ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 31

ንፍሉይ መሰል ጸሎት ኣኽቢርካ ርኣዮ

ንፍሉይ መሰል ጸሎት ኣኽቢርካ ርኣዮ

“ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እተዳለወ ዕጣን ይኹን።”—መዝ. 141:2

መዝሙር 47 ንጸሊ ብቐጻሊ

መላለዪ *

1. ነቲ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ እተዋህበና ኣጋጣሚ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዚግባእ፧

 ዜደንቕ መሰል እዩ ተዋሂቡና ዘሎ። ብጸሎት ናብቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ናይ ምቕራብ ፍሉይ መሰል ተዋሂቡና ኣሎ። ሕስብ እሞ ነብሎ፦ ኣብ ዝዀነ ግዜ፡ ብዝዀነ ቛንቋ፡ ቈጸራ ኸነትሕዝ ከየድለየና ኣብ ልብና ዘሎ ናብ የሆዋ ኸነፍስስ ንኽእል ኢና። ኣብ ሆስፒታል ንኹን ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘየገድስ እቲ ፈቃር ኣቦና ኸም ዚሰምዓና ተኣማሚንና ናብኡ ኽንቀርብ ንኽእል ኢና። ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኣፍኲስና ኣይንርእዮን ኢና።

2. ንጉስ ዳዊት ንፍሉይ መሰል ጸሎት ኣኽቢሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ብኸመይ ኣርእዩ፧

2 ንጉስ ዳዊት ንፍሉይ መሰል ጸሎት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ንየሆዋ ኣብ ዝዘመረሉ መዝሙር፡ “ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እተዳለወ ዕጣን ይኹን” ኢሉ እዩ። (መዝ. 141:1, 2) ብግዜ ዳዊት፡ ካህናት ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚጥቀሙሉ ዕጣን ብዓብዪ ጥንቃቐ እዩ ዚዳሎ ነይሩ። (ዘጸ. 30:34, 35) ዳዊት ንዕጣን ምጥቃሱ፡ ነቲ ንሰማያዊ ኣቦኡ ዚብሎ ተጠንቂቑ ኺሓስበሉ ኸም ዝደለየ እዩ ዚሕብር ነይሩ። ንሕና እውን ከምኡ ኢና እንደሊ። ጸሎትና ንየሆዋ ባህ ኬብሎ ኢና እንደሊ።

3. ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ከለና፡ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ ስለምንታይከ፧

3 ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና፡ ከም ሓደ ተራ ሰብ ጌርና ኽንዛረቦ ኣይግባእን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክንጽሊ ኸለና፡ ዓብዪ ኣኽብሮት ከነርእዮ ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ኢሳይያስን ህዝቅኤልን ዳንኤልን ዮሃንስን ዝረኣይዎ ዜደንቕ ራእያት እሞ ንሕሰብ። እዚ ራእያት እዚ ሓደ ኻብቲ ሓደ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሓባራዊ ነገር ነይርዎ እዩ። ኵሉ እቲ ራእያት ንየሆዋ፡ ግርማ ዝዓሰሎ ንጉስ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ፡ “የሆዋ ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ . . . ረኣኹ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳ. 6:1-3) ህዝቅኤል ድማ ንየሆዋ ኣብ ሰማያዊ ሰረገላ ተቐሚጡ ረኣዮ፡ ኣብ ዙርያኡ እውን ‘ከም ቀስተ ደበና ዝበለ ብርሃን’ ነበረ። (ህዝ. 1:26-28) ዳንኤል ከኣ ነቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኑ ረኣዮ፡ ካብ ዝፋኑ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ይወጽእ ነበረ። (ዳን. 7:9, 10) ዮሃንስ እውን ንየሆዋ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ረኣዮ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን እውን ስመራግዶስ ዚምስል ሓምላይ ቀስተ ደበና ነበረ። (ራእ. 4:2-4) ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ግርማ የሆዋ ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ብጸሎት ናብኡ ምቕራብ፡ ኣዝዩ ዓብዪ መሰል ምዃኑ፡ ነዚ ድማ ብኣኽብሮት ክንገብሮ ኸም ዚግባእ የዘኻኽረና እዩ። ግናኸ ብኸመይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧

“ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ”

4. ካብ መእተዊ ቓላት እቲ ኣብ ማቴዎስ 6:9, 10 ዚርከብ ጸሎት እንታይ ንምሃር፧

4 ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንኣምላኽ ባህ ብዜብል መገዲ ብኸመይ ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ምሂርዎም እዩ። “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ” ድሕሪ ምባል፡ ፈለማ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብቐጥታ ዚተሓሓዝ ኣገዳሲ ነገራት እዩ ጠቒሱ፦ ኣብቲ ጸሎቱ፡ ስም የሆዋ ኪቕደስ፡ እታ ንዅሎም ተጻረርቲ ኣምላኽ እተጥፍእ መንግስቲ ኽትመጽእ፡ ምድርን ደቂ ሰብን እውን ኪባረኹ እዩ ጠቒሱ። ነዚ ነጥብታት እዚ ኣብ ጸሎትና ብምጥቃስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንዓና ኣገዳሲ ምዃኑ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

5. ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያትና ምጽላይሲ ግቡእ ድዩ፧

5 የሱስ ኣብቲ ቐጺሉ ዘሎ ኽፋል እቲ ጸሎት፡ ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያት ምጽላይ ግቡእ ከም ዝዀነ ኣርእዩ እዩ። ንየሆዋ ናይ ዕለት እንጌራና ኺህበና፡ በደልና ኺሓድገልና፡ ካብ ፈተና ኼዕቍበና፡ ካብቲ እኩይ እውን ኬድሕነና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 6:11-13) ንየሆዋ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኽንልምኖ ኸለና፡ ኣብኡ ኸም እንውከልን ሞገሱ ኽንረክብ ከም እንደልን ኢና ንገልጽ ዘለና።

ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ዀይኑ ብዛዕባ እንታይ ኪጽሊ ይኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ) *

6. ብዛዕባ እቲ ኣብነት ኣብ ዚኸውን ጸሎት እተጠቕሰ ነገራት ጥራይ ዲና ኽንጽሊ እንኽእል፧ ግለጽ።

6 የሱስ ንሰዓብቱ ነቲ ኣብነት ኣብ ዚኸውን ጸሎት ዘሎ ቓላት ብልክዕ ኪቐድሕዎ ኣይተጸበዮምን። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ካልእ ጸሎቱ እውን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ ኻልእ ጕዳያት ጠቒሱ እዩ። (ማቴ. 26:39, 42፣ ዮሃ. 17:1-26) ብተመሳሳሊ ንሕና እውን ብዛዕባ ዜተሓሳስበና ዝዀነ ይኹን ጕዳያት ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ ጥበብን ኣእምሮን ምእንቲ ኺውሃበና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (መዝ. 119:33, 34) ከቢድ ዕዮ ኽንጅምር ከለና፡ ልቦናን ምስትውዓልን ንምርካብ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 2:6) ወለዲ ብዛዕባ ውሉዳቶም ኪጽልዩ ይኽእሉ እዮም፣ ውሉዳት ከኣ ብዛዕባ ወለዶም ኪጽልዩ ይኽእሉ እዮም፣ ኵላትና ድማ ብዛዕባ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ተምሃሮን ብዛዕባ እቶም እንሰብከሎም ሰባትን ክንጽሊ ንኽእል ኢና፡ ክንጽሊ እውን ኣሎና። እንተዀነ ግና፡ ጸሎትና ልማኖ ጥራይ ኪኸውን የብሉን።

ንየሆዋ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንውድሶን ከነመስግኖን እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-9 ርአ) *

7. ንየሆዋ ብጸሎትና ኽንውድሶ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ኣብ ጸሎትና ንየሆዋ ኽንውድሶ ኸም ዘሎና እውን ክንርስዕ የብልናን። ካብ ኣምላኽና ንላዕሊ ውዳሰ ዚግብኦ መሸም የልቦን። ንሱ “ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን” እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ “መሓርን ርሕሩሕን . . . ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን” እዩ። (መዝ. 86:5, 15) እምበኣር፡ ንየሆዋ ብመንነቱን ብተግባሩን ክንውድሶ ዚድርኽ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና።

8. ገለ ኻብቲ ንየሆዋ እነመስግነሉ ነገራት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ (መዝሙር 104:12-15, 24)

8 ኣብ ርእሲ እቲ ብጸሎት ኣቢልና ንየሆዋ እነቕርበሉ ውዳሰ፡ ስለቲ ዝሃበና ነገራት እውን ከነመስግኖ ንድረኽ ኢና። ንኣብነት፡ ስለቲ ኣብ ዕምባባታት እንርእዮ ውቁብ ሕብርታት፡ ስለቲ መወዳእታ ዘይብሉ እተፈላለየ ዓይነት ጥዑም ምግቢ፡ ከምኡ እውን ስለቲ ምስ ፍቑራት ኣዕሩኽና ዘሎና ባህ ዜብል ምሕዝነት ከነመስግኖ ንኽእል ኢና። እቲ ፍቑር ኣቦና ምእንቲ ኽንሕጐስ ኢሉ እዝን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ይህበና እዩ። (መዝሙር 104:12-15, 24 ኣንብብ።) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ስለቲ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግብን ስለቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ዜደንቕ ተስፋን ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና።

9. ንየሆዋ ምምስጋን ምእንቲ ኸይንርስዕ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (1 ተሰሎንቄ 5:17, 18)

9 የሆዋ እዚ ዅሉ ገይሩልና ኼብቅዕ፡ ንዕኡ ምምስጋን ግና ክንርስዕ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ነዚ ንምዝካር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ነቲ ዘቕረብካዮ ልማኖታት ብዝርዝር ክትምዝግቦ እሞ ኻብዚ የሆዋ ኣየናይ ኸም ዝመለሰልካ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ስለቲ ዝገበረልካ ሓገዝ፡ ብጸሎት ኣመስግኖ። (1 ተሰሎንቄ 5:17, 18 ኣንብብ።) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ካልኦት ኬመስግኑና ኸለዉ፡ ሓጐስ ይስምዓና እዩ፡ ከም ዜማስዉና እውን ንርኢ ኢና። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ንየሆዋ ስለቲ ንጸሎትና ዝሃበና ምላሽ ከነመስግኖ ኸለና፡ ንልቡ ነሐጕሶ ኢና። (ቈሎ. 3:15) እንተዀነ ግና፡ ንኣምላኽና ኸነመስግኖ ዚድርኸና እንታይ ካልእ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣሎ፧

ንየሆዋ ስለቲ ፍቑር ወዱ ኣመስግኖ

10. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 2:21፡ የሆዋ ንየሱስ ናብ ምድሪ ብምልኣኹ ኸነመስግኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10 ቀዳማይ ጴጥሮስ 2:21 ኣንብብ። የሆዋ ነቲ ፍቑር ወዱ ስለ ዝለኣኸልና፡ ከነመስግኖ ኣሎና። ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ካብ ወዱ ምእንቲ ኽንምሃር ኢሉ እዩ። ኣብ ህይወት የሱስ መጽናዕቲ እንተ ጌርና፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ባህ እነብለሉ መገድን ብዙሕ ንምሃር ኢና። ብመስዋእቲ ክርስቶስ ንኣምን እንተ ዄንና ኸኣ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጽቡቕ ብሕታዊ ርክብ ክንምስርት ንኽእል ኢና፡ ምስኡ እውን ሰላም ኪህልወና ይኽእል እዩ።—ሮሜ 5:1

11. የሱስ ኣብቲ ናብ የሆዋ እነቕርቦ ጸሎት እንታይ ግደ ኣለዎ፧

11 ብወዱ ኣቢልና ናብኡ ኽንጽሊ ብምኽኣልና እውን፡ ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና። የሆዋ ንልማኖና ብወዱ ኣቢሉ እዩ ዚህበና። ብስሙ ኣቢሉ ንዚቐርብ ጸሎት ይሰምዖን ይምልሶን እዩ። የሱስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ኢሉ እዩ፦ “ኣቦ ብወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኽገብረልኩም እየ።”—ዮሃ. 14:13, 14

12. ንየሆዋ ስለ ወዱ እነመስግነሉ እንታይ ካልእ ምኽንያት ኣሎ፧

12 የሆዋ ብመሰረት እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ገይሩ እዩ ንሓጢኣትና ይቕረ ዚብለልና። ቅዱሳት ጽሑፋት ንየሱስ፡ ‘ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ ሊቀ ኻህናትና’ ኢሉ እዩ ዚገልጾ። (እብ. 8:1) ብተወሳኺ እውን ብዛዕባኡ፡ “ኣብ ኣቦ ረዳኢ . . . ኣሎና” ተባሂሉ ኣሎ። (1 ዮሃ. 2:1) የሆዋ ብድኻምና ዚርድኣልናን “ምእንታና ዚልምን”ን ደንጋጺ ሊቀ ኻህናት ስለ ዝሃበና ብዙሕ ነመስግኖ ኢና። (ሮሜ 8:34፣ እብ. 4:15) ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ኢና፣ ስለዚ፡ ብዘይ መስዋእቲ የሱስ ናብ የሆዋ ብጸሎት ክንቀርብ ኣይምኸኣልናን ኔርና። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ስለቲ የሆዋ ዝሃበና ኽቡር ውህበት፡ ማለት ስለቲ ፍቑር ወዱ፡ ምስጋናና እንገልጸሉ እኹል ቃላት የብልናን!

ምእንቲ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ጸሊ

13. የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ለይቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

13 የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ለይቲ፡ ምእንቲ ደቀ መዛሙርቱ ነዊሕ ጸሎት ኣቕሪቡ እዩ፣ ንኣቦኡ እውን፡ “ካብቲ እኩይ ክትሕልዎም” ኢሉ ለሚንዎ እዩ። (ዮሃ. 17:15) እዚ ጸሎቱ ድማ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ከም ዜፍቅሮም እዩ ዜርኢ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ከቢድ ፈተና ዜሕልፈሉ እዋን ይቐርብ እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ ሃዋርያቱ እዩ ተጨኒቑ።

ምእንቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ) *

14. ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከም እነፍቅሮም ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

14 ንሕና እውን ኣብነት የሱስ ስለ እንስዕብ፡ ኣብቲ ንዓና ዜድልየና ነገራት ጥራይ ኣይኰንናን እነተኵር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምእንቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዘውቲርና ንጽሊ ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ ነቲ የሱስ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ዝሃበና ትእዛዝ ንሕሉ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ኽሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮም ድማ ንየሆዋ ነርእዮ ኢና። (ዮሃ. 13:34) ምእንቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንጽሊ ኸለና፡ ግዜና ኣይኰንናን እነባኽን ዘለና። ቃል ኣምላኽ፡ “ምህለላ ጻድቕ ሓያልን መስለጢትን እያ” ይብለና እዩ።—ያእ. 5:16

15. ምእንቲ ክርስትያናት ብጾትና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 ክርስትያናት ብጾትና ብዙሕ ፈተናታት ስለ ዜሕልፉ፡ ምእንታኦም ክንጽሊ ኣሎና። ንዜጋጥሞም ሕማም፡ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ውግእ ሓድሕድ፡ መስጐጕቲ፡ ወይ ካልእ ጸገማት ምእንቲ ኺጻወሩ፡ ሓገዝ የሆዋ ኽንልምነሎም ንኽእል ኢና። ስለ እቶም ንእተሸገሩ ረድኤት ዚህቡ ዘለዉ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ምናልባት ንስኻ እውን ጸገማት ንዜጋጥሞም ኣሕዋትን ኣሓትን ብውልቂ ትፈልጥ ትኸውን። እሞ ደኣ ንዓታቶም ንምንታይ ብስሞም ጠቒስካ ኣብ ብሕታዊ ጸሎትካ ዘይትጽልየሎም፧ ምእንቲ ኺጻወሩ ሓገዝ የሆዋ ብምልማን፡ ናይ ሓቂ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

16. ምእንቲ እቶም ዚመርሑና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 እቶም ኣብ ጉባኤ ዚመርሑና፡ ነቲ ኻልኦት ምእንታኦም ዜቕርብዎ ጸሎት ብዙሕ የማስዉሉ እዮም፡ ካብኡ እውን ይጥቀሙ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ኣብነት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣነ ኣፈይ ምስ ከፈትኩ፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር እቲ ብስራት ከፍልጥ ከለኹ ብትብዓት ክዛረብ ቃል ምእንቲ ኺውሃበኒ፡ ምእንታይ እውን ጸልዩ።” (ኤፌ. 6:19) ሎሚ እውን ብትግሃት ዚዓዩ ብዙሓት ዚመርሑና ኣሕዋት ኣለዉና። የሆዋ ንዕዮኦም ኪባርኾ ብምልማን፡ ንዓታቶም ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

ንኻልኦት ወኪልና ኽንጽሊ ኸለና

17-18. ኣብ ምንታይ ኣጋጣሚታት ኢና ንኻልኦት ወኪልና ኽንጽሊ ሕቶ ኪቐርበልና ዚኽእል፧ ኣብቲ ግዜ እቲኸ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

17 ሓድሓደ ግዜ፡ ንኻልኦት ወኪልና ኽንጽሊ ዕድመ ይቐርበልና እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሕ ሓብቲ ነታ ኣሰንያታ ዝኸደት ሓብቲ፡ ክትጽልየለን ትሓትታ ትኸውን። እታ ኽትጽሊ እተሓትተት ሓብቲ፡ ነታ ተምሃሪት ጽቡቕ ገይራ ኣይትፈልጣን ትኸውን። ስለዚ፡ ናይ መደምደምታ ጸሎት ከተቕርብ ትመርጽ ትኸውን። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ጸሎታ ነታ ተምሃሪት ዜድልያ ነገራት ብዝሓሸ ኽትጠቅስ ትኽእል እያ።

18 ሓደ ሓው እውን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ወይ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ጸሎት ኬቕርብ ይሕተት ይኸውን። እዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዚውሃቦም ኣሕዋት፡ ዕላማ እቲ ኣኼባ ኣብ ግምት ኬእትዉ ኣለዎም። ጸሎት ነታ ጉባኤ ንምምካር ወይ ምልክታ ንምንጋር ኪጥቀሙሉ የብሎምን። ኣብ መብዛሕትኡ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ንመዝሙርን ንጸሎትን ብድምር ሓሙሽተ ደቒቕ እዩ ዚምደብ። ስለዚ፡ ሓደ ጸሎት ዜቕርብ ሓው፡ ምናዳ ኣብ መጀመርታ ኣኼባ፡ ‘ቃላት ኬብዝሕ’ የብሉን።—ማቴ. 6:7

ንጸሎት ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ሃቦ

19. ንመዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ወትሩ ድሉዋት ንምዃን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

19 ናብ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን፡ ንጸሎት ኣብ ህይወትና ብዝያዳ ቐዳምነት ክንህቦ ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ የሱስ፡ “ካብ ኵሉ እዚ ኪኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኸተምልጡ፡ . . . ኵሉ ሳዕ እናተማህለልኩም ንቕሑ” ኢሉና እዩ። (ሉቃ. 21:36) እወ፡ ቀጻሊ ጸሎት፡ መዓልቲ ኣምላኽ ከይተዳሎና ምእንቲ ኸይትመጸና ብመንፈሳዊ መዳይ ወትሩ ንቑሓት ክንከውን ይሕግዘና እዩ።

20. ከመይ ኢሉ እዩ ጸሎትና ኸም ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ኪኸውን ዚኽእል፧

20 ክሳዕ ሕጂ እንታይ ኢና ርኢና፧ ንፍሉይ መሰል ጸሎት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ቀንዲ ኣትኵሮ ጸሎትና ኣብቲ ምስ ዕላማ የሆዋ ብቐጥታ ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ንወዲ ኣምላኽን ንግዝኣት መንግስቱን ዘሎና ሞሳ ንገልጽ፡ ምእንቲ ክርስትያናት ብጾትና እውን ንጽሊ ኢና። ብዛዕባ እቲ ብስጋውን ብመንፈሳውን ዜድልየና ነገራት እውን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጸሎትና እንብሎ ቓላት ተጠንቂቕና እንተ ሓሲብና፡ ነዚ ዜደንቕ መሰል ዘሎና ኣኽብሮት ነርኢ ኢና። ቃላትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ስለ ዚኸውን ከኣ፡ “ባህ የብሎ” እዩ።—ምሳ. 15:8

መዝሙር 45 ምስትንታን ልበይ

^ ነቲ ብጸሎት ናብ የሆዋ ናይ ምቕራብ ፍሉይ መሰልና ኣዚና ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ጸሎትና ኸምቲ ጥዑም ዝመኣዛኡ ዕጣን ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ኪኸውን ኢና እንደሊ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሶ እንኽእል ነጥብታት ክንርኢ ኢና። ንኻልኦት ወኪልና ኽንጽሊ ኣብ እንዕደመሉ እዋን ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ሒደት ነጥብታት እውን ክንርኢ ኢና።

^ መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ዀይኑ ብዛዕባ ድሕንነት እታ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸደት ጓሎምን ብዛዕባ ጥዕና ብዕድመ ዝደፍአ ወላድን ብዛዕባ ዕቤት ሓንቲ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስን ይጽሊ።

^ መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ መንእሰይ ሓው ንየሆዋ ስለቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃን ስለታ ጽብቕቲ ምድርናን ስለቲ ዓንጋሊ ምግብን የመስግኖ።

^ መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ፡ የሆዋ ንኣመሓዳሪ ኣካል ብመንፈሱ ኺባርኾ፡ ነቶም ኣደዳ ሓደጋን መስጐጕትን ዝዀኑ ኸኣ ኪረድኦም ትጽሊ።