ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

እቲ ኽገብሮ ዚግብኣኒ እየ ገይረ

እቲ ኽገብሮ ዚግብኣኒ እየ ገይረ

ዶናልድ ሪድሊ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕጊ ተጣቢቑሎም እዩ። ምስቲ ተሓከምቲ ንምምሕልላፍ ደም ኪኣብዩ ዘለዎም መሰላት ብእተተሓሓዘ ኸኣ ኣገዳሲ ግደ ኣበርኪቱ እዩ። ኣብ ላዕለዋይ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ እተረኽበ ዓወታት ዓይዩ እዩ። እዚ ብፈተውቱ ዶን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሓው፡ ትጉህን ትሑትን ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእን ሰብ እዩ ነይሩ።

ብ2019፡ ዶን ንስርዓተ መትኒ ዜጥቅዕ ሳሕቲ ዜጋጥም ዘይምሕር ሕማም ከም ዘለዎ ተፈልጠ። እቲ ሕማም ብቕልጡፍ እናገደዶ ስለ ዝኸደ፡ ብ16 ነሓሰ 2019 ሞተ። ታሪኹ እንሆ።

ኣብ ሰይንት ፖል፡ ሚኒሶታ፡ ሕ.መ.ኣ፡ ብ1954 ካብ ማእከላይ ደረጃ መነባብሮ ዘለዎም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ እየ ተወሊደ። ካብቶም ሓሙሽተ ውሉዳት ድማ፡ ካልኣይ እየ ነይረ። ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ እየ ተማሂረ፣ ብንእስነተይ ከኣ ኣብ ጠረጴዛ ቝርባን እሕግዝ ነይረ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ኣይነበረንን። ንዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ኪህሉ ኸም ዘለዎ እኣምን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝነበረኒ ዅሉ እምነት ግና ጠፊኡ ነይሩ እዩ።

ሓቂ ብኸመይ ከም ዝፈለጥኩ

ኣብ ኮለጅ ሕጊ ዊልያም ሚቸል ቀዳማይ ዓመት ትምህርተይ ክከታተል ከለኹ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ መጹኒ። ሽዑ፡ ክዳውንተይ እየ ዝሓጽብ ነይረ፣ እቶም ሰብ ሓዳር ድማ ብለውሃት ተላዒሎም ካልእ ግዜ ኸም ዚምለሱ ገሊጾምለይ ከዱ። ተመሊሶም ምስ መጹ፡ ክልተ ሕቶ ሓተትክዎም፣ እተን ሕቶታት፡ “ቅኑዓት ሰባት ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘይሰልጦም ስለምንታይ እዩ፧” ከምኡ ድማ “ሕጉስ ንምዃን እንታይ የድሊ፧” ዚብላ እየን ነይረን። ንሳቶም ከኣ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ዘርእስታ መጽሓፍን ድምቕቲ ቐጠልያ ዝሕብራ ትርጉም ሓዳስ ዓለምሃቡኒ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር እውን ፍቓደኛ ዀንኩ። እዚ ድማ ንኣዒንተይ ከፊቱለይ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣመና እተድልዮም ኣብ ምድሪ እተመሓድር መንግስቲ ኸም ዝዀነት ምፍላጠይ ብዙሕ እዩ መሲጡኒ። ሰባት ገዛእ ርእሶም ንምምሕዳር ዝገበርዎ ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈሸለ፡ ንዓለም ከኣ ብስቓይን ብመከራን ብዘይፍትሓውነትን ብሓዘንን ከም ዝመልኣ ኽግንዘብ ክኢለ እየ።

ኣብ መጀመርታ 1982፡ ርእሰይ ንየሆዋ ወፈኹ፣ ኣብቲ በታ ዓመት እቲኣ ኣብ ህዝባዊ ኣዳራሽ ሰይንት ፖል እተገብረ “ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣኼባ ዞባ ድማ ተጠመቕኩ። ኣብታ እትስዕብ ሰሙን ከኣ ኣብ ሚኒሶታ ጠበቓ ዀይነ ንምዕያይ ዜኽእለኒ ፈተና ንምግባር ናብቲ ኣዳራሽ እቲ ተመሊሰ ኸድኩ። ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ድማ፡ ነቲ ፈተና እቲ ኸም ዝሓለፍኩ ተነግረኒ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ጠበቓ ዀይነ ኸገልግል ዜኽእለኒ ብቕዓት ረኸብኩ።

ኣብቲ “ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣኼባ ዞባ፡ ማይክ ሪቻርድሰን ምስ ዝስሙ ኣብ ብሩክሊን ቤት-ኤል ዜገልግል ሓው ተራኸብኩ፣ ንሱ ድማ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትና፡ ቤት ጽሕፈት ሕጊ ኸም ዝቘመ ገለጸለይ። ሽዑ፡ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 8:36 ዚርከብ ቃላት እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ትዝ በለኒ እሞ፡ ‘ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕጊ ኸይዓዪኸ እንታይ ይኽልክለኒ፧’ ኢለ ገዛእ ርእሰይ ሓተትኩ። ስለዚ፡ ኣብ ቤት-ኤል ከገልግል ኣመልከትኩ።

ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ፡ ንወለደይ ኣየሐጐሶምን። ስለዚ፡ ኣቦይ፡ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ምስራሐይ፡ ነቲ ኸም ጠበቓ መጠን ዘሎኒ ሞያ እንታይ ከም ዚጠቕመኒ ሓተተኒ። ኣነ ድማ ፍቓደኛ ሰራሕተኛ ዀይነ ኸም ዝዓዪ ገለጽኩሉ። ኣብ ወርሒ 75 ዶላር ከም ዚውሃበኒ ነገርክዎ—ኣብቲ ግዜ እቲ ንቤት-ኤላውያን ኣብ ወርሒ ዚውሃብ ዝነበረ ኣበል ክንድኡ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ዝነበረኒ እተወሰነ ግዴታታት ድሕሪ ምፍጻመይ፡ ብ1984 ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤት-ኤል ኣገልግሎተይ ጀመርኩ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕጊ ኽዓዪ እውን ተመደብኩ። ብናተይ ኣረኣእያ፡ ኣብ ጽቡቕ ግዜ እየ ናብቲ ዕዮ እቲ ተመዲበ።

ምሕዳስ ትያትር ስታንሊ

ትያትር ስታንሊ ኣብ እተዓደገሉ እዋን

ኣብ ከተማ ጀርሲ፡ ኒው ጀርሲ ዚርከብ ትያትር ስታንሊ ኣብ ሕዳር 1983 እዩ ተዓዲጉ። ድሕርዚ፡ ኣሕዋት ናይቲ ህንጻ መስመራት ኤለክትሪክን ቡምባን ኬሐድሱ ኣመልከቱ። ምስቶም ሰበ ስልጣን እቲ ኸባቢ ምስ ተራኸቡ ኸኣ፡ ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበረሉ ኣዳራሽ ኪኸውን ከም ዝሓሰቡ ነገርዎም። እዚ ድማ ጸገም ኣምጽአ። ብመሰረት ስርዓት እታ ኸተማ፡ ቦታታት ኣምልኾ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዚርከበሉ ዞባ ጥራይ ኪኸውን እዩ ዚፍቀድ ነይሩ። ትያትር ስታንሊ ኸኣ፡ ኣብ ንግዳዊ ዞባ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቶም ሰበ ስልጣን ነቲ ፍቓድ እቲ ምሃብ ኣበዩ። ኣሕዋት ነዚ ነገር እዚ ይግባይ እኳ እንተ በሉ፡ እቲ ይግባይ ግና ኣይተሰምዐን።

ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ዝጸናሕኩላ ቐዳመይቲ ሰሙን፡ ውድብና ኣብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ነቲ ኽልክል ዚቃወም ክሲ ኣቕረበት። ኣብ ሰይንት ፖል፡ ሚኒሶታ ኣብ ዚርከብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ንኽልተ ዓመት ክዓዪ ብምጽናሐይ፡ ነቲ ዚቐርብ መጐተታት ኣጸቢቐ እፈልጦ ነይረ እየ። ሓደ ኻብቶም ጠበቓታትና ኣብ መጐተኡ፡ ትያትር ስታንሊ ኸም ፊልምን ሙዚቃዊ ምርኢትን ካልእ በበይኑ ዓይነት ህዝባዊ ኣኼባታትን ዚካየደሉ ቦታ ዀይኑ ኸም ዘገልገለ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ምግባር ዘይሕጋዊ ዝዀነሉ ምኽንያት ከም ዘየልቦ ተኸራኸረ። እቲ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ነቲ ጕዳይ ድሕሪ ምምርማሩ፡ ከተማ ጀርሲ ንሃይማኖታዊ ናጽነትና ኸም ዝጠሓሰት በየነ። ፍቓድ ኪውሃበና እውን ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ኣነ ድማ የሆዋ ንውድብና፡ ብሕጋዊ መገዲ ገይራ ንዕዮኡ ንምድንፋዕ ብኸመይ ከም ዝባረኻ ኽርኢ ጀመርኩ። ኣብኡ እጃም ስለ ዝነበረኒ ኸኣ፡ ብዙሕ ተሓጐስኩ።

ሽዑ፡ እቶም ኣሕዋት ዓብዪ ፕሮጀክት ሕደሳ ጀመሩ፣ ስነ ስርዓት ምረቓ መበል 79 ክፍሊ ጊልዓድ ከኣ ካብቲ ሕደሳ እተጀመረሉ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ብ8 መስከረም 1985፡ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ኸተማ ጀርሲ ተገብረ። ኣነ ድማ ኣብቲ ሕጋዊ ጕጅለ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ እጃም ስለ ዝነበረኒ፡ ዓብዪ ኽብሪ እዩ ተሰሚዑኒ። እቲ እተሰምዓኒ ዕግበት እውን፡ ካብቲ ቤት-ኤል ቅድሚ ምእታወይ ኣብ ጥብቅና ዝረኽቦ ዝረኸብኩ ዕግበት ኣጸቢቑ ዚበልጽ እዩ ነይሩ። የሆዋ ገና ኣብ ብዙሕ ሕጋዊ ጕዳያት ከም ዚጥቀመለይ ሽዑ ኣይፈለጥኩን ነይረ።

ጥብቅና እቲ ብዘይ ደም ሕክምና ንምርካብ ዘሎና መሰል

ብ1980ታት፡ ሓካይምን ሆስፒታላትን ነቲ ብዕድመ እኹል ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ብዘይ ደም ሕክምና ኺውሃቦ ዜቕርቦ ሕቶ ኣየኽብሩሉን እዮም ነይሮም። ምናዳ ንጥኑሳት ዝያዳ ዕንቅፋታት ነይርወን እዩ፣ ከመይሲ፡ መብዛሕትኦም ደያኑ፡ ጥኑሳት ምምሕልላፍ ደም ኪኣብያ መሰል ከም ዘይብለን ይኣምኑ ነይሮም እዮም። እዚ እምነት እዚ ድማ፡ ደም እንተ ዘይተዋሂብወን፡ እቲ ሕጻን ብዘይ ኣደ ኺተርፍ ይኽእል ካብ ዚብል ምኽንያት ዝነቐለ እዩ ነይሩ።

ብ29 ታሕሳስ 1988፡ ሓብትና ደኒስ ኒኮሎ ንወዳ ድሕሪ ምውላዳ ብዙሕ ደም ፈሰሳ። መጠን ሄሞግሎቢና ድማ ትሕቲ 5.0 ወረደ፣ ሓኪማ ኸኣ ደም ክትወስድ ሓተታ። ሓብትና ኒኮሎ ግና ኣበየት። ንጽብሒቱ፡ እቲ ሆስፒታል ነቲ ንህይወታ ኣድላዪ ኢሉ ዝኣመነሉ ደም ምእንቲ ኺህባ፡ ካብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኪረክብ ሕቶ ኣቕረበ። እቲ ዳኛ ኸኣ ነቲ ነገር ብስርዓት ከይሰምዐ፡ ዋላ እውን ንሓብትና ኒኮሎ ወይ ንሰብኣያ ኸይሓበረ፡ ደም ኪህብዋ ፈቐደ።

ዓርቢ 30 ታሕሳስ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ንሓብትና ኒኮሎ ደም ሃብዋ፣ ነቲ ኻብቶም ኣብ ጥቓ ዓራታ ዝነበሩ ሰብኣያን ካልኦት ኣባላት ቤተ ሰባን ዝቐረበሎም ተቓውሞ እውን ግዲ ኣይገበሩሉን። በታ ምሸት እቲኣ ኸኣ፡ ገሊኦም ኣባላት ቤተ ሰባን ሓደ ወይ ክልተ ሽማግለታትን ነቲ ምምሕልላፍ ደም ኪዓግቱ ኢሎም ንሓብትና ኒኮሎ ሓጺሮምዋ ደው ብምባሎም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተዉ። ቀዳም ንግሆ 31 ታሕሳስ፡ ማዕከናት ዜና ኸተማ ኒው ዮርክን ሎንግ ኣይላንድን ብዛዕባ እዚ ኼውሪ ጀመረ።

ምስ ፊሊፕ ብራምሊ ብንእስነትና

ሰኑይ ንግሆ፡ ምስቲ ላዕለዋይ ዳኛ ዝዀነ ሚልተን ሞለን ተዛራረብኩ። ነቲ ጭቡጥ ሓቅታት ከኣ ገለጽኩሉ፣ እቲ ታሕተዋይ ዳኛ ነቲ ጕዳይ ከይሰምዐ፡ ምምሕልላፍ ደም ዚእዝዝ ትእዛዝ ከም ዝፈረመ ድማ ኣጕላሕኩሉ። ሞለን ከኣ ብዛዕባ እቲ ጭቡጥ ሓቅታትን ምስኡ ዚዛመድ ሕግን ንምምይያጥ፡ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኽመጽእ ሓተተኒ። ኣጋ ምሸት፡ ምስቲ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ሓላዊ ዀይኑ ዜገልግል ፊሊፕ ብራምሊ ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ላዕለዋይ ዳኛ ዝዀነ ሞለን ከድና። ንሱ ድማ ንጠበቓ እቲ ሆስፒታል ጸዊዕዎ ነይሩ እዩ። ኣብኡ ኸኣ ዝርርብና እናነሃረ ኸደ። ኣብ መንጎ ድማ፡ ሓውና ብራምሊ ኣብ ጥራዙ፡ “ህዳእ” ኢሉ ጽሒፉ ኣርኣየኒ። ምስቲ ጠበቓ ኽማጐት ከለኹ እናነደርኩ እኸይድ ብምንባረይ፡ ጽቡቕ ምኽሪ እዩ ሂቡኒ።

ካብ ጸጋም ናብ የማን፦ ሪቻርድ ሞክ፡ ግረጎሪ ኦልድስ፡ ፖል ፖሊዶሮ፡ ፊሊፕ ብራምሊ፡ ኣነ፡ ማሪዮ ሞረኖ—ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕ.መ.ኣ.፡ ብዛዕባ ጕዳይ ዎችታወር ኣንጻር ቍሸት ስትራተን ኣፋዊ መጐተ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ዝነበርና ጠበቓታት።—ናይ 8 ጥሪ 2003 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 3-4, 4-5, 6-8, 9-11 ርአ።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ፡ እቲ ላዕለዋይ ዳኛ ዝዀነ ሞለን ነቲ ጕዳይ ንጽብሒቱ ቐዳምነት ሂቡ ኸም ዚርእዮ ገለጸልና። ካብ ቤት ጽሕፈቱ ኽንወጽእ ከለና ድማ፡ እቲ ናይቲ ሆስፒታል ጠበቓ “ጽባሕ ከቢድ ጾር” ኪህልዎ ምዃኑ ተዛረበ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ዚጣበቐሉ ጕዳይ መርትዖ ንምቕራብ ብርቱዕ ፈተና ኸም ዚጽበዮ እዩ ገሊጹ። ኣነ ድማ ነዚ ነገር እዚ፡ ክንዕወት ጽቡቕ ዕድል ከም ዘሎና ኻብ የሆዋ ዝመጸ መረጋገጺ ገይረ እየ ርእየዮ። የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ይጥቀመልና ኸም ዘሎ ምርኣየይ ኣደኒቑኒ እዩ።

ኣመና ኽሳዕ ዚመሲ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ ንጽብሒቱ ንግሆ እነቕርቦ መጐተ ተዳሎና። እቲ ቤት ፍርዲ ኻብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ዝነበረ ቤት-ኤል ሒደት ኣንጎሎታት ርሒቑ ስለ ዚርከብ፡ መብዛሕትና ኻብቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕጊ እንሰርሕ ናብኡ ብእግርና ኸድና። ኣርባዕተ ደያኑ እተሰየሙሉ መጋባእያ ነቲ መጐተና ድሕሪ ምስማዑ፡ ነቲ ምምሕልላፍ ደም ኪግበር ዚእዝዝ ትእዛዝ ሰረዝዎ። እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንሓብትና ኒኮሎ ዚድግፍ ፍርዲ በየነ፣ ንብዓል ጕዳይ ከየፍለጥካ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ምርካብ ወይ ጕዳይ ምስማዕ፡ ጥሕሰት መሰረታዊ ሕገ መንግስታዊ ወይ ቅዋማዊ መሰላት ከም ዝዀነ ተወሰነ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ፡ ሓብትና ኒኮሎ ብዘይ ደም ሕክምና ኺውሃባ መሰል ከም ዘለዋ ኣረጋገጸ። እዚ ኸኣ ካብቲ ኣነ እተሳተፍክዎ ኣብ ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ምስ ደም ዚተሓሓዝ ጕዳይ እተበየነሉ ኣርባዕተ ብይን፡ እቲ ቐዳማይ እዩ ነይሩ። (“ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እተረኽበ ዓወታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ኣብ ቤት-ኤል ምስ ዜገልግሉ ኻልኦት ጠበቓታት ብሓባር ኰይነ እውን፡ ኣብ ጕዳያት ናባይነት ቈልዑን ፍትሕን ፍቓድ መሬትን ፍቓድ ህንጻን ተሳቲፈ እየ።

መርዓይን ናብራ ስድራ ቤተይን

ምስ ሰበይተይ ዶውን

ምስ ሰበይተይ ዶውን ንፈለማ ግዜ ኣብ እተራኸብኩሉ እዋን፡ ሰለስተ ደቂ እተዕቢ ፍትሕቲ ሰበይቲ እያ ነይራ። ንመነባብሮኦም ዜድልያ እናማእረረት ከኣ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ነበረት። ከቢድ ህይወት እያ ኣሕሊፋ ነይራ፣ እቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝነበራ ቘራጽነት ድማ ብዙሕ እዩ መሲጡኒ። ብ1992፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ እተገብረ “ጸወርቲ ብርሃን” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ተኣኪብና ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ንሓዳር ስለ ዝሓሰብክዋ ኽንቀራረብ ፍቓደኛ እንተ ዀይና ሓተትክዋ። ድሕሪ ዓመት ከኣ ተመራዓውና። እዛ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዋ ዋዛ እትፈቱ ሰበይቲ፡ ካብ የሆዋ እተዋህበትኒ ውህበት እያ ነይራ። ኣብ ብምሉኡ እቲ ብሓባር ዘሕለፍናዮ መዓልትታት ህይወትና፡ ዶውን ብሓቂ ጽቡቕ ዓስቢ ኣምጺኣትለይ እያ።—ምሳ. 31:12

ኣብ እተመርዓናሉ እዋን፡ እቶም ደቃ፡ 11ን 13ን 16ን ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም ነይሮም። ንፉዕ ኣቦ ክዀኖም እደሊ ነይረ እየ፣ ስለዚ፡ ንሰብኣይ ኣደ ብዚምልከት ኣብ ጽሑፋትና ኽረኽቦ ዝኸኣልኩ ዘበለ ዅሉ ተጠንቂቐ አንብብን ኣብ ግብሪ አውዕልን ነይረ እየ። ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ከም እሙን ፈታዊኦምን ፈቃር ኣቦኦምን ገይሮም ስለ እተቐበሉኒ ተሓጒሰ እየ። ንኣዕሩኽ ደቅና እውን ወትሩ ናብ ቤትና ንዕድም ኔርና ኢና፣ ገዛና ፉሕፉሕ ብዚብሉ መንእሰያት ኪመልእ ከሎ ድማ ባህ እዩ ዚብለና ነይሩ።

ብ2013፡ ኣነን ዶውንን ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለደይ ንምድጋፍ፡ ናብ ዊስካንሰን ገዓዝና። እቲ ዝገረመኒ፡ ኣብ ቤት-ኤል ዘቕርቦ ኣገልግሎት ኣየብቅዐን። ድሕርዚ እውን፡ ከም ግዜያዊ ወለንተኛ ዀይነ ንውድብና ምስ ሕጊ እተተሓሓዘ ሓገዝ ክህብ ዕድመ ቐረበለይ።

ሃንደበታዊ ለውጢ

ኣብ መስከረም 2018፡ ጐረሮይ ንምጽራይ ብተደጋጋሚ እሕሕ እብል ከም ዘለኹ ኣስተብሃልኩ። ኣብ ከባቢና ዚርከብ ሓኪም ምስ መርመረኒ ግና፡ ጠንቂ እቲ ጸገም ኪርድኦ ኣይከኣለን። ደሓር፡ ካልእ ሓኪም ናብ ክኢላ ስነ መትኒ ክኸይድ ሓሳብ ሃበኒ። ኣብ ጥሪ 2019፡ እቲ ኽኢላ ስነ መትኒ፡ ፕሮግረሲቭ ሱፕራኑክሊያር ፓልሲ ዚብሃል ሳሕቲ ዜጋጥም ዓይነት ሕማም ስርዓተ መትኒ ኸም ዘሎኒ ገመተ።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ኣብ በረድ እናተንሻተትኩ ከለኹ ስለ ዝወደቕኩ፡ የማነይቲ ኢደይ ተሰብረት። ምሉእ ህይወተይ ኣብ በረድ እንሻተት ነይረ እየ፣ ኣጸቢቐ ዝመልኮ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንምንቅስቓሳተይ ናይ ምቍጽጻር ክእለተይ አጥፍእ ከም ዘለኹ ፈለጥኩ። እቲ ሕማመይ ብቕልጡፍ እናገደደ ብምኻዱ ድማ፡ ንዘረባይን ንምንቅስቓሰይን ንናይ ምውሓጥ ክእለተይን ኣጸቢቑ ጸለዎ።

ከም ጠበቓ ዘሎኒ ኽእለት፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድንፋዕ ክጥቀመሉ ኽኢለ እየ። ንሰብ ሞያ ኣብ ዚዳሎ ኣብ መጽሔታት ብዙሓት ዓንቀጻት ክጽሕፍ፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ኣብ እተገብረ ሰሚናራት ሕክምናን ሕግን ድማ ክምድር ክኢለ እየ፣ ኣብኡ ኸኣ ነቲ ህዝቢ የሆዋ ብዘይ ደም ሕክምናን መጥባሕትን ንምግባር ዜኽእል መሰል ተጣቢቐሉ እየ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ ሉቃስ 17:10 ተባሂሉ ዘሎ፡ ‘ኣነ ዘይጠቅም ባርያ እያ። እቲ ኽገብሮ ዚግብኣኒ እየ ገይረ።’