ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ቀዳምነታት ስራዕ

ኵላትና ንብሕታዊ መጽናዕቲ ዚኸውን ውሱን ግዜ እዩ ዘሎና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ብዝሓሸ ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧ ፈለማ፡ እኹል ግዜ መድበሉ። ላዕለ ላዕሉ ሕልፍ ሕልፍ እናበልካ ብዙሕ ክፋል ካብ እተጽንዕ፡ ሒደት ክፋል ብዕምቈት እንተ ኣጽኒዕካ ኢኻ ብዝያዳ እትጥቀም።

እምበኣር፡ ቀዳምነታት ስራዕ። (ኤፌ. 5:15, 16) ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ሕሰበሉ፦

  • መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ኣንብብ። (መዝ. 1:2) በቲ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን እንወስዶ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

  • ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ንኣኼባ መንጎ ሰሙንን ተዳለወሉ። ሓሳብ ንምሃብ ድሉው ኩን።—መዝ. 22:22

  • ግዜ ኸም ዜፍቅደልካ፡ ካልእ መንፈሳዊ ምግቢ ተመገብ። ንኣብነት፡ ነቲ ንህዝቢ ዚዳሎ መጽሔታትን ቪድዮታትን ኣብ jw.org ዝወጸ ጽሑፋትን ከተንብቦ ወይ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

  • ፕሮጀክት መጽናዕቲ ግበር። ብዛዕባ ዜጋጥመካ ዘሎ ጸገም፡ ብዛዕባ እተላዕለካ ሕቶ፡ ወይ ብዝሓሸ ኺርድኣካ ብዛዕባ እትደልዮ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርእሰ ነገር ምርምር ግበር።