ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 30

ንዓኻ ዚጸሉ ጥንታዊ ትንቢት

ንዓኻ ዚጸሉ ጥንታዊ ትንቢት

“ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን . . . ጽልኢ እተክል ኣለኹ።”—ዘፍ. 3:15

መዝሙር 15 በዅሪ የሆዋ ይወደስ!

መላለዪ *

1. ኣዳምን ሄዋንን ደድሕሪ ምሕጣኦም፡ የሆዋ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ዘፍጥረት 3:15)

 ኣዳምን ሄዋንን ደድሕሪ ምሕጣኦም፡ የሆዋ ብሓደ ኣገዳሲ ትንቢት ኣቢሉ ንዘርኦም ተስፋ ሃበ። እቲ ሽዑ ዝበሎ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ኣሎ።—ኣንብብ።

2. እዚ ትንቢት እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

2 እዚ ትንቢት እዚ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ቀዳመይቲ መጽሓፍ እዩ ዘሎ። እንተ በዚ እንተ በቲ ግና፡ ምስ ኵሉ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይተኣሳሰር እዩ። ከምቲ ሕቘ መጽሓፍ ንዅሉ እቲ ገጻት ብሓባር ዚጥርንፎ፡ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 እተመዝገበ ቓላት እውን ንትሕዝቶ ዅሉ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓደ መልእኽቲ ይጥርንፎ እዩ። እዚ መልእኽቲ እዚ ድማ፡ ንድያብሎስን ንዅሎም እኩያት ሰዓብቱን ዜጥፍእ መድሓኒ ኺልኣኽ ምዃኑ ዚሕብር እዩ። * እዝስ ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዘሎ ትንቢት ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምልስ ኢና፦ እቶም ኣብኡ ተጠቒሶም ዘለዉ ገጸ ባህርያት መን እዮም፧ እዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ ንሕናኸ ኻብኡ ብኸመይ ንጥቀም ኣለና፧

ኣብቲ ትንቢት ተጠቒሶም ዘለዉ ገጸ ባህርያት መን እዮም፧

4. እቲ “ተመን” መን እዩ፧ እዚኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 ኣብ ዘፍጥረት 3:14, 15፡ “ተመን፡” “ዘርኢ” እቲ ተመን፡ “ሰበይቲ፡” “ዘርኢ” እታ ሰበይቲ ተጠቒሶም ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ወከፎም ንመን ከም ዜመልክቱ ኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ። * እስከ በቲ “ተመን” ንጀምር። ቃል ብቓሉ ሓደ ተመን ነቲ የሆዋ ኣብ ገነት ኤደን እተዛረቦ ኺርድኦ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ፍርዲ የሆዋ ንሓደ ኣስተውዓሊ ፍጡር ዚምልከት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ደኣ መን እዩ፧ ራእይ 12:9 መንነቱ ብዘየማትእ መገዲ ትገልጸልና። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ዘርኢ እቲ ተመን እተባህሉ ግና መን እዮም፧

ተመን

እቲ ኣብ ራእይ 12:9 “ናይ ጥንቲ ተመን” ተባሂሉ እተጸውዐ ሰይጣን ድያብሎስ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

5. ዘርኢ እቲ ተመን መን እዮም፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ ንዘርኢ ብምሳልያዊ መገዲ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ነቶም ብኣተሓሳስባኦምን ብተግባሮምን ከምቲ ምሳልያዊ ኣቦኦም ዝዀኑ እዩ ዜመልክት። ስለዚ፡ ዘርኢ እቲ ተመን ዚብሃሉ፡ እቶም ከም ሰይጣን ንየሆዋ ኣምላኽን ንህዝቡን ዚጻረሩ መንፈሳውያን ፍጡራትን ሰባትን እዮም። እቶም ብግዜ ኖህ ኣብ ሰማይ ዝነበሮም ቦታ ዝሓደጉ መላእኽትን ከም ኣቦኦም ድያብሎስ እኩያት ዝዀኑ ሰባትን ምስዚኣቶም ኪጽብጸቡ ይኽእሉ እዮም።—ዘፍ. 6:1, 2፣ ዮሃ. 8:44፣ 1 ዮሃ. 5:19፣ ይሁ. 6

ዘርኢ እቲ ተመን

ንየሆዋ ኣምላኽን ንህዝቡን ዚጻረሩ እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራትን ሰባትን (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

6. እታ “ሰበይቲ፡” ሄዋን ክትከውን ዘይትኽእል ብኸመይ እያ፧

6 ቀጺልና መንነት እታ “ሰበይቲ” እስከ ንርአ። ንሳ ሄዋን ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ስለምንታይ፧ ሓደ ምኽንያት እስከ ንርአ። ኣብቲ ትንቢት፡ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ንርእሲ እቲ ተመን ከም ‘ዚጭፍልቕ’ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ እቲ ተመን፡ መንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ሰይጣን እዩ። ሓደ ዘይፍጹም ዘርኢ ሄዋን ከኣ ንዕኡ ኺጭፍልቖ ኣይክእልን እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ እዩ ሰይጣን ዚጠፍእ፧

7. ኣብ ራእይ 12:1, 2, 5, 10 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ እታ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 እተጠቕሰት ሰበይቲ መን እያ፧

7 መንነት እታ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 እተጠቕሰት ሰበይቲ፡ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 12:1, 2, 5, 10 ኣንብብ።) ንሳ ግና ተራ ሰበይቲ ኣይኰነትን። ወርሒ ኣብ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል 12 ከዋኽብቲ እውን ኣብ ርእሳ ኸም ዘለዋ ተገሊጹ ኣሎ። ንሓደ ፍልይ ዝበለ ውላድ ከም ዝወለደት እውን ተሓቢሩ ኣሎ። እቲ ውላዳ ንመንግስቲ ኣምላኽ የመልክት፣ መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊት መንግስቲ እያ። ስለዚ፡ እታ ሰበይቲ ሰማያዊት ክትከውን ኣለዋ። እምበኣር፡ እታ ሰበይቲ ነታ ብእሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመት ሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ እያ እተመልክት።—ገላ. 4:26

ሰበይቲ

ብእሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመ ሰማያዊት ክፋል ውድብ የሆዋ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

8. ቀንዲ ዘርኢ እታ ሰበይቲ መን እዩ፧ መዓስከ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፧ (ዘፍጥረት 22:15-18)

8 ቃል ኣምላኽ ቀንዲ ዘርኢ እታ ሰበይቲ መን ምዃኑ ኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ። ንሱ ኻብ ዘርኢ ኣብርሃም ከም ዚኸውን ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 22:15-18 ኣንብብ።) ከምቲ ብትንቢት ተገሊጹ ዝነበረ ኸኣ፡ የሱስ ዘርኢ እቲ እሙን ሰብኣይ ዝዀነ ኣብርሃም እዩ። (ሉቃ. 3:23, 34) ኰይኑ ግና፡ እቲ ዘርኢ ንሰይጣን ድያብሎስ ኪጭፍልቖ፡ ማለት ኬጥፍኦ ስለ ዘለዎ፡ ካብ ሰብ ንላዕሊ ኪኸውን ነይርዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሱስ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ ብመንፈስ እተወልደ ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ ተቐብአ። ኣብቲ እተቐብኣሉ እዋን ድማ፡ ቀዳማይ ክፋል ዘርኢ እታ ሰበይቲ ዀነ። (ገላ. 3:16) የሱስ ሞይቱ ምስ ተንስአ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕኡ “ኣኽሊል ክብርን ግርማን” ደፍኣሉ፣ ብዘይካዚ ኸኣ፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” ሃቦ፡ “ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ” እውን ስልጣን ሃቦ።—እብ. 2:7፣ ማቴ. 28:18፣ 1 ዮሃ. 3:8

ዘርኢ እታ ሰበይቲ

የሱስ ክርስቶስን 144,000 ቅቡኣት መጋዝእቱን (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

9-10. (ሀ) መን እውን እዮም ዘርኢ እታ ሰበይቲ ዝዀኑ፧ መዓስከ እዮም ከምኡ ዝዀኑ፧ (ለ) ቀጺልና እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

9 እንተዀነ ግና፡ ካልኣይ ክፋል ዘርኢ እታ ሰበይቲ እውን ኣለዉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ካብ ኣይሁድን ካብ ኣህዛብን ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ “ናይ ክርስቶስ እንተ ዄንኩም፡ ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፣ ብመሰረት እቲ ተስፋ ኸኣ ወረስቲ ኢኹም” ብምባል መንነት እቶም ካልኣይ ክፋል እቲ ዘርኢ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ገላ. 3:28, 29) የሆዋ ንሓደ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ኪቐብኦ ኸሎ፡ እቲ ሰብ እቲ ኽፍሊ ዘርኢ እታ ሰበይቲ እዩ ዚኸውን። ስለዚ፡ እቲ ዘርኢ ብየሱስ ክርስቶስን በቶም 144,000 መጋዝእቱን ዝቘመ እዩ። (ራእ. 14:1) ኵሎም እዚኣቶም ከኣ መንፈስ ኣቦኦም የሆዋ ኣምላኽ እዮም ዜንጸባርቑ።

10 መንነት እቶም ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተጠቒሶም ዘለዉ ገጸ ባህርያት ካብ ፈለጥና፡ የሆዋ ነዚ ትንቢት እዚ በብደረጃኡ ብኸመይ ከም ዝፈጸሞን ንሕና ኻብኡ ብኸመይ ንጥቀም ከም ዘለናን እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንመርምር።

እቲ ትንቢት ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧

11. ብኸመይ እዩ ዘርኢ እታ ሰበይቲ “ሸዀናኡ” ተነኺሱ፧

11 ብመሰረት እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዘሎ ትንቢት፡ እቲ ተመን ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣብ “ሸዀናኡ” እዩ ዚነኽሶ። ሰይጣን ብኣይሁድን ብሮማውያንን ገይሩ ወዲ ኣምላኽ ከም ዚቕተል ምስ ገበረ፡ እዚ ትንቢት እዚ ተፈጺሙ እዩ። (ሉቃ. 23:13, 20-24) ከምቲ ቓል ብቓሉ ኣብ ሸዀና ዜጋጥም መጕዳእቲ ንግዜኡ ዜሐንክስ፡ የሱስ ምስ ሞተ እውን ንሰለስተ መዓልቲ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ዘይክእል ህይወት ኣልቦ ዀይኑ ኣብ መቓብር ጸኒሑ እዩ።—ማቴ. 16:21

12. ርእሲ እቲ ተመን ብኸመይን መዓስን እዩ ዚጭፍለቕ፧

12 እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዚርከብ ትንቢት ኪፍጸም እንተ ዀይኑ፡ የሱስ ኣብ መቓብር ኪጸንሕ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ ብመሰረት እቲ ትንቢት፡ እቲ ዘርኢ ንርእሲ እቲ ተመን ኪጭፍልቖ ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ፡ የሱስ ካብቲ ኣብ ሸዀናኡ ዘጋጠሞ መንከስቲ ኺሓዊ ኣለዎ። ብርግጽ ድማ ከምኡ እዩ ዀይኑ! የሱስ ካብታ ዝሞተላ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቱ፡ ዘይመውት መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ተንስአ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ድማ፡ የሱስ ንሰይጣን ኬጥፍኦ እዩ። (እብ. 2:14) እቶም ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡ መጋዝእቱ እውን ንዅሎም እቶም ብዘርኢ እቲ ተመን እተመሰሉ ጸላእቲ ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኣብ ምጥፋእ ኪሳተፉ እዮም።—ራእ. 17:14፣ 20:4, 10 *

ካብዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ንጥቀም ኣለና፧

13. ካብ ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ንጥቀም ኣለና፧

13 ርእስኻ ዝወፈኻ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እንተ ዄንካ፡ ካብ መፈጸምታ እዚ ትንቢት እዚ ትጥቀም ኢኻ ዘለኻ። የሱስ ሰብ ኰይኑ እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። ንባህርያት ኣቦኡ እውን ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣንጸባሪቑ እዩ። (ዮሃ. 14:9) ብእኡ ኣቢልና ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ክንፈልጦን ከነፍቅሮን ክኢልና ኣለና። የሱስ ሎሚ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኺመርሓ ኸሎ እውን፡ ካብ ትምህርትታቱን መሪሕነቱን ንጥቀም ኣለና። ንየሆዋ ባህ ብዜብሎ መገዲ ብኸመይ ህይወትና ኽንመርሕ ከም ዘሎና ይምህረና ኣሎ። ብዘይካዚ እውን ኵላትና ኻብ መንከስቲ ሸዀናኡ፡ ማለት ካብ ሞቱ ንጥቀም ኢና። ብኸመይ፧ የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ዋጋ ደሙ ‘ኻብ ኵሉ ሓጢኣትና ዜንጽሃና’ ፍጹም መስዋእቲ ገይሩ ኣቕሪቡ እዩ።—1 ዮሃ. 1:7

14. እቲ ኣብ ኤደን እተነግረ ትንቢት ብኡብኡ ኸም ዚፍጸም ጌርካ ትጽቢት ኪግበረሉ ዘይግባእ ስለምንታይ እዩ፧ ግለጽ።

14 እቲ የሆዋ ኣብ ኤደን ዘውሰኦ ቓላት፡ እቲ ትንቢት ምሉእ ብምሉእ ኽሳዕ ዚፍጸም ግዜ ኸም ዚሓልፍ ይእምት እዩ። ንኣብነት፡ እታ ሰበይቲ ነቲ እተተስፈወ ዘርኢ ንምውላድ ግዜ የድልያ እዩ፣ ድያብሎስ ንሰዓብቱ ንምእካብ ግዜ የድልዮ እዩ፣ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ጕጅለ እውን ጽልኢ ምእንቲ ኺምዕብል ግዜ የድሊ እዩ። ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚ ብምፍላጥና ንጥቀም ኢና። ስለምንታይሲ፡ እዚ ትንቢት እዚ፡ እታ ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዓለም ንኣምለኽቲ የሆዋ ኸም እትጸልኦም የጠንቅቐና እዩ። የሱስ ጸኒሑ ንደቀ መዛሙርቱ ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ሂብዎም እዩ። (ማር. 13:13፣ ዮሃ. 17:14) ምናዳ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት ክፋል እዚ ትንቢት እዚ ብርግጽ ይፍጸም ከም ዘሎ ርኢና ኢና። ብኸመይ፧

15. ጽልኢ ዓለም ዚጐሃሃር ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ግናኸ ንሰይጣን ክንፈርሆ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

15 ብ1914 የሱስ መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ምስ ደየበ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ንሰይጣን ካብ ሰማይ ደርበዮ። ሕጂ ሰይጣን ኣብ ከባቢ ምድሪ ተሓጺሩ ጥፍኣቱ ይጽበ ኣሎ። (ራእ. 12:9, 12) እንተዀነ ግና፡ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ኣይኰነን ዚጽበ ዘሎ። ሰይጣን ኣመና ነዲሩ ስለ ዘሎ፡ ሓደገኛ እዩ። ቍጥዓኡ ድማ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ የውጽኦ ኣሎ። (ራእ. 12:13, 17) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ዓለም ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዋ ጽልኢ ይጐሃሃር ኣሎ። እንተዀነ ግና፡ ንሰይጣንን ንሰዓብቱን ኣይንፈርሆምን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ዓይነት እምነት ኪህልወና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 8:31) መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 እተመዝገበ ትንቢት ተፈጺሙ ስለ ዝረኣና፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ኺህልወና ይኽእል እዩ።

16-18. ከርትስን ኡርሱላን ጀሲካን ንዘፍጥረት 3:15 ኪርድኡ ብምኽኣሎም ብኸመይ ተጠቒሞም፧

16 እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዚርከብ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ንዜጋጥመና ዝዀነ ዓይነት ፈተና ኽንጻወር ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ጓም ሚስዮናዊ ዀይኑ ዜገልግል ከርትስ ከምዚ ይብል፦ “ነቲ ንየሆዋ ዘሎኒ ተወፋይነት ዚፍትን ፈተናታትን ጸገማትን ዘሕለፍኩሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዘሎ ትንቢት ምስትንታነይ ግና፡ ኣብ ሰማያዊ ኣቦይ ዘሎኒ እምነት ሓልየ ኽመላለስ ሓጊዙኒ እዩ።” ከርትስ ነታ የሆዋ ንዅሉ ፈተናታት መወዳእታ ዚገብረሉ መዓልቲ ተሃንጥዩ ይጽበያ ኣሎ።

17 ኣብ ባቫርያ እትነብር ኡርሱላ ዝስማ ሓብቲ፡ ንዘፍጥረት 3:15 ክትርዳእ ምኽኣላ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ኽትኣምን ከም ዝሓገዛ ትገልጽ። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ ኵሉ ኻልእ ትንቢታት ምስዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ከም እተኣሳሰረ ኽትርዳእ ከም ዝኸኣለት፡ እዚ ድማ ኣጸቢቑ ኸም ዝመሰጣ ገሊጻ ኣላ። ብተወሳኺ እውን፡ “ደቂ ሰብ ብዘይ ተስፋ ምእንቲ ኸይሕደጉ፡ የሆዋ ብኡብኡ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ ምፍላጠይ፡ ውሽጠይ ተንክዩኒ እዩ” ትብል።

18 ኣብ ማይክሮነዥያ እትነብር ጀሲካ ከምዚ ትብል፦ “ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ንፈለማ ግዜ ምስ ፈለጥኩ እተሰምዓኒ ስምዒት ክሳዕ ሕጂ እዝክሮ እየ። እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 እተመዝገበ ትንቢት ይፍጸም ምህላዉ እየ ተገንዚበ። እዚ ድማ፡ ሕጂ ዘሎና ህይወት ናይ ሓቂ ህይወት ከም ዘይኰነ ኽዝክር ሓጊዙኒ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ምግልጋል፡ ሕጂ ብሉጽ ህይወት ኪህልወኒ፡ ኣብ መጻኢ እውን ዝሓሸ ህይወት ኪህልወኒ ዜኽእል ምዃኑ እምነተይ ኣደልዲሉለይ እዩ።”

19. እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል እቲ ትንቢት ከም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

19 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ዘፍጥረት 3:15 ትፍጸም እያ ዘላ። ዘርኢ እታ ሰበይቲ መን ምዃኖምን ዘርኢ እቲ ተመን መን ምዃኖምን ብንጹር ተፈሊጦም ኣለዉ። እቲ ቐዳማይ ክፋል ዘርኢ እታ ሰበይቲ ዝዀነ የሱስ ካብቲ ኣብ ሸዀናኡ ዘጋጠሞ መንከስቲ ሓውዩስ ሕጂ ግርማ ዝለበሰ ዘይመውት ንጉስ ኰይኑ ኣሎ። እቶም ካልኣይ ክፋል እቲ ዘርኢ ዝዀኑ እውን ዳርጋ ዅሎም ተሓርዮም ኣለዉ። እቲ ቐዳማይ ክፋል እቲ ትንቢት ስለ እተፈጸመ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል እቲ ትንቢት፡ ማለት ምጭፍላቕ ዘርኢ እቲ ተመን ከም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰይጣን ምስ ጠፍአ፡ ኣብቶም እሙናት ደቂ ሰብ ከመይ ዝበለ እፎይታ ዀን እዩ ኪኸውን! ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣይንተሓለል። ኣምላኽና እሙን እዩ። ብዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣቢሉ ን“ዅሎም ኣህዛብ ምድሪ፡” ቈጺርካ ዘይውዳእ በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ።—ዘፍ. 22:18

መዝሙር 23 የሆዋ ኺገዝእ ጀሚሩ

^ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዚርከብ ትንቢት ከይተረዳእናዮ፡ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጽኒዕናዮ፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት ክንሃንጽ፡ ንዅሉ እቲ ዘተስፈወና ተስፋታት ከም ዚፍጽሞ ዘሎና እምንቶ እውን ከነሐይል ንኽእል ኢና።

^ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ለ1፡ “መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ርአ።

^ “ገጸ ባህርያት ዘፍጥረት 3:14, 15” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

^ ገለ ኻብ ቀንዲ ፍጻመታት ዘፍጥረት 3:15” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።