ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ጻድቕ ብየሆዋ ኺሕጐስ . . . እዩ”

“ጻድቕ ብየሆዋ ኺሕጐስ . . . እዩ”

ዲያና ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ እያ። ብዓል ቤታ ኣልዛይመርስ ብዚብሃል ናይ ምርሳዕ ሕማም እተጠቕዐ ብምንባሩ፡ ቅድሚ ሞቱ ንእተወሰነ ዓመታት ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን እዩ ኣትዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ክልተ ደቃ ሞይቶምዋ እዮም፣ ንሳ እውን ምስ መንሽሮ ጡብ ትቃለስ ነይራ እያ። ይኹን እምበር፡ ኣባላት ጉባኤኣ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ኪረኽብዋ ኸለዉ፡ ወትሩ ሕጕስቲ ምዃና እዮም ዚርእዩ።

ጆን ከኣ ንልዕሊ 43 ዓመት ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ነቲ ዓይነት ኣገልግሎት እቲ ኣጸቢቑ ይፈትዎ ብምንባሩ፡ ህይወቱ እዩ ነይሩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንዝሓመመ ቤተ ሰቡ ንምክንኻን ነቲ ዕዮ መገሻ እቲ ኣቋሪጽዎ እዩ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ጉባኤ የገልግል ኣሎ። እቶም ቀደም ንጆን ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባ ኺረኽብዎ ኸለዉ፡ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ዘጋጠሞ ኣይመስልን እዩ። ሕጂ እውን ሕጉስ እዩ።

ከመይ ገይሮም እዮም ዲያናን ጆንን ሕጉሳት ኪዀኑ ኽኢሎም፧ ስምዒታውን ኣካላውን ስቓይ ዘለዎ ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ሕጉስ ኪኸውን ዚኽእል፧ ዚፈትዎ መሰል ኣገልግሎት ዝሰኣነ ሰብከ ኸመይ ገይሩ እዩ ሓጐሱ ዓቂቡ ኪቕጽል ዚኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቕ ብየሆዋ ኺሕጐስ . . . እዩ” ብምባል ነዚ ምላሽ ይህበና እዩ። (መዝ. 64:10) ውሽጣዊ ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚርከብን ብኸመይ ከም ዘይርከብን እንተ ኣስተውዒልና፡ ነዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና።

ግዜያዊ ሓጐስ

ገሊኡ ነገራት ብርግጽ ሓጐስ የምጽእ እዩ። ንኣብነት፡ ሓዳር ምምስራት፡ ውሉድ ምውላድ፡ ወይ ቲኦክራስያዊ መሰል ምርካብ፡ ካብ የሆዋ ዚውሃበና ውህበት ስለ ዝዀነ፡ የሐጕስ እዩ። እወ፡ ንሱ መስራቲ መውስቦን ገባሪ ኽእለት ምፍራይን ወሃቢ እቲ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢልካ ዚውሃብ ዕዮን እዩ።—ዘፍ. 2:18, 22፣ መዝ. 127:3፣ 1 ጢሞ. 3:1

እንተዀነ ግና፡ ገሊኡ ሓጐስ ግዝያዊ እዩ። መጻምድትና ኺጠልመና ወይ ኪሞተና ይኽእል እዩ። (ህዝ. 24:18፣ ሆሴ. 3:1) ገሊኦም ውሉዳት ንወለዶምን ንኣምላኽን ዘይእዙዛት ኪዀኑ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኪውገዱ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ደቂ ሳሙኤል ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ኣየገልገልዎን፣ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ድማ ኣብ ቤቱ መዓት ኣምጺእሉ እዩ። (1 ሳሙ. 8:1-3፣ 2 ሳሙ. 12:11) ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ጓህን ጭንቀትን እምበር፡ ሓጐስ ዜምጽእ ኣይኰነን።

ብተመሳሳሊ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብሰንኪ ስእነት ጥዕና፡ ሓላፍነት ስድራ ቤት፡ ወይ ቲኦክራስያዊ ምትዕርራያት፡ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰሎም ኪስእኑ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዓይነት ለውጥታት ዘጋጠሞም ብዙሓት ክርስትያናት ነቲ እቲ ዕዮ እቲ ዜምጽኣሎም ዝነበረ ሓጐስ ከም ዚናፍቕዎ ይዛረቡ እዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ምንጭታት ሓጐስ ተዛማዲ ወይ ግዜያዊ ኪኸውን ከም ዚኽእል ብቐሊሉ ኽትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። እሞ ደኣ ዅነታት ብሃንደበት ተቐዪሩ ኽነሱ ዘይልወጥ ካልእ ዓይነት ሓጐስ ኣሎዶ፧ እወ፡ ኪህሉ ኣለዎ። ከመይሲ፡ ሳሙኤልን ዳዊትን ካልኦትን ብፈተናታት እናሓለፉ ኽነሶም፡ ሓጐሶም ዓቂቦም እዮም።

ነባሪ ሓጐስ

ሓጐስ ብሓቂ እንታይ ምዃኑ፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ሰማይ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዝነበሮ ህይወት፡ “ኵሉ ግዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚ [የሆዋ] እሕጐስ ነበርኩ” ኢሉ ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ። (ምሳ. 8:30) ይኹን እምበር፡ ኣብ ምድሪ ኸቢድ ጸገማት ምስ ኣጓነፎ እውን እንተ ዀነ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ብምግባር ደስ ይብሎ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 4:34) ኣብተን ስቓይ ዝመልአን ናይ መወዳእታ ሰዓታትከ ኸመይ ተሰሚዕዎ፧ ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ፡ “ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ጕንዲ ስቅያት ተጻዊሩ” ዚብል ነንብብ ኢና። (እብ. 12:2) እምበኣር፡ ካብቲ የሱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ሓጐስ እተዛረቦ ኽልተ ነጥቢ ኽንምሃር ንኽእል ኢና።

ሓደ ግዜ፡ 70 ደቀ መዛሙርቲ ድሕሪ ስብከት ናብ የሱስ ተመልሱ። ግብርታት ሓይሊ ብምግባሮም፡ ኣጋንንቲ እውን ብምውጻኦም ተሓጒሶም እዮም ነይሮም። የሱስ ግና፡ “ስምኩም ኣብ ሰማያት ስለ እተጻሕፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተገዝኡልኩም፡ በዚ ኣይትተሓጐሱ” በሎም። (ሉቃ. 10:1-9, 17, 20) እወ፡ ሓደ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ካብ ምርካብ ንላዕሊ፡ ሞገስ የሆዋ ምርካብ እዩ ኣገዳስነት ዘለዎ። ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ እውን የሆዋ ብጽቡቕ ከም ዚዝክሮም እዩ ተነጊርዎም፣ እዚ ኸኣ ብዝያዳ እዩ ዜሐጕስ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንህዝቢ ይዛረብ ነበረ። ሓንቲ ኣይሁዳዊት ከኣ በቲ ኣመሃህራኡ ኣዝያ ስለ እተደነቐት፡ ኣዲኡ ኣዝያ ሕጕስቲ ኽትከውን ከም ዘለዋ ተዛረበት። የሱስ ግና፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” ኢሉ ኣረማ። (ሉቃ. 11:27, 28) ሓደ ወላዲ ብውሉዱ ዚሕበን እንተ ዀይኑ ሓጐስ ኪረክብ ይኽእል እዩ፣ ንየሆዋ እዙዛት ብምዃን ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ምምስራት ግና፡ ዝያዳ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ።

ስምረት የሆዋ ኸም ዘሎና ምስ እንፈልጥ፡ ዓሚቝ ውሽጣዊ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ፈተናታት ዜሐጕስ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነዚ ፍልጠትና እዚ ኣይቅይሮን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ፈተናታት እንተ ተጻዊርና፡ ልብና ብሓጐስ እዩ ዚመልእ። (ሮሜ 5:3-5) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ የሆዋ ነቶም ብእኡ ዚእመኑ መንፈሱ ይህቦም እዩ፣ ሓጐስ ከኣ ክፍሊ ፍረ መንፈስ እዩ። (ገላ. 5:22) እምበኣር፡ መዝሙር 64:10፡ “ጻድቕ ብየሆዋ ኺሕጐስ . . . እዩ” ዝበለትሉ ምኽንያት ኪርድኣና ይኽእል እዩ።

ንጆን ወትሩ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪረክብ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ዲያናን ጆንን ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ነባሪ ሓጐስ ኪህልዎም ዝኸኣለ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። ዲያና ብዛዕባ እዚ ሓሳብ ክትህብ ከላ፡ “ከምቲ ውሉድ ኣብ ወላዲኡ ዚምዕቈብ፡ ኣነ እውን ኣብ የሆዋ ተማዕቊበ እየ” ትብል። ስምረት ኣምላኽ ረኺባ ኸም ዘላኸ ኸመይ ገይራ ትፈልጥ፧ ነዚ ኽትምልስ ከላ፡ “ኣብ ገጸይ ፍሽኽታ እናተነብበ ኣዘውቲረ ኽሰብኽ ክእለት ብምሃብ ከም ዝባረኸኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ትብል። ጆን ድማ ነቲ ዚፈትዎ ዕዮ መገሻ ድሕሪ ምቍራጹ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ይዓዪ ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ከም ዝሓገዞ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ኽምህር እተመደብኩሉ 1998 ንነጀው፡ ብዝያዳ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽገብር ክኢለ እየ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ብዛዕባ ርእሱን ብዛዕባ ብዓልቲ ቤቱን ኪዛረብ ከሎ ድማ፡ “ንየሆዋ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ብእተኻእለና ብዛዕባ ምግልጋል ዘጥረናዮ ኣረኣእያ፡ ነዚ ለውጢ እዚ ኣቕሊሉልና እዩ። ብዘይ ጣዕሳ ኢና ጌርናዮ” ይብል።

ብዙሓት ካልኦት እውን ንሓቅነት መዝሙር 64:10 ብተመክሮ ርእዮምዎ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ንልዕሊ 30 ዓመት ዘገልገሉ ሰብ ሓዳር እስከ ንውሰድ። ድሕሪኡ፡ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ተመደቡ። ብዛዕባኡ ኺገልጹ ኸለዉ፡ “እትፈትዎ ነገር ምስ ሰኣንካ፡ ሓዘን ንቡር እዩ” ይብሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፡ “ንሓዋሩ ኽትሓዝን ግና ኣይትኽእልን ኢኻ” ይብሉ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ናብቲ ሓድሽ ምድቦም ምስ በጽሑ፡ ብቕልጡፍ ምስ ጉባኤ ሓቢሮም ኣብ ኣገልግሎት ኪሳተፉ ጀመሩ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ዝርዝር ነገራት ጠቒስና ጸሊና ኢና። ድሕሪኡ፡ ጸሎትና ኺምለስ ምርኣይና ኣተባቢዑናን ኣሐጒሱናን እዩ። ናብዚ ድሕሪ ምምጻእና ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካልኦት ኣባላት ጉባኤና ፈለምቲ ዀይኖም እዮም፣ ንሕና እውን ዕቤት ዚገብሩ ኽልተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምርካብና ተባሪኽና ኢና” ይብሉ።

“ንዘለኣለም . . . ተሓጐሱ”

ሓቂ እዩ፡ ወትሩ ሕጉሳት ምዃን ቀሊል ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ኣብ ህይወት ዓቐበ ቝልቍል የጋጥመና እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነተን ኣብ መዝሙር 64፡10 ዚርከባ ዜጸናንዓ ቓላት፡ ብመንፈሱ ኣጽሒፍወን እዩ። ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ምስ ዜጋጥመና፡ እቶም ለውጥታት እናኣጋጠሞም ክነሱ እሙናት ኰይኖም ዚጸንዑ ‘ጻድቃን ብየሆዋ ኸም ዚሕጐሱ’ እምንቶ ነሕድር። ብተወሳኺ ድማ፡ ነቲ የሆዋ ዘተስፈዎ “ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን” ብሃንቀውታ ንጸበ። ሽዑ፡ ዘይፍጽምናና ምሉእ ብምሉእ ኪውገድ እዩ። ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ከኣ በቲ ንሱ ዚፈጥሮን ዜዳልዎን ነገራት፡ ‘ኪፍስሁን ንዘለኣለም ኪሕጐሱን’ እዮም።—ኢሳ. 65:17, 18

ሽዑ፡ ምሉእ ጥዕና ኺህልወናን ንግሆ ንግሆ ኻብ ድቃስና ምስ ምሉእ ሓይልና ኽንበራበርን ኢና። እቲ ሎሚ ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ኸቢድ ጸገም ዜስዕቦ ስምዒታዊ ስቓይ፡ ሽዑ ኣይኪዝከርን እዩ። የሆዋ፡ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን፡ ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ” ኢሉ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። ትንሳኤ ብሞት ንእተፈላለዩ ሰባት ኬራኽቦም እዩ። ሽዑ ድማ፡ ከምቲ ወለዲ እታ የሱስ ዘተንስኣ 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ‘ብታሕጓስ ፍንጭሕ ዝበሉ፡’ ሚልዮናት ሰባት እውን ከምኡ ኪስምዖም እዩ። (ማር. 5:42) ኣብ መወዳእታ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዚነብር ሰብ፡ ምሉእ ብምሉእ “ጻድቅ” ኪኸውንን ንዘለኣለም ድማ “ብየሆዋ ኺሕጐስን” እዩ።