ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

መዓስ እዩ የሱስ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ፧ ኣብ መንጎ እቲ ሓድሽ ኪዳን ዝጸንዓሉን እተመረቐሉን ግዜኸ ፍልልይ ኣሎዶ፧

የሱስ ብ29 ድ.ክ. ኣብ እተጠምቀሉ ግዜ ሊቀ ኻህናት ከም ዝዀነ፡ መርትዖ ኣሎ። እንታይ መርትዖ እዩ ዘሎ፧ ኪጥመቕ ከሎ፡ ገዛእ ርእሱ ኣብቲ ምሳልያዊ መሰውኢ ዝዀነ “ፍቓድ” ኣምላኽ ኣቕሪቡ እዩ። (ገላ. 1:4፣ እብ. 10:5-10) እቲ ምሳልያዊ መሰውኢ ኻብቲ የሱስ እተጠምቀሉ እዋን ኣትሒዙ ህልውናኡ ስለ ዝጀመረ፡ እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ፡ ማለት እቲ ብመሰረት እቲ በጃ ዝቘመ መሰናድዎ ንጹህ ኣምልኾ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ህልውናኡ ጀሚሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ መሰውኢ፡ ኣገዳሲ መዳይ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እዩ።—ማቴ. 3:16, 17፣ እብ. 5:4-6

እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ምስ ቈመት፡ ኣብኣ ዜገልግል ሊቀ ኻህናት የድሊ እዩ። ስለዚ ድማ፡ የሱስ “ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን” ተቐብአ። (ግብ. 10:37, 38፣ ማር. 1:9-11) ኰይኑ ግና፡ የሱስ ቅድሚ ሞቱን ትንሳኤኡን ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም እተሸመ ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ሊቀ ኻህናት ኰይኖም ዘገልገሉ ኣሮንን ተካእቱን ዝሓደግዎ ኣብነት ክንርኢ ኸለና፡ ሓደ ዜእምን ምኽንያት ንረክብ ኢና።

ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ናብታ ፈለማ ኣብ ማሕደር፡ ደሓር ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ እትርከብ ቅድስተ ቕዱሳን ኪኣቱ ዚኽእል ዝነበረ፡ ሊቀ ኻህናት ጥራይ እዩ። እታ ኽፍሊ እቲኣ ኻብታ ቕድስቲ ብመጋረጃ እያ እትፍለ ነይራ። እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ጥራይ እዩ ኽንየው እቲ መጋረጃ ዚኣቱ ዝነበረ። (እብ. 9:1-3, 6, 7) ከምቲ ኣሮን ተካእቱን “በቲ [ኣብቲ ማሕደር ዝነበረ ቓል ብቓሉ] መጋረጃ” ቕድሚ ምእታዎም ሊቀ ኻህናት ኰይኖም እተቐብኡ፡ የሱስ ከኣ ቅድሚ ሙማቱን “በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ” ናብ ሰማያዊ ህይወት ቅድሚ ምሕላፉን ሊቀ ኻህናት እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኰይኑ ተሸይሙ ኪኸውን ኣለዎ። (እብ. 10:20) ስለዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሱስ፡ “ሊቀ ኻህናት” ኰይኑ ኸም ዚመጽእ፡ “በታ ብኢድ ዘይተገብረት . . . ዝዓበየትን ዝያዳ ፍጽምትን ድንኳን” ሓሊፉ ኸኣ ናብ “ሰማይ” ከም ዚኣቱ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—እብ. 9:11, 24

ኣብ መንጎ እቲ ሓድሽ ኪዳን ዝጸንዓሉን እተመረቐሉን ግዜ ፍልልይ የልቦን። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ እሞ ፍጽምቲ ህይወቱ ምእንታና ምስ ሃበ፡ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ዜጽንዕ ወይ ሕጋዊ ዚገብር መስርሕ እዩ ጀሚሩ። እቲ መስርሕ እቲ ኸኣ ነቲ ኺዳን ኣመሪቕዎ ወይ ዕዮ ኣጀሚርዎ እዩ። ኣብቲ መስርሕ እቲ እንታይ ስጕምትታት እዩ ተጠቓሊሉ ዚርከብ፧

ቀዳማይ፡ የሱስ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተራእየ፣ ድሕሪኡ፡ የሱስ ዋጋ መስዋእቱ ንየሆዋ ኣቕረበሉ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ የሆዋ ንዋጋ እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ተቐበሎ። እዚ ስጕምታት እዚ ኽሳዕ ዚውሰድ፡ እቲ ሓድሽ ኪዳን ኪዓዪ ኣይጀመረን ነይሩ።

የሆዋ ንዋጋ መስዋእቲ የሱስ መዓስ ከም እተቐበሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ኣይነግረናን እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሓድሽ ኪዳን መዓስ ከም ዝጸንዐ ወይ ኪዓዪ ኸም ዝጀመረ ብልክዕ ግዜ ጠቒስና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ካብ ጰንጠቈስጠ ዓሰርተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ ንፈልጥ ኢና። (ግብ. 1:3) እምበኣር፡ ኣብቲ ውሽጢ ሓጺር እዋን እቲ፡ ዋጋ መስዋእቱ ንየሆዋ ኣቕሪቡሉስ፡ ንሱ ተቐቢልዎ እዩ። (እብ. 9:12) እዚ ሓድሽ ኪዳን ኪዓዪ ኸም ዝጀመረ ዜረጋግጽ መርትዖ ድማ፡ ኣብ ጰንጠቈስጠ ብርኡይ ተጋሂዱ እዩ። (ግብ. 2:1-4, 32, 33) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓድሽ ኪዳን ብግሁድ ቈይሙስ ይዓዪ ነይሩ እዩ።

እምበኣር፡ እቲ ሓድሽ ኪዳን፡ የሆዋ ንዋጋ እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ምስ ተቐበሎን ንቕቡኣት ኣብቲ ኺዳን እቲ ምስ ኣእተዎምን እዩ ጸኒዑን ተመሪቑን። ሽዑ ኸኣ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ እተሸመ የሱስ መንጎኛ ኰይኑ እናኣገልገለ፡ እቲ ኺዳን ኪዓዪ ጀመረ።—እብ. 7:25፣ 8:1-3, 6፣ 9:13-15