ዓንቀጽ መጽናዕቲ 8
“ቀልብኹም ሓልዉ፡ ንቕሑ!”
“ቀልብኹም ሓልዉ፡ ንቕሑ!”—1 ጴጥ. 5:8።
መዝሙር 144 ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!
መላለዪ a
1. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መወዳእታ እንታይ እዩ ዝበሎም፧ እንታይ ኢሉኸ እዩ ዘጠንቀቖም፧
ካብቲ የሱስ ዝሞተሉ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ፡ ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ምልክት መደምደምታ እቲ ስርዓት እንታይ እዩ፧’ ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴ. 24:3) እቶም ደቀ መዛሙርቲ እቲኦም መወዳእታ ስርዓት ኣይሁድ ከመይ ከም ዚኸውን እዮም ኪፈልጡ ደልዮም ነይሮም ኪዀኑ ዘለዎም። የሱስ ግና ኣብቲ ንዓታቶም ዝሃቦም መልሲ፡ ብዛዕባ መወዳእታ ስርዓት ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ “መደምደምታ እቲ ስርዓት፡” ማለት ብዛዕባ መደምደምታ እዚ ንሕና እንነብረሉ እዋን ነገሮም። ብዛዕባ ግዜ መወዳእታ ድማ፡ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ፡ ኣቦ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን” በሎም። ድሕሪኡ፡ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ፡ “ንቕሑ” ኢሉ ኣጠንቀቖም።—ማር. 13:32-37።
2. እቶም ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣይሁድ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ኪነቕሑ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧
2 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ክርስትያናት ንቑሓት ኪዀኑ ነይርዎም፣ ህይወቶም ኣብኡ እዩ ዚምርኰስ ነይሩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ስርዓት ኣይሁድ ናብ መወዳእታኡ ኣብ ዚቐርበሉ እዋን እንታይ ከም ዚኸውን ሓበሮም። “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ ምስ ረኣኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ” በሎም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ የሱስ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ብምስዓብ፡ ‘ናብ ኣኽራን ኪሃድሙ’ ነበሮም። (ሉቃ. 21:20, 21) እቶም ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ዘቕለቡሉ ዘበሉ፡ ሮማውያን ንየሩሳሌም ኣብ ዜጥፍኡሉ እዋን፡ ካብቲ ጥፍኣት እቲ ድሒኖም እዮም።
3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
3 ሎሚ ኣብ መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት ኢና እንነብር ዘለና። ስለዚ፡ ንሕና እውን ቀልብና ኽንሕሉን ክንነቅሕን ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት ብቐረባ እናተኸታተልና ኸመይ ጌርና ሚዛንና ኸም እንሕሉ፡ ከመይ ጌርና ንርእስና ኸም እንጥንቀቕ፡ ከምኡ እውን ነቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ኸመይ ጌርና ብዝበለጸ ኸም እንጥቀመሉ ኽንርኢ ኢና።
ኵነታት ዓለም ክትከታተል ከለኻ፡ ሚዛንካ ሓሉ
4. ህሉው ኵነታት ዓለም ኣብ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ተገዳስነት ከነሕድር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ኵነታት ዓለም ኣብ ምፍጻም ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ግደ ምክትታል የገድሰና እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ኣብ መወዳእታ ስርዓት ሰይጣን ብዛዕባ ዚህሉ ዝርዝር ኵነታት ሓቢሩና እዩ። (ማቴ. 24:3-14) ሃዋርያ ጴጥሮስ ከኣ እምነትና ወትሩ ድልድልቲ ምእንቲ ኽትከውን፡ ንፍጻመ ትንቢት ከነቕልበሉ ኣተባቢዑና ኣሎ። (2 ጴጥ. 1:19-21) እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ድማ፡ “እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ራእይ” ብዚብል ቃላት እያ እትጅምር። (ራእ. 1:1) ስለዚ፡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ዓለም ኰነ እዚ ኣብ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ሓያል ተገዳስነት ኣሎና። ብዛዕባ እዚ ዅነታት እውን ብሃንቀውታ ንሓድሕድና ንዛራረብ ንኸውን።
5. እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይብልና፧ ግናኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
5 እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመያየጥ ከለና፡ ክንግምት የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ጉባኤ ሓድነት ዚዘርግ ነገር ክንዛረብ ኣይንደልን ኢና። ንኣብነት፡ መራሕቲ ዓለም ንሓደ ግጭት ብኸመይ ከም ዚፈትሕዎ፡ ከምኡ እውን ብኸመይ ሰላምን ደሓንን ከም ዜምጽኡ ተዛሪቦም ንበል። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እዚ ዘረባኦም ነቲ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:3 ዘሎ ትንቢት ይፍጽሞ ኸም ዘሎ ኣብ ክንዲ እንግምት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ተሓቲሙ ዝወጸ ሓበሬታ ኽንፈልጥ ኣሎና። ምይይጥና ኣብቲ ውድብ የሆዋ ዘውጽኣቶ ሓበሬታ እተመርኰሰ እንተ ዀይኑ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብሓድነት “ሓደ ሓሳብ” ምእንቲ ኺህልዋ ኣበርክቶ ንገብር ኢና።—1 ቈረ. 1:10፣ 4:6።
6. ካብ 2 ጴጥሮስ 3:11-13 እንታይ ንምሃር፧
6 ካልኣይ ጴጥሮስ 3:11-13 ኣንብብ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንሕዘሉ ምኽንያት ሓቢሩና ኣሎ። “ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን . . . ብሓሳብኩም . . . ኣቐልጥፍዎ” ኢሉ እውን ተማሕጺኑና ኣሎ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንገብር፧ የሆዋ ንኣርማጌዶን ዜምጽኣሉ ‘መዓልትን ሰዓትን’ ክንፈልጥ ኢልና ዘይኰነስ፡ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ “ብቕዱስ ኣነባብራን በቲ ንኣምላኽ [ብዘሎና] ተወፋይነት ዚርአ ግብርታትን” ምእንቲ ኽንጥቀመሉ ኢልና ኢና። (ማቴ. 24:36፣ ሉቃ. 12:40) ብኻልእ ኣበሃህላ ብቕኑዕ ኣካይዳ ኽንመላለስ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንገብሮ ጻዕርታት ድማ ነታ ንዕኡ ዘላትና ዓማቝ ፍቕሪ ዜንጸባርቕ ኪኸውን ንደሊ ኢና። ከምኡ ንምግባር፡ ንርእስና ኽንጥንቀቕ ኣሎና።
ንርእስኹም ተጠንቀቑ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
7. ከመይ ጌርና ኢና ንርእስና ኸም እንጥንቀቕ ከነርኢ እንኽእል፧ (ሉቃስ 21:34)
7 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንዅነታት ዓለም ኬቕልቡሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንርእሶም ኪጥንቀቑ እውን ምዒድዎም እዩ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣብ ሉቃስ 21:34 ተመዝጊቡ ኣሎ። (ኣንብብ።) ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ የሱስ፡ “ንርእስኹም ተጠንቀቑ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። ንርእሱ ዚጥንቀቕ ሰብ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገር የስተብህለሉ፡ ካብኡ ንምርሓቕ እውን ስጕምትታት ይወስድ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንርእሱ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪሕልዋ ይኽእል።—ምሳ. 22:3፣ ይሁ. 20, 21።
8. ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት እንታይ ምዕዶ እዩ ሂብዎም፧
8 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ ንርእሶም ኪጥንቀቑ ምዒድዎም እዩ። ንኣብነት፡ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ” ኢልዎም እዩ። (ኤፌ. 5:15, 16) ንመንፈሳውነትና ዜስግእ ኵነታት ብቐጻሊ እዩ ዜጋጥመና ዘሎ። ስለዚ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ሓደጋ ርእስና ምእንቲ ኽንሕሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ ኣስተውዕሉ” ኢሉ ይመኽረና እዩ።—ኤፌ. 5:17።
9. ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ኢና ኸነስተውዕል እንኽእል፧
9 መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ እቲ ምስ የሆዋ ንዘሎና ዕርክነት ኬበላሹ ዚኽእል ሓደጋታት ኣይዝርዝረልናን እዩ። ብዙሕ ግዜ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቐጥታ ብዛዕባ ዘይተጠቕሰ ነገራት ውሳነታት ክንገብር ኣሎና። ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባር፡ “ፍቓድ የሆዋ” እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል ኣሎና። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ብስሩዕ ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕን ከነስተንትነሉን ኣሎና። ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብዝያዳ ብእተረዳእናን “ሓሳብ ክርስቶስ” ብዝያዳ ብዘማዕበልናን መጠን፡ ንኣካይዳና ዚመርሕ ዝርዝር ሕግታት ኣብ ዘይብሉ መዳያት እኳ፡ “ከም ለባማት” ክንመላለስ ኢና። (1 ቈረ. 2:14-16) ገሊኡ ሓደጋታት ብቐሊሉ ኸነለልዮ ንኽእል ኢና፣ ገሊኡ ግና ረቂቕ እዩ።
10. ገለ ኻብቲ ኽንርሕቀሉ ዘሎና ሓደጋታት እንታይ እዩ፧
10 ገለ ኻብቲ ኽንርሕቀሉ ዘሎና ሓደጋታት፡ ኵሽማን፡ ምብዛሕ መስተ፡ ምብዛሕ ምግቢ፡ ሃሳዪ ዘረባ፡ ዓመጻ ዝመልኦ መዘናግዒ፡ ስእለ ጽዩፍ፡ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ኪጥቀስ ይከኣል። (መዝ. 101:3) ድያብሎስ እቲ መጻርርትና ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ንምብልሻው፡ ብቐጻሊ እዩ ኣጋጣሚታት ዜናዲ ዘሎ። (1 ጴጥ. 5:8) ንቑሓት እንተ ዘይኴንና፡ ሰይጣን ኣብ ኣእምሮናን ኣብ ልብናን ቅንኢ፡ ምትላል፡ ስስዐ፡ ጽልኢ፡ ትዕቢት፡ ቅሬታ ኺዘርእ ይኽእል እዩ። (ገላ. 5:19-21) ኣብ ፈለማ፡ እዚ ዝንባለታት እዚ ሓያል ከይከውን ይኽእል እዩ። ብኡብኡ ስጕምቲ ወሲድና እንተ ዘይምሒናዮ ግና፡ ከም መርዛም ተኽሊ ኺዓብን ኬሸግረናን ይኽእል እዩ።—ያእ. 1:14, 15።
11. ካብ ምንታይ ረቂቕ ሓደጋ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
11 ሓደ ኻብቲ ኽንርሕቀሉ ዘሎና ረቂቕ ሓደጋታት፡ ሕማቕ ዕርክነት እዩ። ነዚ ዅነታት እስከ ብኣእምሮና ንስኣሎ። ንበል ሓደ ንክርስትያናዊ እምነታትካ ዘይኣምነሉ መሳርሕቲ ኣሎካ። እቲ መሳርሕትኻ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ኣረኣእያ ኺህልዎ ኢኻ እትደሊ። ስለዚ፡ ብለውሃት ጽቡቕ ጌርካ ኢኻ እትሕዞ። ሓሓሊፍካ እውን ምስኡ ምሳሕ ትምሳሕ ትኸውን። እናሓደረ ግና ምስኡ ኣዘውቲርካ ኽትምሳሕ ትጅምር። ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ዕላልኩም ብዕሉግ ነገራት ይለዓል። ኣብ ፈለማ፡ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ኸም ዘይትፈቱ ተርኢ። እናሓደረ ግና ነዚ ዘረባ እዚ ስለ እትለምዶ፡ ብእኡ ቕር ኣይብለካን። ድሕሪኡ ሓደ መዓልቲ፡ መሳርሕትኻ ድሕሪ ስራሕ ምስኡ ኽትሰቲ ይዕድመካ፣ ንስኻ እውን ንዕድመኡ ትቕበሎ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ከም ናይ መሳርሕትኻ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺህልወካ ይጅምር። ድሕርዚ ብናቱ ዓይነት ኣካይዳ ንምምልላስ ብዙሕ ኣይወስደልካን እዩ። ልክዕ እዩ፡ ንዅሉ ሰብ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ክንሕዝ ኣሎና፣ በቶም መዋዕልትና ኣጸቢቕና ኸም እንጽሎ ግና ክንርስዕ የብልናን። (1 ቈረ. 15:33) ከምቲ የሱስ እተማሕጸነና፡ ንርእስና ንጥንቀቕ እንተ ዄንና፡ ምስቶም ብስርዓታት የሆዋ ዘይመላለሱ ሰባት ብዘየድሊ ኽንቀራረብ ኣይንደልን ኢና። (2 ቈረ. 6:15) እዚ ዜስዕቦ ሓደጋ ስለ ዚርኣየና፡ ካብኡ ንርሕቕ ኢና።
ንግዜኻ ብዝበለጸ ተጠቐመሉ
12. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንመደምደምታ እቲ ስርዓት እቲ እናተጸበዩ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧
12 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንመደምደምታ እቲ ስርዓት ኣእዳዎም ኣጣሚሮም ኪጽበዩ ኣይኰነን ደልይዎም። የግዳስ፡ ዚዓይይዎ ዕዮ ሂብዎም እዩ። “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን” ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኣዚዝዎም እዩ። (ግብ. 1:6-8) ንሰዓብቲ የሱስ ዓብዪ ዕዮ እዩ ተዋሂብዎም! ስለዚ፡ ነቲ ዕዮ እቲ ገዛእ ርእሶም ብምውፋይ፡ ንግዜኦም ብዝበለጸ ኺጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም።
13. ስለምንታይ ኢና ንግዜና ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧ (ቈሎሴ 4:5)
13 ቈሎሴ 4:5 ኣንብብ። ንርእስና ምእንቲ ኽንጥንቀቕ፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ግዜና ኽንሓስብ ኣሎና። ዘይተሓስበ “ኣጋጣሚ” ወይ “ድንገት” ኬጓንፈና ይኽእል እዩ። (መክ. 9:11፣ እ.ጽ.) ብሃንደበት ህይወትና ኽንስእን ንኽእል ኢና።
14-15. ከመይ ጌርና ኢና ንግዜና ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧ (እብራውያን 6:11, 12) (ስእሊ እውን ርአ።)
14 ፍቓድ የሆዋ ብምግባርን ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ብምድልዳልን፡ ንግዜና ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 14:21) ነቲ “ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ፣ . . . ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ይሃሉኹም” ዚብል ምኽሪ ኽንትግብሮ ኣሎና። (1 ቈረ. 15:58) ከምኡ እንተ ጌርና፡ መወዳእታ ምስ መጸ፡ ማለት መወዳእታ ህይወትና ወይ መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ምስ መጸ፡ ጣዕሳ ኣይኪህልወናን እዩ።—ማቴ. 24:13፣ ሮሜ 14:8።
15 ሎሚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገብርዎ ዕዮ ስብከት ይመርሖም ኣሎ። ንሱ እጃሙ ይገብር ኣሎ። ብውድብ የሆዋ ኣቢሉ ኸኣ፡ ብኸመይ ከም እንሰብኽ የሰልጥነና ኣሎ፣ ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ዜድሊ ናውቲ እውን ይህበና ኣሎ። (ማቴ. 28:18-20) ንሕና ድማ ኣብ ዕዮ ስብከትን ዕዮ ትምህርትን ተጊህና ብምዕያይ፡ ከምኡ እውን የሆዋ ንመወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኼምጽኦ እናተጸበና ብንቕሓት ብምክትታል እጃምና ኽንገብር ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ እብራውያን 6:11, 12 ዘሎ ምኽሪ ብምትግባር፡ ተስፋና “ኽሳዕ መወዳእታ” ኣጽኒዕና ኽንሕዝ ንኽእል ኢና።—ኣንብብ።
16. እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ጌርና ዘለና፧
16 የሆዋ ንስርዓት ሰይጣን ዜጥፍኣሉ መዓልትን ሰዓትን ወሲኑ ኣሎ። እታ መዓልቲ እቲኣ ምስ መጸት፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ቃሉ ዝመዝገቦ ትንቢታት ብርግጽ ኪፍጽሞ እዩ። ክሳዕ ሽዑ፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዝደንጐየ ይመስለና ይኸውን። ይኹን እምበር፡ መዓልቲ የሆዋ ‘ኣይክትድንጕን እያ!’ (ኣን. 2:3) እምበኣር፡ ‘ናብ የሆዋ ንምጥማት፡ ንኣምላኽ ድሕነትና ኸኣ ንምጽባይ’ ቈራጽነት ንግበር።—ሚክ. 7:7።
መዝሙር 139 ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ
a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከመይ ጌርና መንፈሳዊ ሚዛንና ኸም እንሕሉን ከመይ ጌርና ንቑሓት ከም እንኸውንን ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ ድማ ከመይ ጌርና ንርእስና ኸም እንጥንቀቕን ከመይ ጌርና ንግዜና ብዝበለጸ ኸም እንጥቀመሉን ክንርኢ ኢና።
b መግለጺ ስእሊ፦ (ላዕሊ) ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ዜና ይርእዩ። ጸኒሖም ድሕሪ ኣኼባ ጉባኤ፡ ብዛዕባ እቲ ዜና ብጽኑዕ ዝኣመኑሉ ብሕታዊ ርእይቶ ንኻልኦት ይነግሩ። (ታሕቲ) ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ምስቲ ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ርድኢት ማዕረ ማዕረ ንምስጓም፡ እዋናዊ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣካል ይርእዩ። እቲ እሙን ባርያ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ከኣ ንሰባት የበርክቱ።