ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

“በይነይ ኣይነበርኩን”

“በይነይ ኣይነበርኩን”

ኣብ ህይወት ዜጋጥም እተፈላለየ ዅነታት፡ በይንኻ ኸም ዝተረፍካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ኺገብር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚመውት ወይ ናብ ዘይትፈልጦ ዓዲ ምስ እትኸይድ፡ በይንኻ ዝዀንካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ኣብ ህይወተይ ነዚ ዅሉ ርእየዮ እየ። ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ ግና፡ ብሓቂ በይነይ ኣይነበርኩን ክብል እኽእል እየ። ናብዚ መደምደምታ እዚ ኽበጽሕ ዘኽኣለኒ እንታይ ምዃኑ እስከ ኸዘንትወልኩም።

ወለደይ ዝሓደጉለይ ኣብነት

ኣቦይን ኣደይን ውፉያት ካቶሊክ እዮም ነይሮም። ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፈለጡ ግና፡ ብቕንኣት ዘገልግሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ኣቦይ ምስልታት የሱስ ምቕራጽ ሓደጎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ ናይ ጽርበት ዕንጨይቲ ኽእለቱ ተጠቒሙ ንምድሪ ቤት ገዛና ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ቀየራ። ንሳ ድማ ኣብቲ ሳን ህዋን ደል ሞንቴ ዚብሃል ኣብ ማኒላ፡ ፊሊፒንስ ዚርከብ ከባቢ ናይ መጀመርታ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እያ ነይራ።

ምስ ወለደይን ኣባላት ስድራ ቤተይን

ብ1952 ምስ ተወለድኩ፡ ወለደይ ንዓይ እውን ምስቶም ኣርባዕተ ምዕባየይ ኣሕዋተይን ሰለስተ ምዕባየይ ኣሓተይን ጽቡቕ መንፈሳዊ ትምህርቲ ይህቡኒ ነበሩ። እናዓበኹ ምስ ከድኩ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሓደ ምዕራፍ ከንብብ ኣቦይ ኣተባብዓኒ። ብብዙሕ ቲኦክራስያዊ ጽሑፋት ገይሩ እውን መጽናዕቲ ገበረለይ። ብዘይካዚ፡ ወለድና በብግዜኡ ንገየሽቲ ሓለውትን ንተወከልቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ናብ ቤትና ይዕድምዎም ነበሩ። እቲ ኣሕዋት ዚነግሩና ተመክሮታት ከኣ፡ ንስድራ ቤትና ብዙሕ የሐጕሰናን የተባብዓናን ነበረ። ንኣገልግሎት ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦ እውን ኣለዓዓለና።

ወለደይ ዝነበሮም እምነት ኣብነት ኰይኑኒ እዩ። እታ ፍቕርቲ ኣደይ ብሕማም ምስ ሞተት፡ ኣነን ኣቦይን ብ1971 ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ጀመርና። ድሕሪኡ ግና፡ ብ1973 ገና ወዲ 20 ዓመት ከለኹ፡ ኣቦይ ሞተ። ክልቲኦም ወለደይ ብምስኣነይ ባዶ ኸም ዝዀንኩን በይነይ ከም ዝተረፍኩን ኰይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ርግጽን ጽንዕትን” ተስፋ ግና፡ ከም መልህቕ ኰይናትኒ፡ ብስምዒታዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ክጸንዕ እውን ኣኽኢላትኒ እያ። (እብ. 6:19) ድሕሪ ሞት ኣቦይ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣብ ኣውራጃ ፓላዋን ኣብ እትርከብ ኮሮን እትብሃል ግልልቲ ደሴት ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ከድኩ።

በይነይ ኣብቲ በዳሂ ምድብ ዝነበርኩሉ እዋን

ናብ ኮሮን ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ ወዲ 21 ዓመት እየ ነይረ። ዕባይ ከተማ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብታ ደሴት ኣብ መብዛሕትኡ ኤለክትሪክ፡ ማይ ቡንባ፡ ወይ መጕዓዝያ ዘይምንባሩ ገረመኒ። ሒደት ኣሕዋት እኳ እንተ ነበሩ፡ መገላግልቲ ዚዀነኒ ፈላሚ ስለ ዘይነበረ፡ ሓድሓደ ግዜ በይነይ ክሰብኽ ነይሩኒ። ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ብናፍቖት ስድራ ቤተይን ፈተውተይን ተበሊዐ ነይረ። ምሸት ከኣ፡ ናብቲ ኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ እናጠመትኩ እነብዕ ነይረ። ነቲ ምድበይ ሓዲገ ናብ ገዛይ ክምለስ እውን እሓስብ ነይረ።

ኣብቲ በይነይ ዝነበርኩሉ እዋን እቲ፡ ልበይ ናብ የሆዋ አፍስስ ነበርኩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ጽሑፋትናን ዘንበብክዎ ዜተባብዕ ሓሳባት እውን እዝክር ነበርኩ። ብዙሕ ግዜ ንመዝሙር 19:14 እዝክራ ነይረ እየ። ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ነገራት እንተ ኣስተንቲነ፡ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ግብርታቱን ብዛዕባ ባህርያቱን እንተ ኣስተንቲነ፡ ንሱ “ኸውሐይን ተበጃውየይን” ከም ዚዀነለይ ኣስተውዓልኩ። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “በይንኻ ኣይኰንካን” a ዘርእስታ ዓንቀጽ ብዙሕ እያ ሓጊዛትኒ። ደጋጊመ እየ ኣንቢበያ። በይነይ ምስ የሆዋ እየ ነይረ ኽብል እኽእል እየ። እዚ ድማ፡ ክጽልን ከጽንዕን ከስተንትንን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸፊቱለይ እዩ።

ናብ ኮሮን ድሕሪ ምኻደይ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ሽማግለ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ። በይነይ ሽማግለ ስለ ዝነበርኩ ኸኣ፡ ኣብ ሰሰሙን ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍን መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን እመርሕ ነበርኩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ኣብ ሰሰሙን ህዝባዊ መደረ አቕርብ ነበርኩ። እዚ ዅሉ ስራሕ ስለ ዝበዝሓኒ ኸኣ፡ ድሕሪኡ በይነይ ዝዀንኩ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን!

ኣብ ኮሮና ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ፍረ ረኺበ እየ። ገሊኦም መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮም ዝነበርኩ ሰባት ተጠሚቖም እዮም። እንተዀነ ግና፡ ብድሆታት እውን ኣጋጢሙኒ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ናብ ክሊ ንምብጻሕ ፍርቂ መዓልቲ ብእግረይ ክጐዓዝ ነይሩኒ፡ ኣብኡ ምስ በጻሕኩ እውን ኣበይ ከም ዝሓድር ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ክሊ እታ ጉባኤ ብዙሓት ንኣሽቱ ደሴታት ነይረን እየን። ናባታተን ንምብጻሕ ከኣ ዋላ እውን ምሕንባስ ዘይክእል እንተ ነበርኩ፡ ብዙሕ ግዜ ብሞተር ጃልባ ገይረ ብማዕበል ኣብ ዚናወጽ ባሕሪ ተጓዒዘ እየ! ኣብዚ ዅሉ ጸገማት እዚ፡ የሆዋ ኣዕቊቡንን ደጊፉንን እዩ። ደሓር ከም እተረዳእክዎ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ዚቕጽል ምድበይ ዜጋጥመኒ ዝዓበየ ብድሆታት እዩ ዜዳልወኒ ነይሩ።

ፓፕዋ ኒው ጊኒ

ብ1978 ናብታ ኣብ ሰሜን ኣውስትራልያ እትርከብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ተመደብኩ። ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዳርጋ ኽንዲ ስጳኛ ዝስፍሓታ ኣኽራን ዚመልኣ ሃገር እያ። እቶም ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ዝዀኑ ህዝባ፡ ልዕሊ 800 ቛንቋ ዚዛረቡ ምዃኖም ምስ ፈለጥኩ፡ ኣዝየ እየ ተገሪመ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ መብዛሕትኦም እቶም ህዝቢ፡ ፒጅን መላነዥያ ወይ ቶክ ፒስን ተባሂሉ ዚፍለጥ ቋንቋ ይዛረቡ እዮም።

ንግዜኡ ኣብታ ኣብ ፖርት ሞርዝቢ ርእሲ ኸተማ እትርከብ ጉባኤ እንግሊዝኛ ተመደብኩ። ድሕሪኡ ግና፡ ናብ ጉባኤ ቶክ ፒስን ገዓዝኩ። ናይ ቋንቋ ትምህርቲ እውን ተምሃርኩ። ነቲ ኣብ ትምህርቲ እተምሃርክዎ ኣብ ዕዮ ስብከት እጥቀመሉ ነበርኩ። እዚ ድማ ነቲ ቛንቋ ብቕልጡፍ ክመልኮ ሓገዘኒ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ብቶክ ፒስን ህዝባዊ መደረ ከቕርብ ጀመርኩ። ካብቲ ናብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝኸድኩሉ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ኣብ ሰፊሕ ኣውራጃታት ኣብ ዚርከባ ጉባኤታት ቶክ ፒስን ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል ምስ ተመደብኩ፡ ኣዝየ እየ ተገሪመ።

እተን ጉባኤታት ተረሓሒቐን ዚርከባ ብምንባረን፡ ሓያሎ ኣኼባታት ወረዳ ኽውድብን ክጐዓዝን ነበረኒ። ኣብ መጀመርታ፡ ኣብ ዘይፈልጦ ኸባቢ ስለ ዝነበርኩ፡ ማለት ኣብ ሓድሽ ሃገር፡ ኣብ ሓድሽ ቋንቋ፡ ኣብ ሓድሽ ባህሊ ስለ ዝነበርኩ፡ በይነይ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣብቲ ዓዲ ብዙሕ ኣኽራን ስለ ዘሎ እውን፡ ካብ ሓደ ጉባኤ ናብ ካልእ ጉባኤ ብመሬት ክጐዓዝ ኣይከኣልኩን። ስለዚ ኣብ ሰሰሙን ብነፋሪት እየ ዝጐዓዝ ነይረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብሓንቲ ሞተር ኣብ እትሰርሕ ድኽምቲ ነፋሪት፡ ኣነ በይነይ እየ ተጓዓዚ ነይረ። እዚ ጕዕዞታት እዚ ልክዕ ከምቲ ብጃልባ ዝገበርክዎ ጕዕዞታት ብጣዕሚ እዩ ዜጨንቐኒ ነይሩ!

መብዛሕትኦም ሰባት ተሌፎን ኣይነበሮምን፣ ስለዚ ናብ ጉባኤታት ደብዳበ እየ ዝልእኽ ነይረ። ብዙሕ ግዜ ድማ፡ ንደብዳበይ ቀዲመያ ስለ ዝበጽሕ፡ ነቶም ኣስፋሕቲ ኣጣይቐ እረኽቦም ነይረ። ንኣሕዋት ምስ ረኸብክዎም ግና፡ ብልዑል ሞሳ ስለ ዚቕበሉኒ፡ ‘እንቋዕ ብዙሕ ጸዓርኩ’ ዜብል እዩ ነይሩ። ብብዙሕ መገድታት ደገፍ የሆዋ ርእየ እየ፣ ምስኡ ዘሎኒ ርክብ እውን እናዓበየ ኸይዱ እዩ።

ቡገንቪል ኣብ እትብሃል ደሴት ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣኼባ ምስ ከድኩ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ፍሽኽ እናበሉ ናባይ ቀሪቦም፡ “ትዝክረናዶ፧” በሉኒ። መጀመርታ ናብ ፖርት ሞርዝቢ ምስ በጻሕኩ፡ ነዞም ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዝመስከርኩሎም ዘከርኩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀሚረዮም ነይረ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ዓዲ ንዚርከብ ሓው ኣመሓላሊፈዮም ነይረ። ድሕርዚ ድማ ክልቲኦም ተጠምቁ። ሓደ ኻብቲ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ዝጸናሕኩሉ እዋን ዝረኸብክዎ ሓያሎ በረኸት እዚ እዩ ነይሩ።

ብዕዮ ትሕዝቲ ዝዀነት ንእሽቶ ስድራ ቤት

ምስ ኣደል

ብ1978 ካብ ኮሮን ቅድሚ ምውጻአይ ምስ ሓንቲ ኣደል ዝስማ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ምጭውቲ ሓብቲ ተፋለጥኩ። ንሳ ሳሙኤልን ሺርሊን ንዚብሃሉ ኽልተ ደቃ እናኣዕበየት ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ነበረት። ብዕድመ ንዝደፍአት ኣዲኣ እውን ትኣልያ ነበረት። ኣብ ግንቦት 1981፡ ንኣደል ክምርዓዋ ኢለ ናብ ፊሊፒንስ ተመለስኩ። ድሕሪ መርዓና ድማ፡ ንስድራ ቤትና እናኣለና ፈለምቲ ዄንና ነገልግል ነበርና።

ምስ ኣደልን ምስ ደቅና ሳሙኤልን ሺርሊን ኣብ ፓላዋን እናኣገልገልና

ስድራ እኳ እንተ ገበርኩ፡ ብ1983 ኣብ ኣውራጃ ፓላዋን ኣብ እትርከብ ደሴት ሊናፓካን ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ብምልእታ ስድራ ቤትና ናብቲ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይነበሮ ግሉል ቦታ ገዓዘት። ኣደ ኣደል ድማ ድሕሪ ዓመት ኣቢላ ዓረፈት። እንተዀነ ግና፡ ብኣገልግሎት ትሑዛት ኢና ኔርና። እዚ ድማ፡ ንሓዘንና ኽንክእሎ ሓጊዙና እዩ። ኣብ ሊናፓካን ዕቤት ዚገብሩ ብዙሓት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝረኸብና፡ ነዊሕ ከይጸናሕና ንእሽቶ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣድለየትና። ስለዚ፡ ባዕልና ሓንቲ ኣዳራሽ ሰራሕና። ካብቲ ናብታ ደሴት ዝኣቶናሉ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ 110 ሰባት ተኣኪቦም ምርኣይና ኣዝዩ እዩ ኣሐጕሱና፣ ብዙሓት ካባታቶም እውን ካብታ ደሴት ምስ ለቐቕና ዕቤት ብምግባር ናብ ጥምቀት በጺሖም እዮም።

ብ1986 ደሴት ኩልዮን ናብ እትብሃል ደሴት ተመደብኩ፣ ኣብታ ደሴት እቲኣ ድማ ብሕማም ደዌ እተጠቕዑ ማሕበረ ሰብ ነበሩ። ድሕርዚ፡ ኣደል ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ተሸመት። ኣብ መጀመርታ ነቶም ብደዌ እተጠቕዑ ሰባት ምስባኽ የፍርሃና ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም በቲ ሕማም እቲ እተጠቕዑ ሰባት ሕክምና ስለ እተዋህቦም፡ እቲ ሕማሞም ተመሓላላፊ ኸም ዘይኰነ በቶም ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩ ኣስፋሕቲ መረጋገጺ ተዋህበና። ገሊኦም ድዉያት ከኣ ኣብ ቤት ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ይመጹ ነበሩ። ነዊሕ ከይጸናሕና ነዞም ሰባት እዚኦም ምስባኽ ለመድናዮ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ድርቡያት ከም ዝዀኑ ዀይኑ ንዚስምዖም ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ምክፋል እውን፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ። በቲ ሕማም እቲ እተጠቕዑ ሰባት፡ ሓደ መዓልቲ ፍጹም ጥዕና ኸም ዚረኽቡ ፈሊጦም ኪሕጐሱ ምርኣይ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ።—ሉቃ. 5:12, 13

እሞ ደኣ ደቅና ነቲ ኣብ ኩልዮን ዝነበረና ህይወት ብኸመይ ለሚዶምዎ፧ ደቅና ጽቡቕ ዕርክነት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣነን ኣደልን ንኽልተ መንእሰያት ኣሓት ካብ ኮሮን ኪበጽሓና ዓደምናየን። ሳሙኤልን ሺርሊን እተን ክልተ መንእሰያት ኣሓትን ድማ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ግዜ ኣሕለፉ። ኣነን ኣደልን ምስ ወለዲ ኸነጽንዕ ከለና፡ ንሳቶም ነቶም ብዙሓት ቈልዑ መጽናዕቲ ይገብሩሎም ነበሩ። ሓደ ግዜ እሞ ኸኣ ምስ 11 ስድራ ቤታት ኢና እነጽንዕ ኔርና። ነዊሕ ከይጸናሕና ኣዝዮም ብዙሓት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝነበሩና ሓዳስ ጉባኤ ኸነቕውም ከኣልና!

ኣብ ፈለማ፡ ኣብቲ ኸባቢ ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ሽማግለ ነይረ። ስለዚ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ነቶም ኣብ ኩልዮን ዚርከቡ ሸሞንተ ኣስፋሕቲ ሰሙናዊ ኣኼባታት ክመርሓሎም ሓተተኒ። ድሕሪኡ ድማ፡ ማሪሊ ኣብ እትብሃል ቍሸት ንዚርከቡ ትሽዓተ ኣስፋሕቲ፡ ኣኼባታት ክመርሓሎም ሕቶ ኣቕረበለይ። ናብታ ቝሸት እቲኣ ንምብጻሕ ብጃልባ ሰለስተ ሰዓት ዚወስድ ጕዕዞ ኽንገብር ነበረና። ድሕሪ ኣኼባ ኸኣ ሃልሲ ኣብ እትብሃል ቍሸት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ንሓያሎ ሰዓታት ብስድራ ቤት ኣብ ኣኽራን ንጐዓዝ ነበርና።

ኣብ ማሪሊን ኣብ ሃልሲን ብዙሕ ፍረ ስለ እተረኽበ፡ ኣብተን ኣቝሻት እቲአን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ሰራሕና። ከምቲ ኣብ ሊናፓካን እተገብረ ድማ፡ ንህንጸት እቲ ኣዳራሻት ዚኸውን መብዛሕትኡ ናውትን ጕልበትን ካብ ኣሕዋትን ግዱሳትን እዩ ተረኺቡ። እቲ ኣብ ማሪሊ ዝነበረ ኣዳራሽ 200 ሰባት ኪሕዝ ዚኽእል እዩ ነይሩ፣ ኪሰፍሕ እውን ዚኽእል ብምንባሩ ኣብኡ ዓበይቲ ኣኼባታት ንገብር ነበርና።

ሓዘንን ጽምዋን ሓድሽ ሓጐስን

ደቅና ምስ ዓበዩ፡ ብ1993 ኣነን ኣደልን ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸነገልግል ጀመርና። ድሕሪኡ፡ ብ2000 ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ፡ መምህር ንምዃን ዜኽእለኒ ስልጠና ምእንቲ ኽረክብ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ተምሃርኩ። ብቕዓት ዘይብለይ ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዓኒ፡ ኣደል ግና ኵሉ ሳዕ ተተባብዓኒ ነበረት። ነዚ ሓድሽ ምድብ እዚ ንምፍጻም ዜኽእል ብርታዐ የሆዋ ኸም ዚህበኒ ኣዘኻኸረትኒ። (ፊል. 4:13) ኣደል ናይ ጥዕና ጸገም እናተጻወረት ኣገልግሎታ ትፍጽም ብምንባራ፡ ካብ ተመክሮኣ እያ ተዛሪባትኒ።

ብ2006 መምህር ኰይነ እናኣገልገልኩ ኸለኹ፡ ኣደል ሕማም ፓርኪንሰንስ ዚብሃል ንጭዋዳታት ዜልምስ ሕማም ከም ዘለዋ ተፈልጠ። በዚ ኣመና ኢና ሰምቢድና! ንዓኣ ንምክንኻን ኢለ ኣገልግሎተይ ክሓድግ ሓሳብ ምስ ኣቕረብኩላ፡ “ኣብ ሕማመይ ኪሕግዘኒ ዚኽእል ሓኪም ጥራይ ርኸበለይ፣ የሆዋ ኣገልግሎትካ ኽትቅጽል ከም ዚሕግዘካ እፈልጥ እየ” ኢላ መለሰትለይ። ኣብቲ ዚቕጽል ሽዱሽተ ዓመት ድማ፡ ከየማረረት ንየሆዋ ኣገልገለቶ። ክትከይድ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐት፡ ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ኰይና ተገልግል ነበረት። ኣፋ ምስ ተለኽተ እውን፡ ኣብ ኣኼባታት ብሓደ ወይ ብኽልተ ቓላት ገይራ ሓሳብ ትህብ ነበረት። ክሳዕ እቲ ብ2013 ዝሞተትሉ እዋን፡ ስለቲ ተጻዋርነታ ብዙሕ መግለጺ ሞሳ እዩ ዚመጻ ነይሩ። ምስታ እምንትን ፈቃርን ብጸይተይ ኣደል ልዕሊ 30 ዓመት እየ ኣሕሊፈ፣ ስለዚ፡ ምስ ሞተት፡ ሓዘንን ጽምዋን ከበደኒ።

ኣደል ኣብ ምድበይ ክቕጽል እያ እትደልየኒ ነይራ፣ ከምኡ ድማ እየ ገይረ። ብዕዮ ትሑዝ ስለ ዝዀንኩ፡ እዚ ነገር እዚ ነቲ ጽምዋ ኽጻወሮ ሓጊዙኒ እዩ። ካብ 2014 ክሳዕ 2017 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ዕዮና ኣብ እተቐየደሉ ሃገራት ንዚርከባ ጉባኤታት ታጋሎግ ክበጽሕ ተመደብኩ። ድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ታይዋንን ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካን ካናዳን ዚርከባ ጉባኤታት ታጋሎግ በጻሕኩ። ብ2019 ኣብ ህንድን ኣብ ታይላንድን ኣብ እተገብረ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ብቛንቋ እንግሊዝኛ መሃርኩ። ኣብ ኵሉ እዚ ምድባተይ እዚ ዓብዪ ሓጐስ እየ ረኺበ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከተኵር ከለኹ፡ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ።

ሓገዝ ካባና ርሑቕ ኣይኰነን

ኣብ ኵሉ እቲ እተመደብኩሉ ቦታታት፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ፍቕሪ ስለ ዘማዕብል፡ ደሓር ሓዲገዮም ምኻድ ይኸብደኒ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት ብየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እየ ዝእመን። ደገፉ ዅሉ ሳዕ እርእዮ ነይረ እየ። እዚ ድማ፡ ንዚመጽእ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ብምሉእ ልበይ ኪቕበሎ ሓጊዙኒ እዩ። ሎሚ ኣብ ፊሊፒንስ ፍሉይ ፈላሚ ኰይነ አገልግል ኣለኹ። ኣብታ ሓዳስ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ደገፍትን ሓለይትን ስድራ ቤት ስለ ዝዀኑለይ፡ ጥዒሙኒ እየ ዝነብር ዘለኹ። ሳሙኤልን ሺርሊን ኣስኣሰር እምነት ኣዲኦም ኪስዕቡ ምርኣየይ እውን የሐብነኒ እዩ።—3 ዮሃ. 4

ጉባኤና ሓላዪት ስድራ ቤት ኰይናትለይ ኣላ

እወ፡ ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ፈተና ኣሕሊፈ እየ። እታ ፍቕርቲ ሰበይተይ ብሰንኪ ኽፉእ ሕማም ተሳቕያ ኽትመውት ከላ ርእየ እየ። ንብዙሕ ሓድሽ ኵነታት እውን ክለምዶ ነይሩኒ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑ ርእየ እየ። (ግብ. 17:27) ኢድ የሆዋ ዋላ እውን ኣብ ግሉል ክልታት ንኣገልገልቱ ንምድጋፍን ንምብርታዕን “ሓጻር ኣይኰነትን።” (ኢሳ. 59:1) የሆዋ ኸውሐይ እዩ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ እውን ካባይ ኣይተፈልየን። ስለዚ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። እወ፡ በይነይ ኣይነበርኩን።

a ናይ 1 መስከረም 1972 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 521-527 ርአ።