ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ካብ ሕክምና ዚበልጽ ነገር ረኺበ

ካብ ሕክምና ዚበልጽ ነገር ረኺበ

“እዚ እትብሉኒ ዘለኹም፡ ካብ ቍልዕነተይ ዝምነዮ ዝነበርኩ እዩ!” ብ1971 እየ ነዚ ቓላት እዚ ንኽልተ ተሓከምተይ ብውዕዉዕ መንፈስ ተዛሪበዮም። ሽዑ፡ ሓድሽ ሓኪም ኰይነ ናይ መጀመርታ ክሊኒክ ዝኸፈትኩሉ እዋን እዩ ነይሩ። እቶም ተሓከምቲ መን እዮም ነይሮም፧ እቲ ኻብ ቀደም ዝምነዮ ዝነበርኩኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ዝነገሩኒ ነቲ ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ዝህቦ ዝነበርኩ ነገር ብኸመይ ከም ዝቐየሮ፡ ናይ ቍልዕነተይ ትምኒት ዚፍጸመሉ ግዜ ቐሪቡ ምህላዉ እውን ስለምንታይ ከም ዝኣምን ክነግረኩም።

ብ1941፡ ኣብ ፓሪስ፡ ፈረንሳ ኽሳዕ ክንድቲ ሃብታማት ካብ ዘይኰኑ ስድራ ቤት እየ ተወሊደ። ትምህርቲ እፈቱ ነይረ እየ፣ ስለዚ፡ ወዲ ዓሰርተ ኸለኹ፡ ዓባይ ሰዓል ብምሕማመይ፡ ትምህርቲ ኸቋርጽ ምስ ተገደድኩ፡ ብዙሕ እየ ሓዚነ። ሓካይም ከኣ ንሳናቡአይ ምእንቲ ኸየድክሞ ኢሎም ኣብ ዓራት ክድቅስ መኸሩኒ። ስለዚ፡ ንእተወሰነ ኣዋርሕ መዝገበ ቓላት እናኣንበብኩን ካብ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ ዚፍኖ ረድዮ ሶርቦን እናሰማዕኩን ኣሕለፍክዎ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ሓኪመይ ከም ዝሓወኹን ናብ ትምህርቲ ኽምለስ ከም ዝኽእልን ምስ ነገረኒ፡ ብታሕጓስ ፍንጭሕ እየ ኢለ። ሽዑ፡ ‘ስራሕ ሓካይም ዜደንቕ እዩ!’ ኢለ ሓሰብኩ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ንሰባት ካብ ሕማሞም ከሕዊ እየ ዝምነ ነይረ። ኣቦይ፡ ምስ ዓበኹ እንታይ ክኸውን ከም ዝደሊ ኺሓትተኒ ኸሎ፡ “ሓኪም ክኸውን እየ ዝደሊ” ኢለ እየ ዅሉ ሳዕ ዝምልሰሉ ነይረ። በዚ ኸምዚ እየ ምስ ሕክምና ናይ ፈለማ ፍቕሪ ሒዙኒ።

ስነ ፍልጠት ንኣምላኽ ብዝያዳ ኸም ዝቐርቦ ገይሩኒ

ስድራ ቤትና ንስሙ ኢና ካቶሊክ ኔርና። ብዛዕባ ኣምላኽ ዝነበረኒ ሓሳብ ግና ንጹር ኣይነበረን፣ ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ነይሩኒ እዩ። ህይወት ብፍጥረት ከም ዝመጸ እኳ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣትየ ሕክምና ምስ ኣጽናዕኩ እየ ኣሚነሉ።

ብማይክሮስኮፕ ዋህዮታት ዕምባባ ጡሊብ ንፈለማ ግዜ ዝረኣኹሉ እዋን ትዝ ይብለኒ። ዋዕን ዛሕልን ኬጋጥም ከሎ፡ እቲ ዋህዮ ዚህቦ ግብረ መልሲ ደንጽዩኒ እዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዋህዮ ዘሎ ሳይቶፕላዝም ዚብሃል ነገር፡ ንጨው ኪቃላዕ ከሎ ኸም ዚጭበጥ፡ ኣብ ጽሩይ ማይ ኪግበር ከሎ ድማ ከም ዚዝርጋሕ ተዓዘብኩ። ሳላ እዚ ኽእለት እዝን ብዙሕ ካልእ ክእለታትን ከኣ፡ እቲ ህይወታዊ ነገራት ንተለዋዋጢ ሃዋህው ኪለምድ ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ዘለዎ መስተንክራዊ ሕልኽላኽ ምስ ተዓዘብኩ፡ ህይወት ብሃንደበት ከም ዘይመጸ ኽርኢ ኸኣልኩ።

ሕክምናዊ መጽናዕቲ ኣብ ዝገበርኩሉ ኻልኣይ ዓመት፡ ንህልውና ኣምላኽ ዜረጋግጽ ተወሳኺ መርትዖታት ረኣኹ። ቅልጽም ሰብ ዘለዎ ቕርጺ፡ ኣጻብዕና ኽንዓጽፍን ክንዝርግሕን ከም ዜኽእለና፡ ኣብ ናይ ስነ መዛርዕ ትምህርቲ መርመርና። ጭዋዳታትን መላግቦታትን ጅማውትን ዘለዎ ኣቀማምጣ፡ መስተንክር ምህንድስና እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቲ ንጭዋዳታት ቅልጽምና ምስቲ ኣብ ኣጻብዕና ዘሎ ኻልኣይ ዓጽሚ ዜተሓሕዝ ጅማውቲ ናብ ክልተ ኸም ዚኽፈል ክፈልጥ ከኣልኩ። እዚ ኸኣ ነቲ ናብ ጫፍ ኣጻብዕና ዚበጽሕ ካልእ ጅማውቲ ሸተት ኢሉ ዚሓልፈሉን ቦታኡ ኸም ዘይስሕት ዚገብሮን ድልድል ዚመስል ነገር ከም ዚፈጥር ተምሃርኩ። ድልዱል ኣካሊት እውን ነቲ ጅማውቲ ምስቲ ኣዕጽምቲ ኣጻብዕ ጠርኒፉ እዩ ዚሕዞ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ እቲ ኣብ ኢድ ዘሎ ጅማውቲ ተወጢሩ ስለ ዚተርፍ፡ ኣጻብዕና ኺተዓጻጸፍ ኣይምኸኣለን። በዚ ኸምዚ፡ ንሰብነትና ዝነደፎ ብሉጽ ምስትውዓል ዘለዎ ኸም ዘሎ ብንጹር ክርኢ ኽኢለ እየ።

ብዛዕባ ሕርሲ ምስ ኣጽናዕኩ፡ ብዛዕባ እቲ ነዳፊ ህይወት ዘሎኒ ኣድንቖት ወሰኸ። ሓደ ዕሸል ቅድሚ ሕርሲ ብዕትብቲ ኣቢሉ ኻብ ኣዲኡ ኦክስጅን ይረክብ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣልቨኦሊ ዚብሃል ኣብ ውሽጢ ሳናቡእ ዘሎ ንእሽቱ ኸረጺታት ከይተነፍሐ እዩ ዚጸንሕ። እዋን ሕርሲ ምስ ኣኸለ፡ ውሽጣዊ ኽፋል እቲ ኸረጺታት ብፍሉይ ፈሳሲ ይልከ። ቀጺሉ ድሕሪ ሕርሲ፡ ዜደንቕ ነገራት ተደማሚሩ ነቲ ናጽላ ንመጀመርታ ግዜ ኼተንፍስ የኽእሎ። ኣብ ልቢ እቲ ሕጻን እትርከብ ነዃል ትዕጾ፣ ነቲ ደሙ ኸኣ ናብ ሳናቡኡ ትልእኮ። ኣብቲ ወሳኒ ህሞት ከኣ፡ እቲ ኸረጺታት በቲ ፈሳሲ ተለኽዩ ብምጽናሑ፡ ኣየር ኪስሕብ ከሎ፡ እቲ ኸረጺታት ተጨቢጡ ኣይተርፍን። ብቕጽበት ድማ፡ እቲ ሕጻን ባዕሉ ኼተንፍስ ይኽእል።

ነዚ መስተንክር ነገራት ዝፈጠረ መን ምዃኑ ኽፈልጦ እደሊ ብምንባረይ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቑም ነገር ከንብቦ ጀመርኩ። እቲ ልዕሊ 3,000 ዓመት ይገብር ኣምላኽ ምስ ህዝቢ እስራኤል ኪዳን ኪተኣታቶ ኸሎ ዝሃቦም ሕግታት ስነ ጥዕና ብዙሕ እዩ መሲጡኒ። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ቀልቀሎም ኪቐብሩ፡ ኣዘውቲሮም ብማይ ኪሕጸቡ፡ ምልክት ተላባዒ ሕማም ዘለዎ ዘበለ እውን ኪውሽቡ መምርሒ ሂብዎም እዩ። (ዘሌ. 13:50፣ 15:11፣ ዘዳ. 23:13) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ቐደም እዩ ተዛሪቡ፣ ስነ ፍልጠተኛታት ግና ሕማም ብዛዕባ ዚላብዓሉ መገዲ ኣብዚ ቐረባ ዘመናት እዮም ፈሊጦም። ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ዚርከብ ንጾታዊ ስነ ጥዕና ዚምልከት ሕግታት እውን፡ ንሓፈሻዊ ጥዕና እቲ ህዝቢ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ ተገንዘብኩ። (ዘሌ. 12:1-6፣ 15:16-24) ስለዚ፡ ፈጣሪ ንእስራኤላውያን ምእንቲ ኺጠቕሞም ኢሉ እዚ ሕግታት እዚ ኸም ዝሃቦም፡ ነቶም ንትእዛዛቱ ዚሕልዉ እውን ከም ዚባርኾም ደምደምኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ኣመንኩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ስም ኣምላኽ መን ምዃኑ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

ምስ ሰበይተይ እተፋለጥኩሉ፡ ንየሆዋ እውን ዝረኸብኩሉ መገዲ

ብ3 ሚያዝያ 1965 ኣነን ሊዲን ኣብ መዓልቲ መርዓና

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓውዲ ሕክምና እናኣጽናዕኩ ኸለኹ፡ ሊዲ ምስ ዝስማ መንእሰይ ተራኸብኩ፣ ምስኣ እውን ፍቕሪ ሓዘኒ። ብ1965 ገና ሕክምና እናኣጽናዕኩ ኸኣ፡ ተመራዓውና። ክሳዕ 1971፡ ካብዞም ሽዱሽተ ደቅና፡ እቶም ሰለስተ ተወሊዶም ነይሮም እዮም። ሊዲ ኣብ ስራሐይ ኰነ ኣብ ስድራ ቤትና፡ ብዙሕ እያ እትድግፈኒ።

ኣብ ሆስፒታል ሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምስራሐይ፡ ክሊኒክ ከፈትኩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ፡ እቶም ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎም ሓደስቲ ተሓከምተይ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ኪሕከሙ መጹ። ነቲ ሰብኣይ መድሃኒት ክእዝዘሉ ምስ በልኩ፡ እታ ሰበይቲ፡ “ዶክተር፡ ደም ዘለዎ መድሃኒት ኣይትኣዝዘሉ” በለትኒ። በዚ ስለ እተገረምኩ፡ “ሓቅኺ ዲኺ፧ ስለምንታይ፧” ኢለ ሓተትክዋ። ንሳ ኸኣ፡ “ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና” ኢላ መለሰትለይ። ቅድሚኡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደም ዘለዎም መትከል ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። እታ ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱሳ ገንጺላ፡ ደም ከይወስዱ ዝወሰኑሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኣርኣየትኒ። (ግብ. 15:28, 29) ድሕሪኡ፡ ንሳን ሰብኣያን፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትገብር ኣርኣዩኒ፣ ኵሉ መከራን ሕማምን ሞትን ከም እተወግድ ነገሩኒ። (ራእ. 21:3, 4) ኣነ ድማ፡ “እዚ እትብሉኒ ዘለኹም፡ ካብ ቍልዕነተይ ዝምነዮ ዝነበርኩ እዩ! ካብ ስቓይ እፎይታ ኽህብ ኢለ እየ ሓኪም ኰይነ” በልክዎም። በዚ ኣዝየ ስለ እተሓጐስኩ፡ ሰዓትን ፈረቓን ተዛራረብና። እቶም ሰብ ሓዳር ካባይ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ድሕሪኡ ካቶሊክ ክኸውን ከም ዘይደሊ ወሲነ ነይረ እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ኣዝየ ዘድንቖ ፈጣሪ፡ የሆዋ ዚብል ስም ከም ዘለዎ ፈለጥኩ።

ምስቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ሰለስተ ሳዕ ኣብ ክሊኒከይ ተራኸብኩ፣ ኣብ ሰለስቲኡ ድማ ልዕሊ ሓሓደ ሰዓት ተዛራረብና። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምይያጥ ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽንረክብ ኢለ ናብ ቤተይ ዓደምክዎም። ሊዲ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጽምበረና ፍቓደኛ እኳ እንተ ዀነት፡ ገሊኡ ሰረተ እምነት ካቶሊክ ጌጋ ምዃኑ ግና ኣይተቐበለቶን ነይራ። ስለዚ፡ ንሓደ ኻህን ናብ ገዛና ዓደምክዎ። ሽዑ ድማ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ጌርና፡ ብዛዕባ ትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ክሳዕ ለይቲ ተኻራኸርና። እቲ ምይይጥ ከኣ ንሊዲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቂ ይምህሩ ኸም ዘለዉ ኣእመና። ድሕሪኡ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ እናዓበየት ብምኻዳ፡ ብ1974 ተጠመቕና።

ንየሆዋ ቐዳምነት ምሃብ

ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ እተምሃርክዎ ነገራት፡ ኣብ ቀዳምነታተይ ዓሚቝ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ። ኣነን ሊዲን፡ ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኢና ሂብናዮ። ደቅና ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነዕቢ ቘሪጽና ኢና ኔርና። ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን ኣብ ስድራ ቤትና ሓድነት ከም ዚፈጥር ጌርና ኢና።—ማቴ. 22:37-39

ኣነን ሊዲን ምልስ ኢልና ኽንሓስቦ ኸለና፡ ነቲ ደቅና ብዛዕባ እቲ ኣባና ኣብ ወለዶም ዘሎ ሓድነት እተረድኡሉ መገዲ ብዙሕ ግዜ የስሕቐና እዩ። እቲ የሱስ፡ “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን” ዝበሎ መምርሒ፡ ናይ ገዛና ሕጊ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 5:37) ንኣብነት፡ ሓንቲ ኻብ ደቅና ጓል 17 ኸላ፡ ሊዲ ምስ ገሊኦም መንእሰያት ክትዛወር ፍቓድ ከልኣታ። ሽዑ፡ ሓንቲ ኻብቶም መንእሰያት ንጓልና፡ “ኣዴኺ እንተ ኣብያትኪ፡ ንኣቦኺ ሕተትዮ!” በለታ። ጓልና ግና፡ “እንታይ ክዓብስ ኢለ። ኵሉ ሳዕ እዮም ዚሰማምዑ” ኢላ መለሰትላ። እወ፡ ሽዱሽቲኦም ደቅና፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትግባር ሓድነት ከም ዘሎና ርእዮም እዮም። ሎሚ፡ ብዙሓት ኣባላት ቤተ ሰብና ኣገልገልቲ የሆዋ ምዃኖም፡ ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና።

ሓቂ ነቲ ቐዳምነታተይ እኳ እንተ ቐየሮ፡ በቲ ንሕክምና ዘሎኒ ፍቕሪ ተጠቒመ ግና ንህዝቢ ኣምላኽ ክሕግዞም ደለኹ። ስለዚ፡ ፈለማ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል፡ ደሓር ከኣ ኣብ ሉቭዬ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ሓኪም ኰይነ ኸገልግል ብወለንታ ርእሰይ ኣቕረብኩ። ዳርጋ 50 ዓመት ናብ ቤት-ኤል እናተመላለስኩ ኣገልጊለ እየ። ኣብዚ ዅሉ እዋን፡ ምስ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ጽቡቕ ምሕዝነት መስሪተ እየ፣ ገሊኦም ሕጂ ኣብ 90ታት ዕድሚኦም እዮም ዚርከቡ። ሓደ መዓልቲ፡ ምስ ሓደ ሓድሽ ቤት-ኤላዊ ምስ ተራኸብኩ፡ ዘይተጸበኽዎ ዜሐጕስ ነገር እዩ ኣጓኒፉኒ። ኣዲኡ 20 ዓመት ይገብር ንዕኡ ኽትወልድ ከላ፡ ኣነ እየ ኣሕሪሰያ!

የሆዋ ንህዝቡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሓልየሎም ርእየ

ኣብዚ ዅሉ ዓመታት፡ የሆዋ ንህዝቡ ብውድቡ ገይሩ ኺመርሖምን ኬዕቍቦምን እናተዓዘብኩ ምስ ከድኩ፡ ንዕኡ ዘሎኒ ፍቕሪ እናዓበየ እዩ ኸይዱ። ኣብ መጀመርታ 1980ታት፡ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ሰብ ሞያ ሕክምናን ዝሓሸ ርክብ ንምምስራት፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሓደ መሰናድዎ ገበረ።

ድሕሪኡ ብ1988፡ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣገልግሎት ሓበሬታ ሆስፒታል ዚብሃል ሓድሽ ክፍሊ ኣቘመ። ኣብ ፈለማ እዚ ኽፍሊ እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነቲ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተታት እዩ ዚቈጻጸር ነይሩ፣ ዝቘመሉ ዕላማ ኸኣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓከምቲ ዚጥዕሞም ሕክምና ንምርካብ ኪሕግዝ ተባሂሉ እዩ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ ኣብ ብዘላ ዓለም ምስ ተዘርግሐ፡ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተታት ኣብ ፈረንሳ ቘመ። ውድብ የሆዋ ንተሓከምቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እዋን ሽግሮም ከመይ ገይራ ብፍቕሪ ኸም እትድግፎም ክርኢ ኸለኹ የስተንክረኒ እዩ!

ትምኒተይ ተፈጺሙ

ሕጂ እውን ብስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሕጐስ ኢና

ሕክምና ናይ ፈለማ ፍቕረይ እዩ ነይሩ። ቀዳምነታተይ እናገምገምኩ ምስ ከድኩ ግና፡ ካብ መንፈሳዊ ሕማም ምሕዋይ፡ ማለት ሰባት ምስቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኪዕረቑ ምሕጋዝ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኣስተውዓልኩ። ጡረታ ምስ ወጻእኩ፡ ኣነን ሊዲን ስሩዓት ፈለምቲ ዄንና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ኣብ ወወርሒ ብዙሕ ሰዓታት ኣሕሊፍና ኢና። ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ እዚ፡ ክሳዕ ሕጂ ብእተኻእለና መጠን ንሳተፍ ኢና።

ብ2021 ምስ ሊዲ

ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ንሕሙማት ግዜያዊ እፎይታ ናይ ምሃብ ስራሐይ እሰርሕ ኣለኹ። ኰይኑ ግና፡ ብሉጽ ሓኪም እውን እንተ ዀነ፡ ኵሉ ሕማም ኬሕዊ ወይ ሞት ኬወግድ ከም ዘይክእል እፈልጥ እየ። ስለዚ፡ ነቲ ስቓይን ሕማምን ሞትን ዘይህልወሉ እዋን ተሃንጥየ እየ ዝጽበዮ። ኣብታ ብቕልጡፍ እትመጽእ ዘላ ሓዳስ ዓለም፡ ብዛዕባ ፍጥረት የሆዋ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቲ ንሰብነትና ዝፈጠረሉ መስተንክር ንድፊ ንምፍላጥ ዘለኣለም ኪህልወኒ እዩ። ልክዕ እዩ፡ እቲ ብቝልዕነተይ ዝምነዮ ዝነበርኩ ነገራት ብኸፊል ጥራይ እዩ ተፈጺሙ። ገና ብሕጂ ዝበለጸ ኸም ዘሎ እኣምን እየ!