ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 6

“ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ”

“ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ”

“ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ።”—1 ቈረ. 11:3

መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና

መላለዪ *

1. ሓንቲ ሓብቲ ንመን ከም እትምርዖ ኽትመርጽ ከላ፡ እንታይ ሕቶታት እያ ኽትሓትት ዚግባእ፧

ኵሎም ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ፍጹም ርእስነት የሱስ ክርስቶስ እዮም። ሓንቲ ክርስትያን ምስ ተመርዓወት ግና ኣብ ትሕቲ ርእስነት ዘይፍጹም ሰብኣይ እያ እትኸውን። እዚ ጸገም ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንመን ከም እትምርዖ ኽትመርጽ ከላ፡ ከምዚ ኢላ ገዛእ ርእሳ ኽትሓትት ይግባእ፦ ‘እዚ ሓው እዚ ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ከም ዚኸውን ዚሕብር እንታይ ነገራት ኣሎ፧ መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወቱ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ ድዩ፧ ሕጂ ኸምኡ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስ ተመራዓውና ኸመይ ኢሉ እዩ ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ዚኸውን፧’ ብዘይካዚ፡ ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ ኢላ እውን ገዛእ ርእሳ ኽትሓትት ኣለዋ፦ ‘ንሓዳረይ ዚጠቅም እንታይ ባህርያትን እዩ ዘሎኒ፧ ዕግስትን ለጋስን ድየ፧ ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ኣሎኒ ድዩ፧’ (መክ. 4:9, 12) እቲ ሰበይቲ ኻብ ሓዳራ እትረኽቦ መጠን ሓጐስ፡ ብእተወሰነ ደረጃ ኣብቲ ቕድሚ መርዓ እትገብሮ ውሳነታት እዩ ዚምርኰስ።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

2 ሚልዮናት ክርስትያን ኣሓትና ንሰብኡተን ተገዛእቲ ብምዃን ብሉጽ ኣብነት ይዀና እየን። ስለዚ፡ ኪንኣዳ ኣለወን! ምስዘን እሙናት ኣንስቲ ሓቢርና ንየሆዋ ብምግልጋልና፡ ደስ ይብለና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መልሲ እዚ ሰለስተ ሕቶታት ክንርኢ ኢና፦ (1) ገለ ኻብቲ ንኣንስቲ ዜጋጥመን ጸገማት እንታይ እዩ፧ (2) ሓንቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ ፈትያ እትግዝኦ ስለምንታይ እያ፧ (3) ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ካብ የሱስን ኣቢጋይልን ማርያም ሰበይቲ ዮሴፍን ኣደ የሱስን ብዛዕባ ተገዛእነት እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

ክርስትያን ኣንስቲ እንታይ ጸገማት የጋጥመን፧

3. ፍጹም ሓዳር ዚብሃል ዘየልቦ ስለምንታይ እዩ፧

3 መውስቦ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ፍጹም ውህበት እዩ፣ ሰባት ግና ዘይፍጹማት እዮም። (1 ዮሃ. 1:8) ስለዚ ኸኣ እዩ ቓል ኣምላኽ ንሰብ ሓዳር፡ “ኣብ ስጋኦም ጸበባ” ወይ ጸገማት ከም ዜጓንፎም ዜጠንቅቕ። (1 ቈረ. 7:28) ንሰበይቲ ዜጋጥማ ገለ ጸገማት እስከ ንርአ።

4. ስለምንታይ እያ ሓንቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ ተገዛኢት ምዃን ከም ውርደት ገይራ ኽትርእዮ እትኽእል፧

4 ሓንቲ ሰበይቲ ብሰንኪ ኣተዓባብያኣ ንሰብኣያ ተገዛኢት ምዃን ከም ውርደት ገይራ ኽትርእዮ ትኽእል እያ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ማሪሶል፡ “ኣብቲ ዝዓበኹሉ ዓዲ፡ ኣንስቲ ብዅሉ ማዕረ ሰብኡት ከም ዝዀነ ብቐጻሊ ይንገረን ነይሩ እዩ። የሆዋ ንስርዓት ርእስነት ከም ዝሰርዖ፡ ንኣንስቲ ኸኣ ትሕትና ዚሓትት ግናኸ ክቡር ግደ ኸም ዝሃበን እፈልጥ እየ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ርእስነት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣጸጋሚ እዩ” ትብል።

5. ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣንስቲ ዘለወን ግደ እንታይ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

5 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ገሊኦም ሰብኡት ንኣንስቶም ከም ካልኣይ ዜጋ ገይሮም እዮም ዚርእይወን። ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትነብር ኢቮን ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ዓድና፡ ፈለማ ሰብኡት እዮም ዚበልዑ፡ ድሕሪኡ ኣንስቲ። ኣዋልድ ኪኽሽናን ኬጽርያን ትጽቢት ይግበረለን እዩ፣ ኣወዳት ከኣ ብኣዴታቶምን ብኣሓቶምን ይግልገሉ እዮም፣ ‘ነገስታት’ ቤቶም ከም ዝዀኑ እዩ ዚንገሮም።” ኣብ እስያ እትነብር ዪንግሊንግ ዝስማ ሓብቲ እውን ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ቋንቋና፡ ኣንስቲ ምስትውዓል ወይ ክእለት ከም ዘየድልየን ዚእምት ብሂል ኣሎ። ኵሉ ዕዮ ገዛ ኺዓይያ ትጽቢት ይግበረለን እዩ። ርእይቶአን ንሰብኡተን ብጩቝ ኪብላ ግና ኣይፍቀደለንን እዩ።” በዚ ዘይፍቕራውን ዘይቅዱስ ጽሑፋውን ኣረኣእያ እተጸልወ ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ የጸግማ፡ ንየሱስ ኣይመስሎን፡ ንየሆዋ እውን ባህ ኣየብሎን እዩ።—ኤፌ. 5:28, 29፣ 1 ጴጥ. 3:7

6. ኣንስቲ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለወን ብሕታዊ ርክብ ንምድልዳል እንታይ ኪገብራ ኣለወን፧

6 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተጠቕሰ፡ የሆዋ ንክርስትያናት ሰብኡት፡ ነቲ ስድራ ቤቶም ብመንፈሳውን ብስምዒታውን ብስጋውን መዳይ ዜድልያ ኼማልኡ ትጽቢት ይገብረሎም እዩ። (1 ጢሞ. 5:8) ይኹን እምበር፡ ምርዑዋት ኣሓት ካብቲ ብስራሕ እተዋጠረ ንጥፈታተን ግዜ ዓዲገን፡ መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ኬንብባን ብዛዕባኡ ኼስተንትናን ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኬቕርባን ኣለወን። እዚ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣንስቲ ብዙሕ ስራሕ ኣለወን፣ ስለዚ፡ ነዚ ነገራት እዚ ንምግባር፡ ግዜ ወይ ጕልበት ዘይብለን ኰይኑ ኺስምዐን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ግዜ ኺምድባ ኣለወን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ፡ ነፍሲ ወከፍና ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ከነማዕብልን ክንዕቅብን ይደልየና እዩ።—ግብ. 17:27

7. ሰበይቲ ዕዮኣ ንምፍጻም ዝቐለለ ዚገብረላ እንታይ እዩ፧

7 ልክዕ እዩ፡ ሰበይቲ ንዘይፍጹም ሰብኣያ ተገዛኢት ንምዃን፡ ክትጽዕር የድልያ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ተገዛኢት ክትኰነሉ ዚግባእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት እንተ ተረዲኣቶን እንተ ተቐቢላቶን፡ ነቲ የሆዋ ዝሃባ ዕዮ ንምፍጻም ዝቐለለ ይዀነላ እዩ።

ፈትያ እትግዛእ ስለምንታይ እያ፧

8. ኣብ ኤፌሶን 5:22-24 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ክርስትያን ሰበይቲ ፈትያ ንሰብኣያ እትግዝኦ ስለምንታይ እያ፧

8 ክርስትያን ሰበይቲ ንሰብኣያ ፈትያ እትግዝኦ፡ የሆዋ ኸምኡ ኽትገብር ከም ዚጽበያ ስለ እትፈልጥ እዩ። (ኤፌሶን 5:22-24 ኣንብብ።) ንሰማያዊ ኣቦኣ ትኣምኖ እያ፣ ምኽንያቱ፡ ወትሩ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንጥቕማ ኢሉ ኸም ዚእዝዛ ትፈልጥ እያ።—ዘዳ. 6:24፣ 1 ዮሃ. 5:3

9. ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ንስልጣን ሰብኣያ ምስ እተኽብር እንታይ እዩ ዚኸውን፧

9 ዓለም ንኣንስቲ፡ ንመለክዒታት የሆዋ ዕሽሽ ኪብላኦን ንተገዛእነት ከም ውርደት ገይረን ኪርእያኦን እያ እተተባብዕ። እቶም ነዚ ሓሳብ እዚ ዜተባብዑ ነቲ ፈቃር ኣምላኽና ኣይፈልጥዎን እዮም። የሆዋ ነተን ክቡራት ደቁ ዜዋርደን ነገር ከቶ ኣይእዝዘንን እዩ። ነቲ የሆዋ ዝሃባ ግደ ንምፍጻም እትጽዕር ሓብቲ፡ ኣብ ቤታ ሰላም እያ እተስፍን። (መዝ. 119:165) በዚ ኸምዚ፡ ሰብኣያ ይጥቀም፡ ንሳ ትጥቀም፡ ደቃ እውን ይጥቀሙ።

10. ካብቲ ካሮል ዝሃበቶ ሓሳባት እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧

10 ንዘይፍጹም ሰብኣያ እትግዛእ ሰበይቲ ነቲ ስርዓት ርእስነት ዝመስረተ የሆዋ ኸም እተፍቅሮን እተኽብሮን ተርኢ እያ። ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትነብር ካሮል ከምዚ ትብል፦ “ሰብኣየይ ከም ዚጋገ እፈልጥ እየ። እቲ ኣነ ንጌጋታቱ ዚህቦ ምላሽ ከኣ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ዕርክነት ክሳዕ ክንደይ ከም ዘኽብሮ ዜርኢ ምዃኑ እውን እፈልጥ እየ። ስለዚ፡ ንሰማያዊ ኣቦይ ባህ ከብሎ ስለ ዝደሊ፡ ተገዛኢት ክኸውን እጽዕር እየ።”

11. ኣኒስ ዝስማ ሓብቲ ይቕረ በሃሊት ንምዃን እንታይ ሓጊዝዋ፧ ካብ ሓሳባታኸ እንታይ ንምሃር፧

11 ሓንቲ ሰበይቲ ሰብኣያ ንስምዒታታን ንዜተሓሳስባ ነገራትን ኣብ ግምት ዘየእቱ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዋ፡ ከተኽብሮን ንዕኡ ተገዛኢት ክትከውንን ይኸብዳ እዩ። ኣኒስ ዝስማ ምርዕውቲ ሓብቲ ኸምኡ ኼጋጥማ ኸሎ እንታይ ከም እትገብር ከምዚ ኢላ ገሊጻ ኣላ፦ “ቅሬታ ኸይሕዝ እጽዕር እየ። ኵላትና ጌጋታት ከም እንገብር እዝክር እየ። ሸቶይ ከምቲ የሆዋ ዚገብሮ፡ ብናጻ ይቕረ ምባል እዩ። ይቕረ ምስ በልኩ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም እረክብ እየ።” (መዝ. 86:5) ይቕረ በሃሊት ሰበይቲ፡ ተገዛኢት ምዃን ዝቐለለ ይዀነላ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተመዝገበ ኣብነታት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

12. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣብነታት እዩ ሒዙ ዘሎ፧

12 ገሊኦም ሰባት፡ ተገዛኢ ሰብ ድኹም ዝዀነ ይመስሎም እዩ። እዚ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተገዛእትን ብርቱዓትን ዝዀኑ ብዙሓት ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ሕጂ፡ ካብ የሱስን ኣቢጋይልን ማርያምን እንታይ ከም እንምሃር ንርአ።

13. የሱስ ንየሆዋ ዚግዝኦ ስለምንታይ እዩ፧ ግለጽ።

13 የሱስ ንየሆዋ ይግዝኦ እዩ፣ ከምኡ ዚገብር ግና፡ ምስትውዓል ወይ ክእለት ስለ ዝጐደሎ ኣይኰነን። ብቐሊልን ብንጹርን ኪምህር ዝኸኣለ፡ ኣዝዩ ኣስተውዓሊ ስለ ዝዀነ እዩ። (ዮሃ. 7:45, 46) የሆዋ ንኽእለት የሱስ ኣዝዩ ኻብ ምኽባሩ እተላዕለ፡ ንዩኒቨርስ ኪፈጥር ከሎ ምስኡ ዀይኑ ኺዓዪ ፈቒዱሉ እዩ። (ምሳ. 8:30፣ እብ. 1:2-4) የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ እውን፡ የሆዋ ንዕኡ ‘ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ሂብዎ ኣሎ።’ (ማቴ. 28:18) የሱስ ክኢላ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ የሆዋ መምርሒ ይጽበ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንኣቦኡ የፍቅሮ እዩ።—ዮሃ. 14:31

14. (ሀ) ሰብኡት ካብቲ የሆዋ ንኣንስቲ ዚርእየሉ መገዲ እንታይ ይምሃሩ፧ (ለ) ሰብኡት ካብቲ ኣብ ምሳሌ 31 ዘሎ ሓሳባት እንታይ ይምሃሩ፧

14 ሰብኡት ዚምሃርዎ ትምህርቲ። የሆዋ ንሰበይቲ ተገዛኢት ሰብኣያ ኸም እትኸውን ዝገበረ፡ ንኣንስቲ ኻብ ሰብኡት ከም ዚትሕታ ገይሩ ስለ ዚርእየን ኣይኰነን። ንኣንስትን ንሰብኡትን፡ መጋዝእቲ የሱስ ኪዀኑ ብምሕራይ፡ ነዚ ንጹር ገይርዎ እዩ። (ገላ. 3:26-29) የሆዋ ንወዱ ስልጣን ብምሃብ፡ ከም ዚተኣማመነሉ ኣርእዩ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ጥበበኛ ሰብኣይ ንሰበይቱ እተወሰነ ስልጣን ይህባ እዩ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኽኢላ ሰበይቲ እትገብሮ ነገራት ገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት፡ ንቤተ ሰባ ትኣሊ፡ መሬት ትዕድግን ተመሓድርን፡ ከምኡ እውን ንግዳዊ ልውውጥ ትገብር እያ። (ምሳሌ 31:15, 16, 18 ኣንብብ።) ርእይቶኣ ኽትገልጽ መሰል ዘይብላ ባርያ ኣይኰነትን። የግዳስ፡ ሰብኣያ ይኣምናን ይሰምዓን እዩ። (ምሳሌ 31:11, 26, 27 ኣንብብ።) ሰብኣይ ንሰበይቱ በዚ ዓይነት ኣኽብሮት እንተ ሒዝዋ፡ ባህ ኢልዋ ትግዝኦ እያ።

ክኢላታት ኣንስቲ ኻብቲ የሱስ ንየሆዋ ዝነበሮ ተገዛእነት እንታይ ይምሃራ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ኣንስቲ ኻብ የሱስ እንታይ ይምሃራ፧

15 ኣንስቲ ዚምሃራኦ ትምህርቲ። የሱስ ብዙሕ እኳ እንተ ዓመመ፡ ንርእስነት የሆዋ ተገዛኢ ምዃን ከም ዜዋርዶ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። (1 ቈረ. 15:28፣ ፊል. 2:5, 6) ብተመሳሳሊ፡ ኣብነት የሱስ እትስዕብ ክኢላ ሰበይቲ፡ ንርእስነት ሰብኣያ ተገዛኢት ብምዃና፡ ከም ዝተሓተት ኰይኑ ኣይስምዓን እዩ። ንሰብኣያ እትድግፎ ስለ እተፍቅሮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብቐዳምነት ንየሆዋ ስለ እተፍቅሮን ስለ እተኽብሮን እዩ።

ኣቢጋይል ንዳዊትን ንሰቡን ምግቢ ድሕሪ ምስዳዳ፡ ናብ ዳዊት ቀረበት። ኣብ ምድሪ ተደፊኣ ድሕሪ ምስጋድ ከኣ፡ ባዕሉ ሕነ ብምፍዳይ፡ ኣብ ዕዳ ደም ከይኣቱ ለመነቶ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ብመሰረት 1 ሳሙኤል 25:3, 23-28፡ ኣቢጋይል እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዋ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

16 ኣቢጋይል፡ ናባል ዝስሙ ሰብኣይ እዩ ነይርዋ። ንሱ ኸኣ ስሱዕን ዕቡይን ዘየመስግንን ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣቢጋይል ካብ ሓዳራ ኽትገላገል ኢላ፡ ቀሊል መውጽኢ ኣየናደየትን። ዳዊትን ሰቡን ንሰብኣያ ኪቐትልዎ ምስ በሉ፡ ስቕ ኢላ ኽትርኢ ምኸኣለት ነይራ። ንሳ ግና ንናባልን ነቲ ዓብዪ ቤተ ሰባን ንምድሓን ስጕምትታት ወሲዳ። ናብቶም 400 ዕጡቓት ሰብኡት ከይዳ ንዳዊት ብኣኽብሮት ከተዛራርቦ ዜድልያ ትብዓት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ካብኡ ሓሊፋ እውን፡ ነቲ ሰብኣያ ዝገበሮ ተግባር ይቕረታ ኽትሓትት ፍቓደኛ ነይራ እያ። (1 ሳሙኤል 25:3, 23-28 ኣንብብ።) ዳዊት ከኣ የሆዋ በዛ ብርትዕቲ ሰበይቲ ገይሩ ኸቢድ ጌጋ ኸይጋገ ምኽሪ ኸም ዝሃቦ ተኣሚኑ እዩ።

17. ሰብኡት ካብ ዛንታ ዳዊትን ኣቢጋይልን እንታይ ይምሃሩ፧

17 ሰብኡት ዚምሃርዎ ትምህርቲ። ኣቢጋይል ለባም ሰበይቲ እያ ነይራ። ዳዊት እውን ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፡ ምኽራ ሰሚዑ እዩ። ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ፡ ካብ ዕዳ ደም ተሰቲሩ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ጥበበኛ ሰብኣይ ኣገዳሲ ውሳነታት ኪገብር ከሎ፡ ንኣረኣእያ ሰበይቱ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ምናልባት ኣረኣእያኣ፡ ሕማቕ ውሳነ ኸይገብር ይሕግዞ ይኸውን።

18. ኣንስቲ ኻብ ኣቢጋይል እንታይ ይምሃራ፧

18 ኣንስቲ ዚምሃራኦ ትምህርቲ። ንየሆዋ እተፍቅርን እተኽብርን ሰበይቲ፡ ዋላ እውን ሰብኣያ ንየሆዋ ዘየገልግል ወይ ብስርዓታቱ ዘይመላለስ እንተ ዀነ፡ ኣብ ስድራ ቤታ ጽቡቕ ጽልዋ ተሕድር እያ። ቅዱስ ጽሑፋዊ ብዘይኰነ መገዲ፡ ካብ ሓዳራ መውጽኢ ኣይተናድን እያ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኣኽብሮትን ብተገዛእነትን ንሰብኣያ ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃር ከተለዓዕሎ ትጽዕር እያ። (1 ጴጥ. 3:1, 2) ዋላ እውን ሰብኣያ ነቲ ሰናይ ኣብነታ ምላሽ እንተ ዘይሃበሉ፡ የሆዋ ንተኣማንነታን ንተገዛእነታን ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ።

19. ሰበይቲ ኣብ ምንታይ ኵነታት እያ ንሰብኣያ ዘይትእዘዞ፧

19 ይኹን እምበር፡ ሓንቲ ተገዛኢት ክርስትያን ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ንሕግታት ወይ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥሕስ እንተ ሓቲትዋ፡ ኣይትድግፎን እያ። ንኣብነት፡ ዘይኣማኒ ሰብኣያ ኽትሕሱ፡ ክትሰርቕ፡ ወይ ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባር ክትሳተፍ ይሓትታ ይኸውን። ኵሎም ክርስትያናት፡ እንተላይ ምርዑዋት ኣሓት፡ ብቐዳምነት ንየሆዋ እዮም እሙናት ኪዀኑ ዘለዎም። ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥሕስ እንተ ተሓቲታ፡ ከምኡ ዘይትገብረሉ ምኽንያት ብለውሃት ግናኸ ብጽኑዕ ብምግላጽ ክትኣቢ ኣለዋ።—ግብ. 5:29

ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ *

20. ማርያም ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ ከም ዝነበራ፡ ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

20 ማርያም ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ ነይርዋ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ እያ። ምስ ኤልሳቤጥ ኣደ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ልዕሊ 20 ሳዕ ጠቒሳ ኣላ። (ሉቃ. 1:46-55) ብዘይካዚ፡ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ እኳ እንተ ነበረት፡ መልኣኽ የሆዋ ፈለማ ንዓኣ እዩ ተራእይዋ። ብቐጥታ ንዓኣ ኺዛረባ ኸሎ ኸኣ፡ ወዲ ኣምላኽ ከም እትወልድ ነጊርዋ። (ሉቃ. 1:26-33) የሆዋ ንማርያም ኣጸቢቑ ይፈልጣ ነይሩ እዩ፣ ንወዱ ኸም እተፍቅሮን ከም እትሓልየሉን እውን ይተኣማመን ነይሩ እዩ። የሱስ ድሕሪ ሙማቱን ናብ ሰማይ ድሕሪ ምትንሳኡን እውን ከይተረፈ፡ ማርያም ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበራ ጽቡቕ ርክብ ቀጺላቶ ኽትከውን ኣለዋ።—ግብ. 1:14

21. ሰብኡት ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማርያም ተመዝጊቡ ዘሎ ነገራት እንታይ ይምሃሩ፧

21 ሰብኡት ዚምሃርዎ ትምህርቲ። ጥበበኛ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቓ ትፈልጥ እንተ ዀይና፡ ይሕጐስ እዩ። ርእስነቱ ኸይተሕድጎ ኣይፈርህን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣጸቢቓ እትፈልጥ ሓብቲ፡ ንስድራ ቤታ ዓብዪ ረብሓ ኸም ዝዀነት ይፈልጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዋላ እውን ካብኡ ንላዕሊ እተማህረት እንተ ዀነት፡ ኣምልኾ ስድራ ቤትን ቲኦክራስያዊ ንጥፈታትን ናቱ ሓላፍነት እዩ።—ኤፌ. 6:4

ኣንስቲ ኻብ ማርያም ኣደ የሱስ ብዛዕባ መጽናዕትን ምስትንታንን እንታይ ይምሃራ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 22 ርአ) *

22. ኣንስቲ ኻብ ማርያም እንታይ ይምሃራ፧

22 ኣንስቲ ዚምሃራኦ ትምህርቲ። ሰበይቲ ንሰብኣያ ተገዛኢት ክትከውን እኳ እንተ ኣለዋ፡ ንመንፈሳዊ ጥዕናኣ ግና ባዕላ እያ ሓላፍነት ክትስከም ዘለዋ። (ገላ. 6:5) ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ንብሕታዊ መጽናዕትን ንምስትንታንን ዚኸውን ግዜ ኽትምድብ ኣለዋ። እዚ ድማ ንየሆዋ ዘለዋ ፍቕርን ኣኽብሮትን ክትዕቅብ፡ ንሰብኣያ ተገዛኢት ብምዃን እውን ሓጐስ ክትረክብ የኽእላ።

23. ተገዛእቲ ኣንስቲ ንገዛእ ርእሰንን ንስድራ ቤተንን ንጉባኤአንን ዚጠቕማ ብኸመይ እየን፧

23 ካብቲ ንየሆዋ ዘለወን ፍቕሪ ተላዒለን ንሰብኡተን ዚግዝኣ ኣንስቲ፡ ካብተን የሆዋ ንዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት ዘይቅበላ ንላዕሊ ሓጐስን ዕግበትን ይረኽባ እየን። ንመንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከኣ ጽቡቕ ኣብነት ይዀና እየን። ኣብ ስድራ ቤት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጉባኤ እውን ጽቡቕ ሃዋህው ከም ዚሰፍን ይገብራ እየን። (ቲቶ. 2:3-5) ሎሚ ኣንስቲ ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግሉ ዘለዉ፡ ዓብዪ እጃም ኣለወን። (መዝ. 68:11) ደቂ ተባዕትዮ ወይ ደቂ ኣንስትዮ ንኹን ብዘየገድስ፡ ኵላትና ኣብ ጉባኤ ኣገዳሲ ግደ ኣሎና። እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነፍሲ ወከፍና ነዚ ግደ እዚ ብኸመይ ከም እንፍጽም ትገልጽ።

መዝሙር 131 “ኣምላኽ ዝጸመዶ”

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ምርዑዋት ኣንስቲ ንሰብኡተን ኪግዝኣኦም ስርዓት ሰሪዑ እዩ። እዚ እንታይ የጠቓልል፧ ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ካብ የሱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ካብ ዚርከባ ኣንስትን ብዛዕባ ተገዛእነት ብዙሕ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 68 መግለጺ ስእሊ፦ ማርያም ምስ ኤልሳቤጥ ኣደ ዮሃንስ መጥምቕ ክትዛራረብ ከላ፡ ካብቲ ኣብ ልባ ዘዋህለለቶ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኽትጠቅስ ክኢላ እያ።

^ ሕ.ጽ. 70 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ እውን መንፈሳዊ ጥዕናኣ ንምሕላው፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ግዜ ትምድብ እያ።