ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 8

መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ

ወትሩ መሪሕነት የሆዋ ስዓብ

ወትሩ መሪሕነት የሆዋ ስዓብ

“ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”ኢሳ. 48:17

ኣትኵሮ

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ የሆዋ ሎሚ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዚመርሓና፡ መሪሕነቱ እንተ ስዒብና ኸኣ እንታይ በረኸት ከም እንረክብ ክንርኢ ኢና።

1. ንየሆዋ ኸም መራሒና ኽንስዕቦ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ብምሳሌ ጌርካ ኣረድእ።

 ኣብ ዱር ከም ዝጠፋእካ ጌርካ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ኣብ ሓደጋ ኢኻ ዘለኻ፣ እቲ ዱር ብኣራዊት፡ ሕማም ኬመሓላልፉ ብዚኽእሉ ሓሸራታት፡ ብመርዛም ኣትክልቲ፡ ከምኡ እውን ብኣኻውሕ ዝመልአ እዩ። እቲ ሓደጋ ኣበይ ከም ዘሎ፡ ካብኡ እውን ብኸመይ ክትርሕቕ ከም እትኽእል ዚሕብረካ ምኩር መራሒ እንተ ትረክብ፡ ኣዚኻ ምተሓጐስካ። ዓለምና ኸምቲ ዱር እያ። ንመንፈሳዊ ጥዕናና ዜስግእ ብዙሕ ሓደጋታት ኣለዋ። እንተዀነ ግና፡ ፍጹም መራሒ ኣሎና። ንሱ ድማ የሆዋ እዩ። ካብቲ ሓደጋ ርሒቕና ናብ መዓልቦና፡ ማለት ናብቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንበጽሕ ይመርሓና እዩ።

2. ብኸመይ እዩ የሆዋ ዚመርሓና፧

2 እሞ ደኣ ብኸመይ እዩ የሆዋ ዚመርሓና፧ ብቐዳምነት በቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ ዚመርሓና። እንተዀነ ግና፡ ብሰብኣውያን ተወከልቱ ኣቢሉ እውን ይመርሓና እዩ። ንኣብነት፡ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና መንፈሳዊ ምግቢ ይህበና እዩ። (ማቴ. 24:45) ብዘይካዚ፡ ብኻልኦት ክኢላታት ሰባት ኣቢሉ እውን ይመርሓና እዩ። ንኣብነት፡ ሓለውቲ ወረዳን ሽማግለታት ጉባኤን ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት ኪሕግዘና ዚኽእል መተባብዕን ትምህርትን ይህቡና እዮም። ኣብዚ ጽንኩር እዋን ዜተኣማምን መሪሕነት ብምርካብና፡ ኣዚና ኢና እነመስግን። እዚ ነገር እዚ፡ ስምረት ኣምላኽ ከይንስእንን ብመገዲ ህይወት ክንመላለስን ይሕግዘና እዩ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ መሪሕነት የሆዋ ምስዓብ ይኸብደና እዩ፣ ምናዳ እዚ መሪሕነት እዚ ብዘይፍጹማት ሰባት ኣቢሉ ኺመጸና ኸሎ ብዝያዳ እዩ ዚኸብደና። ስለምንታይ፧ እቲ ምኽሪ ምስቲ እንፈትዎ ወይ እንጸልኦ ነገር ይጋጮ ይኸውን። ወይ ከኣ እቲ ዚውሃበና መምርሒ ዘይጥበባዊ ኸም ዝዀነ ይስምዓና ይኸውን። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ ምኽሪ ኻብ የሆዋ ኸም ዘይኰነ ንሓስብ ንኸውን። ምናዳ ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜያት የሆዋ ንህዝቡ ይመርሖ ኸም ዘሎ፡ መሪሕነቱ ምስዓብ ድማ በረኸት ከም ዜምጽእ እምንቶ ኸነሕድር ኣሎና። ነዚ እምንቶና ንምድልዳል ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዝመርሖም፡ (2) የሆዋ ሎሚ ብኸመይ ይመርሓና ኸም ዘሎ፡ (3) መሪሕነቱ እንተ ስዒብና ብኸመይ ከም እንጥቀም ክንምርምር ኢና።

የሆዋ ኻብ ጥንቲ ኽሳዕ ሎሚ ንህዝቡ ብሰብኣውያን ተወከልቱ ኣቢሉ እዩ ዚመርሖም (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)


የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ብኸመይ መሪሕዎ፧

4-5. የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ይመርሖም ከም ዘሎ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ ገበር ርአ።)

4 የሆዋ ንሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ መሪሑ ኼውጽኦም ሸሞ። ንእስራኤላውያን ድማ ብሙሴ ኣቢሉ ይመርሖም ከም ዘሎ ዚሕብር ዚርአ መርትዖ ሃቦም። ንኣብነት፡ ብመዓልቲ ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ድማ ዓንዲ ሓዊ ይርእዩ ነበሩ። (ዘጸ. 13:21) ሙሴ ነቲ ዓንዲ ሰዓቦ፡ እቲ ዓንዲ እውን ንእስራኤላውያን ናብ ቀይሕ ባሕሪ መርሖም። እቶም ህዝቢ ኣብ መንጎ እቲ ባሕርን ኣብ መንጎ ሰራዊት ግብጻውያንን ከም እተቓቐሩ ዀይኑ ምስ ተሰምዖም ሰምበዱ። ሙሴ ብጌጋ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኸም ዝመርሖም መሰሎም። ጌጋ ግና ኣይነበረን። የሆዋ ዀነ ኢሉ እዩ ብሙሴ ኣቢሉ ናብኡ መሪሕዎም። (ዘጸ. 14:2) ድሕሪኡ ድማ፡ ብዜደንቕ መገዲ ኣድሓኖም።—ዘጸ. 14:26-28

ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ በረኻ ኺመርሖም ከሎ፡ ንመሪሕነት እቲ ዓንዲ ደበና ይስዕብ ነበረ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-5 ርአ)


5 ድሕሪኡ፡ ን40 ዓመት ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ በረኻ ኺመርሖም ከሎ ንመሪሕነት እቲ ዓንዲ ደበና ይስዕብ ነበረ። a ንእተወሰነ እዋን የሆዋ ነቲ ዓንዲ ኣብ ልዕሊ ድንኳን ሙሴ ደው ኣበሎ፣ ኣብኡ ድማ ኵሎም እስራኤላውያን ኪርእይዎ ይኽእሉ ነበሩ። (ዘጸ. 33:7, 9, 10) የሆዋ ንሙሴ ኻብቲ ዓንዲ ይዛረቦ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ነቲ መምርሒታቱ ናብቶም ህዝቢ የመሓላልፎ ነበረ። (መዝ. 99:7) ስለዚ፡ እስራኤላውያን የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ይመርሖም ከም ዝነበረ ዜርኢ እኹል መርትዖ ነበሮም።

ሙሴን እቲ ንዕኡ ዝተክኦ እያሱን (ሕጡብ ጽሑፍ 5, 7 ርአ)


6. እስራኤላውያን ንመሪሕነት የሆዋ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧ (ዘሁልቍ 14:2, 10, 11)

6 እቲ ዜሕዝን ግና፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ንሙሴ ኸም ተወካሊኡ ገይሩ ይጥቀመሉ ኸም ዘሎ ዚሕብር ንጹር መርትዖ ነጸግዎ። (ዘሁልቍ 14:2, 10, 11 ኣንብብ።) ነቲ ንሙሴ እተዋህቦ ሓላፍነት ከም ዘይተቐበልዎ ብተደጋጋሚ ኣርኣዩ። ብሰንኪ እዚ፡ እቶም ወለዶ እስራኤላውያን እቲኦም ናብ ምድሪ ተስፋ ኣይኣተዉን።—ዘሁ. 14:30

7. ገለ ኻብቶም ንመሪሕነት የሆዋ ዝሰዓቡ ኣብነታት ጥቐስ። (ዘሁልቍ 14:24) (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ገሊኦም እስራኤላውያን ግና፡ መሪሕነት የሆዋ ሰዓቡ። ንኣብነት፡ የሆዋ ብዛዕባ ካሌብ “ብምሉእ ልቡ . . . ስለ ዝሰዓበኒ” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። (ዘሁልቍ 14:24 ኣንብብ።) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንካሌብ ዓስቡ ሃቦ፣ ኣብ ምድሪ ከነኣን እውን ብሉጽ ምድሪ ሃቦ። (እያ. 14:12-14) እቲ ዚቕጽል ወለዶ እስራኤላውያን እውን መሪሕነት የሆዋ ብምስዓብ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ንሙሴ ተኪኡ መራሒኦም ዝዀነ እያሱ ዝነበሮም ኣረኣእያ፡ “ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ብዙሕ ኣኽበርዎ” ዚብል ነንብብ ኢና። (እያ. 4:14) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሆዋ ንዓታቶም ናብታ ዘተስፈዎም ምድሪ ብምእታው ባረኾም።—እያ. 21:43, 44

8. ብዘመን ነገስታት፡ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዝመርሖም ግለጽ። (ስእሊ እውን ርአ።)

8 ድሕርዚ፡ ሓያሎ ዓመታት ምስ ሓለፈ፡ የሆዋ ንህዝቡ ንምምራሕ ፈራዶ ኣተንስኣሎም። ድሕሪኡ፡ ብዘመን ነገስታት፡ የሆዋ ንህዝቡ ንምምራሕ ነብያት ሸመ። እሙናት ነገስታት ነቲ ኻብ ነብያት ዚውሃቦም ምኽሪ ይሰምዑ ነበሩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ነቲ ኻብ ነብዪ ናታን እተዋህቦ መአረምታ ብትሕትና ተቐበሎ። (2 ሳሙ. 12:7, 13፣ 1 ዜና 17:3, 4) ንጉስ ዮሳፋጥ ከኣ ካብ ነብዪ ያሓዚኤል መምርሒ ይቕበል ነበረ፣ ንህዝቢ ይሁዳ እውን “ብነብያቱ [ብነብያት ኣምላኽ] እመኑ” ኢሉ ኣተባብዖም። (2 ዜና 20:14, 15, 20) ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጭንቂ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ካብ ነብዪ ኢሳይያስ ሓገዝ ሓተተ። (ኢሳ. 37:1-6) እቶም ነገስታት ንመሪሕነት የሆዋ ኣብ ዚስዕቡሉ ዝነበሩ እዋን፡ ንሳቶም ይባረኹ፡ እቶም ህዝቢ እውን ዕቝባ ይረኽቡ ነበሩ። (2 ዜና 20:29, 30፣ 32:22) የሆዋ ብነብያቱ ኣቢሉ ንህዝቡ ይመርሖም ምንባሩ ንዅሉ ንጹር ኪኸውን ምተገብአ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ መብዛሕትኦም ነገስታትን እቶም ህዝብን ንነብያት የሆዋ ኣይተቐበልዎምን።—ኤር. 35:12-15

ንጉስ ህዝቅያስን ነብዪ ኢሳይያስን (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)


የሆዋ ንቐዳሞት ክርስትያናት ብኸመይ መሪሕዎም፧

9. የሆዋ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብመን ገይሩ እዩ መሪሕዎም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

9 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ የሆዋ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቘመ። እሞ ደኣ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብኸመይ እዩ መሪሕዎም፧ ንየሱስ፡ ርእሲ እታ ጉባኤ ገይሩ ሸሞ። (ኤፌ. 5:23) ኰይኑ ግና፡ የሱስ ንነፍሲ ወከፍ ወደ መዝሙር ብውልቂ ኣይኰነን ዚመርሖ ነይሩ። የግዳስ፡ በቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣቢሉ እዩ ዚመርሕ ነይሩ። (ግብ. 15:1, 2) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ጉባኤታት ዚመርሑ ሽማግለታት ተሸይሞም ነበሩ።—1 ተሰ. 5:12፣ ቲቶ. 1:5

ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)


10. (ሀ) መብዛሕትኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ዚውሃቦም ዝነበረ መምርሒ ብኸመይ እዮም ዚቕበልዎ ነይሮም፧ (ግብሪ ሃዋርያት 15:30, 31) (ለ) ገሊኦም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ንተወከልቲ የሆዋ ዘይቅበልዎም ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ (“ ገሊኦም ንንጹር መርትዖ ዘይተቐበሉሉ ምኽንያት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

10 እሞ ደኣ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነዚ ብኸመይ እዮም ተቐቢሎምዎ፧ መብዛሕትኦም ነቲ ዚውሃቦም ዝነበረ መምርሒታት ተሓጒሶም እዮም ዚስዕቡ ነይሮም። እኳ ደኣስ፡ “በቲ መተባብዒ ተሓጐሱ” ተባሂሉ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:30, 31 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንህዝቡ ብኸመይ እዩ ዚመርሖም ዘሎ፧

የሆዋ ሎሚ ብኸመይ ይመርሓና ኣሎ፧

11. የሆዋ ነቶም ኣብዚ ግዜና ናይ ምምራሕ ሓላፍነት እተሰከሙ ሰባት ብኸመይ ከም ዝመርሖም ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

11 ሎሚ እውን የሆዋ ንህዝቡ ይመርሖ ኣሎ። ብቓሉን በቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ ወዱን ኣቢሉ እዩ ኸምኡ ዚገብር ዘሎ። እሞ ደኣ ኣብዚ ግዜና እውን ሰብኣውያን ተወከልቲ ይጥቀም ከም ዘሎ መርትዖ ኽንርኢ ንኽእል ዲና፧ እወ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1800ታት ዘጋጠመ ምዕባለታት እስከ ንርአ። ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን፡ 1914 ምስ ምምስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ ኣገዳሲት ዓመት ምዃና ኣስተውዓሉ። (ዳን. 4:25, 26) ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም እዮም ናብቲ መደምደምታ እቲ በጺሖም። እሞኸ የሆዋ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብርዎ ዝነበሩ ምርምር ይመርሖ ነይሩ ድዩ፧ ብንጹር ይመርሖ ነይሩ እዩ። ብ1914 ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ነገራት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ከም ዝጀመረት ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተባርዐ፣ እግረ እግሩ ስዒቡ እውን ለበዳን ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን መጸ። (ሉቃ. 21:10, 11) ብርግጽ እምበኣር፡ የሆዋ በዞም ቅኑዓት ክርስትያናት ኣቢሉ ንህዝቡ ይሕግዞም ነይሩ እዩ።

12-13. ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንተወሳኺ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ንጥፈታት እንታይ መሰናድዎ እዩ ተገይሩ፧

12 ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ እውን ክንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከቡ ሓላፍነት እተሰከሙ ኣሕዋት፡ ኣብ ራእይ 17:8 መጽናዕቲ ምስ ገበሩ፡ እቲ ውግእ ናብ ኣርማጌዶን ዘይኰነስ፡ ናብ ተዛማዲ ሰላም ከም ዚመርሕ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ንተወሳኺ ንጥፈታት ስብከት ኣጋጣሚ ኸም ዚኽፈት ኬስተውዕሉ ኸኣሉ። ስለዚ፡ ዋላ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ዘይከውን ዚመስል እንተ ነበረ፡ ውድብ የሆዋ ግና ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣብ ዚርከባ ሃገራት ዚሰብኩን ዚምህሩን ሚስዮናውያን ንምስልጣን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣቘመት። ገና እቲ ውግእ እናተኻየደ ኸሎ እኳ ሚስዮናውያን ተላእኩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ እሙን ባርያ ነተን ኣብ ኵለን ጉባኤታት ዘለዉ ክርስትያናት ዝሓሹ ሰበኽትን መምህራንን ኪዀኑ ዜኽእል ስልጠና ምእንቲ ኺህቦም ኢሉ ኮርስ ቲኦክራስያዊ ቤት ትምህርቲ b ጀመረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ዕዮ ኺዳለዉ ጀመሩ።

13 ናብ ድሕሪት ምልስ ኢልና ኽንጥምት ከለና፡ የሆዋ ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋን ንህዝቡ ይመርሖም ከም ዝነበረ ብንጹር ክንርኢ ንኽእል ኢና። ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀው፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚነብሩ ህዝቢ የሆዋ፡ ሰላምን ናጽነትን ብምርካቦም ነቲ ዕዮ ስብከት ይፍጽሙ ኣለዉ። እቲ ዕዮ እቲ ድማ ብዝያዳ እዩ ሰሲኑ።

14. ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋን ካብቶም እተሸሙ ሽማግለታትን ዚውሃበና መምርሒ ኽንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ራእይ 2:1) (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ሎሚ፡ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ካብ ክርስቶስ እዮም መምርሒ ዚጽበዩ። እቲ ንኣሕዋት ዚህብዎም መምርሒ፡ ነጸብራቕ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣረኣእያ ኪኸውን እዮም ዚደልዩ። ሓለውቲ ወረዳን ሽማግለታትን እውን ብግዲኦም ንጉባኤታት መምርሒ ይህቡ እዮም። c ቅቡኣት ሽማግለታት ኣብ ‘የማናይ ኢድ’ ክርስቶስ እዮም ዘለዉ። (ራእይ 2:1 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ እዞም ሽማግለታት እዚኦም ዘይፍጹማት እዮም፡ ጌጋታት እውን ይገብሩ እዮም። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ሙሴን እያሱን እውን ተጋግዮም እዮም፣ ሃዋርያት እውን ተጋግዮም እዮም። (ዘሁ. 20:12፣ እያ. 9:14, 15፣ ሮሜ 3:23) እንተዀነ ግና፡ ክርስቶስ ነቲ እሙን ባርያን ነቶም ቅቡኣት ሽማግለታትን ተጠንቂቑ ይመርሖም ኣሎ። ነቲ፡ “ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ዝኣተዎ ቓል ድማ ይፍጽሞ ኣሎ። (ማቴ. 28:20) ስለዚ፡ ነቲ በቶም ኪመርሑ ዝሸሞም ኣቢሉ ዚህበና መሪሕነት ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና።

ሎሚ ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)


መሪሕነት የሆዋ እንተ ስዒብና፡ ንጥቀም ኢና

15-16. ካብ ተመክሮታት እቶም ንመሪሕነት የሆዋ ዝሰዓቡ እንታይ ትምሃር፧

15 ወትሩ መሪሕነት የሆዋ ምስ እንስዕብ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ በረኸት ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ኣንዲን ሮቢንን ነቲ ህይወቶም ቀሊል ንምግባር እተዋህበ መተባብዒ ኺዓይዩሉ ጀመሩ። (ማቴ. 6:22) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጸት ወለንተኛታት ኰይኖም ኬገልግሉ ኸኣሉ። ሮቢን ብዛዕባ ተመክሮኦም ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ኣዝዩ ንኣሽቱ ኣባይቲ ዝነበርናሉ እዋናት ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ እውን ክሽነ ኣይነበሮን። ብተወሳኺ፡ ፎቶግራፍ ምስኣል ዝፈትዎ መሕለፍ ግዜ እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ ፎቶግራፍ ንምስኣል ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ ሓያሎ መሳርሒታት ክሸይጥ ነይሩኒ። ብሰንኪ እዚ ነቢዐ እየ። ከምቲ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም ናብ ቅድሚት እትጥምት ዝነበረት ግና፡ ናብ ድሕሪት ዘይኰነስ፡ ናብ ቅድሚት ክጥምት እየ ቘሪጸ።” (እብ. 11:15) እሞ ደኣ እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ካብዚ ተመክሮኦም እዚ እንታይ ጥቕሚ ረኺቦም፧ ሮቢን ከምዚ ትብል፦ “ንየሆዋ ዘሎና ዅሉ ንህቦ ኸም ዘለና ምፍላጥና፡ ዓብዪ ዕግበት እዩ ኣምጺኡልና። ኣብ ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ክንዓዪ ኸለና፡ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ህይወት ኢና እንጥዕሞ ዘለና።” ኣንዲ ድማ፡ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ፡ ዘሎና ዅሉ ብምሃብና ዕግበት ይስምዓና እዩ” ብምባል ንሓሳባ ይድግፎ እዩ።

16 ንመሪሕነት የሆዋ እንተ ስዒብና፡ እንታይ ካልእ ጥቕምታት ኢና እንረክብ፧ ማርሲያ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስ ወድአት፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸተተኵር እተዋህባ መተባብዒ ኽትዓይየሉ ደለየት። (ማቴ. 6:33፣ ሮሜ 12:11) ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንኣርባዕተ ዓመት ብናጻ ኽምሃር ኣጋጣሚ ተኸፊቱለይ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ከተኵር እየ ደልየ። ስለዚ፡ ኣብ ኣገልግሎተይ ኪድግፈኒ ዚኽእል ሞያ ምእንቲ ኸጥሪ፡ ናይ ሞያ ስልጠና ኣብ ዚህብ ቤት ትምህርቲ ኣትየ። እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወተይ ዝገበርክዎ ብሉጽ ውሳነታት እዩ። ሕጂ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ አገልግል ኣለኹ፣ ሰዓታት ስራሐይ ተዓጻጻፊ ብምዃኑ ኸኣ፡ ናብ ቤት-ኤል እናተመላለስኩ ኸገልግልን ካልእ ፍሉይ መሰላት ክረክብን ክኢለ እየ።”

17. ወትሩ መሪሕነት የሆዋ እንተ ስዒብና፡ እንታይ ተወሳኺ በረኸት ኢና እንረክብ፧ (ኢሳይያስ 48:17, 18)

17 ሓድሓደ ግዜ፡ ሕግታት ኣምላኽ ከም እነፍርስ ካብ ዚገብር ንጥፈታትን ካብ ፍቕረ ንዋይን ክንሕሎ ዚሕግዝ ምኽሪ ይውሃበና እዩ። ኣብዚ እውን እንተ ዀነ፡ መሪሕነት የሆዋ እንተ ስዒብና፡ ንባረኽ ኢና። ንጹህ ሕልና ይህልወና፡ ካብ ዘየድሊ ውጥረት እውን ንስተር ኢና። (1 ጢሞ. 6:9, 10) በዚ ኸምዚ፡ ንኣምልኾ የሆዋ ብምሉእ ልብና ኽንስዕቦ ንኽእል። እዚ ድማ ዓሚቝ ሓጐስን ሰላምን ዕግበትን የምጽኣልና።—ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ።

18. ንመሪሕነት የሆዋ ንምስዓብ ቈሪጽካ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧

18 የሆዋ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዀነ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ መሪሕነት ንምሃብ ሰብኣውያን ተወከልቱ ኺጥቀም እዩ። (መዝ. 45:16) እሞ ደኣ ምስ ናይ ብሕቲ ምርጫና ዚጻረር ነገር ኣብ ዚንገረና እዋን እኳ ነቲ መምርሒ ኽንስዕቦ ዲና፧ ሕጂ ንመሪሕነት የሆዋ ንስዕብ እንተ ዄንና፡ ሽዑ ኸምኡ ምግባር ኣይኪኸብደናን እዩ። እምበኣር፡ ወትሩ ንመሪሕነት የሆዋ ንስዓብ፣ እንተላይ ነቲ በቶም ኪሕልዉና እተሸሙ ሰባት ዚውሃበና መምርሒ ንስዓብ። (ኢሳ. 32:1, 2፣ እብ. 13:17) ነቲ ኻብ መንፈሳዊ ሓደጋ ኣርሒቑ ናብቲ መዓልቦና ዝዀነ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሓና የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ብኸመይ መሪሕዎም፧

  • የሆዋ ንቐዳሞት ክርስትያናት ብኸመይ መሪሕዎም፧

  • ሎሚ ንመሪሕነት የሆዋ እንተ ስዒብና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

መዝሙር 48 ምስ የሆዋ ንመላለስ

a የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ዚመርሖም “ቀቅድሚ እቲ ሰፈር ዚኸይድ” መልኣኽ ሸይሙሎም ነይሩ እዩ። እቲ መልኣኽ እቲ፡ ሚካኤል እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ሚካኤል ድማ የሱስ ሰብ ኰይኑ ቕድሚ ምምጻኡ ዚጽውዓሉ ዝነበረ ስም እዩ ነይሩ።—ዘጸ. 14:19፣ 32:34

b ደሓር፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ተጸውዐ። ሎሚ እዚ ስልጠና እዚ፡ ክፍሊ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ኰይኑ ኣሎ።

c ኣብ ናይ ለካቲት 2021 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 18 እትርከብ፡ “ኣመሓዳሪ ኣካል ዘለዎ ግደ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።