ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኸም መማጽኢ ዀይኑ ዜገልግል ወብሳይታት ብዛዕባ ምጥቃም እንታይ ኣረኣእያ ኺሕዙ ይግባእ፧

የሆዋ ንተመራዓውቲ ሕጉሳት ኪዀኑ፡ ነባርን ናይ ቀረባን ርክብ ድማ ኪህልዎም እዩ ዚደልዮም። (ማቴ. 19:4-6) ክትምርዖ እንተ ደሊኻ፡ ከመይ ጌርካ ዚዀነካ መጻምድቲ ኽትረክብ ትኽእል፧ የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ናብ ጽቡቕ ሓዳር ዚመርሕ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ዝሃበና ስርዓታት እንተ ዓዪኻሉ፡ ብሉጽ ፍረ ኽትረክብ ኢኻ። ገለ ኻብዚ ስርዓታቱ እስከ ንርአ።

ፈለማ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ነዚ ዚስዕብ ስርዓት ክንርድኦ ኣሎና፦ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጠላምን ቀባጽን እዩ።” (ኤር. 17:9) ሓደ ሰብ መጻምድቲ ንምርካብን ንምምራኽን ኪጽዕር ከሎ፡ ቀልጢፉ ብብርቱዕ ስምዒታት ስለ ዚውሓጥ፡ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባኡ ኺዕብለል ይኽእል እዩ። ሰባት ብቐዳምነት ኣብ ስምዒት ጥራይ ተመርኲሶም ኪምርዓዉ ውሳነ ምስ ዚገብሩ ኸኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ይጕድኡ እዮም። (ምሳ. 28:26) ስለዚ፡ ክልተ ሰባት ገና ኣብ መጀመርታ ርክቦም ውሽጣዊ ስምዒታቶም ምግላጽ፡ ወይ ገና ኣጸቢቖም ከይተፋለጡ ቓል ምትእትታው ጥበባዊ ኣይኰነን።

ምሳሌ 22:3፡ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣ ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ ይጕድኡ” ትብል። እሞ ደኣ መማጽኢ ዀይኑ ዜገልግል ወብሳይታት ምጥቃም እንታይ ሓደጋ ኺህልዎ ይኽእል፧ ገሊኦም ብኢንተርነት ምስ ዝረኸብዎም ዘይፈልጥዎም ሰባት ርክብ ጀሚሮም እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ብስምዒቶም ከም እተጻወቱሎም ብመከራ እዮም ተማሂሮም። ብተወሳኺ ድማ፡ መታለልቲ ሰባት ካብ ገርህታት ገንዘብ ምእንቲ ኺገፍፉ ኢሎም ናይ ሓሶት ኣድራሻ ይኸፍቱ እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ እቶም ኣብዚ ምትላል እዚ ዚሳተፉ ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሲሎም ይቐርቡ እዮም።

ብዘይካዚ፡ ካልእ ሓደጋ እውን ኣሎ። ገሊኡ ኸም መማጽኢ ዀይኑ ዜገልግል ወብሳይታት፡ ንሓድሕዶም ዚሳነዩ ሰባት ኬራኽብ ተባሂሉ ናይ ሕሳብ ቀመር ይጥቀም እዩ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ሜላታት እዚ ብሓቂ ኸም ዚዓዪ ዚሕብር መርትዖ የልቦን። መውስቦ ዚኣክል ኣገዳሲ ነገር ክትውስን ከለኻ፡ ሰብ ዝሰርሖ ቐመር ምጥቃምሲ ጥበባዊ ድዩ፧ ንምዃኑ ኸመይ ኢሉ እዩ ናይ ሕሳብ ቀመር ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪወዳደር ዚኽእል፧—ምሳ. 1:7፣ 3:5-7

ኣብ ምሳሌ 14:15 ዚርከብ ሓደ ስርዓት፡ “ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን፣ ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን” ይብል። ንሓደ ሰብ መጻምድትኻ ኪኸውን ከም ዚኽእል ቅድሚ ምሕሳብካ፡ ነቲ ሰብ እቲ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ኣሎካ። ብኢንተርነት ከምኡ ምግባር ግና፡ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ናይቲ ሓደ ሓበሬታ ኺርእዮ እኳ እንተ ኸኣለ፡ መልእኽቲ ኣብ ምልእኣኽ እውን ሰፊሕ ግዜ ተሕልፉ እኳ እንተ ዀንኩም፡ ብሓቂዶ ነቲ ሰብ ትፈልጦ ኺብሃል ይከኣል እዩ፧ ገሊኦም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዝረኸቡ መሲልዎም ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሰብ ብኣካል ምስ ረኸብዎ ሰምቢዶም እዮም።

ሓደ ዘማሪ፡ “ምስ መታለልቲ ሰባት ኣይሓብርን፡ ካብ ኣምሰሉታት እውን እርሕቕ እየ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 26:4) ብዙሓት ሰባት ተደለይቲ መሲሎም ምእንቲ ኪቐርቡ፡ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዜእትውዎ ሓበሬታ ይሕስዉ እዮም። ናይ ሓቂ ባህርያቶም ይሓብኡ ይዀኑ፡ ወይ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዜእትውዎ ሓበሬታ እዚ ባህርያቶም ኣይገሃድን ይኸውን። ገሊኦም ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብሓቂዶ ጥሙቓት ክርስትያናት እዮም፧ ብመንፈሳዊ መዳይ ብሱላት ድዮም፧ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኣለዎምዶ፧ ኣብ ጉባኤኦም ዚኽበሩ ሰባት ድዮም፧ ሕማቕ ኣብነታት፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን “ሕማቕ ዕርክነት” ደዀን ኪዀኑ ይኽእሉ፧ (1 ቈረ. 15:33፣ 2 ጢሞ. 2:20, 21) ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋትከ ኺምርዓዉ ናጻ ድዮም፧ ነዚ ነገራት እዚ ኽትፈልጥ የድልየካ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሰብ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይሓገዙኻ፡ እዚ ኣጸጋሚ እዩ። (ምሳ. 15:22) ብዘይካዚ፡ ሓደ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ምስ ዘይኣማኒ ‘ኣብ ሓደ ኣርዑት ምጽማድ’ ዚብል ነገር፡ ኪሓስቦ እኳ የብሉን።—2 ቈረ. 6:14፣ 1 ቈረ. 7:39

ነቲ ኸም መማጽኢ ዀይኑ ዜገልግል ወብሳይታት ዘለዎ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብ ክቡር መውስቦ ኺመርሕ ዚኽእል መጻምድቲ እትደልየሉን ርክብካ እተማዕብለሉን ዝሓሸ መገድታት ኣሎ። እሞ ደኣ ዚዀነካ መጻምድቲ ንምርካብ እንታይ ኣጋጣሚታት ክትጥቀም ትኽእል፧ ምትእኽኻብ ኣብ ዘይተኸልከለሉ እዋን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ኣኼባታት ወረዳን ኣብ ኣኼባታት ዞባን ኣብ ካልእ ምትእኽኻባትን ብኣካል ኪፋለጡ ይኽእሉ እዮም።

ብሓባር ግዜ እናኣሕለፍኩም ምስ ከድኩም፡ ሸቶታትኩምን መትከላትኩምን ዚመሳሰል እንተ ዀይኑ ብንጹር ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም

ኣብ ከም ለበዳ ኮቪድ-19 ዝኣመሰለ ብኣካል ምትእኽኻብ ዘይፍቀደሉ እዋን፡ ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ስለ እንእከብ፡ ኣብኡ ምስ ካልኦት ዘይተመርዓዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምርኻብ ኣጋጣሚ ኺህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣኼባታት ብኸመይ ከም ዚሳተፉ ኽትርኢ፡ እምነቶም ኪገልጹ ኸለዉ እውን ክትሰምዕ ትኽእል ኢኻ። (1 ጢሞ. 6:11, 12) ድሕሪ ኣኼባ ድማ ኣብቲ ብኤለክትሮኒክ በብጕጅለ እተዕልሉሉ ኽፍልታት ኴንኩም ክትዛራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኢንተርነት ኣብ ዚግበር ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ከኣ፡ እታ ዓይንኻ ዘውደቕካላ ሰብ ምስ ካልኦት ዘለዋ ርክብ ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ባህርያታ ይገልጽ እዩ። (1 ጴጥ. 3:4) እናሓደረ ብዝያዳ እናተላለኹም ምስ ከድኩም፡ ሸቶታትኩምን መትከላትኩምን ዚመሳሰል እንተ ዀይኑ፡ ክልቴኹም እውን ትሳነዩ እንተ ዄንኩም ክትግምግም ትኽእል ኢኻ።

ዘይተመርዓዉ ሰባት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሳንዮም መጻምድቲ ኺደልዩ ኸለዉ፡ እቲ ኣብ ምሳሌ ዚርከብ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት ሓቂ ምዃኑ ይርእዩ እዮም፦ “ሕያወይቲ ሰበይቲ [ወይ ሰብኣይ] ዚረክብ፡ ጽቡቕ ይረክብ፣ ሞገስ የሆዋ ኸኣ ይረክብ።”—ምሳ. 18:22