ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 8

ፈተናታት እናተጻወርና ብኸመይ ሓጐስና ንዕቅብ፧

ፈተናታት እናተጻወርና ብኸመይ ሓጐስና ንዕቅብ፧

“ኣሕዋተየ፡ እተፈላለየ ፈተናታት እንተ በጺሑኩም፡ ከም ምሉእ ሓጐስ ቍጸርዎ።”—ያእ. 1:2

መዝሙር 111 መሐጐሲና

መላለዪ *

1-2. ብመሰረት ማቴዎስ 5:11፡ ንፈተናታት ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

የሱስ ሰዓብቱ ብሓቂ ሕጉሳት ከም ዝዀኑ ሓቢሩ እዩ። እቶም ዜፍቅርዎ ፈተናታት ከም ዜጋጥሞም እውን ኣጠንቂቑ እዩ። (ማቴ. 10:22, 23፣ ሉቃ. 6:20-23) ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃንና ብሓቂ የሐጕሰና እዩ። ቤተ ሰብና ኪጻረሩና፡ መንግስቲ ኺሰጕጐና፡ መሳርሕትና ወይ መማህርትና ሕማቕ ክንገብር ጸቕጢ ኺገብሩልና ኸለዉ ግና ከመይ እዩ ዚስምዓና፧ እዚ መሸም የጨንቐና እዩ።

2 ከም ንቡር፡ ሰብ ብመስጐጕቲ ኣይሕጐስን እዩ። ቃል ኣምላኽ ግና ከምኡ ኽንገብር እዩ ዚነግረና ዘሎ። ንኣብነት፡ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብፈተናታት ኣብ ክንዲ እንድቈስ ከም ሓጐስ ክንቈጽሮ እዩ ጽሒፉ። (ያእ. 1:2, 12) የሱስ ድማ መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ክንሕጐስ ከም ዘሎና ተዛሪቡ ኣሎ። (ማቴዎስ 5:11 ኣንብብ።) ከመይ ጌርና ኢና ፈተናታት እናሃለወ ኽነሱ ኽንሕጐስ እንኽእል፧ ካብታ ያእቆብ ናብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝጸሓፋ መልእኽቲ ሒደት ሓሳባት ምስ እንምርምር ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ፈለማ እቶም ክርስትያናት እንታይ ጸገማት ከም ዝነበሮም እስከ ንርአ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ፈተናታት ኣጋጢምዎ፧

3. ያእቆብ ወደ መዝሙር የሱስ ድሕሪ ምዃኑ ነዊሕ ከይጸንሐ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧

3 እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝነበረ ያእቆብ ወደ መዝሙር ድሕሪ ምዃኑ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ምጽራር ተላዕለ። (ግብ. 1:14፣ 5:17, 18) እስጢፋኖስ እቲ ወደ መዝሙር ምስ ተቐትለ ኸኣ፡ ብዙሓት ክርስትያናት ካብታ ኸተማ ሃዲሞም “ናብ ዞባታት ይሁዳን ሰማርያን ፋሕ በሉ።” ኣብ መወዳእታኡ ድማ ክሳብ ቆጵሮስን ኣንጾክያን በጽሑ። (ግብ. 7:58–8:1፣ 11:19) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዙሕ ጸገማት እዮም ኣሕሊፎም። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ዝኸድዎ ዅሉ እቲ ብስራት ይሰብኩ፡ ኣብ ብዘሎ ግዝኣት ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ድማ ጉባኤታት የቝሙ ነበሩ። (1 ጴጥ. 1:1) ዝኸፍአ ግዜያት ግና፡ ገና ይጽበዮም እዩ ነይሩ።

4. ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ካልእ ፈተናታት እዮም ዜሕልፉ ነይሮም፧

4 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እተፈላለየ ፈተናታት ኣሕሊፎም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ 50 ድ.ክ. ቅላውዴዎስ ሃጸይ ሮሜ ንዅሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኺወጹ ኣዘዘ። ስለዚ፡ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ኣባይቶም ሓዲጎም ናብ ካልእ ቦታ ኺግዕዙ ተገደዱ። (ግብ. 18:1-3) ኣብ ከባቢ 61 ድ.ክ. ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ክርስትያናት ብጾቱ ኣደዳ ጸርፍን ማእሰርትን ዝምታን ከም ዝዀኑ ጽሒፉ ኣሎ። (እብ. 10:32-34) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ከም ሰቦም ኣደዳ ሕማምን ድኽነትን ይዀኑ ነይሮም እዮም።—ሮሜ 15:26፣ ፊል. 2:25-27

5. እንታይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረኽበሉ፧

5 ያእቆብ መልእኽቱ ቅድሚ 62 ድ.ክ. ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ነቲ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ዜጋጥሞም ዝነበረ ፈተናታት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። የሆዋ ንያእቆብ ብመንፈሱ ብምድራኽ፡ ክርስትያናት ፈተናታት እናኣጋጠሞም ክነሱ ሓጐሶም ኺዕቅቡ ዚሕግዞም ግብራዊ ምኽሪ ኸም ዚጽሕፍ ገይርዎ እዩ። ሕጂ እምበኣር ንመልእኽቲ ያእቆብ ንመርምራ፡ ነዚ ሕቶታት እውን መልሲ ንርከበሉ። ያእቆብ ብዛዕባ እንታይ ሓጐስ እዩ ጽሒፉ፧ እንታይ ነገራት እዩ ንክርስትያን ሓጐሱ ኼስእኖ ዝኽእል፧ ዜጋጥመና ፈተናታት ብዘየገድስከ ጥበብን እምነትን ትብዓትን፡ ሓጐስና ኽንዕቅብ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ንክርስትያን ዜሐጕሶ እንታይ እዩ፧

ከምቲ ሃልሃልታ ኣብ ውሽጢ ፋኑስ ብቐጻሊ እትነድድ፡ የሆዋ ዚህበና ውሽጣዊት ሓጐስ ድማ ኣብ ልቢ ክርስትያን ብቐጻሊ ሃልሃል ትብል (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ብመሰረት ሉቃስ 6:22, 23፡ ክርስትያን ፈተናታት ኬጋጥሞ ኸሎ ዚሕጐስ ስለምንታይ እዩ፧

6 ሰባት ጽቡቕ ጥዕናን ብዙሕ ገንዘብን ሰላማዊ ስድራ ቤትን እንተ ረኺቦም ጥራይ እዮም ሓጐስ ዝረኽቡ ዚመስሎም። እቲ ያእቆብ ዝጸሓፎ ሓጐስ ግና ሓደ ኽፋል ፍረ መንፈስ እዩ፡ ኣብ ደጋዊ ዅነታት ናይ ሰብ ድማ ዚምርኰስ ኣይኰነን። (ገላ. 5:22) ሓደ ክርስትያን ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎን ኣብነት የሱስ ከም ዚስዕብን ብምፍላጡ እዩ ሓጐስ ወይ ውሽጣዊ ዕግበት ዚረክብ። (ሉቃስ 6:22, 23 ኣንብብ፣ ቈሎ. 1:10, 11) ከምታ ኣብ ውሽጢ ፋኑስ እትነድድ ሃልሃልታ፡ እዛ ዓይነት ሓጐስ እውን ኣብ ልቢ ክርስትያን እያ ሃልሃል እትብል። ጥዕናኡ ኺበላሾ ወይ ገንዘብ ኺውሕዶ ኸሎ፡ ጭልምልም ኣይትብልን እያ። ካብ ኣባላት ቤተ ሰብ ወይ ካልኦት ብዚመጽእ ላግጺ ወይ ምጽራር እውን ኣይትቕህምን እያ። ተጻረርቲ ኼጥፍእዋ ብዝፈተኑ መጠን፡ ኣብ ክንዲ እትቕህም መመሊሳ እያ እትጕህር። እቲ ብሰንኪ እምነትና ዝመጸና ፈተናታት ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃንና እዩ ዜረጋግጽ። (ማቴ. 10:22፣ 24:9፣ ዮሃ. 15:20) ስለዚ ያእቆብ፡ “ኣሕዋተየ፡ እተፈላለየ ፈተናታት እንተ በጺሑኩም፡ ከም ምሉእ ሓጐስ ቍጸርዎ” ኢሉ ኺጽሕፍ ሓቁ እዩ።—ያእ. 1:2

ፈተናታት ምስቲ ንሓጺን ዜትብዕ ሓዊ ኺመሳሰል ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ) *

7-8. ከመይ ገይራ እያ እምነትና ብፈተና እትድልድል፧

7 ያእቆብ ክርስትያናት ከቢድ ፈተናታት ኪሰግሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑሉ ተወሳኺ ምኽንያት እውን ገሊጹ ኣሎ። “እቲ ፍቱን እምነትኩም፡ ተጻዋርነት ከም ዜፍርየልኩም ፍለጡ” ኢሉ ኣሎ። (ያእ. 1:3) ፈተናታት፡ ከምቲ ንሓጺን ንምትባዕ ዜገልግል ሓዊ ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። ዚተብዕ ሓጺን ረሲኑ ምስ ዘሓለ፡ ብዝያዳ እዩ ዚተርር። ብተመሳሳሊ ፈተናታት ክንጻወር ከለና፡ እምነትና ትድልድል እያ። ስለዚ ድማ እዩ ያእቆብ፡ “ፍጹማትን ምሉእ ብምሉእ ጥዑያትን ምእንቲ ኽትኰኑ . . . ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም” ኢሉ ዝጸሓፈ። (ያእ. 1:4) ፈተናታት ንእምነትና ኸም ዜደልድላ ምስ ረኣና፡ ብሓጐስ ክንጻወር ንኽእል ኢና።

8 ያእቆብ ኣብ መልእኽቱ፡ ገለ ኻብቲ ሓጐስና ኼስእነና ዚኽእል ነገራት ገሊጹ ኣሎ። እዚ ጸገማት እዚ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ክንሰግሮ ንኽእል፧

ሓጐስና ኼስእነና ዚኽእል ጸገማት ብኸመይ ንሰግር፧

9. ስለምንታይ እዩ ጥበብ ዜድልየና፧

9 ጸገም፦ እንታይ ከም እትገብር ዘይምፍላጥ። ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዚጠቅም፡ ንጽህናና ኽንሕሉ እውን ዚሕግዝ ውሳነታት ንምግባር ሓገዝ የሆዋ ንደሊ ኢና። (ኤር. 10:23) እንታይ ከም እንገብርን ነቶም ዚጻረሩና እንታይ ኢልና ኸም እንምልሰሎምን ንምፍላጥ፡ ጥበብ የድልየና እዩ። እንታይ ከም እንገብር እንተ ዘይፈሊጥና፡ እንገብሮ ስለ ዚሕርብተና፡ ብቕልጡፍ ሓጐስና ንስእን ኢና።

10. ጥበብ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም ዜድልየና ኢና ኣብ ያእቆብ 1:5 ተገሊጹ ዘሎ፧

10 ፍታሕ፦ ጥበብ ኪውሃበካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። ዜጋጥመና ፈተናታት ብሓጐስ ክንጻወሮ እንተ ዄንና፡ ፈለማ ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር ዜኽእል ጥበብ ምእንቲ ኽንረክብ ንየሆዋ ብጸሎት ክንልምኖ ኣሎና። (ያእቆብ 1:5 ኣንብብ።) የሆዋ ንጸሎትና ብኡብኡ ምላሽ እንተ ዘይሂቡሉ ግና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ያእቆብ “ይለምኖ” ብምባል ከይተሓለልና ኽንልምን ከም ዘሎና ገሊጹ ኣሎ። ጥበብ ደሊና ንየሆዋ ብተደጋጋሚ እንተ ለሚንናዮ ኣይሓርቕን እዩ። ኣይነቕፈናን እዩ። ፈተናታት ንምጽዋር ጥበብ ደሊና እንተ ጸሊና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና “ብልግሲ” ይህበና እዩ። (መዝ. 25:12, 13) ንፈተናታትና ይርእዮ፡ ይድንግጸልና፡ ኪሕግዘና እውን ይደሊ እዩ። እዚ መሸም የሐጕሰና እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ግና የሆዋ ጥበብ ዚህበና፧

11. ጥበብ ንምርካብ እንታይ ተወሳኺ ነገር ክንገብር ኣሎና፧

11 የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ጥበብ ይህበና እዩ። (ምሳ. 2:6) ጥበብ ንምርካብ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ጽሑፋትን ከነጽንዕ ኣሎና። ኰይኑ ግና፡ ፍልጠት ካብ ምውህላል ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ነቲ ኣምላኽ ዚህበና ምኽሪ ብምትግባር፡ ንጥበቡ ኣብ ህይወትና ኽንዓይየሉ ኣሎና። ያእቆብ “ገበርቲ ቓል ኩኑ፣ . . . ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ያእ. 1:22) ነቲ ኣምላኽ ዚህበና ምኽሪ ኽንዓይየሉ ኸለና፡ ብዝያዳ ሰላማውያንን ልዙባትን መሓርትን ንኸውን ኢና። (ያእ. 3:17) እዚ ባህርያት እዚ፡ ንዜጋጥመና ፈተና ሓጐስና ኸየጥፋእና ኽንሰግሮ ይሕግዘና እዩ።

12. መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕና ኽንፈልጥ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ቃል ኣምላኽ ከም መስትያት እዩ፣ ከነመሓይሾ ዚግባእ ነገር ከነለልን ንምምሕያሹ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኽንፈልጥን ይሕግዘና እዩ። (ያእ. 1:23-25) ንኣብነት፡ ቃል ኣምላኽ ምስ ኣጽናዕና፡ ቍጥዓና ኽንቈጻጸር ከም ዜድልየና ንፈልጥ ንኸውን። ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ጸገም ኬቘጥዓና ኸሎ፡ ብሓገዝ የሆዋ ኸመይ ጌርና ልኡማት ክንከውን ከም ዘሎና እውን ንምሃር ኢና። ልኡማት ብምዃንና ኸኣ ንዜጋጥመና ጸገማት ብዝሓሸ ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። ብንጹር ክንሓስብን ዝሓሸ ውሳነታት ክንገብርን ንኽእል ኢና። (ያእ. 3:13) መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕና ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ!

13. ኣብነታት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ከነጽንዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ሓድሓደ ግዜ ምስ ተጋገና ጥራይ ኢና ኻብ ምንታይ ክንርሕቕ ከም ዘሎና ንመሃር። እዚ ግና ብመከራ ዚርከብ ትምህርቲ እዩ። ካብ ናይ ካልኦት ኣሳልጦን ጌጋታትን ትምህርቲ ምርካብ፡ ጥበብ እንረኽበሉ ዝሓሸ መገዲ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ያእቆብ ካብ ኣብነታት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኸም እኒ ኣብርሃም፡ ረሃብ፡ እዮብ፡ ኤልያስ ክንምሃር ዜተባብዓና። (ያእ. 2:21-26፣ 5:10, 11, 17, 18) እዞም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ነቲ ሓጐሶም ኬጥፍኣሎም ዚኽእል ዝነበረ ፈተናታት ኪጻወሩ ኽኢሎም እዮም። እቲ ኣብነት ተጻዋርነቶም ከኣ፡ ብሓገዝ የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል የርእየና እዩ።

14-15. ስለምንታይ ኢና ንጥርጣረታትና መዕለቢ ኽንገብረሉ ዘሎና፧

14 ጸገም፦ መዕለቢ ዘይተገብረሉ ጥርጣረታት። ኣብ ቃል ኣምላኽ ሓሓሊፉ ንምርዳኡ ዜጸግም ነገር የጋጥመና እዩ። ወይ ድማ የሆዋ ንጸሎትና በቲ እተጸበናዮ መገዲ ኣይምልሰልናን ይኸውን። እዚ፡ ጥርጣረታት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ንጥርጣረታትና ዕሽሽ እንተ ኢልናዮ፡ ንእምነትና ኼዳኽማ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ እውን ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። (ያእ. 1:7, 8) ነቲ ንመጻኢ ዝነበረና ተስፋ እውን ከነጥፍኦ ንኽእል ኢና።

15 ሃዋርያ ጳውሎስ ንተስፋ ምስ መልህቕ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። (እብ. 6:19) መልህቕ ንመርከብ ብማዕበል ከይትውሰድን ምስ ኣኻውሕ ከይትጋጮን ይሕዛ እዩ። መልህቕ ጥቕሚ ዚህልዎ ግና፡ እቲ ሰንሰለቱ ኻብታ መርከብ እንተ ዘይተበቲኹ ጥራይ እዩ። ከምቲ ምራተ ንሰንሰለት ዜዳኽሞ፡ መዕለቢ ዘይገበርናሉ ጥርጣረታት እውን ንእምነትና ኼዳኽማ ይኽእል እዩ። ጥርጣረታት ዘለዎ ሰብ ብተቓውሞ ኺፍተን ከሎ፡ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጽም ዘለዎ እምነት ኬጥፍእ ይኽእል እዩ። እምነትና እንተ ኣጥፊእና ኸኣ ተስፋና ነጥፍእ ኢና። ከምቲ ያእቆብ ዝበሎ ኸኣ ተጠራጣሪ ሰብ “ከምቲ ብንፋስ ዚድፋእን ዚናወጽን ማዕበል ባሕሪ እዩ።” (ያእ. 1:6) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘሎ ሰብ፡ ሓጐስ የብሉን።

16. ጥርጣረታት እንተ ኣልዩና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

16 ፍታሕ፦ ንጥርጣረታትካ መዕለቢ ግበረሉ፡ እምነትካ ኣደልድል። ተወላዋሊ ኣይትኹን፡ ብግዜ ነብዪ ኤልያስ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ተወላወልቲ እዮም ነይሮም። ስለዚ ኤልያስ “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ኣብ መንጎ ኽልተ ርእይቶ እትሕንክሱ፧ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ንዕኡ ስዓቡ፣ በዓል እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንዕኡ ስዓቡ” ኢልዎም እዩ። (1 ነገ. 18:21) ሎሚ እውን ካብኡ እተፈልየ ኣይኰነን። የሆዋ ኺምለኽ ዘለዎ ኣምላኽ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃሉ ምዃኑ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ህዝቡ ምዃኖም ንምርግጋጽ ምርምር ክንገብር ኣሎና። (1ተሰ. 5:21) ከምኡ እንተ ጌርና ንጥርጣረታትና ኸነወግዶ፡ ንእምነትና ኸኣ ከነደልድላ ኢና። ጥርጣረታትና ንምድቃስ ሓገዝ እንተ ኣድልዩና፡ ንሽማግለታት ክንሓትት ንኽእል ኢና። ንየሆዋ ብምግልጋል እንረኽቦ ሓጐስ ክንዕቅብ እንተ ደሊና፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።

17. ትብዓትና እንተ ኣጥፊእና እንታይ ኢና እንኸውን፧

17 ጸገም፦ ተስፋ ምቝራጽ። ቃል ኣምላኽ፡ “ብመዓልቲ ጭንቂ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ ሓይልኻ ቝሩብ ይኸውን” ይብል። (ምሳ. 24:10) እታ “ተስፋ እንተ ቘሪጽካ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራስይጢ ቓል፡ “ትብዓትካ እንተ ኣጥፊእካ” ዚብል ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ትብዓትካ እንተ ኣጥፊእካ፡ ብቕልጡፍ ሓጐስካ ተጥፍእ ኢኻ።

18. ተጻዋርነት እንታይ ማለት እዩ፧

18 ፍታሕ፦ ንምጽዋር ዜኽእል ትብዓት ምእንቲ ኺህበካ ናብ የሆዋ ተጸጋዕ። ፈተናታት ንምጽዋር፡ ትብዓት የድልየና እዩ። (ያእ. 5:11) እታ “ተጻዋርነት” ተባሂላ እተተርጐመት ያእቆብ እተጠቕመላ ቓል፡ ጸኒዕካ ምቛም ዚብል ትርጉም ኣለዋ። እዚ ኣገላልጻ ምእንቲ ኺርድኣና፣ ካብ ጸላኢ ብርቱዕ መጥቃዕቲ እናተፈነዎ ኽነሱ፡ ካብ መሬቱ ስድሪ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ኣብ መትከሉ ብትብዓት ጸኒዑ ዚቐውም ወተሃደር ኣብ ኣእምሮና ኽንስእል ንኽእል ኢና።

19. ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ንምሃር፧

19 ሃዋርያ ጳውሎስ ብሉጽ ኣብነት ትብዓትን ተጻዋርነትን ይዀነና እዩ። ሓድሓደ ግዜ ድኻም ይስምዖ ነይሩ እዩ። በቲ የሆዋ ዚህቦ ሓይሊ ስለ እተኣመነ ግና፡ ኪጻወር ክኢሉ እዩ። (2 ቈረ. 12:8-10፣ ፊል. 4:13) ሓገዝ የሆዋ ኸም ዜድልየና ብትሕትና እንተ ተኣሚንና፡ እቲ ዓይነት ሓይልን ትብዓትን ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ያእ. 4:10

ንኣምላኽ ቅረቦ እሞ ሓጐስካ ዓቅብ

20-21. ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

20 ዜጋጥመና ፈተናታት ካብ የሆዋ ዝመጸ መቕጻዕቲ ኸም ዘይኰነ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ምስዚ ብዚተሓሓዝ ያእቆብ፡ “ኣምላኽሲ ብእከይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ እውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ‘ኣምላኽ ይፍትነኒ ኣሎ’ ኣይበል” ኢሉ ኣረጋጊጹልና እዩ። (ያእ. 1:13) ነዚ ሓቂ እዚ ምስ ኣመንናሉ፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ብዝያዳ ንቐርቦ ኢና።—ያእ. 4:8

21 የሆዋ ‘ኣይቀያየርን ወይ ኣይለዋወጥን’ እዩ። (ያእ. 1:17) ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብ ፈተናታቶም ደጊፍዎም እዩ። ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ይሕግዘና እዩ። እምበኣር፡ ጥበብን እምነትን ትብዓትን ንምርካብ፡ ንየሆዋ ብጽኑዕ ለምኖ። ንሱ ድማ ጸሎትካ ኺምልሰልካ እዩ። ሽዑ፡ ፈተናታት እናተጻወርካ ሓጐስካ ኽትዕቅብ ከም ዚሕግዘካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 128 ክሳዕ መወዳእታ ተጻወር

^ ሕ.ጽ. 5 መጽሓፍ ያእቆብ ምስ ፈተናታት እተተሓሓዘ ብዙሕ ግብራዊ ምኽሪ ኣለዋ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ ያእቆብ ዝሃቦ ምኽርታት ሒዛ ኣላ። እዚ ምኽርታት እዚ ኸኣ ንየሆዋ ብምግልጋል እንረኽቦ ሓጐስ ከየጥፋእና፡ ነቲ ጸገማት ክንጻወር ይሕግዘና።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ ኣባላት ፖሊስ ንሓደ ሓው ካብ ቤቱ ኣሲሮም ኪወስድዎ ኸለዉ፡ ሰበይቱን ጓሉን ይርእያ። እቲ ሓው ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ክርስትያናት ብጾት ምስታ ሰበይቱን ምስ ጓሉን ሓቢሮም ኣምልኾ ስድራ ቤት ይገብሩ። እታ ኣደን ጓላን ነቲ ዘጋጠመን ፈተና ንምጽዋር ዜኽእል ሓይሊ ምእንቲ ኺረኽባ፡ ብተደጋጋሚ ንየሆዋ ይልምናኦ። የሆዋ ኸኣ ውሽጣዊ ሰላምን ትብዓትን ይህበን። በዚ ኸምዚ፡ እምነተን ብዝያዳ ትድልድል፡ ብሓጐስ እውን ይጻወራ።