ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ለካቲት 2025

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 14 ሚያዝያ–4 ግንቦት 2025 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 6

ይቕረታ የሆዋ—ስለምንታይ ኢና እነማስወሉ፧

ኣብ 14-20 ሚያዝያ 2025 ዚጽናዕ።

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 7

ይቕረታ የሆዋ—ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

ኣብ 21-27 ሚያዝያ 2025 ዚጽናዕ።

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 8

ይቕረታ የሆዋ—ንዕኡ ብኸመይ ክትመስሎ ትኽእል፧

ኣብ 28 ሚያዝያ–4 ግንቦት 2025 ዚጽናዕ።

ታሪኽ ህይወት

“በይነይ ኣይነበርኩን”

ኣንገሊቶ ባልቦኣ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ፈተና እኳ የሆዋ ወትሩ ምስኡ ኸም ዝነበረ ዚኣምነሉ ምኽንያት ርአ።

ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ኣብ ፍትወት ርእሲ ዘተኰረ መንፈስ ንጸጎ

ብዙሓት ሰባት ፍሉይ መሰል ኪውሃቦም፡ ሓለፋ ኺግበረሎም፡ ወይ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ኺግበረሎም ከም ዚግባእ ይስምዖም እዩ። ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸነወግድ ዚሕግዘና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ።

ብኸመይ ናይ ሓቂ ፈታዊ ትኸውን፧

ኣብ ግዜ ጭንቂ ናይ ሓቂ ፈታዊ ምርካብ ዘለዎ ጥቕሚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የጕልሓልና እዩ።

ማንም ኪጥቀመላ ዚኽእል ቀላል ሕቶ

ከም ሜሪ ሓንቲ ቐላል ሕቶ ብምሕታት፡ ብዙሓት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ተባዕ ኩን

ካብ ኤርምያስን ካብ ዔቤድ-ሜሌክን ብዛዕባ ትብዓት እንታይ ንምሃር፧