ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 28

ሓቂ ኸም ዝሓዝካ እመን

ሓቂ ኸም ዝሓዝካ እመን

“በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ።”—2 ጢሞ. 3:14

መዝሙር 56 ንሓቂ ኣጥርያ

መላለዪ *

1. “ሓቂ” ኽንብል ከለና እንታይ ማለትና ኢና፧

“ሓቂ ብኸመይ ፈሊጥካ፧” “ኣብ ሓቂ ዲኻ ዓቢኻ፧” “ኣብ ሓቂ ኽንደይ ጌርካ፧” ነዘን ሕቶታት እዚአን ንኻልኦት ሓቲትካ ወይ ንስኻ ተሓቲትካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። “ሓቂ” ኽንብል ከለና እንታይ ማለትና ኢና፧ ብሓፈሻኡ፡ ንእምነትናን ንኣምልኾናን ንኣነባብራናን ንምግላጽ ንጥቀመላ ኢና። “ኣብ ሓቂ” ዘለዉ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ይፈልጡ፡ ብስርዓታቱ እውን ይመላለሱ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ካብ ሃይማኖታዊ ሓሶት ሓራ እዮም፡ ዘይፍጹማት ሰባት ኪረኽብዎ ዚኽእሉ ብሉጽ ህይወት እውን ይረኽቡ እዮም።—ዮሃ. 8:32

2. ብመሰረት ዮሃንስ 13:34, 35፡ ሓደ ሰብ ኣብ መጀመርታ ብምንታይ ናብ ሓቂ ኺስሓብ ይኽእል፧

2 ኣብ መጀመርታ ናብ ሓቂ ዝሰሓበካ እንታይ እዩ፧ ምናልባት ጽቡቕ ኣካይዳ ህዝቢ የሆዋ ይኸውን። (1 ጴጥ. 2:12) ወይ ከኣ ምናልባት ንዓኻ ዘርኣዩኻ ፍቕሪ ይኸውን። ብዙሓት ሰባት ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣኼባና ምስ ተኣከቡ ነታ ፍቕሪ እቲኣ የስተብህሉላ እዮም፣ ካብቲ ኣብ መድረኽ ዚቐርብ ትምህርቲ ንላዕሊ ድማ ነባሪ ጦብላሕታ ትሓድገሎም እያ። የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ፡ በታ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ኸም ዚልለዩ ስለ ዝገለጸ፡ እዚ ዘይንጽበዮ ኣይኰነን። (ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ።) ድልድልቲ እምነት ክትህልወና እንተ ዀይና ግና፡ ተወሳኺ ነገር የድልየና እዩ።

3. ኣብ ኣምላኽ ዘላትና እምነት ኣብታ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜርእይዋ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ጥራይ እተመስረተት እንተ ዀይና እንታይ ኬጋጥም ይኽእል፧

3 እምነትና ኣብታ ንህዝቢ ኣምላኽ ዘላትና ክርስትያናዊት ፍቕሪ ጥራይ ኣይኰነትን ክትምስረት ዘለዋ። ስለምንታይ፧ ነዚ ንምርዳእ፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይና፡ ምናልባት እውን ሓደ ሽማግለ ወይ ሓደ ፈላሚ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ ንበል። ወይ ሓደ ሓው ብገለ ይጐድኣና ንበል። ወይ ሓደ ሰብ ከሓዲ ይኸውን እሞ ሓቂ ኸም ዘይብልና ኺዛረብ ጀሚሩ ንበል። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙ፡ ክትዕንቀፍን ንየሆዋ ምግልጋል ክትሓድጎን ዲኻ፧ ኣብዚ ኺመሓላለፍ እተደልየ ትምህርቲ ንጹር እዩ፦ ኣብ ኣምላኽ ዘላትካ እምነት ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ዘይኰነስ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ሰባት ዚገብርዎ ተግባራት እንተ ተሃኒጹ፡ እምነትካ ድልድልቲ ኣይትኸውንን እያ። ነታ ብቤት እትምሰል እምነትካ፡ ከም ስምዒታት ብዝኣመሰለ ልምሉም ናውቲ ህንጸት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ጭቡጥ ሓቅታትን ጽኑዕ መርትዖታትን ብዝኣመሰለ ተሪር ናውቲ ህንጸት ህነጻ። እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ሒዙ ኸም ዘሎ፡ መርሚርካ ኽትፈልጥ ኣሎካ።—ሮሜ 12:2

4. ብመሰረት ማቴዎስ 13:3-6, 20, 21፡ ገሊኦም በቲ ኣብ እምነቶም ዜጋጥሞም ፈተናታት ዚጽለዉ ብኸመይ እዮም፧

4 ገሊኦም ሰባት ኣብ ፈለማ ንሓቂ “ብሓጐስ” ከም ዚቕበሉ፡ ደሓር ምስ ተፈተኑ ግና እምነቶም ከም እትሓርር የሱስ ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 13:3-6, 20, 21 ኣንብብ።) ምናልባት ንየሱስ ምስዓብ ብድሆታትን ጸገማትን ከም ዜምጽእ ኣይፈለጡን ነይሮም ይዀኑ። (ማቴ. 16:24) ወይ ከኣ ክርስትያን ምስ ኰንካ፡ ካብ ሽግር ሓራ ዝዀነ ህይወት ከም እትመርሕ፡ ማለት በረኸት ጥራይ ዘለዎ እምበር ብድሆታት ዘይብሉ ህይወት ከም እትመርሕ ይመስሎም ነይሩ ይኸውን። ኣብዛ ዘይፍጽምቲ ዓለም ግና፡ ብድሆታት ኣሎ። ኵነታት ኪቀያየር፡ ንሓጐስና እውን ንግዜኡ ኺንክዮ ይኽእል እዩ።—መዝ. 6:6፣ መክ. 9:11

5. መብዛሕትኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓቂ ኸም ዝሓዙ ዚኣምኑ ምዃኖም ዜረጋግጽ እንታይ እዩ፧

5 መብዛሕትኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓቂ ኸም ዝሓዙ ይኣምኑ እዮም። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ሓደ ክርስትያን ብጻዮም እንተ ጐዲእዎም ወይ ብዘይክርስትያናዊ ኣካይዳ እንተ ተመላሊሱ፡ እምነቶም ሰንከልከል ኣይትብልን እያ። (መዝ. 119:165) ፈተና ብዘጋጠሞም መጠን፡ እምነቶም ትሕይል እምበር፡ ኣይትደክምን እያ። (ያእ. 1:2-4) ከመይ ጌርካ ደኣ ኢኻ ኸምዚኣ ዓይነት ሓያል እምነት ክትሃንጽ እትኽእል፧

“ልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ” ርኸብ

6. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ንእምነቶም ኣብ ምንታይ እዮም ሃኒጾምዋ፧

6 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ንእምነቶም ኣብቲ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋትን ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስን ዝነበሮም ፍልጠት፡ ማለት “ኣብ ሓቂ እቲ ብስራት” እዮም ሃኒጾምዋ። (ገላ. 2:5) እዚ ሓቂ እዚ ንብዘሎ ክርስትያናዊ ትምህርትታት፡ እንተላይ ነቲ ብዛዕባ መስዋእታዊ በጃ የሱስን ትንሳኤኡን ዚገልጽ ሓቅታት የጠቓልል። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እዚ ትምህርትታት እዚ ሓቂ ምዃኑ ይኣምን ነይሩ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ‘ክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ እናጠቐሰ ኬረድእ’ ይኽእል ነይሩ እዩ። (ግብ. 17:2, 3) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ትምህርትታት ተቐቢሎምዎ ነይሮም እዮም፣ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኺርድኦም ድማ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ይውከሉ ነይሮም እዮም። እዚ ትምህርትታት እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምዃኑ መርሚሮም ኪፈልጡ ኽኢሎም እዮም። (ግብ. 17:11, 12፣ እብ. 5:14) ንእምነቶም ኣብ ስምዒታት ጥራይ ኣይሃነጹን፣ ምስ ክርስትያናት ብጾቶም ኪዀኑ ኸለዉ ጽቡቕ ስለ ዚስምዖም ጥራይ ኢሎም እውን ኣይኰኑን ንየሆዋ ኣገልጊሎምዎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እምነቶም ኣብ “ልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ” እያ ተሃኒጻ።—ቈሎ. 1:9, 10

7. ኣብ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና እምነት እንታይ ኪገብረልና ይኽእል፧

7 ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ኣይቅየርን እዩ። (መዝ. 119:160) ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይና እንተ ኣጕህዩና ወይ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ፡ እቲ ሓቅታት እቲ ኣይቅየርን እዩ። ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ኣይቅየርን እዩ። ስለዚ፡ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦን ሓቂ ምዃኑ ኽንኣምነሉን ኣሎና። ከምቲ ማዕበል ኪናወጽ ከሎ መልህቕ ንመርከብ ዜጽንዓ፡ ኣብ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ እተሃንጸት ጽንዕቲ እምነትና እውን ኣብ እዋን ፈተና ተጽንዓና እያ። እሞ ደኣ ንስኻ ሓቂ ኸም ዝሓዝካ ኸመይ ጌርካ እምነትካ ኸተደልድል ትኽእል፧

‘እመነሉ’

8. ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ጢሞቴዎስ ሓቂ ኸም ዝሓዘ ብኸመይ እዩ ኣሚኑ፧

8 ጢሞቴዎስ ሓቂ ኸም ዝሓዘ ይኣምን ነይሩ እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ናብቲ መደምደምታ እቲ በጺሑ፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15 ኣንብብ።) ኣብ መጀመርታ፡ ኣዲኡን ዓባዩን እየን ትምህርትታት “ቅዱሳት ጽሑፋት” ምሂረናኦ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ጽሑፋት እቲ ንምጽናዕ፡ ግዜን ጕልበትን ኣህሊኹ ኪኸውን ኣለዎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሓቂ ምዃኑ ‘ኣሚኑሉ’ እዩ። ድሕርዚ፡ ጢሞቴዎስን ኣዲኡን ዓባዩን ብዛዕባ ትምህርትታት ክርስትና ፈለጡ። ጢሞቴዎስ በቲ ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ኸም እተደነቐ ኣየጠራጥርን እዩ፣ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ንምቅርራብ እውን ብርቱዕ ድሌት ነይርዎ እዩ። (ፊል. 2:19, 20) ኰይኑ ግና፡ እምነቱ ኣብቲ ንሰባት ዘለዎ ስምዒት ጥራይ ዘይኰነትሲ፡ ኣብቲ ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ሓቅታት እተመስረተት እያ ነይራ። ንስኻ እውን ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም እተምሃርካ ዜእምን ሓሳብ ክትረክብ ኣሎካ።

9. እንታይ ሰለስተ መሰረታዊ ሓቅታት ኢኻ መርሚርካ ኽትፈልጥ ዘሎካ፧

9 ኣብ ፈለማ፡ እንተ ወሓደ ሰለስተ መሰረታዊ ሓቅታት መርሚርካ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ቀዳማይ፡ የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪ ዅሉ ምዃኑ ኽትኣምን ኣሎካ። (ዘጸ. 3:14, 15፣ እብ. 3:4፣ ራእ. 4:11) ካልኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እተዋህበ መልእኽቲ ምዃኑ መርሚርካ ኽትፈልጥ ኣሎካ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ሳልሳይ፡ የሆዋ ኣብ ትሕቲ ርእስነት ክርስቶስ ኰይኖም ዜምልኽዎ ጕጅለ ሰባት ከም ዝወደበ፡ ንሳቶም እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑ ኸተረጋግጽ ኣሎካ። (ኢሳ. 43:10-12፣ ዮሃ. 14:6፣ ግብ. 15:14) ነዚ መሰረታዊ ሓቅታት እዚ መርሚርካ ንምርግጋጽ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ኽትፈልጥ ኣየድልየካን እዩ። ዕላማኻ ‘ብኣእምሮኻ’ ተጠቒምካ ሓቂ ኸም ዝሓዝካ ዘሎካ እምነት ምሕያል ኪኸውን ኣለዎ።—ሮሜ 12:1

ንኻልኦት ከተእምን ተዳሎ

10. ሓቂ ኣብ ርእሲ ምፍላጥና፡ ንኻልኦት እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

10 ነዚ ብዛዕባ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ህዝቢ ኣምላኽን ዚምልከት ሰለስተ መሰረታዊ ሓቅታት እዚ መርሚርካ ምስ ፈለጥካ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርካ ነዚ ሓቅታት እዚ ንኻልኦት መረጋገጺ ኸተቕርብ ኣሎካ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ እቲ ዝፈለጥናዮ ሓቂ ንዚሰምዑና ናይ ምምሃር ሓላፍነት ኣሎና። * (1 ጢሞ. 4:16) ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነእምኖም ክንፍትን ከለና ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ ሓቅታት ዘሎና እምነት ነደልድል ኢና።

11. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣመሃህራኡ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

11 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰባት ኪምህር ከሎ፡ “ካብ ሕጊ ሙሴን ካብ ነብያትን ብዛዕባ የሱስ ምእንቲ ኼእምኖም” ይጽዕር ነይሩ እዩ። (ግብ. 28:23) ንሕና ንሰባት ሓቂ ኽንምህር ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ንጳውሎስ ክንመስሎ እንኽእል፧ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንጋር ጥራይ ክንዓግብ የብልናን። እቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ተምሃሮና ንየሆዋ ኪቐርብዎ ኪጽዕሩ ኸለዉ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመስሪቶም ምእንቲ ኺሓስቡ ኽንሕግዞም ኣሎና። ንዓና ስለ ዜድንቑና ሓቂ ኪቕበሉ ኣይኰንናን እንደልዮም፣ የግዳስ፡ ሓቅነት እቲ ብዛዕባ ፈቃር ኣምላኽና ዚምሃርዎ ትምህርቲ መርሚሮም ስለ ዝፈለጡ ኢና ሓቂ ኪቕበሉ እንደልዮም።

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብዛዕባ እቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ብምምሃር፡ ሓያል እምነት ኬማዕብሉ ሓግዝዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ) *

12-13. ወለዲ ንደቆም ኣብ ሓቂ ኺጸንዑ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

12 ኣቱም ወለዲ፡ ውሉዳትኩም ኣብ ሓቂ ኺጸንዑ ኸም እትደልይዎም ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ ጉባኤ ጥዑያት ኣዕሩኽ እንተ ረኺቦም፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ከም ዚገብሩ ትሓስቡ ትዀኑ። እንተዀነ ግና፡ ውሉዳትኩም ሓቂ ኸም ዝሓዙ ኺኣምኑ እንተ ዀይኖም፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ካብ ምርካብ ንላዕሊ የድልዮም እዩ። እወ፡ ምስ ኣምላኽ ብብሕቲ ርክብ ኪምስርቱን ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ኺኣምኑን ኣለዎም።

13 ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ኺምህርዎም እንተ ዀይኖም፡ ንሳቶም ንባዕሎም ንፉዓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዃን ኣብነት ኪዀንዎም ኣለዎም። ነቲ እተማህርዎ ግዜ ወሲዶም ኬስተንትኑሉ ኣለዎም። ድሕሪኡ፡ ንደቆም ተመሳሳሊ ነገር ንምግባር ኪምህርዎም ይኽእሉ እዮም። ከምቲ ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዜሰልጥንዎ፡ ንደቆም እውን ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ዚሕግዝ ናውቲ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ ኺምህርዎም ኣለዎም። ከምኡ ምስ ዚገብሩ፡ ንየሆዋን ነቲ መንፈሳዊ ምግቢ ንምሃብ ዚጥቀመሉ መትረብ ዝዀነ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ”ን ሞሳ ኼሕድሩ ይሕግዝዎም እዮም። (ማቴ. 24:45-47) ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ብምምሃር ኣይትዕገቡ። ከከም ዕድሚኦምን ክእለቶምን፡ ብዛዕባ እቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ብምምሃር፡ ሓያል እምነት ኬማዕብሉ ሓግዝዎም።—1 ቈረ. 2:10

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ

14. ስለምንታይ ኢና ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ዘሎና፧ (“ ነዚ ትንቢታት እዚ ኽትገልጾዶ ትኽእል፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

14 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ የሆዋ ሓያል እምነት ክንሃንጽ ዜኽእለና ኣገዳሲ ኽፋል ቃል ኣምላኽ እዩ። እሞኸ እንታይ ትንቢታት እዩ ንእምነትካ ኣሐዪልዋ፧ ነቲ ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚገልጽ ትንቢታት ትጠቅስ ትኸውን። (2 ጢሞ. 3:1-5፣ ማቴ. 24:3, 7) እንታይ ካልእ ትንቢታት ግና እዩ ንእምነትካ ኼሐይላ ዚኽእል፧ ንኣብነት፡ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 2 ወይ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 11 ዚርከብ ትንቢታት ካብ ሕሉፍ ግዜ ኣትሒዙ ሕጂ እውን ብኸመይ ይፍጸም ከም ዘሎ ኽትገልጾዶ ትኽእል፧ * ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብጽኑዕ ዝሰረተት እምነት እንተ ኣልያትካ፡ እታ እምነት እቲኣ ዘይትስበር እያ እትኸውን። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ጀርመን ከቢድ መስጐጕቲ ዘሕለፉ ኣሕዋት ዝሓደግዎ ኣብነት እስከ ንርአ። ነቲ ምስ ዳሕሮት መዓልትታት እተተሓሓዘ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድእዎ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ግና ሓያል እምነት ነይርዎም እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብ ትንቢታቱ እንገብሮ መጽናዕቲ፡ ኣብ እዋን ፈተና፡ እምንቶ ኸነሕድር የኽእለና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-17 ርአ) *

15-17. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ካብ ናዚ መስጐጕቲ ዝወረዶም ኣሕዋትና ብርታዐ ዝሃቦም ብኸመይ እዩ፧

15 ጀርመን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናዚ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣሽሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ መዳጐኒ ደምበታት ተላኢኾም እዮም። ሂትለርን ሓለቓ ኤስ.ኤስ. ዝነበረ ሃይንሪክ ሂምለርን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ይጸልእዎም ነይሮም እዮም። ሓንቲ ሓብቲ ኸም ዝገለጸቶ፡ ሂምለር ኣብ መዳጐኒ ደምበ ንዝነበራ ኣሓት፡ “የሆዋኽን ኣብ ሰማይ ነጊሱ ይህሉ ይኸውን፣ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ግና ንሕና ኢና እንገዝእ! ካባኻትክን ወይ ካባና መንና ንዝነውሐ ኸም ዚጸንዕ ክንርኢ ኢና!” ኢልወን እዩ። እሞ ደኣ ንህዝቢ የሆዋ እሙናት ኪዀኑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

16 እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እቲኦም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ክትገዝእ ከም ዝጀመረት ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እቲ ዘጋጠሞም ብርቱዕ ምጽራር ከኣ ኣየሰምበዶምን። ኰይኑ ግና፡ ህዝቢ የሆዋ፡ ሰብኣዊ መንግስቲ ንዕላማ ኣምላኽ ኪዓግቶ ኸም ዘይክእል ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ ሂትለር ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺድምስስ ወይ ንመንግስቲ ኣምላኽ እተወግድ መንግስቲ ኬቕውም ከም ዘይክእል፡ ግዝኣት ሂትለር እንተ በዚ እንተ በቲ ኸም ዜብቅዕ ይኣምኑ ነይሮም እዮም።

17 እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝነበሮም እምነት ግጉይ ኣይነበረን። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ስርዓት ናዚ ፈረሰ፣ እቲ፡ “ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ግና ንሕና ኢና እንገዝእ!” ዝበለ ሃይንሪክ ሂምለር ድማ ህይወቱ ንምድሓን ኪሃድም ተገደደ። ኪሃድም ከሎ ኸኣ፡ እሱር ምስ ዝነበረ ሓውና ሉብከ ተራኸበ፣ መን ምዃኑ እውን ኣለለዮ። ሽዑ፡ ሂምለር በቲ ዘጋጠሞ ተዳሂሉ ንሓውና ሉብከ፡ “ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጂ ደኣ እንታይ ይገበር፧” በሎ። ሓውና ሉብከ ድማ ንሂምለር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቀደም ኣትሒዞም ስርዓት ናዚ ኸም ዚፈሽልን ንሳቶም ሓራ ኸም ዚዀኑን ይፈልጡ ምንባሮም ገለጸሉ። እቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓጀውጀው ዚብል ዝነበረ ሂምለር፡ ምላሽ ስኢኑ ኣጽቀጠ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ገዛእ ርእሱ ቐተለ። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብ ትንቢታቱ እንገብሮ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ሓያል እምነት ክንሃንጽ የኽእለና፡ ኣብ እዋን ፈተና እውን እምንቶ የሕድረልና።—2 ጴጥ. 1:19-21

18. ኣብ ዮሃንስ 6:67, 68 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ጳውሎስ ጠቒስዎ ዘሎ ‘ልክዕ ፍልጠትን ምሉእ ምስትውዓልን’ ዜድልየና፧

18 ነፍሲ ወከፍና ነታ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀነት ፍቕሪ ኸነርኢ ኣሎና። ብዘይካዚ ግና፡ ‘ልክዕ ፍልጠትን ምሉእ ምስትውዓልን’ እውን የድልየና እዩ። (ፊል. 1:9) እንተ ዘይኰይኑ፡ “ብጥበራ ሰብ . . . ብዅሉ ንፋስ ትምህርቲ፡” እንተላይ ብጥበራ ኸሓድቲ ኽንጽሎ ኢና። (ኤፌ. 4:14) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ምስዓቡ ምስ ሓደግዎ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “ንስኻ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል ኣሎካ” ብምባል ኣብኡ ዝነበሮ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ እዩ። (ዮሃንስ 6:67, 68 ኣንብብ።) ጴጥሮስ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዅሉ እቲ ቓል እቲ ብዝርዝር እኳ እንተ ዘይተረድኦ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ እቲ ሓቂ ኣስተውዒሉ ብምንባሩ ግና ብተኣማንነት ጸኒዑ እዩ። ንስኻ እውን ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርትታት ዘሎካ እምነት ከተድልድል ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ እምነትካ ኣብ እዋን ፈተና ኽትጸንዕ እያ፣ ንኻልኦት እውን ሓያል እምነት ኪሃንጹ ኽትሕግዝ ኢኻ።—2 ዮሃ. 1, 2

መዝሙር 72 ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ነፍልጥ

^ ሕ.ጽ. 5 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ኸተረድኣና እያ። እቲ እንኣምነሉ ነገራት ሓቂ ምዃኑ ዘሎና እምንቶ ብኸመይ ከም እነደልድል እውን ክትገልጽ እያ።

^ ሕ.ጽ. 10 ብዛዕባ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ንምርዳእ፡ ነቲ ኻብ 2010 ኽሳዕ 2015 ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እትወጽእ ዝነበረት “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ” ዘርእስታ ዓምዲ ርአ። ገለ ኻብቲ ኣብኡ ዚርከብ ርእሰ ነገራት፡ “የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧” “መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧” “ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ኣእትዩ ድዩ ዚቐጽዖም፧” ዚብል ኪጥቀስ ይከኣል።

^ ሕ.ጽ. 14 ብዛዕባ እዚ ትንቢታት እዚ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናይ 15 ሰነ 2012ን ናይ ግንቦት 2020ን ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ወለዲ ምስ ደቆም ብዛዕባ ብርቱዕ ጸበባ ዚገልጽ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ብርቱዕ ጸበባ፡ እቶም ኣባላት ስድራ ቤት እቲኦም በቲ ዚኸውን ነገራት ኣይስምብዱን።