ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 29

ነቲ ሓላዊና ዝዀነ የሱስ ደግፎ

ነቲ ሓላዊና ዝዀነ የሱስ ደግፎ

“ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ።”—ማቴ. 28:18

መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና

መላለዪ *

1. ሎሚ የሆዋ እንታይ ኪግበር እዩ ዚደሊ፧

 ሎሚ ኣምላኽ፡ ብስራት መንግስቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺስበኽ እዩ ዚደሊ። (ማር. 13:10፣ 1 ጢሞ. 2:3, 4) እዚ ናይ የሆዋ ዕዮ እዩ፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ፍቑር ወዱ ገይርዎ ኣሎ። የሱስ ክኢላ ሓላዊ ስለ ዝዀነ ድማ፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ እቲ ዕዮ ስብከት ንየሆዋ ብዜዕግቦ መገዲ ኸም ዚዛዘም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ማቴ. 24:14

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገይሩ መንፈሳዊ ምግቢ ይህብ ከም ዘሎ፡ ንሰዓብቱ ወዲቡ ድማ ኣብ ታሪኽ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ወፈራ ስብከት የካይድ ከም ዘሎ ኽንርኢ ኢና። (ማቴ. 24:45) ንየሱስን ነቲ እሙን ባርያን ንምድጋፍ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

የሱስ ንዕዮ ስብከት ይመርሖ

3. እንታይ ስልጣን እዩ ንየሱስ ተዋሂብዎ፧

3 የሱስ ንዕዮ ስብከት ይመርሖ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ፡ ኣብ ገሊላ ኣብ ዚርከብ ከረን ምስ ሓያሎ እሙናት ሰዓብቱ ተራኺቡ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ” ድሕሪ ምባል፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” በሎም። (ማቴ. 28:18, 19) ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ዕዮ ስብከት ናይ ምምራሕ ስልጣን ተዋሂብዎ እዩ።

4. የሱስ ንዕዮ ስብከት ይመርሖ ኸም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 የሱስ፡ እቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ኣብ “ኵሎም ኣህዛብ” ከም ዚዕየ፡ ንሱ ድማ “ክሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ” ምስ ሰዓብቱ ኸም ዚኸውን እዩ ተዛሪቡ። (ማቴ. 28:20) እዚ ዘረባኡ ኸኣ፡ እቲ ዕዮ ስብከት ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ኽሳዕ እዚ ግዜና ኸም ዚቕጽል ብንጹር ይሕብር እዩ።

5. ኣብ ፍጻመ መዝሙር 110:3 እንታይ እጃም ኣሎና፧

5 የሱስ ኣብ መደምደምታ እቲ ስርዓት ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ከይህሉ ኣይተጨነቐን። እቲ ኣብ መዝሙር ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢታዊ ቓላት ከም ዚፍጸም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ቓላት ከምዚ ይብል፦ “ብመዓልቲ ሰራዊትካ፡ ህዝብኻ ፈትዩ ኺመጽእ እዩ።” (መዝ. 110:3) ንስኻ እውን ኣብ ዕዮ ስብከት ትሳተፍ እንተ ኣሊኻ፡ ንየሱስን ነቲ እሙን ባርያን ትድግፎም፡ ነዚ ትንቢት እዚ ኺፍጸም እውን ትሕግዝ ኢኻ ዘለኻ። እቲ ዕዮ ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ብዘይ ብድሆታት ኣይኰነን።

6. ሎሚ ንሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜጋጥሞም ሓደ ብድሆ እንታይ እዩ፧

6 ሓደ ኻብቲ ንሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜጋጥሞም ብድሆ፡ ተቓውሞ እዩ። ከሓድትን መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲከኛታትን ብዛዕባ ዕዮና ሓሶት ይነዝሑ እዮም። ቤተ ሰብናን ፈለጥትናን መሳርሕትናን በዚ ፕሮፓጋንዳ እዚ ኺታለሉ ኸለዉ፡ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎትን ስብከትናን ክንሓድግ ጸቕጢ ይገብሩልና ይዀኑ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ እዚ ተቓውሞ እዚ ብመልክዕ ምፍርራህን ምጕብዕባዕን ማእሰርትን እዩ ዚመጽእ። እዚ ንዓና ኣየሰምብደናን እዩ። የሱስ፡ “ስለ ስመይ ብዅሎም ኣህዛብ ክትጽልኡ ኢኹም” ኢሉ ነጊሩና እዩ። (ማቴ. 24:9) ጽሉኣት ምዃንና ሞገስ የሆዋ ኸም ዘሎና የረጋግጸልና እዩ። (ማቴ. 5:11, 12) ነዚ ተቓውሞ እዚ፡ ድያብሎስ እዩ ዚቝስቍሶ። ኰይኑ ግና፡ ንሱ እውን ምስ የሱስ ዚዳረግ ኣይኰነን! ብደገፍ የሱስ፡ እቲ ብስራት ናብ ኵሎም ኣህዛብ ይበጽሕ ኣሎ። ነዚ ዚድግፍ መርትዖ እስከ ንርአ።

7. ራእይ 14:6, 7 ትፍጸም ከም ዘላ እንታይ መርትዖ ትርኢ ኣለኻ፧

7 ንሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜጋጥሞም ካልእ ብድሆ ኸኣ፡ ናይ ቋንቋ ዕንቅፋት እዩ። የሱስ ኣብቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ ዝሃቦ ራእይ፡ ኣብዚ ግዜና እቲ ብስራት ነቲ ዕንቅፋት ከም ዚሰግሮ ሓቢሩ እዩ። (ራእይ 14:6, 7 ኣንብብ።) ብኸመይ፧ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ኣጋጣሚ ንኸፍተሎም ኣለና። ሎሚ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ሓበሬታ ሒዙ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሰባት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኬንብቡ ይኽእሉ እዮም። ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እተገልግል ናውቲ መጽናዕቲ ብልዕሊ 700 ቋንቋ ንምትርጓም ፍቓድ ተዋሂቡ ኣሎ! መንፈሳዊ ምግቢ በቲ ንጽሙማን ዚኸውን ቅድሓት ቪድዮን ንዓይነ ስዉራን ዚኸውን ብረይልን ኣቢልካ እውን ይቐርብ ኣሎ። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ንርኢ ኣለና። “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ” ዝዀኑ ሰባት ነቲ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዜመልክት “ጽሩይ ቋንቋ” ምዝራብ ይምሃሩ ኣለዉ። (ዘካ. 8:23፣ ጸፎ. 3:9) እዚ ዅሉ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽኢላ ሓላዊና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እዩ ዚፍጸም ዘሎ።

8. ክሳዕ ሕጂ እንገብሮ ዘለና ንጥፈታት ስብከት እንታይ ፍረ ኣፍርዩ ኣሎ፧

8 ሎሚ፡ ኣብ 240 ሃገራት ካብ 8,000,000 ኣዝዮም ዚበዝሑ ሰባት ምስ ውድብ የሆዋ ሓቢሮም ኣለዉ፣ ኣብ ዓዓመት ከኣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ይጥመቑ ኣለዉ! ካብቲ ቝጽሪ ንላዕሊ ግና፡ እቲ እዞም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ዜማዕብልዎ መንፈሳዊ ባህርያት፡ ወይ “ሓድሽ ስብእና” እዩ ዜገድስ። (ቈሎ. 3:8-10) ብዙሓት ሰባት ምንዝርናን ዓመጻን ጽልእን ሃገራውነትን ሓዲጎም እዮም። እቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:4 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ይፍጸም ኣሎ፣ ‘ደጊም ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።’ ነዚ ሓድሽ ስብእና ንምልባስ ክንጽዕር ከለና፡ ንሰባት ናብ ውድብ ኣምላኽ ንስሕቦም ኢና፡ ነቲ ሓላዊና ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ንስዕብ ከም ዘለና እውን ነርኢ ኢና። (ዮሃ. 13:35፣ 1 ጴጥ. 2:12) እዚ ዅሉ ብወዝቢ ኣይኰነን ዚኸውን ዘሎ። የሱስ ዜድልየና ሓገዝ ይህበና ኣሎ።

የሱስ ባርያ ይሸይም

9. ብመሰረት ማቴዎስ 24:45-47፡ ብዛዕባ እዚ ግዜ መወዳእታ እንታይ ነገር እዩ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፧

9 ማቴዎስ 24:45-47 ኣንብብ። የሱስ ኣብ ግዜ መወዳእታ ምግቢ ዚህበና “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኸም ዚሸይም ተነብዩ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ባርያ እቲ ኣብዚ ግዜና ብትግሃት ኪዓዪ ንጽበዮ ኢና። ከምኡ ድማ እዩ ዀይኑ። ሓላዊና ንህዝቢ ኣምላኽን ንግዱሳትን መንፈሳዊ “ምግቦም ብግዜኡ” ዚህቡ ሒደት ጕጅለ ቕቡኣት ሰባት ሸይሙ ኣሎ። እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ልዕሊ እምነትና ኣይጕይተቱን እዮም። (2 ቈረ. 1:24) ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስ ክርስቶስ “መራሕን ኣዛዝን” ህዝቡ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ።—ኢሳ. 55:4

10. ካብዘን ኣብ ስእሊ ዚርኣያ ዘለዋ ጽሑፋት ኣየነይቲ እያ ብመገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትመላለስ ኣእሚናትካ፧

10 እቲ እሙን ባርያ ኻብ 1919 ኣትሒዙ ንሓደስቲ ግዱሳት ብመንፈሳዊ መዳይ ዚዕንግሎም እተፈላለየ ጽሑፋት ኣዳልዩ እዩ። ንኣብነት፡ ብ1921 ንግዱሳት ብዛዕባ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጡ እትሕግዞም ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣዳለወ። ግዜያት እናተለወጠ ምስ ከደ፡ ተወሳኺ ጽሑፋት ተዳለወ። እሞ ደኣ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ኽትፈልጦን ከተፍቅሮን ዝሓገዘትካ ጽሕፍቲ ኣየነይቲ እያ፧ እታ“ለት ጎድ ቢ ትሩ” እትብል ድያ፡ እታ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ እትብል ድያ፡ እታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትብል ድያ፡ እታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትብል ድያ፡ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ እትብል ድያ፡ እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ እትብል ድያ፡ ወይስ እዛ ሓዳስ ዝወጸት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! እትብል መጽሓፍ፧ ኵለን እዘን ጽሑፋት እዚአን ኣብ ዝወጻሉ እዋን ነቲ ሽዑ ዜድሊ ነገራት ኬማልኣ እየን ወጺአን።

11. ኵላትና መንፈሳዊ ምግቢ ኽንረክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ ዜድልዮም ግና፡ ሓደስቲ ግዱሳት ጥራይ ኣይኰኑን። ኵላትና የድልየና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ዕጹም ብልዒ . . . ነቶም . . . ብሱላት እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ መንፈሳዊ ምግቢ፡ “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ” ከም ዚጠቕመና እውን ገሊጹ ኣሎ። (እብ. 5:14) ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ፡ ስነ ምግባር ባይታ ዘቢጡ ኣሎ። ንመለክዒታት የሆዋ ሓሊኻ ምምልላስ ብሓቂ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ግና ንሸውሃትና ብዜዐንግል መንፈሳዊ ምግቢ ኣቢሉ ብርታዐ ኽንረክብ የኽእለና ኣሎ። ምንጪ እዚ ምግቢ እዚ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እቲ እሙን ባርያ ኸኣ፡ ነዚ ምግቢ እዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ኰይኑ የዳሉን ይዕድልን ኣሎ።

12. ከም የሱስ፡ ንስም ኣምላኽ እንታይ ክብሪ ኢና ሂብናዮ፧

12 ከም የሱስ፡ ንስም ኣምላኽ ዚግብኦ ኽብሪ ንህቦ ኣለና። (ዮሃ. 17:6, 26) ንኣብነት፡ ብ1931 ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስም ተቐቢልና ኢና፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ብስም እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኽንፍለጥ ከም እንደሊ ኣርኢና ኢና። (ኢሳ. 43:10-12) ካብ ጥቅምቲ እታ ዓመት እቲኣ ኣትሒዙ ድማ፡ እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ገበር ኵሉ ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ኺወጽእ ጀሚሩ እዩ። ብተወሳኺ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ንስም ኣምላኽ ናብቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ግቡእ ቦታኡ መሊስዎ እዩ። እዚ ተግባር እዚ፡ ካብቲ ኣብያተ ክርስትያን ንስም የሆዋ ኻብ ሓያሎ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ብምሕካኽ ዝገበራኦ ተግባር ኣመና እተፈልየ እዩ!

የሱስ ንሰዓብቱ ይውድቦም

13. የሱስ ሎሚ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ይጥቀመሉ ኸም ዘሎ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧ (ዮሃንስ 6:68)

13 የሱስ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ምድሪ እተስፋሕፍሕ ፍልይቲ ውድብ ሃኒጹ ኣሎ። ብዛዕባ እታ ውድብ እቲኣ እንታይ ይስምዓካ፧ ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ኽትህብ ከለኻ፡ ምናልባት ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “ንስኻ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ትዝክር ትኸውን። (ዮሃ. 6:68) እወ፡ ንውድብ የሆዋ እንተ ዘይንፈልጣ ኔርና፡ ሎሚ ኣበይ ምሃሎና፧ ክርስቶስ በታ ውድብ እቲኣ ኣቢሉ ብመንፈሳዊ መዳይ ይዕንግለና ኣሎ። ኣገልግሎትና ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንዓምም እውን የሰልጥነና ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ ኢሉ፡ “ሓድሽ ስብእና” ኽንለብስ ይሕግዘና ኣሎ።—ኤፌ. 4:24

14. ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ክፍሊ ውድብ የሆዋ ብምዃንካ ብኸመይ ተጠቒምካ፧

14 የሱስ ኣብ እዋናት ሽግር ጥበባዊ መምርሒ ይህብ እዩ። ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ተላብዐ፡ እቲ መምርሒ እቲ ዘለዎ ጥቕሚ ተራእዩ እዩ። ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እንታይ ከም ዚገብሩ ሓርቢትዎም ከሎ፡ ድሕንነትና ንምሕላው ዚሕግዝ ንጹር መምርሒ ኻብ የሱስ ተቐቢልና ኢና። ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክንከውን ከለና ንገጽና ዚሽፍን ነገር ክንገብር፡ ኣካላዊ ርሕቀትና እውን ክንሕሉ መተባብዒ ተዋሂቡና እዩ። ሽማግለታት ከኣ ንዅሎም እቶም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ሰባት ብቐጻሊ ደሃዮም ኪገብሩ፡ ብኣካላዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ እውን እንታይ ከም ዜድልዮም ኪፈልጡ መዘኻኸሪ ተዋሂብዎም እዩ። (ኢሳ. 32:1, 2) በቲ እዋናዊ ሓበሬታታት ኣመሓዳሪ ኣካል ኣቢልና ድማ፡ ተወሳኺ መምርሕን መተባብዕን ረኺብና ኢና።

15. ኣብ እዋን እቲ ለበዳ ኣኼባታት ንምግባርን ዕዮ ስብከትና ንምፍጻምን ዜኽእል እንታይ መምርሒታት እዩ ተዋሂቡ፧ እዚኸ እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧

15 ኣብ እዋን እቲ ለበዳ፡ ኣኼባታት ጉባኤ ብኸመይ ከም እንገብርን ኣብ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ከም እንሳተፍን እውን ንጹር መምርሒታት ተዋሂቡና እዩ። ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ኢና ሰሙናዊ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣኼባታት ወረዳን ኣኼባታት ዞባን ብቪድዮ ኮንፈረንስ ክንገብር ጀሚርና። ዕዮ ምስክርነትና እውን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ብደብዳበን ብተሌፎንን እዩ ዀይኑ። የሆዋ ነዚ ጻዕርታትና እዚ ባሪኽዎ እዩ። ብዙሓት ጨናፍር ኣብ ብዝሒ ኣስፋሕቲ ጕሉሕ ወሰኽ ከም እተገብረ ጸብጻብ ሂበን ኣለዋ። ብዙሓት እውን ኣብዚ እዋን እዚ ዜተባብዕ ተመክሮታት ረኺቦም እዮም።—“ የሆዋ ንስብከትና ይባርኾ ኣሎ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

16. ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

16 ገሊኦም ሰባት፡ እታ ውድብ ብዛዕባ እቲ ለበዳ ዝገበረቶ ጥንቃቐ ኸም ዘብዝሓቶ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ እተዋህበና መምርሒ ግና ጽቡቕ መሰረት ዘለዎ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ። (ማቴ. 11:19) ነቲ የሱስ ንህዝቡ ዚመርሓሉ ፍቕራዊ መገዲ ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ጽባሕ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ የሆዋን እቲ ፍቑር ወዱን ምሳና ምዃኖም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እብራውያን 13:5, 6 ኣንብብ።

17. ኣብ ትሕቲ እቲ ሓላዊና ዝዀነ የሱስ ብምዕያይካ እንታይ ይስምዓካ፧

17 ኣብ ትሕቲ እቲ ሓላዊና ዝዀነ የሱስ እንዓዪ ምዃንናስ ክንደይ ኰን ኢና ተባሪኽና! ኣብታ ንዅሉ ባህላውን ሃገራውን ቋንቋውን ዕንቅፋታት ዝሰገረት ውድብ ተሓቚፍና ኣለና። ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ንዕንገል ኣለና፡ ዕዮ ስብከት ንምዕማም ምእንቲ ኽንክእል ከኣ ጽቡቕ ንዕጠቕ ኣለና። ብደረጃ ውልቀ ሰብ ድማ ሓድሽ ስብእና ኽንለብስ፡ ንሓድሕድና እውን ክንፋቐር ሓገዝ ይውሃበና ኣሎ። እምበኣር፡ በቲ ሓላዊና ዝዀነ የሱስ ክንምካሕ ንኽእል ኢና!

መዝሙር 16 ስለ ወዱ ንያህ ወድሱ

^ ሚልዮናት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ብቕንኣት ብስራት ይሰብኩ ኣለዉ። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ዲኻ፧ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሓላዊና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኢኻ እትዓዪ ዘለኻ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ ነቲ ሎሚ ዚዕየ ዘሎ ዕዮ ስብከት ይመርሖ ኸም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ ኽንምርምር ኢና። ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ እዚ ምስትንታንና፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስ ብቐጻሊ ንየሆዋ ንምግልጋል ክንቈርጽ ይሕግዘና እዩ።