ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 6

መዝሙር 18 ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

ይቕረታ የሆዋ—ስለምንታይ ኢና እነማስወሉ፧

ይቕረታ የሆዋ—ስለምንታይ ኢና እነማስወሉ፧

“ኣምላኽሲ . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።”ዮሃ. 3:16

ኣትኵሮ

ነቲ የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረታ ዝገበረሉ መገዲ ዘሎና ርድኢት ብምስፋሕ፡ ንይቕረታኡ ዘሎና ሞሳ ንምዕዛዝ።

1-2. ኵነታት ደቂ ሰብ ምስቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ተገሊጹ ዘሎ መንእሰይ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

 ሃብታማት ወለዲ ዘለውዎ መንእሰይ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ሓደ መዓልቲ ግና ወለዱ ብሓደጋ ይሞቱ። በዚ ኣመና ይሓዝን። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ፡ ወለዱ ንዅሉ ሃብቶም ወዲኦምሲ ኣብ ሰፍ ዘይብል ዕዳ ኸም ዝነበሩ ይፈልጥ። ኣብ ክንዲ ሃብቲ፡ ዕዳን ዕንዲዳን እዮም ኣውሪሶምዎ። ኣለቃሕቲ ድማ ገንዘቦም ደልዮም የዋጥርዎ። እቲ ዕዳ ግና ልዕሊ ዓቕሙ እዩ።

2 ኵነታትና ምስዚ ናይዚ መንእሰይ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት እዮም ነይሮም፣ ኣብ ውቅብቲ ገነት እውን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። (ዘፍ. 1:27፣ 2:7-9) ንዘለኣለም ብህይወት ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ። እዚ ዅሉ ግና ብድንገት ተቐዪሩ። ካብታ ገነት ወጹ፡ መወትቲ እውን ኰኑ። እሞ ደኣ ንደቆም እንታይ ውርሲ እዮም ኬመሓላልፉሎም ዚኽእሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ” ይብለና። (ሮሜ 5:12) ኣዳም፡ ሓጢኣት እዩ ኣውሪሱና፣ እዚ ኸኣ ሞት እዩ ዜስዕብ። እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ከም ዓብዪ ዕዳ እዩ፣ ዋላ ሓዴና ኽንከፍሎ ኣይንኽእል ኢና።—መዝ. 49:8

3. ሓጢኣት ምስ “ዕዳ” ዚመሳሰል ስለምንታይ እዩ፧

3 የሱስ ንሓጢኣት ምስ “ዕዳ” ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ማቴ. 6:12፡ እ.ጽ.፣ ሉቃ. 11:4፡ እ.ጽ.) ክንሓጥእ ከለና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንዕደ ኸም ዘለና ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። ስለዚ፡ መቕጻዕቲ ሓጢኣትና ኽንከፍል ኣሎና። እዚ ዕዳ እዚ እንተ ዘይተኸፊሉ፡ ምስ ሞትና ጥራይ እዩ ዚስረዝ።—ሮሜ 6:7, 23

4. (ሀ) ሓገዝ እንተ ዘይንረክብ ኔርና፡ ኵላትና ሓጥኣን እንታይ ምዀንና፧ (መዝሙር 49:7-9) (ለ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ሓጢኣት” እትብል ቃል ንምንታይ እያ እተመልክት፧ (“ ሓጢኣት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

4 እሞ ደኣ ንዅሉ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘጥፍእዎ መሊስና ኽንረኽቦ ንኽእል ዲና፧ ባዕልና ኽንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና። (መዝሙር 49:7-9 ኣንብብ።) ሓገዝ እንተ ዘይንረክብ ኔርና፡ ናይ መጻኢ ህይወት ንምርካብ ኰነ ትንሳኤ ንምርካብ ተስፋ ኣይምሃለወናን ነይሩ። ከም ሓቂ፡ ሞትና ኸም ናይ እንስሳታት ምዀነ ነይሩ።—መክ. 3:19፣ 2 ጴጥ. 2:12

5. እቲ ፈቃር ኣቦና ነቲ ዝወረስናዮ ናይ ሓጢኣት ዕዳ ንምድቃስ እንታይ ሓገዝ እዩ ገይሩልና፧ (ስእሊ ርአ።)

5 ብዛዕባ እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስናዮ መንእሰይ እሞ ንሕሰብ። ሓደ ሃብታም ሰብ ዕዳኡ ኪኸፍለሉ ፍቓደኛ እንተ ዚኸውን፡ እቲ መንእሰይ ከመይ ምተሰምዖ፧ ዕዙዝ ሞሳ እናሓደሮ ነቲ እተገብረሉ ልግሲ ምተቐበሎ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ ነቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ናይ ሓጢኣት ዕዳ ኽንከፍል ዜኽእለና ውህበት ኣዳልዩልና እዩ። የሱስ ነዚ ውህበት በዚ ኸምዚ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።” (ዮሃ. 3:16) ብተወሳኺ፡ እዚ ውህበት እዚ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ክንምስርት መገዲ ኸፊቱልና ኣሎ።

የሱስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብቲ በጃ ተመርኲሱ ዝገበሮ ይቕረታ ኣበሰረ። (ዮሃ. 3:​16) ነቲ በጃ እቲ ንምኽፋል ከኣ ገዛእ ህይወቱ ብፍታዉ ሃበ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)


6. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

6 እሞ ደኣ ኻብዚ ንሓጢኣትና ወይ “ንዕዳና” ኸም ዚሕደገልና ዚገብር ዜደንቕ ውህበት ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀመሉ ዕርቂ፡ መተዓረቒ፡ በጃ፡ ተበጀወ፡ ጸደቐ ዚብል ቃላት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እዚ ቓላት እዚ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ክንርኢ ኢና። ነዚ ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ነቲ የሆዋ ይቕረታ ኽንረክብ ኢሉ ዝገበሮ ነገራት ዘሎና ሞሳ ኺዓዝዝ እዩ።

ሸቶ፦ ዕርቂ

7. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን እንታይ እዮም ኣጥፊኦም፧ (ለ) ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ብምዃንና፡ እንታይ እዩ ናይ ግድን ዜድልየና፧ (ሮሜ 5:10, 11)

7 ኣዳምን ሄዋንን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ኣቦኦም የሆዋ ዝነበሮም ክቡር ርክብ እውን እዮም ኣጥፊኦም። ኣብ መጀመርታ፡ ኣዳምን ሄዋንን ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ እዮም ነይሮም። (ሉቃ. 3:38) ትእዛዝ የሆዋ ምስ ጠሓሱ ግና፡ ገና ውሉድ ከይወለዱ ኸለዉ፡ ካብ ስድራ ቤቱ ተሰጕጉ። (ዘፍ. 3:23, 24፣ 4:1) ስለዚ፡ ንሕና ዘርኦም ብምዃንና፡ ምስ የሆዋ ኽንዕረቕ ኣሎና። (ሮሜ 5:10, 11 ኣንብብ።) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ከነማዕብል ኣሎና። ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እታ ኣብዚ “ዕርቂ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ምስ ጸላኢ ምትዕርራኽ” ዚብል ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ነዚ ዕርቂ እዚ ንምምጻእ፡ የሆዋ እዩ ተበግሶ ወሲዱ። ብኸመይ፧

መሰናድዎ፦ መተዓረቒ

8. መተዓረቒ እንታይ እዩ፧

8 የሆዋ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ሓጥኣን ደቂ ሰብን ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ኺህሉ፡ መተዓረቒ ኣዳልዩልና ኣሎ። ዕርቂ ምእንቲ ኺግበር፡ ማዕረ ዋጋ ዘለዎ ነገር ኪኽፈል ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ ጠፊኡ ዝነበረ ነገር ኪምለስ ወይ ኪትካእ ይከኣል። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ነቲ የሆዋ “መተዓረቒ” ዘቘመሉ መሰናድዎ ገሊጽዎ ኣሎ።—ሮሜ 3:25

9. እስራኤላውያን ሓጢኣቶም ምእንቲ ኺሕደገሎም፡ እንታይ ግዜያዊ መሰናድዎ እዩ የሆዋ ዝገበረ፧

9 የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ግዜያዊ ሕድገት ሓጢኣት ዚረኽቡሉ መሰናድዎ ገይሩሎም ነይሩ እዩ። ኣብ እስራኤል፡ መዓልቲ ዕርቂ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ትውዕል ነበረት። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ እንስሳታት ይስውእ ነበረ። እንስሳታት ካብ ሰባት ዝተሓቱ ስለ ዝዀኑ ግና፡ መስዋእቲ እንስሳታት ንሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ኣየተዓርቕን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም እተነስሑ እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ዝሓተቶም መስዋእቲ ምስ ዜቕርቡ፡ ንሱ እውን ሓጢኣቶም ይቕረ ይብለሎም ነበረ። (እብ. 10:1-4) ብተወሳኺ፡ እቲ መሰናድዎ ዀነ እቲ ስሩዕ መስዋእቶም፡ ሓጥኣን ምዃኖምን ነባሪ ፍታሕ ከም ዜድልዮምን የዘኻኽሮም ነበረ።

10. የሆዋ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን እንታይ ነባሪ መሰናድዎ እዩ ዝገበረ፧

10 የሆዋ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ነባሪ ፍታሕ ሓሲቡ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ፍቑር ወዱ “ሓጢኣት ብዙሓት ምእንቲ ኺጸውር፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ” ኺስዋእ መሰናድዎ ገበረ። (እብ. 9:28) ስለዚ የሱስ፡ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ኣሕለፈ። (ማቴ. 20:28) እሞ ደኣ በጃ እንታይ እዩ፧

ዚኽፈል ዋጋ፦ በጃ

11. (ሀ) ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ በጃ እንታይ እዩ፧ (ለ) እዚ በጃ እዚ ምእንቲ ኪኽፈልከ እንታይ የድሊ፧

11 ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ በጃ ኺብሃል ከሎ፡ ዕርቂ ንምርካብ ዚኽፈል ዋጋ እዩ። a ብዓይኒ የሆዋ ኽንርእዮ ኸለና፡ ነቲ ዝጠፍአ ንምምላስ ዜኽእል መሰረት እዩ። ብኸመይ፧ ኣዳምን ሄዋንን፡ ፍጹም ህይወትን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣምን ከም ዝሰኣኑ ኣይንረስዕ። ስለዚ፡ እቲ ዚኽፈል በጃ፡ ማዕረ እቲ ዝጠፍአ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞ. 2:6) እምበኣር፡ (1) ፍጹም ዝዀነ፡ (2) ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ዘለዎ፡ (3) ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ንምሃብ ፍቓደኛ ዝዀነ እኹል ሰብ ጥራይ እዩ በጃ ኪኸፍል ዚኽእል። በዚ ኸምዚ ጥራይ እዩ ህይወት እቲ ሰብ እቲ ነቲ ዝጠፍአ ህይወት ኪትክእ ወይ መተዓረቒ ኪኸውን ዚኽእል።

12. የሱስ በጃ ኪኸፍል ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

12 የሱስ በጃ ኪኸፍለልና ዝኸኣለሉ ሰለስተ ምኽንያት እስከ ንርአ። (1) ፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ፣ “ሓጢኣት ኣይገበረን።” (1 ጴጥ. 2:22) (2) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ነይርዎ እዩ። (3) ምእንታና ንሙማትን ህይወቱ ኣሕሊፉ ንምሃብን ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። (እብ. 10:9, 10) የሱስ ፍጹም ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስቲ እቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ገና ኸይሓጥአ ኸሎ ዝነበሮ ደረጃ ማዕረ እዩ ነይሩ። (1 ቈረ. 15:45) ስለዚ፡ የሱስ ብሞቱ ኣቢሉ ኻብ ሓጢኣትና ኼተዓርቐና፡ ማለት ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ነገር ኪትክኦ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 5:19) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ፡ “እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም” ኰነ። ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ነገር ኪኸፍል ዚኽእል ካልእ ፍጹም ሰብ የልቦን። የሱስ “ሓንሳእ ንሓዋሩ” እዩ ሞይቱልና።—እብ. 7:27፣ 10:12

13. ኣብ መንጎ ዕርቅን በጃን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

13 ኣብ መንጎ ዕርቅን በጃን ደኣ እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧ ዕርቂ ኺብሃል ከሎ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ ሰብን ዝነበረ ጽቡቕ ርክብ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዚገብሮ ተግባር እዩ። በጃ ኺብሃል ከሎ ኸኣ፡ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ዕርቂ ምእንቲ ኺረኽቡ ዚኽፈል ዋጋ እዩ። እዚ ዋጋ እዚ፡ በቲ ምእንታና ዝፈሰሰ ኽቡር ደም የሱስ ተወኪሉ ኣሎ።—ኤፌ. 1:7፣ እብ. 9:14

ፍረ፦ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ይብጀዎምን የጽድቖምን

14. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

14 መሰናድዎ ዕርቂ እንታይ ፍረ እዩ ዜፍሪ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ብእተፈላለየ ቓላት ገሊጽዎ ኣሎ። ትርጉም እዚ ቓላት እዚ ተመሳሳሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ይቕረታ ዜነጽር እተፈላለየ መዳያት መሰናድዎ ዕርቂ የጕልሕ እዩ። ነዚ ቓላት እዚ ኽንምርምሮ ኸለና፡ ንዓና ብውልቂ ብኸመይ ከም ዚጸልወና እውን ክንርኢ ኢና።

15-16. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ከም እተበጀወና ኺገልጽ ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) እዚ ንዓና ብኸመይ ይጸልወና፧

15 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብጀዋ ኺብሃል ከሎ፡ ወይ ኣምላኽ ከም እተበጀወና ኺግለጽ ከሎ፡ በጃ ስለ እተኸፍለልና ናጻ ምዃንና እዩ ዜመልክት። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ገሊጹ ኣሎ፦ “ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ኣነባብራኹም ናጻ ዝዀንኩም፡ [ቃ.ቃ.፡ “በጃ ዝረኸብኩም”] ብሓላፊ ነገራት፡ ብብሩር ወይስ ብወርቂ፡ ከም ዘይኰነ ትፈልጡ ኢኹም። የግዳስ፡ በቲ ኸም ናይ ኣበርን ርስሓትን ዘይብሉ ገንሸል ዝዀነ ኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ድሒንኩም።”—1 ጴጥ. 1:18, 19፣ እ.ጽ.።

16 ሳላ እቲ መስዋእታዊ በጃ፡ ካብ ጨቋኒ ግዝኣት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኽንከውን ንኽእል ኢና። (ሮሜ 5:21) እምበኣር፡ የሆዋን የሱስን በቲ የሱስ ዝኸፈሎ ኽቡር ደም ወይ ህይወት ስለ እተበጀዉና፡ ዓብዪ ውሬታ እዮም ገይሮምልና።—1 ቈረ. 15:22

17-18. (ሀ) ሓደ ሰብ ጸደቐ ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) እዚ ንዓና ብኸመይ ይጸልወና፧

17 ሓደ ሰብ ጸደቐ ኺብሃል ከሎ፡ ካብ ክሲ ናጻ ኸም ዝዀነ፡ ንጹህ ከም ዝዀነ፡ ወይ ክሱ ኸም እተሰረዘሉ የመልክት። የሆዋ ኸምኡ ኺገብር ከሎ፡ መለክዒታት ፍትሒ ኣይኰነን ዚጥሕስ። ብናትና ብቕዓት ኣይኰነን ዜጽድቐና፣ ንሓጢኣትና እውን ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሳላ እቲ ኣብቲ ዕርቅን ኣብቲ እተኸፍለ በጃን ዘሎና እምነት፡ ዕዳና ኺስርዘልና ይኽእል እዩ።—ሮሜ 3:24፣ ገላ. 2:16

18 እዚ ንነፍሲ ወከፍና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ እቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ እተሓርዩ፡ ጸዲቖምን ደቂ ኣምላኽ ኰይኖምን እዮም። (ቲቶ. 3:7፣ 1 ዮሃ. 3:1) ሓጢኣቶም ተሓዲጉሎም እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣብ መዝገብ እተመዝገበ ገበን የብሎምን፣ ስለዚ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት እዮም። (ሮሜ 8:1, 2, 30) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ከኣ፡ ጸዲቖምን ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኰይኖምን እዮም፣ ሓጢኣቶም እውን ተሓዲጉሎም እዩ። (ያእ. 2:21-23) እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ብዙሓት ህዝቢ፡ ናይ ዘይሙማት ኣጋጣሚ ኣለዎም። (ዮሃ. 11:26) እቶም ሞይቶም ዘለዉ “ጻድቃንን” “ሓጥኣንን” ድማ ኪትንስኡ እዮም። (ግብ. 24:15፣ ዮሃ. 5:28, 29) ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም እዙዛት ኣገልገልቲ፡ “ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ” ኪህልዎም እዩ። (ሮሜ 8:21) እቲ መሰናድዎ ዕርቅስ ብሓቂ ዜደንቕ በረኸት እዩ ኼምጽእ፣ እወ፡ ምስ ኣቦና የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንዕረቕ ኢና!

19. ኵነታትና እተመሓየሸ ብኸመይ እዩ፧ (“ ንዓና ዘለዎ ትርጉም” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

19 ኵነታትና ምስ ኵነታት እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ዅሉ ዝሰኣነን ሰፍ ዘይብል ዕዳ ዝወረሰን መንእሰይ ዚመሳሰል እዩ ነይሩ። ሳላ የሆዋ ግና ሓገዝ ረኺብና። ሳላ መሰናድዎ ዕርቅን እተኸፍለ በጃን ከኣ ኵነታትና ተቐዪሩ። ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘሎና እምነት፡ ብጀዋ ንምርካብ፡ ማለት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ንምዃን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ዕዳና ኺስረዘልና፡ ኣብ መዝገብና ዝነበረ ገበን እውን ኪድምሰሰልና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ምስቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ይኽእል እዩ።

20. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

20 ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ነገር ከነስተንትን ከለና፡ ልብና ብሞሳ እዩ ዚመልእ። (2 ቈረ. 5:15) ብዘይ ናታቶም ሓገዝ፡ ተስፋ ኣይምሃለወናን ነይሩ! ግናኸ፡ ይቕረታ የሆዋ ንዓና በብውልቂ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ኽንመያየጥ ኢና።

መዝሙር 10 ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!

a ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት፡ እታ በጃ እትብል ቃል፡ “ዋጋ ህይወት” ወይ “ክፍሊት” ብዚብል ቃላት እያ እትትርጐም።