኻነ ትዕዝብቲ ጠፈር ምስ ከድና ኸኣ፡ ብዛዕባ ሚቲዮርን ሚቲዮራይትን ሓድሽ ነገር ፈለጥና። ናብ ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ቤተ መዘክር ኣመሪካ ምስ ከድና ድማ፡ ኣብ መንጎ ዓንጎግን ሓርገጽን ዘሎ ፍልልይ ፈለጥና። ናብ ቤት-ኤል ምስ ተመለስና፡ እቲ መራሒ ዙረትና፡ “ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ሚቲዮርን ሚቲዮራይትን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተተና። ዳንየለ ኸኣ ደኺማ ስለ ዝነበረት፡ “ሚቲዮራት ዝነውሐ ኣስናን እዩ ዘለዎም” ኢላ መለሰትሉ።

ኣብ ኣፍሪቃ ንዚነብሩ እሙናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምብጻሕ ኣሐጒሱና እዩ

ምስ ተመረቕና፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ፈረንሳ ተመደብና፣ እዚ ዘይተጸበናዮ እዩ ነይሩ። ኣብኡ ኸኣ ልዕሊ 53 ዓመት ብሓባር ኣገልጊልና ኢና። ብ1976 ድማ ኣነ ኣተሓባባሪ ኮሚተ ጨንፈር ኰይነ ተሸምኩ። ንጥፈታት ስብከትና ኣብ ትሕቲ እገዳ ወይ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ንዚርከበለን ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ክበጽሕ እውን ተመደብኩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና ናብታ ኣብ መእተዊ ዝጠቕስክዎ ተመክሮ ዘጋጠመላ ጋቦን እተጕዓዝና። ሓቂ ንምዝራብ፡ ነቲ ዘይተጸበኽዎ ሓላፍነታት ክስከሞ ዝኽእል ኰይኑ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ። ዳንየለ ግና፡ ንዝዀነ ይኹን እተመደበለይ ዕዮ ኽዋጽኣሉ ብዙሕ ትሕግዘኒ ነይራ እያ።

Iኣብቲ ኣብ ፓሪስ ብ1988 እተገብረ “መለኮታዊ ፍትሒ” ዘርእስቱ ኣኼባ፡ ሓውና ቴዶር ጃራዝ ንዘቕረቦ መደረ እናተርጐምኩ

ከቢድ ፈተና ብሓባር ከኣልናዮ

ካብ መጀመርታ ኣትሒዝና፡ ንናይ ቤት-ኤል ህይወትና ፈቲናዮ ኢና። ዳንየለ ናብ ጊልዓድ ቅድሚ ምኻድና ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ወርሒ እንግሊዝኛ ተማሂራ ነይራ እያ፣ ስለዚ፡ ንጽሑፋትና እትትርጕም ክኢላ ተርጓሚት ኰነት። ኣብቲ ኣብ ቤት-ኤል እንዓይዮ ዕዮ ብዙሕ ዕግበት ንረክብ ኔርና ኢና፣ ኣብ ጉባኤና ዝነበረና ህይወት ከኣ ንሓጐስና ዕጽፊ ይገብሮ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣነን ዳንየለን ኣምሲና ብባቡር እንምለሰሉ ዝነበርና እዋን ጽቡቕ ተዘክሮ እዩ ዘሎኒ፣ ሽዑ ንደክም እኳ እንተ ነበርና፡ ዕቤት ንዚገብሩ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕና ግና ብዙሕ ሓጐስ ነይሩና እዩ። ድሕሪኡ ንዳንየለ ኣብ ጥዕናኣ ዘጋጠማ ጸገም ግና፡ ከምቲ እትደልዮ ብንጥፈት ከይተገልግል ዕንቅፋት ኰይንዋ እዩ።

ብ1993 ናይ ጡብ መንሽሮ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ። እቲ ሕክምና ኸኣ፡ መጥባሕትን ብርቱዕ ኬሞተራፕን ዜጠቓልል ብምንባሩ፡ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ ነይሩ። ድሕሪ 15 ዓመት ድማ፡ ከም ብሓድሽ ዝኸበደ ዓይነት መንሽሮ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ። ይኹን እምበር፡ ንዕዮ ትርጉም ኣዝያ ትፈትዎ ስለ ዝነበረት፡ ካብ ሕማማ ምስ ሓሻ፡ ናብ ስርሓ ኽትምለስ ክኢላ እያ።

ዳንየለ ከቢድ ሕማም እኳ እንተ ነበራ፡ ካብ ቤት-ኤል ንምውጻእ ጠሪሳ ኣይሓሰበትን። ግናኸ፡ ኣብ ቤት-ኤል እናሓመምካ ምጽናሕ ቀሊል ኣይኰነን፣ ምናዳ ኻልኦት ንሕማምካ ዘይርድእዎ እንተ ዀይኖም ከቢድ እዩ። (ምሳ. 14:13) ዳንየለ ኣብ 70ታት ዕድሚኣ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ምጩው ገጻን ተፈጥሮኣዊ ጽባቐኣን ንሕማማ ይሽፍኖ ነይሩ እዩ። ንሳ እውን ኣይተስተማስልን እያ ነይራ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ እያ እተተኵር ነይራ። ሰማዒት እዝኒ ንዚሳቐ ሰብ ብዙሕ ከም እትሕግዝ ትፈልጥ ነይራ እያ። (ምሳ. 17:17) ገዛእ ርእሳ ኸም ኣማኻሪት ገይራ ርእያ ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ ተመክሮኣ ንብዙሓት ኣሓት ንመንሽሮ ከይፈርሃኦ ሓጊዝወን እዩ።

ካልእ ጸገማት እውን ክንሰግር ነይሩና እዩ። ዳንየለ ምሉእ ግዜ ምስራሕ ደው ምስ ኣበለት፡ ንዓይ ብብዙሕ መገድታት ትድግፈኒ ነይራ እያ። ንህይወተይ ብብዙሕ መዳይ ኣቕሊላትለይ እያ፣ እዚ ድማ ን37 ዓመት ኣተሓባባሪ ኮሚተ ጨንፈር ኰይነ ኸገልግል ኣኽኢሉኒ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ምሳሕ ኣብ ክፍልና ዄንና ምእንቲ ኽንበልዕን ብሓባር ግዜ ምእንቲ ኸነሕልፍን፡ ኵሉ ዜድሊ ነገራት ተዳሉ ነይራ እያ።—ምሳ. 18:22

ንመዓልታዊ ጭንቀትና ምኽኣሉ

ዳንየለ ወትሩ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዋ፡ ህይወት እውን ትፈቱ እያ ነይራ። ድሕሪኡ፡ ንሳልሳይ ሳዕ መንሽሮ ኸም ዝደገሳ ተፈልጠ። ኣብቲ ግዜ እቲ እንገብሮ ሓርበተና። ኬሞተራፕን ራድዮተራፕን ንሓይላ ስለ ዝጸንቀቖ፡ ሓድሓደ ግዜ ምኻድ እውን ይኸብዳ ነይሩ እዩ። እታ ኽኢላ ተርጓሚት ዝነበረት ፍቕርቲ ሰበይተይ፡ ቃላት ኪጠፍኣ ምስ ረኣኹ፡ ልበይ ቈሲሉ እዩ።

እንገብሮ ሓርቢቱና እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንፍተን ከም ዘይሓድገና ብምእማን ብጸሎት ጸናዕና። (1 ቈረ. 10:13) ነቲ የሆዋ ብቓሉን ብሰብ ሞያ ሕክምና ቤት-ኤልን ብመንፈሳውያን ስድራ ቤትናን ኣቢሉ ዚህበና ፍቕራዊ ደገፍን ወትሩ ኸነማስወሉ ንጽዕር ኔርና ኢና።

ሕክምና ኽንመርጽ ከለና፡ ወትሩ ኻብ የሆዋ መምርሒ ንልምን ነበርና። ሓደ እዋን፡ ኵሉ ሕክምና ኸነቋርጽ ተገዲድና ነበርና። እቲ ንዳንየለ ን23 ዓመት ዝሓከማ ሓኪም፡ ድሕሪ ኬሞተራፒ ስለምንታይ ሃለዋታ ተጥፍእ ከም ዘላ ኺርድኦ ኣይከኣለን። ካልእ ኣማራጺ እውን ኬቕርበልና ኣይከኣለን። ሽዑ፡ በይንና ኸም እተሓደግና ዀይኑ ተሰምዓና፣ ቀጺሉ እንታይ ከም ዚኸውን እውን ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። ድሕሪኡ፡ ካልእ ሓኪም መንሽሮ ንዳንየለ ኺሕክማ ፍቓደኛ ዀነ። ንጭንቀትና ምእንቲ ኽንክእሎ፡ የሆዋ መዋጽኦ ዝገበረልና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና።

ንጽባሕ ብዘይምጭናቕ፡ ንጭንቀትና ኸመይ ጌርና ኸም እንኽእሎ ተማሂርና ኢና። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ።” (ማቴ. 6:34) ኣወንታዊ ኣመለኻኽታን ዋዛን እውን ይሕግዝ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ ዳንየለ ንኽልተ ወርሒ ኬሞተራፒ ኣብ ዘይገበረትሉ እዋን፡ ፍሽኽ እናበለት፡ “ከም ሕጂ ጥዕና ረኺበ ኣይፈልጥን እየ!” ኢላትኒ እያ። (ምሳ. 17:22) ብዙሕ ስቓይ እኳ እንተ ነበራ፡ ንሓደስቲ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ዓው ኢልካ ምልምማድ ባህ የብላ ነይሩ እዩ።

ኣወንታዊ ኣረኣእያኣ ንዓይ እውን የተባብዓኒ ነይሩ እዩ። ሓቂ ንምዝራብ፡ ኣብቲ ኣብ ሓዳር ዘሕለፍናዮ 57 ዓመት፡ ንሳ እያ እትከናኸነኒ ነይራ። እንቋቝሖ ኸመይ ከም ዚጥበስ እኳ ኣየርኣየትንን! ስለዚ፡ ዓቕማ ምስ ተደረተ፡ ከመይ ገይረ ኣቕሑን ክዳውንትን ኸም ዝሓጽብ፡ ከመይ ገይረ ምግቢ ኸም ዘዳሉ ኽለምድ ነይሩኒ። ክምሃር ከለኹ፡ ሒደት ቢኬሪታት ሰቢረ እየ፣ ንዓኣ ባህ ንምባል ኢለ ዝገብሮ ነገር ግና ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰኒ ነይሩ። *

ንፍቕራዊ ለውሃት የሆዋ አመስግነሉ እየ

ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ፡ ካብቲ ጸገማት ጥዕናን እርጋንን ዘስዓበልና ዕንቅፋታት ጠቓሚ ትምህርትታት ረኺበ እየ። ቀዳማይ፡ ብስራሕ እምብዛ ትሑዛት ካብ ምዃንና እተላዕለ፡ ንእነፍቅሮ መጻምድትና ስምዒትና ንምግላጽ ግዜ ኽንስእን የብልናን። ገና ምስ ጕልበትና ኸለና፡ ንእንፈትዎም ሰብና ሓልዮትና ንምግላጽ ግዜና ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመሉ ኣሎና። (መክ. 9:9) ካልኣይ፡ ብዛዕባ ንኣሽቱ ነገራት እምብዛ ኽንጭነቕ የብልናን፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንረኽቦ በረኸት ከይነስተብህለሉ ንኽእል ኢና።—ምሳ. 15:15

ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍናዮ ህይወትና ኸስተንትነሉ ኸለኹ፡ የሆዋ ኻብ ዝሓሰብናዮ ንላዕሊ ኸም ዝባረኸና ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። እወ፡ ከምቲ፡ “የሆዋ ጽቡቕ ገይሩለይ እዩ” ዝበለ ዘማሪ እዩ ዚስምዓኒ።—መዝ. 116:7

^ ሕ.ጽ. 32 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሕትመት ክትዳሎ ኸላ፡ ሓብትና ዳንየለ ቦካርት ኣብ 78 ዕድሚኣ ሞተት።