ዓንቀጽ መጽናዕቲ 7
መዝሙር 15 በዅሪ የሆዋ ይወደስ!
ይቕረታ የሆዋ—ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
“ምሳኻ ናይ ሓቂ ይቕረታ ኣሎ።”—መዝ. 130:4።
ኣትኵሮ
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስእላዊ ቓላት ብምምርማር፡ ነቲ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዚገብረልና ናይ ሓቂ ይቕረታ ዘሎና ሞሳ ኸነዕዝዝ ኢና።
1. ሰባት ዚገብርዎ ይቕረታ መብዛሕትኡ ግዜ እተሓላለኸ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
“ይቕረ ኢለልካ እየ።” ምናዳ ሃሳዪ ዘረባ ወይ ተግባር ጌርካ እንተ ኔርካ፡ እዘን ቃላት እዚአን እፎይታ እየን ዜምጽኣልካ። “ይቕረ ኢለልካ እየ” ዚብል ሓረግ ግና እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧ እቲ ኸምኡ ዝበለካ ሰብ፡ በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ ዕርክነትኩም ምሉእ ብምሉእ ናብ ዝነበሮ ኸም እተመልሰ ድዩ ገሊጹ፡ ወይስ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ደጊም ኬልዕሎ ኸም ዘይደሊ እዩ ገሊጹ፧ እቲ ሰባት ዚገብርዎ ይቕረታ እተሓላለኸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
2. እቲ የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)
2 እቲ የሆዋ ንዓና ንዘይፍጹማት ሰባት ይቕረ ዚብለሉ መገዲ፡ ካብቲ ንሕና ንሓድሕድና እንገብሮ ይቕረታ ኣመና እተፈልየ እዩ። እቲ የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ ፍሉይ እዩ። ሓደ ዘማሪ ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምእንቲ ኽትክበርሲ፡ ምሳኻ ናይ ሓቂ ይቕረታ ኣሎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። a (መዝ. 130:4) እወ፡ እቲ የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ፡ “ናይ ሓቂ ይቕረታ” እዩ። ይቕረታ ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝለዓለ መለክዒ ይህበና እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሙላ ንይቕረታ እተመልክት ሓንቲ ፍልይቲ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ነቲ ደቂ ሰብ ዚገብርዎ ይቕረታ ንምግላጽ ፈጺሞም ኣይተጠቕሙላን።
3. የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ ኻብ ናትና ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ (ኢሳይያስ 55:6, 7)
3 የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ ንሓጢኣት እቲ ሰብ ይድምስሶ እዩ። እቲ ተባላሽዩ ዝነበረ ርክብ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ናብ ዝነበሮ እዩ ዚምለስ። ስለዚ የሆዋ፡ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ይብል እዩ፣ ብዙሕ ሳዕ እውን ይቕረ ይብል እዩ።—ኢሳይያስ 55:6, 7 ኣንብብ።
4. የሆዋ ናይ ሓቂ ትርጉም ይቕረታ ኽንርዳእ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
4 እቲ የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ ኻብ ናትና ዚፍለ ኻብ ኰነ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ትርጉም ይቕረታኡ ኽንርድኦ እንኽእል፧ የሆዋ ብንጹር ስእላዊ ቓላት ገይሩ ብዛዕባ ይቕረታኡ ይገልጸልና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ገለ ኻብኡ ኽንምርምር ኢና። እዚ ድማ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ብኸመይ ከም ዜርሕቖ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብሓጢኣት ተባላሽዩ ዝነበረ ርክብ ብኸመይ ናብ ዝነበሮ ኸም ዚመልሶ ኼብርሃልና እዩ። ነዚ ስእላዊ ቓላት ክንምርምር ከለና ኸኣ ነቲ ይቕረታኡ ብብዙሕ መገዲ ዝገለጸልና ለዋህ ኣቦና ዘሎና ሞሳ ኸነዕዝዝ ኢና።
የሆዋ ንሓጢኣትና የርሕቖ
5. የሆዋ ሓጢኣትና ኺሓድገልና ኸሎ እንታይ እዩ ዚገብረልና፧
5 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ሓጢኣት ምስ ከቢድ ጾር ተመሳሲሉ ኣሎ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ንሓጢኣቱ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ስሕተተይሲ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ኣንጸላልዩ ኣሎ፣ ከም ከቢድ ጾር፡ ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ።” (መዝ. 38:4) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንዚንስሑ ኣበስቲ ሓጢኣቶም ይሓድገሎም እዩ። (መዝ. 25:18፣ 32:5) እታ “ምሕዳግ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ምስካም” ወይ “ምጻር” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። ስለዚ፡ ንየሆዋ ኸምቲ ብምሳልያዊ መገዲ ንሓጢኣትና ኣብ መንኵቡ ተሰኪሙ ወይ ጾይሩ ዚወስድ ብርቱዕ ሰብኣይ ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና።
6. የሆዋ ንሓጢኣትና ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዜርሕቖ፧
6 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ካልእ ስእላዊ ቓላት፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ኽሳዕ ክንደይ ካባና ኸም ዜርሕቖ ይገልጸልና እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ መዝሙር 103:12፡ “ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ንኣበሳና ኻባና ኣዝዩ ኣርሒቕዎ” ትብል። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ኣዝዩ ርሑቕ እዩ። እዚ ኽልቲኡ ነቝጣታት ፈጺሙ ኣይራኸብን እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ናብ ዝረሓቐ ቦታ ወሲድዎ ኺብሃል ይከኣል እዩ። እዝስ ንይቕረታኡ ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጾ ደይኰነን!
7. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንሓጢኣትና ዜርሕቐሉ መገዲ ብኸመይ እዩ ገሊጹልና ዘሎ፧ (ሚክያስ 7:18, 19)
7 የሆዋ ብምሳልያዊ መገዲ ንሓጢኣትና ኻባና ዜርሕቖ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብኡ ግና ይዓቝሮ ድዩ፧ ኣይፋልን። ንጉስ ህዝቅያስ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ኵሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ”፡ ወይ ኣብቲ እግረ ጽሑፍ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ “ኵሉ ሓጢኣተይ ካብ ቅድሜኻ ኣርሒቕካዮ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ኢሳ. 38:9, 17፣ እ.ጽ.) ኣብዚ ስእላዊ ቓላት ተሓቢሩ ኸም ዘሎ የሆዋ ንሓጢኣት እቶም ዚንስሑ ሰባት ካብኡ ኣርሒቑ እዩ ዚድርብዮ። እዛ ዝረኣናያ ሓረግ፡ “[ንሓጢኣተይ] ከም ዘይነበረ ገበርካዮ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ነጥቢ እዚ፡ በቲ ኣብ ሚክያስ 7:18, 19 ዚርከብ ካልእ ስእላዊ ቓላት ገይሩ እውን ኣጕሊሕዎ ኣሎ። (ኣንብብ) ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኸም ዚድርብዮ ጌርካ ተገሊጹልና ኣሎ። ብግዜ ጥንቲ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እተደርበየ ነገር መሊስካ ኺርከብ ኣይከኣልን እዩ ነይሩ።
8. ክሳዕ ሕጂ እንታይ ተማሂርና፧
8 በዚ ስእላዊ ቓላት እዚ ኣቢልና፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ ኻብ ጾር ሓጢኣትና ምሉእ ብምሉእ ሓራ ኸም ዚገብረና ተማሂርና ኢና። እወ፡ ከምቲ ዳዊት ዝበሎ፡ “እቶም ጥሕሰቶም እተሓድገሎም፡ ሓጢኣቶም እውን እተኸድነሎም፡ ሕጉሳት እዮም፣ የሆዋ ሓጢኣቱ ዘይቈጽረሉ ሰብ ሕጉስ እዩ።” (ሮሜ 4:6-8) ናይ ሓቂ ይቕረታ እዚ እዩ!
የሆዋ ንሓጢኣትና ይድምስሶ
9. የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ይቕረታ ኸም ዚገብር ንምግላጽ እንታይ ስእላዊ ቓላት እዩ ተጠቒሙ፧
9 የሆዋ ንሓጢኣት እቶም ዚንስሑ ሰባት ብመስዋእታዊ በጃ ኣቢሉ ብኸመይ ከም ዚድምስሶ ንምግላጽ ስእላዊ ቓላት ተጠቒሙ ኣሎ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ የሆዋ ኻብ ሓጢኣትና ኸም ዚሓጽበናን ከም ዜጽርየናን ተገሊጹ ኣሎ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሓጥኣን ኪነጽሁ ይኽእሉ። (መዝ. 51:7፣ ኢሳ. 4:4፣ ኤር. 33:8) የሆዋ ባዕሉ ነዚ ኺገልጾ ኸሎ እውን፡ “ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ፣ ከም ድሙቕ ቀይሕ ክዳን እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ጸምሪ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳ. 1:18) ቀይሕ ወይ ድሙቕ ቀይሕ ሕብሪ ንእተለኽየ ኽዳን ከም ዚጽዕዱ ምግባር ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ በዚ ስእላዊ ቓላት እዚ ኣቢሉ፡ ካብ ሓጢኣትና ምሉእ ብምሉእ ሓጺቡ ስለ ዜጽርየና ድሕሪ ደጊም ሓጢኣት ከም ዘይነበረና ኽንከውን ከም እንኽእል እዩ ገሊጹ።
10. የሆዋ ንዕቤት ይቕረታኡ ንምግላጽ እንታይ ካልእ ስእላዊ ቓላት ተጠቒሙ ኣሎ፧
10 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተገልጸ ሓጢኣት ምስ “ዕዳ” ተመሳሲሉ ኣሎ። (ማቴ. 6:12፡ እ.ጽ.፣ ሉቃ. 11:4፡ እ.ጽ.) ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሓጢኣት ክንገብር ከለና ኣብ ዕዳ ንሽመም ከም ዘለና ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ንሱ ኣዝዩ ብዙሕ ዕዳ እዩ ዚእውደና። ይቕረ ኺብለልና ኸሎ ግና፡ ክንከፍሎ ዚግብኣና ዝነበረ ዕዳና ኸም ዝሰረዘልና ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ይቕረ ንእተባህለ ሓጢኣትና ኸኣ ክንከፍሎ ደጊም ኣይሓትተናን እዩ። እዝስ ነቲ የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ ዚስምዓና እፎይታ ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጾ ደይኰነን!
11. መጽሓፍ ቅዱስ ሓጢኣትና ኸም ‘ዚድምሰሰልና’ ኺገልጽ ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 3:19)
11 የሆዋ ንዕዳና ወይ ንሓጢኣትና ይስርዞ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይድምስሶ እውን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19 ኣንብብ።) ዕዳ ኺስረዝ ከሎ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣሃዝ ዓብዪ X ከም እተገብረ ጌርና ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ ትሕቲ እቲ X ዘሎ ኣሃዝ ኪርአ ይከኣል እዩ። ይድምሰስ ኪብሃል ከሎ ግና ካብዚ እተፈልየ እዩ። እዚ ስእላዊ ቓል እዚ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ጥንቲ ዝነበረ ቐለም ካብ ካርቦንን ዕንዲዳን ማይን ዚዳሎ ምንባሩ ኽንዝክር ኣሎና። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ዚጸሓፍ ዝነበረ ጽሕፈት ብጥሉል ሰፍነግ ገይሩ ኺድምስሶ ይኽእል ነይሩ እዩ። እምበኣር፡ ዕዳና “ተደምሲሱ” ኺብሃል ከሎ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ማለት እዩ። ኣሰር እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ጽሑፍ ብዓይኒ ኺርአ ኣይከኣልን እዩ። ካብ መዝገብ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ እዩ። የሆዋ ንሓጢኣትና ኣብ ልዕሊ ምስራዙ ምሉእ ብምሉእ ዚድምስሶ ምዃኑስ ልቢ ዚትንኪ ደይኰነን!—መዝ. 51:9።
12. እቲ ምስ ብርቱዕ ደበና እተተሓሓዘ ስእላዊ ቓላት ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
12 የሆዋ ንሓጢኣትና ብኸመይ ከም ዚድምስሶ ንምግላጽ ተመሳሳሊ ስእላዊ ቓላት ተጠቒሙ ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ጥቕሲ፡ “ንኣበሳኻ ኸም ብደበና፡ ንሓጢኣትካ እውን ከም ብብርቱዕ ደበና ኽድምስሶ እየ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳ. 44:22) ስለዚ፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ሓጢኣትና ብብርቱዕ ደበና ኸም እተኸወለ ስለ ዚኸውን ካብ ዓይኒ ይስወር እዩ።
13. የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ እንታይ እዩ ዚስምዓና፧
13 እዚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ምሉእ ህይወትና ኣሰር እዚ ሓጢኣትና ጾይርና ኽንነብር ዘሎና ዀይኑ ኺስምዓና የብሉን። ብመሰረት ደም የሱስ ክርስቶስ ዕዳና ምሉእ ብምሉእ ይስረዘልና እዩ። እቲ ዕዳና እቲ ኻብ መዝገብ ከም እተሓክከ ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ካብ ሓጢኣትና ኽንንሳሕ ከለና፡ የሆዋ በዚ ኸምዚ እዩ ናይ ሓቂ ይቕረታ ዚገብረልና።
የሆዋ ነቲ ተበላሽዩ ዝነበረ ርክብ ናብ ጽቡቕ ይመልሶ
14. የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኸም ዚብለልና ኽንኣምን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
14 የሆዋ ዚገብሮ ናይ ሓቂ ይቕረታ ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ክንምስርት የኽእለና እዩ። ብናይ በደለኛነት ስምዒት እምብዛ ኸይንውሓጥ እውን ይሕግዘና እዩ። የሆዋ ንሕና ዘይንፈልጦ ቕሬታ ኸይህልዎ ወይ ንዓና ዚቐጽዓሉ መገዲ የናዲ ኸይህሉ ኢልና ኣይንሰግእን ኢና። ከምኡ ፈጺሙ ኣይገብርን እዩ። የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ፡ “ስሕተቶም ይቕረ ኽብል፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ” ኢሉና እዩ። (ኤር. 31:34) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ “ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ” ኢሉ ብምጽሓፍ ነዘን ቃላት ጠቒስወን ኣሎ። (እብ. 8:12) እዚ ግና ብሓቂ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧
15. የሆዋ ንሓጢኣትና ደጊም ኣይዝክሮን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
15 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ “ዘከረ” ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ነገር ትዝ ኢልዎ ወይ ብዛዕባ እቲ ነገር ሓሲቡ ማለት ጥራይ ከይከውን ይኽእል እዩ። የግዳስ፡ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ እውን ኬመልክት ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ጕንዲ እተሰቕለ ገበነኛ ንየሱስ፡ “የሱስ፡ መንግስትኻ ምስ ሓዝካ፡ ዘክረኒ” ኢሉ ለሚንዎ እዩ። (ሉቃ. 23:42, 43) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባኡ ኺሓስብ ጥራይ ኣይኰነን ዚልምኖ ነይሩ። እቲ የሱስ ዝሃቦ ምላሽ እውን ነቲ ገበነኛ ኻብ ምዉታት ከም ዜተንስኦ ዚእምት እዩ ነይሩ። እምበኣር፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ደጊም ከም ዘይዝክሮ ኺገልጽ ከሎ፡ ኣብ ልዕሌና ስጕምቲ ኸም ዘይወስድ እዩ ዚሕብር ነይሩ። ካብ ሓጢኣትና ሓንሳእ ይቕረ እንተ ኢሉልና፡ ብሰንኪ እቲ ሓጢኣት እቲ ደጊም ኣይቀጽዓናን እዩ።
16. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኻብ ናይ ሓቂ ይቕረታ ዚርከብ ናጽነት ብኸመይ ይገልጾ፧
16 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኻብ ናይ ሓቂ ይቕረታ ዚርከብ ናጽነት ንምግላጽ ካልእ ስእላዊ ቓላት ተጠቒሙ ኣሎ። ናብ ሓጢኣት ዝዘዘወ ባህርያትን ዝንባለን ስለ ዘሎና፡ “ባሮት ሓጢኣት” ተባሂልና ኣለና። ሳላ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ይቕረታ ግና፡ ከምቶም “ካብ ሓጢኣት ሓራ [ዝወጹ]” ባሮት ኢና። (ሮሜ 6:17, 18፣ ራእ. 1:5) እወ፡ እቲ የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ ኻብ ባርነት ሓራ ምውጻእ ዜምጽኦ ሓጐስ እዩ ዚፈጥረልና።
17. ይቕረታ ምስ ተገብረልና፡ ብኸመይ ኢና እንሓዊ፧ (ኢሳይያስ 53:5)
17 ኢሳይያስ 53:5 ኣንብብ። እቲ ሕጂ እንምርምሮ ናይ መወዳእታ ስእላዊ ቓላት፡ ዘይምሕር ሕማም ምስ ዘለዎም ሰባት እዩ ዜመሳስለና። ሳላ እቲ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ዝሃበና መስዋእታዊ በጃ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸም ዝሓወና ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:24) እቲ በጃ፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ክንምስርት የኽእለና እዩ። እዚ ርክብ እዚ ኸኣ፡ ብሰሪ መንፈሳዊ ሕማም ተበላሽዩ እዩ ነይሩ። ከምቲ ኻብ ከቢድ ሕማሙ ዝሓወየ ሰብ ኣዝዩ ዚሕጐስ፡ ንሕና እውን ሳላ ይቕረታ የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ምስ ሓወናን ስምረቱ ምስ ረኸብናን ኣዚና ኢና እንሕጐስ።
ይቕረታ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ትርጉም
18. ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ይቕረታ የሆዋ ዚገልጽ ስእላዊ ቓላት እንታይ ተማሂርና፧ (“የሆዋ ብኸመይ ይቕረ ይብለልና፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
18 ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ይቕረታ የሆዋ ዚገልጽ ስእላዊ ቓላት እንታይ ተማሂርና፧ የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ፡ ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን እዩ በደል ዚሓድግ። እዚ ድማ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና ጽቡቕ ርክብ ክንምስርት የኽእለና እዩ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ናይ ሓቂ ይቕረታ ውህበት እዩ። ንሕና ሓጥኣን ሰባት ስለ ዚግብኣና ዘይኰነስ፡ የሆዋ ብፍቕሩን ብጸጋኡን ተደሪኹ እዩ ዚህበና። ስለዚ፡ ሰባት ንይቕረታ የሆዋ ኸም መሰሎም ገይሮም ኪጠልብዎ ዚግባእ ኣይኰነን።—ሮሜ 3:24።
19. (ሀ) ነየናይ ኢና ኸነመስግነሉ ዘሎና፧ (ሮሜ 4:8) (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
19 ሮሜ 4:8 ኣንብብ። የሆዋ “ናይ ሓቂ ይቕረታ” ዚገብር ኣምላኽ ብምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነመስግን ዘሎና! (መዝ. 130:4) ይቕረታ ምርካብ ግና፡ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ነገር እተመርኰሰ እዩ። የሱስ፡ “ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓዲግኩምሎም ግና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣቦኹም በደልኩም ኣይኪሓድገልኩምን እዩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 6:14, 15) እምበኣር፡ ይቕረታ ብምግባር ዝመጸ፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ ኣሎና። ግናኸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንገብር፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባኡ ኽንምሃር ኢና።
መዝሙር 46 ነመስግነካ የሆዋ
a ኣብቲ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ዘላ “ይቕረታ” እትብል ቃል፡ የሆዋ በይኑ በዚ ኸም ዚጽዋዕ ዚእምት ኣቃውማ ግሲ ስለ ዘለዋ፡ ካልእ ዓይነት ይቕረታ እኳ እንተሎ፡ እዚ ጥራይ ናይ ሓቂ ይቕረታ ምዃኑ ይእምት። ብዙሕ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እኳ እንተ ሰሓቶ፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ግና ካብ ካልኦት ትርጉማት ፍልይ ብዝበለ መገዲ ብምትርጓም ኣብ መዝሙር 130:4 ነዚ ሓሳብ እዚ ዓቂብዎ ኣሎ።