ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 30

በታ ሓቂ ተመላለስ

በታ ሓቂ ተመላለስ

“ደቀይ በታ ሓቂ ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዚዓቢ ሓጐስ የብለይን።”—3 ዮሃ. 4

መዝሙር 54 “እታ መገዲ እዚኣ እያ”

መላለዪ *

1. ኣብ 3 ዮሃንስ 3, 4 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ እንታይ እዩ ዜሐጕሰና፧

ሃዋርያ ዮሃንስ፡ እቶም ሓቂ ኺፈልጡ ዝሓገዞም ሰባት ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግልዎ ኸም ዘለዉ ምስ ፈለጠ፡ ክሳዕ ክንደይ ሓጐስ ከም እተሰምዖስ ክትግምትዶ ትኽእል፧ ንሳቶም ብዙሕ ጸገማት ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ፣ ዮሃንስ ከኣ ንእምነት እቶም መንፈሳውያን ደቁ ዝዀኑ እሙናት ክርስትያናት ንምሕያል ይጽዕር ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ብስጋ ወይ ብመንፈስ ደቅና ዝዀኑ፡ ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩን ጸኒዖም ኬገልግልዎን ከለዉ ንሕጐስ ኢና።—3 ዮሃንስ 3, 4 ኣንብብ።

2. ዕላማ እተን ዮሃንስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት እንታይ እዩ ነይሩ፧

2 ብ98 ድ.ክ.፡ ዮሃንስ ኣብ ኤፌሶን ወይ ኣብ ጥቓኡ እዩ ዚነብር ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ካብታ ተሓዪሩላ ዝነበረ ደሴት ጳጥሞስ ምስ ተፈትሐ እዩ ናብኡ ግዒዙ ኪኸውን ዚኽእል። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ብድራኸ መንፈስ የሆዋ ሰለስተ መልእኽትታት ጽሒፉ እዩ። ዕላማ እተን መልእኽትታት እቲአን ድማ፡ እሙናት ክርስትያናት ኣብ የሱስ ዘለዎም እምነት ኪዕቅቡን በታ ሓቂ ኺመላለሱን ንምድራኽ እዩ ነይሩ።

3. ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረኽበለን፧

3 ዮሃንስ መወዳእታ ብህይወት ዝተረፈ ሃዋርያ እዩ ነይሩ፣ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓሶት መምህራን ኣብ ጉባኤታት ዜሕድርዎ ዝነበሩ ጽልዋ እውን ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ እዩ። * (1 ዮሃ. 2:18, 19, 26) እዞም ከሓድቲ እዚኦም ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ይዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ትእዛዛቱ ግና ኣይሕልዉን እዮም ነይሮም። ሕጂ፡ ነቲ ዮሃንስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዝሃቦ ምኽሪ እስከ ንመርምር። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ንሰለስተ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበለን ኢና፦ በታ ሓቂ ምምልላስ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ዜጋጥመና፧ በታ ሓቂ ንምምልላስከ ንሓድሕድና ብኸመይ ክንተሓጋገዝ ንኽእል፧

በታ ሓቂ ምምልላስ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4. ብመሰረት 1 ዮሃንስ 2:3-6ን 2 ዮሃንስ 4, 6ን፡ በታ ሓቂ ምምልላስ እንታይ የጠቓልል፧

4 በታ ሓቂ ንምምልላስ፡ ነቲ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኽንፈልጦ ኣሎና። ብተወሳኺ ድማ፡ ‘ትእዛዛት የሆዋ ኽንሕሉ’ ኣሎና። (1 ዮሃንስ 2:3-6፣ 2 ዮሃንስ 4, 6 ኣንብብ።) ንየሆዋ እዙዝ ብምዃን ዝመጸ፡ የሱስ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ስለዚ፡ ንየሆዋ እዙዛት እንዀነሉ ሓደ ኣገዳሲ መገዲ፡ ብእተኻእለና መጠን ኣስኣሰር የሱስ ብምስዓብ እዩ።—ዮሃ. 8:29፣ 1 ጴጥ. 2:21

5. እንታይ ኢና ኽንኣምን ዘሎና፧

5 በታ ሓቂ ንምምልላስ፡ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ዚነግረና ዅሉ እውን ሓቂ ምዃኑ ኽንኣምን ኣሎና። የሱስ እቲ እተተስፈወ መሲሕ ምዃኑ እውን ክንኣምን ኣሎና። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኸም እተቐብአ ይጠራጠሩ እዮም። ዮሃንስ “ብዙሓት መስሓትቲ” ኸም ዘለዉ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ኪጣበቑ ድሉዋት ዘይኰኑ ሰባት ኬስሕትዎም ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (2 ዮሃ. 7-11) “እቲ ንየሱስ ብሓቂ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ ሓሳዊ፧” ኢሉ እውን ጽሒፉ እዩ። (1 ዮሃ. 2:22) ንሕና እምበኣር፡ ከየስሕቱና ገዛእ ርእስና ኽንከላኸል እንኽእለሉ ሓደ በይኑ መገዲ፡ ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና ንየሆዋን ንየሱስን ክንፈልጦም እንኽእል። (ዮሃ. 17:3) ከምኡ እንተ ጌርና ጥራይ ከኣ ኢና ሓቂ ኸም ዝሓዝና ኽንኣምን እንኽእል።

እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ዜጋጥመና፧

6. ክርስትያን መንእሰያት ዜጋጥሞም ሓደ ዕንቅፋት እንታይ እዩ፧

6 ኵሎም ክርስትያናት ብሰብኣዊ ፍልስፍና ኸይታለሉ ጥንቃቐ ኪገብሩ ኣለዎም። (1 ዮሃ. 2:26) ምናዳ ክርስትያን መንእሰያት፡ ነዚ መጻወድያ እዚ ኺጥንቀቑሉ ኣለዎም። ኣለክሲያ * ዝስማ 25 ዓመት ዝዕድሚኣ ፈረንሳዊት ሓብቲ፡ “ብዕድመ ዝነኣስኩ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብኸም ክልሰ ሓሳብ ፍልቀትን ሰብኣዊ ፍልስፍናን ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ዓለም እርበሽ ነይረ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ትምህርትታት እዚ ይስሕበኒ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንምሃሮ ጥራይ ክሰምዕ ከም ዘይብለይ፡ ነቲ የሆዋ ዚብሎ ድማ ዕድል ክኸልኦ ኸም ዘይግባእ ተሰሚዑኒ” ትብል። ስለዚ፡ ነታ ላይፍ—ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣጽንዓታ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ከኣ፡ ጥርጣረታታ ጠፍአ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኸም ዝሓዘ መርሚረ ኽፈልጥ ክኢለ። ብመለክዒታቱ ምምልላስ ድማ ሓጐስን ሰላምን ከም ዚህበኒ ተገንዚበ” ትብል።

7. እንታይ ጸቕጢ ኢና ኽንጻረር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

7 ኵሎም ክርስትያናት፡ ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ፡ ክልተ ዓይነት ህይወት ኪነብሩ ንዚወርዶም ጸቕጢ ኺጻረሩ ኣለዎም። ብዕሉግ ናብራ እናነበርና በታ ሓቂ ኽንመላለስ ከም ዘይንኽእል ዮሃንስ ሓቢሩ ኣሎ። (1 ዮሃ. 1:6) ሕጅን ኣብ መጻእን ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ እንተ ዄንና፡ እንገብሮ ዅሉ ግሁድ ከም ዝዀነ ፈሊጥና ኽንመላለስ ኣሎና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እንገብሮ ዅሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕሉዕ ስለ ዝዀነ፡ ሕቡእ ሓጢኣት ዚብሃል የልቦን።—እብ. 4:13

8. እንታይ ኢና ኽንነጽግ ዘሎና፧

8 ነቲ ዓለም ብዛዕባ ሓጢኣት ዘለዋ ኣረኣእያ እውን ክንነጽጎ ኣሎና። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “‘ሓጢኣት የብልናን’ እንተ ኢልና፡ ንርእስና ነስሕታ ኣለና” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ዮሃ. 1:8) ብግዜ ዮሃንስ፡ ‘ሓደ ሰብ ደይ መደይ ኢሉ ብመገዲ ሓጢኣት እናተመላለሰ ኽነሱ ምስ ኣምላኽ ርክብ ኪህልዎ ይኽእል እዩ’ ኢሎም ዚማጐቱ ኸሓድቲ ነይሮም እዮም። ሎሚ፡ ኣብ ዙርያና ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ብዙሓት ኣብ ኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ምስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣት ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ብፍላይ ከኣ ምስቲ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ዚምልከት ነገራት ኣይሰማምዑን እዮም። እቲ የሆዋ ኸም ሓጢኣት ገይሩ ዚርእዮ ተግባር፡ ብሕታዊ ምርጫ ገይሮም ይርእይዎ እዮም።

ኣቱም መንእሰያት፡ ንእምነትኩም ምእንቲ ኽትጣበቑላ፡ ብዛዕባ እቲ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ቅኑዕን ጌጋን ዘሎኩም መጽሓፍ ቅዱሳዊ እምነት ኣሐይሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ) *

9. መንእሰያት ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቶም ምስ ዚጸንዑ፡ ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙ፧

9 ምናዳ ክርስትያን መንእሰያት ከምቶም ደቂ ኽፍሎም ወይ መሳርሕቶም ብብዕሉግ ኣካይዳ ኺመላለሱ ጸቕጢ ይወርዶም ይኸውን። ንኣለክሳንደር ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ብዛዕባኡ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ገሊአን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበራ ኣዋልድ ምሳታተን ጾታዊ ርክብ ክገብር ጸቕጢ ኺገብራለይ ፈቲነን። ዓርኪ ገይረ ዝሓዝክዋ ጓል ስለ ዘይብለይ፡ ሶዶማዊ ኸም ዝዀንኩ ገይረን ደምዲመን።” ተመሳሳሊ ፈተና እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትካ ድማ እንተ ጸኒዕካ፡ ክብረትካን ጥዕናኻን ስምዒትካን ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብን ከም እትሕሉ ዘክር። ንዚቐርበልካ ፈተና ብዝሰገርካ መጠን ከኣ፡ ቅኑዕ ንምግባር ኪቐልለካ እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ዓለም ብዛዕባ ጾታ ዘለዋ ቔናን ኣተሓሳስባ ኻብ ሰይጣን ምዃኑ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ካብ መትከልካ ምልምላም ክትኣቢ ኸለኻ፡ ‘ነቲ እኩይ ትስዕሮ’ ኢኻ ዘለኻ።—1 ዮሃ. 2:14

10. ኣብ 1 ዮሃንስ 1:9 ዘሎ ሓሳብ፡ ንየሆዋ ብንጹህ ሕልና ኸነገልግሎ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

10 የሆዋ፡ እንታይ ቅኑዕ፡ እንታይ ድማ ሓጢኣት ምዃኑ ናይ ምውሳን መሰል ከም ዘለዎ ንቕበሎ ኢና። ሓጢኣት ንዘይምግባር ከኣ፡ ዚከኣለና ንገብር ኢና። እንተ ሓጢእና ግና፡ በደልና ንየሆዋ ብጸሎት ንናዘዝ ኢና። (1 ዮሃንስ 1:9 ኣንብብ።) ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና ድማ፡ ካብቶም ኪከናኸኑና ኢሉ የሆዋ ዝሸሞም ሽማግለታት ሓገዝ ክንረክብ ኣሎና። (ያእ. 5:14-16) ይኹን እምበር፡ ሕሉፍ ጌጋታትና ብዜሕድረልና ናይ በደለኛነት ስምዒት፡ ክንድቈስ የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ፈቃር ኣቦና ሓጢኣትና ምእንቲ ኺሓድገልና ኢሉ መስዋእታዊ በጃ ወዱ ኣዳልዩልና እዩ። የሆዋ ንዚንስሑ ሓጥኣን ኪሓድገሎም ምዃኑ ኻብ ተዛረበ ኸኣ፡ ከምቲ ዝበሎ ኺገብር እዩ። ስለዚ፡ ብንጹህ ሕልና ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ኪዓግተና ዚኽእል የልቦን።—1 ዮሃ. 2:1, 2, 12፣ 3:19, 20

11. ንኣእምሮና ኻብቲ ንእምነትና ኺጐድእ ዚኽእል ትምህርትታት ከነዕቍቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ብዘይካዚ፡ ንትምህርትታት ከሓድቲ ኽንነጽጎ ኣሎና። ካብ መጀመርታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣትሒዙ፡ ድያብሎስ ኣብ ኣእምሮ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጥርጣረ ንምዝራእ ብዙሓት መስሓትቲ ኺጥቀም ጸኒሑ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘሎ ፍልልይ ብኸመይ ከነለሊ ኸም እንኽእል ክንፈልጥ ኣሎና። * ጸላእትና ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶን ንኣሕዋትና ዘሎና ፍቕርን ኬዳኽሙ ኢሎም ኢንተርነት ወይ ማሕበራዊ መራኸቢ ይጥቀሙ ይዀኑ። ብድሕሪ እዚ ፕሮፓጋንዳ እዚ መን ከም ዘሎ ኣይትረስዕ፣ ስለዚ፡ ንጸጎ!—1 ዮሃ. 4:1, 6፣ ራእ. 12:9

12. ነቲ ኣብ ሓቂ ዘሎና እምነት ኸነዕምቝ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

12 ንመጥቃዕቲ ሰይጣን ንምጽራር፡ ኣብ የሱስን ኣብቲ ንሱ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዚጻወቶ ግደን ዘሎና እምነት ኸነዕምቝ ኣሎና። ኣብቲ ሎሚ የሆዋ ዚጥቀመሉ ዘሎ ሓደ በይኑ መትረብ እውን እምነት ከነሕድር ኣሎና። (ማቴ. 24:45-47) እምነትና ንምዕማቝ ከኣ፡ ስሩዕ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ክንገብር ይግባእ። ሽዑ፡ እምነትና ኸምታ ሰራውራ ኣዕሚቛ ዝሰደደት ኦም ትኸውን። ጳውሎስ ኣብ ቈሎሴ ንዝነበረት ጉባኤ ኺጽሕፈላ ኸሎ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ተመሳሳሊ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ፦ “ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ምስኡ ብሓድነት ተመላለሱ፣ ከምቲ እተመሃርኩምዎ፡ ኣብኡ ሱር ስደዱን ተሃነጹን ብእምነት ጽንዑን።” (ቈሎ. 2:6, 7) እወ፡ ሰይጣን ወይ ኣብ ትሕቲ ጽልዋኡ ዘለዉ ሰባት ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ፡ ንሓደ እምነቱ ዘደልደለ ክርስትያን ኬነቓንቕዎ ኣይክእሉን እዮም።—2 ዮሃ. 8, 9

13. እንታይ ኢና ኽንጽበ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

13 ነቲ ኻብ ዓለም ዚመጽእ ጽልኢ ኽንጽበዮ ኣሎና። (1 ዮሃ. 3:13) ዮሃንስ፡ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ” ኣዘኻኺሩና እዩ። (1 ዮሃ. 5:19) እዚ ስርዓት እዚ ናብ መወዳእታኡ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን ከኣ፡ ቍጥዓ ሰይጣን እናበርትዐ እዩ ዚኸይድ። (ራእ. 12:12) ከም ምንዝርና ወይ ናይ ከሓድቲ ሓሶት ዝኣመሰለ ረቂቕ ዓይነት መጥቃዕቲ ይጥቀም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ይፍኑ እዩ። ንስብከትና ደው ንምባል ወይ ንእምነትና ንምብልሻው ሓጺር ግዜ ጥራይ ከም ዝተረፎ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ዕዮና ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንተ ተቐየደ ወይ እንተ ተኣገደ ኼገርመና የብሉን። ይኹን እምበር፡ ኣብተን ሃገራት እቲአን ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይጻወሩ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፡ እቲ እኩይ ኣብ ልዕሌና ዚፍንዎ መጥቃዕቲ ብዘየገድስ፡ ዕዉታት ክንከውን ከም እንኽእል የርእዩ ኣለዉ!

በታ ሓቂ ንምምልላስ ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ

14. ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን በታ ሓቂ ኺመላለሱ እንሕግዘሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

14 ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን በታ ሓቂ ኺመላለሱ ምእንቲ ኽንሕግዞም፡ ርሕራሐ ኸነርእዮም ኣሎና። (1 ዮሃ. 3:10, 11, 16-18) ኪርህወና ኸሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጸገማት ኪልዓል ከሎ እውን ክንፋቐር ኣሎና። ንኣብነት፡ ሰቡ ዝሞቶ እሞ መጸናንዒ ወይ ግብራዊ ደገፍ ዜድልዮዶ ትፈልጥ፧ ብባህርያዊ ሓደጋ እተጐድኡ እሞ ኣዳራሾም ወይ ቤቶም ዳግም ኪህነጸሎም ዜድልዮም ክርስትያናት ብጾትዶ ትፈልጥ፧ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮምን እንርሕርሓሎምን በቲ እንብሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ እንገብሮ እውን ኢና እነርኢ።

15. ኣብ 1 ዮሃንስ 4:7, 8 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

15 ንሓድሕድና ንፋቐር እንተ ዄንና፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ንመስሎ ኢና። (1 ዮሃንስ 4:7, 8 ኣንብብ።) ፍቕሪ እነርእየሉ ሓደ ኣገዳሲ መገዲ ኸኣ፡ ንሓድሕድና ይቕረ ብምብህሃል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ምስ ጐድኣና፡ ይቕረታ ይሓትተና ይኸውን። ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ይቕረ ብምባልን ነቲ ስሕተቱ ብምርሳዕን ፍቕሪ ነርእዮ ኢና። (ቈሎ. 3:13) ኣልዶ ዝስሙ ሓው፡ ካብ ሓደ ዜኽብሮ ሓው ብዛዕባ ዓሌቱ ጐዳኢ ዘረባ ምስ ሰምዐ፡ እዚ ፈተና እዚ ኣጋጢምዎ እዩ። ኣልዶ፡ “ነቲ ሓወይ እቲ ኣሉታዊ ስምዒት ምእንቲ ኸየሕድር፡ ብቐጻሊ ናብ የሆዋ ጸልየ” ይብል። በዚ ጥራይ ግና ኣየብቅዐን። ነቲ ሓው እቲ ብሓባር ናብ ኣገልግሎት ኪኸዱ ሓቲትዎ። ብሓባር ኬገልግሉ ኸለዉ ኸኣ፡ በቲ ዘረባኡ እንታይ ከም እተሰምዖ ገሊጹሉ። ኣልዶ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እቲ ሓው ብዛዕባ እቲ ጐዳኢ ሓሳባቱ ኸመይ ከም እተሰምዓኒ ምስ ፈለጠ፡ ይቕረታ ሓቲቱኒ። ካብ ቃና ድምጹ ድማ፡ በቲ ዝበሎ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተጣዕሰ ኽርኢ ኽኢለ። ድሕሪኡ፡ ዕርክነትና ደልዲሉ፡ ነቲ ጸገም እውን ረሲዕዮ ኢና” ይብል።

16-17. እንታይ ቘራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

16 ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕና ኣሕዋቱ ብዙሕ የተሓሳስቦ ነይሩ እዩ፣ እዚ ስምዒቱ እዚ ኸኣ ኣብተን ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፈን ሰለስተ መልእኽትታቱ ዝሃቦ ምኽሪ ብንጹር ተንጸባሪቑ ኣሎ። ከም ዮሃንስ ዝኣመሰሉ ሰብኡትን ኣንስትን ንክርስቶስ መጋዝእቱ ኪዀኑ ኸም እተቐብኡ ምፍላጥና ብዙሕ የተባብዓና እዩ!—1 ዮሃ. 2:27

17 እምበኣር፡ ነቲ እተዋህበና ምኽሪ ኣብ ልብና ነሕድሮ። በታ ሓቂ ንምምልላስ ንቝረጽ፡ ንየሆዋ ድማ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ንተኣዘዞ። ቃሉ ነጽንዕ፡ ኣብኡ እውን ንወከል። ኣብ የሱስ ሓያል እምነት ንህነጽ። ሰብኣዊ ፍልስፍናታትን ትምህርትታት ከሓድትን እውን ንንጸግ። ክልተ ዓይነት ህይወት ንምንባርን ብሓጢኣት ንምምልላስን ዚወርደና ጸቕጢ ንጻረር። ብልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ንመላለስ። ብዘይካዚ ድማ፡ ንኣሕዋትና ጸኒዖም ኪመላለሱ ንሓግዞም፣ እወ፡ ንዝጐድኡና ይቕረ ንበለሎም፡ ንእተሸገሩ እውን ንሓግዞም። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ቃልስታት እናሃለወና ኽነሱ፡ ወትሩ በታ ሓቂ ንመላለስ ኢና።

መዝሙር 49 ልቢ የሆዋ ነሐጕስ

^ ሕ.ጽ. 5 እቲ ኣቦ ሓሶት ዝዀነ ሰይጣን ኣብ ዚገዝኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ስለዚ፡ በታ ሓቂ ንምምልላስ ቀጻሊ ቓልሲ ኣሎና። ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ተመሳሳሊ ብድሆ ነይርዎም እዩ። የሆዋ ንዓታቶምን ንዓናን ምእንቲ ኺሕግዘና ኢሉ፡ ንሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈሱ ደሪኹ ሰለስተ መልእኽቲ ኣጽሒፍዎ እዩ። ትሕዝቶ እተን መልእኽትታት እቲአን ከኣ፡ ነቲ ዜጋጥመና ዕንቅፋታት ከነለልዮን ብኸመይ ከም እንሰግሮ ኽንፈልጥን ይሕግዘና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 3 ድሕረ ባይታ መልእኽትታት ዮሃንስ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 6 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብ ናይ ነሓሰ 2018 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ቅኑዕ ሓበሬታ ኣሎካ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ መጽናዕቲ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ቤት ትምህርታ ብፕሮፓጋንዳ ግብረ ሶዶም ትድብደብ። (ኣብ ገሊኡ ዓድታት፡ ሕብሪ ቐስተ ደበና ንግብረ ሶዶም የመልክት እዩ።) ደሓር፡ ክርስትያናዊ እምነታታ ንምሕያል፡ ግዜ ወሲዳ ምርምር ትገብር። እዚ ኸኣ ኣጸጋሚ ዅነታት ክትሰግር ይሕግዛ።