ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 7

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ተጠቐም

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ተጠቐም

“ከመይከ ተንብብ፧”—ሉቃ. 10:26

መዝሙር 97 ሰብ ብቓል ኣምላኽ እዩ ዚነብር

መላለዪ a

1. የሱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ክብ ኣቢሉ ኸም ዚርእዮ ብኸመይ ኣርእዩ፧

 የሱስ ኪምህር ከሎ ትሰምዖ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ እዩ ኻብ ተዘክሮኡ ዚጠቅስ ነይሩ! ኣብቲ ድሕሪ ጥምቀቱ እተዛረቦ ናይ መጀመርታ ቓላቱን ኣብቲ ቕድሚ ሞቱ እተዛረቦ ናይ መወዳእታ ቓላቱን እኳ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ ጠቒሱ። b (ዘዳ. 8:3፣ መዝ. 31:5፣ ሉቃ. 4:4፣ 23:46) ኣብቲ ኣብ መንጎ እዚ ኽልቲኡ ዝነበረ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ከኣ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት የንብብን ይጠቅስን ነቲ ዝጠቐሶ ይገልጾን ነይሩ እዩ።—ማቴ. 5:17, 18, 21, 22, 27, 28፣ ሉቃ. 4:16-20

የሱስ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዚፈቱ ኣርእዩ፡ ተግባራቱ እውን ብእኡ ይጽሎ ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)

2. የሱስ ኪዓቢ ኸሎ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ኺፈልጥ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

2 የሱስ ኣገልግሎቱ ቕድሚ ምጅማሩ ዓመታት ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ቓል ኣምላኽ የንብብን ይሰምዕን ነይሩ እዩ። ማርያምን ዮሴፍን ኣብ መዓልታዊ ዝርርባቶም ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪጠቕሱ ይሰምዖም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። c (ዘዳ. 6:6, 7) ሰንበት ሰንበት ምስ ኣባላት ስድራ ቤቱ ናብ ምኵራብ ይኸይድ ከም ዝነበረ እውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 4:16) ኣብኡ ድማ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪንበብ ከሎ ተጠንቂቑ ይሰምዕ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪ ግዜ፡ የሱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ከም ዜንብቦ ተማህረ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ኣብ ርእሲ ምፍላጡ፡ ኪፈትዎ ጀመረ፣ ተግባሩ እውን ብእኡ ይጽሎ ነበረ። ንኣብነት፡ ነቲ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘጋጠመ እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ኺትርኽ ከሎ፡ እቶም ፈላጣት ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ መምህራን “ብምስትውዓሉን ብምላሹን የስተንክሩ ነበሩ” ይብለና።—ሉቃ. 2:46, 47, 52

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ንሕና እውን ቅዱሳት ጽሑፋት ብስሩዕ ነንብብ እንተ ዄንና፡ ንቓል ኣምላኽ ክንፈልጦን ክንፈትዎን ንኽእል ኢና። ከመይ ጌርና ኢና ግና፡ ካብቲ እነንብቦ ብዝያዳ ኽንጥቀም እንኽእል፧ ካብቲ የሱስ ንኸም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ዝኣመሰሉ ፈለጥቲ ሕጊ እተዛረቦ ነገር ክንምሃር ንኽእል ኢና። እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እዚኦም፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ እዮም ዜንብብዎ ነይሮም። ካብቲ ዘንበብዎ ግና ኣይተጠቕሙን። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕሚ ንምርካብ ኪገብርዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ሰለስተ ነገራት፡ የሱስ ኣጕሊሑ ኣሎ። እቲ የሱስ ንዓታቶም እተዛረቦም ቃላት፦ (1) ነቲ እነንብቦ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ (2) መንፈሳዊ መዛግብቲ ምእንቲ ኽንረክብ፡ (3) ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኪቐርጸና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ነቲ እተንብቦ ተረድኣዮ

4. ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምንባብ ካብ ሉቃስ 10:25-29 እንታይ ንምሃር፧

4 ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እነንብቦ ኽንርድኦ ንደሊ ኢና። እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዙሕ ኣይንጥቀምን ኢና። ንኣብነት፡ የሱስ ምስ “ሓደ ፈላጥ ሕጊ” ዝገበሮ ዝርርብ እስከ ንርአ። (ሉቃስ 10:25-29 ኣንብብ።) እቲ ሰብኣይ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምውራስ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ንየሱስ ምስ ሓተቶ፡ የሱስ፡ “ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፧ ከመይከ ተንብብ፧” ኢሉ ናብ ቃል ኣምላኽ ከም ዜተኵር ገበሮ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ንኣምላኽ ኬፍቅሮ፡ ንብጻዩ እውን ኬፍቅር ከም ዘለዎ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጥቃስ ቅኑዕ መልሲ ሃበ። (ዘሌ. 19:18፣ ዘዳ. 6:5) ኣስዕብ ኣቢሉ ግና፡ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ሕቶ ሓተተ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ዘንበቦ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ብሓቂ ኸም ዘይተረድኦ ገለጸ። ስለዚ ድማ፡ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እቲ ኣብ ህይወቱ ብልክዕ ብኸመይ ከም ዚትግብሮ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ።

ነቲ እተንብቦ ኽትርድኦ ትኽእል ኢኻ

5. ጸሎትን ህድእ ኢልካ ምንባብን ንርድኢትና ዜዕዝዞ ብኸመይ እዩ፧

5 ጽቡቕ ልማድ ንባብ ብምምዕባል፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘሎና ርድኢት ከነዕዝዝ ንኽእል ኢና። እዚ ዚስዕብ ሓሳባት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ፈለማ፡ ንባብ ቅድሚ ምጅማርካ ጸሊ። ቅዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኺርድኣና፡ ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ንባብና ምእንቲ ኸነተኵር መንፈስ ቅዱሱ ኺህበና ኽንልምን ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ ህድእ ኢልካ ኣንብብ። እዚ ድማ ነቲ እተንብቦ ምእንቲ ኽትርድኦ ኺሕግዘካ እዩ። ዓው ኢልካ ምንባብ ወይ እተቐድሐ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እናሰማዕካ ምክትታል እውን ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ዚንበብ ትርእዮን ትሰምዖን ስለ ዘለኻ፡ ኣብ ልብኻን ኣብ ኣእምሮኻን ዝያዳ ጦብላሕታ ኺሓድግ ይኽእል እዩ። (እያ. 1:8) ድሕርዚ፡ ንባብካ ምስ ወዳእካ፡ ከም ብሓድሽ ጸሊ። ኣብ ጸሎትካ ድማ ንየሆዋ ስለቲ ውህበት ቃሉ ኣመስግኖ፣ ነቲ ዘንበብካዮ ንምትግባር ኪሕግዘካ እውን ለምኖ።

ሓጺር መዘኻኸሪ ምጽሓፍ፡ ነቲ እተንብቦ ኽትርድኦን ክትዝክሮን ዚሕግዘካ ስለምንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ሕቶታት ምሕታትን ሓጺር መዘኻኸሪታት ምጽሓፍን ኣብ ንባብካ ዚሕግዘካ ስለምንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ቀጺልና፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ርድኢት ዜዕዝዝ ክልተ ተወሳኺ ሓሳብ ንርአ። ብዛዕባ እቲ እተንብቦ ነገር ንርእስኻ ሕቶታት ሕተት። ሓደ ጸብጻብ ከተንብብ ከለኻ፡ ‘እዞም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ መነመን እዮም፧ መን እዩ ዚዛረብ ዘሎ፧ ንመን እዩ ዚዛረቦ ዘሎ፧ ስለምንታይ፧ መዓስን ኣበይን እዩ እዚ ተገይሩ፧’ ኢልካ ሕተት። እዚ ሕቶታት እዚ፡ ብዛዕባ እቲ እተንብቦ ዘለኻ ቐንዲ ነጥብታት ክትሓስብን ነቲ ነጥብታት ክትከታተሎን ኪሕግዘካ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ከተንብብ ከለኻ መዘኻኸሪታት ጽሓፍ። ክትጽሕፍ ከለኻ፡ ሓሳባትካ ብቓላት ኢኻ እተስፍር፣ እዚ ድማ ንሓሳባትካ የነጽረልካ እዩ። ብዘይካዚ፡ እትጽሕፎ ነገራት ነቲ እተንብቦ ኽትዝክሮ ይሕግዘካ እዩ። ስለዚ፡ ሕቶታትካ ኽትጽሕፍ፡ ካብ ምርምር ዝረኸብካዮ ኽትምዝግብ፡ ጽማቝ ቀንዲ ነጥብታት ከተስፍር፡ ነቲ ዘንበብካዮ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኽትጽሕፍ፡ ወይ ስምዒታትካ ኽትምዝግብ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ መዘኻኸሪታት ምጽሓፍ፡ ንቓል ኣምላኽ ብብሕቲ ኸም እተላእከልካ መልእኽቲ ጌርካ ምእንቲ ኽትርእዮ ኺሕግዘካ እዩ።

7. ከነንብብ ከለና እንታይ እዩ ዜድልየና፧ ስለምንታይከ፧ (ማቴዎስ 24:15)

7 ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እነንብቦ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ከም ዜድልየና የሱስ ገሊጹ እዩ፣ እዚ ድማ ምስትውዓል እዩ። (ማቴዎስ 24:15 ኣንብብ።) ምስትውዓል እንታይ እዩ፧ ሓደ ሓሳብ ምስ ካልእ ሓሳብ ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰርን ብኸመይ ከም ዚፈላለን ምግንዛብ፡ ከምኡ እውን ብኡብኡ ግሁድ ዘይኰነልካ ነገር ክትርኢ ምኽኣል ኪብሃል ይከኣል እዩ። ብተወሳኺ፡ ከምቲ የሱስ ዝሓበሮ፡ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺረኣየና፡ ከነስተውዕል ኣሎና። ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እነንብቦ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም እውን ከነስተውዕል ኣሎና።

8. ከመይ ጌርካ ኢኻ ብምስትውዓል ከተንብብ እትኽእል፧

8 የሆዋ ንኣገልገልቱ ምስትውዓሉ ይህቦም እዩ። ስለዚ ናብኡ ጸሊ፡ ምስትውዓል ንምምዕባል ኺሕግዘካ እውን ለምኖ። (ምሳ. 2:6) ምስ ጸሎትካኸ ብኸመይ ተሰማሚዕካ ኽትዓዪ ትኽእል፧ ነቲ እተንብቦ ተጠንቂቕካ መርምሮ፣ ምስቲ እትፈልጦ ነገራት ብኸመይ ከም ዚዛመድ እውን ኣስተብህል። ኣብዚ መዳይ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋትና ተወከስ። ንኣብነት፡ ነቲ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። እዚ ናውቲ እዚ፡ ነቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ኸተስተውዕሎ፡ ኣብ ህይወትካ እውን ክትትግብሮ ኺሕግዘካ እዩ። (እብ. 5:14) ብምስትውዓል ተንብብ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎካ ርድኢት እናዓበየ ኪኸይድ እዩ።

ካብ ንባብካ መንፈሳዊ መዛግብቲ ርኸብ

9. ሰዱቃውያን ነየናይ ኣገዳሲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ እዮም ዕሽሽ ዝበልዎ፧

9 ሰዱቃውያን ነተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከባ ቐዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ኣጸቢቖም ይፈልጥወን ነይሮም እዮም። ነቲ ኣብተን ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፋ መጻሕፍቲ ዚርከብ ኣገዳሲ ሓቅታት ግና ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ንየሱስ ምስ ተማጐትዎ፡ ንሱ እንታይ ከም ዝበሎም ክንርኢ ንኽእል ኢና። “ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ብዛዕባ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዚገልጽ ዛንታ፡ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ’ ኸም ዝበሎዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧” ኢሉ እዩ ሓቲትዎም። (ማር. 12:18, 26) ነቲ ዛንታ እቲ ብዙሕ ሳዕ እኳ እንተ ኣንበብዎ፡ ነቲ ኣገዳሲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዝዀነ ትምህርቲ ትንሳኤ ዕሽሽ ከም ዝበልዎ እዩ በዚ ሕቶ እዚ ኣቢሉ ኣቃሊዕዎም።—ማር. 12:27፣ ሉቃ. 20:38 d

10. ከነንብብ ከለና ነየናይ ኢና ኸነቕልበሉ ዘሎና፧

10 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ከነንብብ ከለና፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ሓንቲ ፍቕዲ ወይ ኣብ ሓደ ዛንታ ዘሎ ትምህርቲ ኸነቕልበሉ ንደሊ ኢና። ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብኡ ተሓቢኡ ዚርከብ ዝዓመቘ ሓቅታትን ስርዓታትን እውን ከነስተውዕሎ ንደሊ ኢና።

11. ምስ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ብምስምማዕ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ መዛግብቲ ኽትረክብ እትኽእል፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ መንፈሳዊ መዛግብቲ ኽትረክብ እትኽእል፧ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 እንታይ ከም እተባህለ እስከ ንርአ። (ኣንብብ።) ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ” (1) ንምምሃር፡ (2) ንምግናሕ፡ (3) ንምቕናዕ፡ (4) ንምግሳጽ “ዚጠቅም እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። ካብቲ ኣዘውቲርካ ዘይትጥቀመሉ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ፡ እዚ ኣርባዕተ ጥቕምታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እምበኣር፡ እቲ እተንብቦ ጸብጻብ እቲ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ ብዛዕባ ዕላማኡ፡ ወይ ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ እንታይ ከም ዚምህረካ ርአ። ብዘይካዚ፡ ንምግናሕ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ኣስተብህል። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ እቲ ፍቕድታት እቲ ግጉይ ዝንባለታት ወይ ኣረኣእያታት ንምልላይን ንምንጻግን ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ፡ ብተኣማንነት ንምምልላስ ከኣ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ኣስተብህል። ብተወሳኺ፡ እቲ ጸብጻብ እቲ ንግጉይ ኣረኣእያ ንምቕናዕ ወይ ንምእራም ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል መርምር። ንኣብነት፡ ኣብ ኣገልግሎት ንዜጋጥመካ ግጉይ ኣረኣእያ ንምእራም ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ንምንጽብራቕ ዜኽእል ስልጠና ምእንቲ ኽትረክብ፡ ኣብቲ ፍቕድታት እቲ ኺርከብ ዚኽእል ተግሳጽ ኣናዲ። ነዚ ኣርባዕተ ጥቕምታት ወትሩ ትዝክር እንተ ዄንካ፡ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብሉጽ ኪገብሮ ዚኽእል መንፈሳዊ መዛግብቲ ኽትረክብ ኢኻ።

እቲ እተንብቦ ኪቐርጸካ ፍቐድ

12. የሱስ ንፈሪሳውያን፡ “[እዚ]ዶ ኣየንበብኩምን” ኢሉ ዝሓተቶም ስለምንታይ እዩ፧

12 የሱስ ንፈሪሳውያን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ግጉይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም ንምግንዛብ፡ [እዚ]ዶ ኣየንበብኩምን፧” ኢሉ ሓቲትዎም እዩ። (ማቴ. 12:1-7) e ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ፈሪሳውያን ንደቂ መዛሙርቲ የሱስ ሕጊ ሰንበት ከም ዝጠሓሱ ገይሮም እዮም ከሲሶምዎም። የሱስ ኪምልሰሎም ከሎ ድማ፡ ክልተ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታትን ኣብ መጽሓፍ ሆሴእ ዚርከብ ሓሳብን ብምጥቃስ፡ ዕላማ ሕጊ ሰንበት ከም ዝሰሓትዎ፡ ምሕረት እውን ከም ዘይገበሩ እዩ ሓቢርዎም። እሞ ደኣ እዞም ሰባት እዚኦም በቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዜንብብዎ ዝነበሩ ዘይተቐርጹ ስለምንታይ እዮም፧ ንቓል ኣምላኽ ኬንብብዎ ኸለዉ ናይ ነቐፌታን ናይ ትዕቢትን መንፈስ ስለ ዝነበሮም እዮም ካብኡ ዘይተጠቕሙ። ብሰንኪ እቲ ኣረኣእያኦም ከኣ፡ ነቲ ዘንበብዎ ኺርድእዎ ኣይከኣሉን።—ማቴ. 23:23፣ ዮሃ. 5:39, 40

13. ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምንታይ ዓይነት መንፈስ ኢና ኸነንብቦ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ ብቕኑዕ መንፈስ ከነንብቦ ኸም ዘሎና፡ ካብ ቃላት የሱስ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ከም ፈሪሳውያን ክንከውን የብልናን። የግዳስ፡ ቅንዕና ኺህልወና ኣለዎ፣ ትምህርቲ ንምቕሳም እውን ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ‘ንምትካል እቲ ቓል፡ ብልእመት ክንቅበሎ ኣሎና።’ (ያእ. 1:21) ልኡማት እንተ ዄንና፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ልብና ሱር ኺሰድድ ንፈቕደሉ ኢና። ካብ ናይ ነቐፌታ ወይ ትዕቢት መንፈስ እንተ ርሒቕና ጥራይ ኢና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕረትን ርሕራሐን ፍቕርን ዚምህሮ ትምህርቲ ኪቐርጸና እንፈቕደሉ።

ቃል ኣምላኽ ኪቐርጸና ንፈቅድ እንተ ኣሊና ወይ እንተ ዘየሊና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ) f

14. መጽሓፍ ቅዱስ ኪቐርጸና ንፈቅድ እንተ ኣሊና ወይ እንተ ዘይኣሊና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

14 ንሰባት እንሕዘሉ መገዲ፡ ቃል ኣምላኽ ኪቐርጸና ንፈቕደሉ እንተ ኣሊና ወይ እንተ ዘይኣሊና ይሕብር እዩ። ፈሪሳውያን ንልቦም ብቓል ኣምላኽ ኪትንከ ኣይፈቐዱን፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ‘ንዘይበደሉ ይዅንንዎም’ ነይሮም። (ማቴ. 12:7) ብተመሳሳሊ፡ ንኻልኦት እንርእየሉን እንሕዘሉ መገዲ፡ ቃል ኣምላኽ ኪቐርጸና ንፈቅድ እንተ ኣሊና ወይ እንተ ዘይኣሊና ይሕብር እዩ። ንኣብነት፡ ናይ ሰባት ጽቡቕ ድዩ ዚርኣየና፡ ወይስ ተቐላጢፍና ጕድለቶም ኢና እንጠቅስ፧ መሓርትን ንይቕረታ ድሉዋትን ዲና፡ ወይስ ነቐፍትን ቂመኛታትን፧ በዚ ኸምዚ ገዛእ ርእስና ምምርማርና፡ እቲ እነንብቦ ንሓሳባትናን ንስምዒታትን ንተግባራትናን ኪቐርጾ ንፈቅድ እንተ ኣሊና ወይ እንተ ዘይኣሊና ኺሕብረና ይኽእል እዩ።—1 ጢሞ. 4:12, 15፣ እብ. 4:12

ናብ ሓጐስ ዚመርሕ ንባብ

15. የሱስ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ከመይ እዩ ዚስምዖ ነይሩ፧

15 የሱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ይፈትዎ ነይሩ እዩ። ስምዒቱ ድማ በቲ ኣብ መዝሙር 40:8 ዚርከብ ትንቢታዊ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። እታ ጥቕሲ፡ “ኦ ኣምላኸይ፡ ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ፣ ሕግኻ ድማ ኣብ ውሽጠይ እዩ” ትብል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሕጉስን ዕዉትን እዩ ነይሩ። ንሕና እውን ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልብና እንተ ኣሕዲርናዮ፡ ሓጐስን ኣሳልጦን ክንረክብ ንኽእል ኢና።—መዝ. 1:1-3

16. ካብ ንባብ ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትጥቀም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (“ ቃላት የሱስ ነቲ እተንብቦ ኽትርድኦ ይሕግዘካ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

16 እምበኣር፡ ምስቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላትን ዝሓደጎ ኣብነትን ብምስምማዕ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ክእለትና ነመሓይሽ። ብጸሎትን ብህድኣት ብምንባብን ሕቶታት ብምሕታትን ሓጺር መዘኻኸሪታት ብምጽሓፍን፡ ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ርድኢት ከነስፍሕ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ብሓገዝ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ተጠንቂቕና ምርምር ብምግባር ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። ነቲ መንፈሳዊ መዛግብቲ ንምርካብ ኣዕሚቝና ብምዅዓት ከኣ፡ ካብቲ ኣጸቢቕና ዘይንፈልጦ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እኳ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ብቕኑዕ መንፈስ ብምንባብ ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ኪቐርጸና ኽንፈቅድ ንኽእል ኢና። ኣብዚ መዳይ እንተ ተጊህና፡ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽንጥቀም ኢና፡ ንየሆዋ እውን ብዝያዳ ኽንቀርቦ ኢና።—መዝ. 119:17, 18፣ ያእ. 4:8

መዝሙር 95 እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ

a ንየሆዋ እነምልኾ ዘበልና ዅላትና መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ከነንብብ ንጽዕር ኢና። ብዙሓት ካልኦት እውን መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዜንብብዎ ኣይርድእዎን እዮም። ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት እዚ ጸገም እዚ ነይርዎም እዩ። የሱስ ነቶም ንቓል ኣምላኽ ዜንብቡ እንታይ ከም ዝበሎም ብምምርማር፡ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽንጥቀም ዚሕግዘና ትምህርትታት ክንረክብ ኢና።

b የሱስ ምስ ተጠምቀን ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብአን፡ እቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ተዘክሮ ተመሊሱሉ ኪኸውን ኣለዎ።—ማቴ. 3:16

c ማርያም ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቓ ትፈልጥን ካብኡ ትጠቅስን ነይራ እያ። (ሉቃ. 1:46-55) ዮሴፍን ማርያምን ብሕታዊ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ንምውናን ዜኽእል ዓቕሚ ዘይነበሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ተዘክሮኦም ንምሓዝ፡ ኣብ ምኵራብ ኪንበብ ከሎ ተጠንቂቖም ይሰምዑ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።

d ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንኣምላኽ ቅረቦ—‘ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

e ኣብ ማቴዎስ 19:4-6፡ የሱስ ንፈሪሳውያን፡ “[እዚ]ዶ ኣየንበብኩምን፧” ኢሉ ኸም ዝሓተቶም እውን ርአ። ዛንታ ፍጥረት እኳ እንተ ኣንበቡ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መውስቦ ዘለዎ ኣረኣእያ ግና ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም ነይሮም።

f መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ኣውድዮን ቪድዮን ዚዓይዩ ኣሕዋት ጌጋታት ይገብር። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣሕዋት ኣብቲ ጌጋታቱ ኣብ ክንዲ ዜተኵሩ፡ ስለቲ ጻዕርታቱ ይንእድዎ።