ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ብሕታዊ ተገዳስነት ኣብ ምሉእ ህይወት ዚቕጽል በረኸት የምጽእ

ብሕታዊ ተገዳስነት ኣብ ምሉእ ህይወት ዚቕጽል በረኸት የምጽእ

ብ1948 ምስ ኣደይን ሓብተይ ፓትን

“ቤተ ክርስትያን ኣንግሊካን ሓቂ ኣይትምህርን እያ። ሓቂ ኻብ ምንዳይ ግና ኣይተቋርጺ።” ዓባየይ ንኣደይ እዚ ቓላት እዚ ምስ ተዛረበታ፡ ኣደይ ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ከተናዲ ጀመረት። ኰይኑ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ኣብ ቶሮንቶ፡ ካናዳ ዚርከብ ቤትና ምስ መጹ፡ ምሳታቶም ክትዛራረብ ፍቓደኛ ኣይኰነትን። ንዓይ እውን ክሕባእ ነገረትኒ። ምንኣሳ ሓብታ ንኣደይ ብ1950 ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ምስ ጀመረት ግና፡ ኣደይ ኣብቲ መጽናዕቲ ተጸምበረታ። ክልቲአን ከኣ ኣብ እንዳ ሓትኖይ ኰይነን የጽንዓ ነበራ። ጸኒሐን እውን ተጠምቃ።

ኣቦይ፡ ዩናይትድ ቸርች ኣብ እትብሃል ናይ ካናዳ ቤተ ክርስትያን ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ስለዚ፡ ሰሙን ሰሙን ንዓይን ንሓብተይን ናብ ትምህርቲ ሰንበት ይሰድደና ነበረ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ኣብ ናይ ሰዓት 11 ቅ.ቀ. ዚግበር ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ምስኡ ንጽምበር ነበርና። ድሕሪ ቐትሪ ኸኣ ምስ ኣዴና ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸይድ ነበርና። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ሃይማኖታት ዘሎ ፍልልይ ብቐሊሉ ኽንርእዮ ኸኣልና።

ኣብቲ ብ1958 እተገብረ መለኮታዊ ፍቓድ ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ ምስ እንዳ ሃቸሰን

ኣደይ ነቲ ሓድሽ እምነታ፡ ቦብ ሃቸሰንን መሪዮን ሃቸሰንን ንዚብሃሉ ኻብ ቀደም ኣትሒዛ ንእትፈልጦም ፈተውታ ኣካፈለቶም። ንሳቶም እውን ሓቂ ተቐበሉ። ብ1958 እንዳ ሃቸሰን ናብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ሸሞንተ መዓልቲ ዚወስድ “መለኮታዊ ፍቓድ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ ምስ ሰለስተ ደቆም ተማሊኦምኒ ኸዱ። ሕጂ ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ከምኡ ንምግባር ብዙሕ መስዋእቲ እዮም ከፊሎም። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ኣኼባ እቲ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ጦብላሕታ እዩ ሓዲጉለይ።

ብሕታዊ ተገዳስነት ንመጻእየይ ጸልይዎ

ንእሽቶ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ሕርሻ ኢና እንነብር ኔርና። በዚ ምኽንያት እዚ ንእንስሳታት ምክንኻን እፈቱ ነይረ እየ። ስለዚ፡ ሓኪም እንስሳ ብዛዕባ ምዃን ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ ጀመርኩ። ኣደይ ነዚ ነገር እዚ ንሓደ ኣብ ጉባኤና ዝነበረ ሽማግለ ነገረቶ። ንሱ ድማ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ብለውሃት ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ንትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ብርክት ዝበለ ዓመታት እንተ ወፍየ፡ እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ሕቶ ሓተተኒ። (2 ጢሞ. 3:1) ስለዚ ድማ ነቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ሓደግክዎ።

ኰይኑ ግና፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ድሕሪ ምውዳአይ እንታይ ከም ዝገብር እሓስብ ነበርኩ። ኣብ ቀዳመ ሰንበት ናብ ኣገልግሎት እወፍር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንኣገልግሎት ግና ኣይፈትዎን እየ ነይረ። ፈላሚ ዝኸውን እውን ኣይመስለንን እዩ ነይሩ። እቲ ዘይኣማኒ ኣቦይን ሓው ኣቦይን ድማ ኣብ ቶሮንቶ ንዚርከብ ዓብዪ ኩባንያ መድሕን ብምሉእ ግዜይ ክሰርሕ የተባብዑኒ ነበሩ። ሓው ኣቦይ ኣብቲ ትካል ዓብዪ ቦታ ነበሮ፣ ስለዚ ኣብቲ ትካል ተቘጺረ ኽሰርሕ ፍቓደኛ ዀንኩ።

ኣብ ቶሮንቶ ወትሩ ሕልፊ ሰዓት እሰርሕ ብምንባረይ፡ ምስ ዘይኣመንቲ እውን እቀራረብ ብምንባረይ፡ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ስሩዕ ተሳትፎ ኣይነበረንን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ፈለማ ምስቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ኣቦሓጎይ እነብር ነበርኩ። ንሱ ምስ ሞተ ግና ካልእ መንበሪ ኸናዲ ነበረኒ።

እቶም ብ1958 ናብ እተገብረ ኣኼባ ዝወሰዱኒ እንዳ ሃቸሰን ከም ወለዲ እዮም ኰይኖምለይ። ንሳቶም ምሳታቶም ክነብር ዓደሙኒ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ክዓቢ እውን ሓገዙኒ። ብ1960፡ ኣነን ጆን ዚብሃል ወዶምን ብሓንሳእ ተጠመቕና። ድሕርዚ፡ ጆን ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ፣ እዚ ድማ ኣገልግሎተይ ከዕዝዝ ኣተባብዓኒ። እቶም ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ኣሕዋት ንመንፈሳዊ ዕቤተይ የስተብህሉሉ ነበሩ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ኣገልጋሊ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኰይነ ተሸምኩ። a

ንፍዕቲ ብጸይትን ሓድሽ ግንዛበን ረኸብኩ

ብ1966 ኣብ መዓልቲ መርዓና

ብ1966 ራንዲ በርግ ምስ እትብሃል ቀናእ ፈላሚት ተመራዓውና። ንሳ ድማ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልይዎ ኸይዳ ንምግልጋል ትህንጠ ነበረት። ብዘይካዚ፡ ገያሺ ሓላዊና ብሕታዊ ተገዳስነት ገበረልና፣ ኣብ ኦሪልያ፡ ኦንታርዮ ንእትርከብ ጉባኤ ኽንሕግዝ እውን ኣተባብዓና። ስለዚ፡ ንብረትና ጠርኒፍና ናብኡ ገዓዝና።

ናብ ኦሪልያ ምስ በጻሕና፡ ስሩዕ ፈላሚ ዀይነ ምስ ራንዲ ኸገልግል ጀመርኩ። እቲ ዉዕዉዕ መንፈሳ ጸልዩኒ ነይሩ እዩ። ብምሉእ ልበይ ኣብ ፈላምነት ምስ ኣተኰርኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃምን ሰባት ሓቂ ኺፈልጡ ምርኣይን ዜምጽኦ ሓጐስ ክጥዕም ከኣልኩ። ኣብ ኦሪልያ ንዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ህይወቶም ለውጢ ገይሮም ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ ብምሕጋዝና ብሓቂ ተባሪኽና ኢና።

ሓድሽ ቋንቋን ሓድሽ ኣተሓሳስባን

ናብ ቶሮንቶ ንምብጻሕ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ ኣርኖልድ ማክናማራ ምስ ዚብሃል ሓደ ኻብቶም ኣብ ቤት-ኤል መሪሕ ግደ ዝነበሮም ኣሕዋት ተራኸብኩ። ንሱ ድማ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ንደሊ እንተ ዄንና ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ ብኡብኡ፡ “እወ፡ ናብ ኲበክ ጥራይ ኣይትስደዱና ደኣ እምበር!” ኢለ መለስኩሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብታ ፈረንሳይኛ ዝቛንቋኦም ካናዳውያን ዚነብሩላ ኣውራጃ ኲበክ ናዕቢ ነይሩ እዩ። ኣነ ድማ በቲ እንግሊዝኛ ዝቛንቋኦም ካናዳውያን ብዛዕባኦም ዝነበሮም ኣሉታዊ ስምዒታት ተጸልየ ነይረ እየ። ብዘይካዚ ድማ፡ ኣብ ኲበክ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ካብ ዝተረፈ ኽፋል ካናዳ ኺፍለዩ ዚጠልብ እዩ ነይሩ።

ሽዑ ኣርኖልድ፡ “ጨንፈርና ኣብዚ ግዜ እዚ ናብ ኲበክ ጥራይ እዩ ፍሉያት ፈለምቲ ዚልእኽ” ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ኸኣ ናብኡ ኽንከይድ ብኡብኡ ተሰማማዕኩ። ራንዲ ናብኡ ኸይዳ ኸተገልግል ከም እትደሊ እፈልጥ ነይረ እየ። ጸኒሐ ድማ፡ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወተይ ዝገበርክዎ ብሉጽ ውሳነታት ምዃኑ ፈሊጠ እየ።

ኣነን ራንዲን ሓሙሽተ ሰሙን ዚወስድ ትምህርቲ ፈረንሳይኛ ምስ ተምሃርና፡ ምስ ካልኦት ሰብ ሓዳር ናብታ ብሰሜናዊ ምብራቕ ሞንትርያል ኣስታት 540 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ሪሙስኪ ኸድና። ገና ብዙሕ እንምሃሮ ነይሩና። ኣብ ኣኼባ ምልክታታት ከንብብ ከለኹ፡ ገና ብዙሕ ከም ዚተርፈኒ ተራእዩ እዩ። ኣብ ዚቕጽል ዓብዪ ኣኼባ ብዙሓት “ኦስትርያውያን ኣኼበኛታት” ኪህልዉና እዮም ኢለ ኸንብብ ዝሓሰብኩ፡ ብዙሓት “ሰገናት ኣኼበኛታት” ኪህልዉና እዮም ኢለ እየ ኣንቢበ።

ኣብ ሪሙስኪ እንነብረላ ዝነበርና “ዋይት ሃውስ”

ናብ ሪሙስኪ ኣርባዕቴና ድሕሪ ምኻድና፡ ብቕንኣት ዜገልግላ ኣርባዕተ ንጽል ኣሓትን እንዳ ህዩበርዶ ምስ ክልተ ኣዋልዶምን ተጸምበሩና። እንዳ ህዩበርዶ ሸውዓተ መደቀሲ ዘለዎ ዓብዪ ገዛ ተኻረዩ። ኵሎም እቶም ፈለምቲ እውን አእጃምና እናኣዋጻእና ኣብኡ ንነብር ነበርና። እቲ ገዛ ብሸነኽ ቅድሚቱ ጻዕዳ ቐለም እተለኽየን ጸዓዱ ኣዕኑድ ዘለዎን ብምንባሩ ዋይት ሃውስ ኢልና ንጽውዖ ነበርና። ኣብቲ ገዛ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ 12 ክሳዕ 14 ሰባት ንነብር ነበርና። ኣነን ራንዲን ፍሉያት ፈለምቲ ስለ ዝነበርና፡ ናይ ንግሆ ዀነ፡ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ዀነ፡ ወይ ምሸት፡ ናብ ስብከት ዜካይደና ሰብ ብምርካብና ብዙሕ ኢና እነማሱ ኔርና። ዋላ እውን ምሸት ኣብቲ ቘራሪ ወርሓት ዜካይደና ኣይንስእንን ኢና ኔርና።

ምስቶም እሙናት ፈለምቲ ኣመና ስለ እተቓራረብና፡ ከም ሓደ ስድራ ኢና ኔርና። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ዙርያ መጋርያ ሓዊ ኾፍ ኢልና ነዕልል፡ ወይ ምግቢ ንኽሽን ነበርና። ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ሙዚቀኛ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ቀዳም ምሸት ንዝምርን ንስዕስዕን ነበርና።

ክሊ ሪሙስኪ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት፡ ገሊኦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ኪበጽሑ ብምርኣይና ተሓጒስና ኢና። እታ ጉባኤ እውን ናብ ኣስታት 35 ኣስፋሕቲ ዓብያ እያ።

ኣብ ኲበክ ንወንጌላውያን ዚኸውን ብሉጽ ስልጠና ኢና ረኺብና። የሆዋ ኣብ ኣገልግሎት ኰነ ኣብ ስጋዊ ነገራት ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ርኢና ኢና። ብተወሳኺ እውን፡ ንተዛረብቲ ፈረንሳይኛን ንቛንቋኦምን ንባህሎምን ክንፈቱ ኽኢልና ኢና፣ እዚ ድማ ንኻልኦት ባህልታት ክንፈቱ መገዲ ኸፊቱልና እዩ።—2 ቈረ. 6:13

ብሃንደበት፡ ናብታ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኒው ብራንስዊክ እትርከብ ከተማ ትራካዲ ኽንግዕዝ ካብ ጨንፈርና ሕቶ ቐረበልና። እዚ ሕቶ እዚ፡ ሓደ ኣፓርታማ ንምክራይ ውዕል ክራይ ምስ ፈረምና፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ እውን ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ንምስራሕ ውዕል ምስ ገበርኩ ስለ ዝመጸ፡ ጸገም ፈጢሩለይ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ገሊኦም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት ኣስፋሕቲ ኻብ ዝዀኑ ነዊሕ ኣይገበሩን ነይሮም። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ንሃንጽ ኔርና ኢና።

ብዛዕባ እቲ ምግዓዝ ምሉእ ቀዳመ ሰንበት ድሕሪ ምጽላይ ናብ ትራካዲ ንምብጻሕ ከድና፣ ትራካዲ ኻብ ሪሙስኪ ኣዝያ እተፈልየት እያ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ናብታ ኸተማ ኽንከይድ ስለ ዝደለየና፡ ክንከይድ ወሰንና። በዚ ኸምዚ ንየሆዋ ፈተንናዮ፡ ንዅሉ ዕንቅፋታትና በብሓደ ኼወግድ ከሎ ኸኣ ረኣናዮ። (ሚል. 3:10) ከም ልሙድ ከኣ እቲ ራንዲ ዝነበራ ድልዱል መንፈሳውነት፡ ጥቕሚ ርእሳ ናይ ምስዋእ መንፈስ፡ ንጸገማት ብሰሓቕ ናይ ምሕላፍ ክእለት ነቲ ብድሆ ብቐሊሉ ኽንሰግሮ ኣኽኢሉና እዩ።

ኣብታ ሓዳስ ጉባኤና፡ ሮበርት ሮስ ጥራይ እዩ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ። ንሱን ሰበይቱ ሊንዳን ኣብታ ኸተማ እቲኣ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ነይሮም እዮም። በዅሪ ውላዶም ምስ ወለዱ ኸኣ፡ ኣብታ ኸተማ ኺጸንሑ ወሰኑ። ዋላ እውን ነቲ ውላዶም እናተኸናኸኑ ንዓይን ንራንዲን በቲ ጽቡቕ ኣቀባብላኦምን ቈራጽነቶምን ንኣገልግሎት ዘለዎም ቅንኣትን ብዙሕ ኣተባቢዖምና እዮም።

ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ዘበለ ምግልጋል ዜምጽኦ በረኸት

ኣብ ቀዳማይ ወረዳና ኣብ ቈራሪ ወቕቲ

ኣብ ትራካዲ ኽልተ ዓመት ፈለምቲ ዄንና ድሕሪ ምግልጋልና፡ ዘይተጸበናዮ ጻውዒት ቀረበልና። ኣብ ዕዮ መገሻ ኸነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ፈለማ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ወረዳታት ሸውዓተ ዓመት ኣገልገልና። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ናብታ ኣብ ኲበክ እትርከብ ናይ ፈረንሳይኛ ወረዳ ተመደብና። ኣብ ኲበክ ሓላው ኣውራጃ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሊዮንስ ክሪፖ ስለቲ መደረታተይ ይንእደኒ ነበረ። ጸኒሑ ግና፡ “ከመይ ጌርካ እዩ ብዝያዳ ግብራዊ ዚኸውን፧” ኢሉ ወትሩ ይሓትተኒ ነበረ። b እዚ ብሕታዊ ቆላሕታ እዚ፡ ንኣመሃህራይ ንጹርን ቀሊልን ኽገብሮ ሓጊዙኒ እዩ።

ኣብቲ ብ1978 ኣብ ሞንትርያል እተገብረ “ዕውትቲ እምነት” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወተይ ፍሉይ ተዘክሮታት ዝሓደገለይ ዕዮ ተዋሂቡኒ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምግቢ እየ ዝዓዪ ነይረ። ኣስታት 80,000 ተኣከብቲ ኺመጹ እዩ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ። ሓድሽ ስርዓት ኣመጋግባ እውን ተኣታትዩ ነይሩ እዩ። ኵሉ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ እዩ ነይሩ፣ እቲ መሳርሒ፡ እቲ ዓይነት ምግብታት፡ እቲ ዚዳለወሉ መገዲ ሓድሽ እዩ ነይሩ። መዝሓሊ ዀይነን ዜገልግላ ኣስታት 20 ዓበይቲ ተጐተትቲ ነበራና፣ ገሊአን ግና ይበላሸዋ ነበራ። ድሮ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ስፖርታዊ ንጥፈት ስለ ዝነበረ፡ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ናብቲ ስታድዩም ክንኣቱ ኣይከኣልናን ኔርና። ቍርሲ ንምድላው ከኣ ገና ኸይወግሐ ነቲ እቶናት ክንውልዖ ነበረና። ኣመና ኢና ደኺምና ኔርና። እንተዀነ ግና፡ ካብ ትግሃትን ብስለትን ዋዛን እቶም ምሳይ ዜገልግሉ ዝነበሩ ወለንተኛታት ብዙሕ እየ ተማሂረ። በዚ ኸምዚ ስለ እተቓራረብና፡ ክሳዕ ሎሚ ዝቐጸለ ዕርክነት መስሪትና ኢና። እዚ ታሪኻዊ ኣኼባ እዚ፡ ኣብታ ብ1940ታትን ብ1950ታትን ከቢድ መስጐጕቲ ዝነበራ ኣውራጃ ኲበክ ኪግበር ብምኽኣሉ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ተሰሚዑና!

ኣብቲ ብ1985 ኣብ ሞንትርያል ቅድሚ ዓብዪ ኣኼባ ዚግበር ዕዮ ምስ ራንዲ እናዓየና

ኣብቲ ኣብ ሞንትሪያል ዚግበር ዝነበረ ዓበይቲ ኣኼባታት ካብ ካልኦት ሓለውቲ ብዙሕ እየ ተማሂረ። ንኣብነት፡ ሓደ ዓመት፡ እዚ ሕጂ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዜገልግል ዘሎ ዴቪድ ስፕለይን ሓላው እቲ ቤት ጽሕፈት ኣኼባ ዀይኑ ኣገልገለ። ኣብ ካልእ ኣኼባ ነቲ ዕዮ እቲ ኣነ ኽዓይዮ ምስ ተመደብኩ ኸኣ፡ ንሱ ምሉእ ብምሉእ ተሓባበረኒ።

ብ2011 ን36 ዓመት ኣብ ዕዮ መገሻ ድሕሪ ምግልጋልና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሽማግለታት ጉባኤ መምህር ኰይነ ኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣነን ራንዲን ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ኣብ 75 እተፈላለየ ዓራት ኢና ደቂስና። እቲ መስዋእትና ግና ዚኽሕስ እዩ ነይሩ። ኣብ መመወዳእታ ሰሙን፡ እቶም ሽማግለታት፡ ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ንመንፈሳውነቶም ዘለዎ ሓልዮት ብምርኣዮም፡ ምስጋናኦም ዚገልጹሉ ቓላት ይስእኑ ነበሩ።

ድሕርዚ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ መምህር ኰይነ ኣገልገልኩ። እቶም ተምሃሮ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዚውሃቦም ዝነበረ ብዝሒ ትምህርቲ ዓቕሎም ይጸብቦም ነይሩ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሰዓት ኣብ ክፍሊ ኮፍ ይብሉ፡ ምሸት ምሸት ሰለስተ ሰዓት ዕዮ ገዛ ይሰርሑ፡ ኣብ ሰሰሙን ከኣ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ኣሳይንመንት ይውሃቦም ነይሩ እዩ። ኣነን እቲ ኻልኣየይ መምህርን ብሓገዝ የሆዋ እንተ ዘይኰኑ ኺገብርዎ ኸም ዘይክእሉ ገሊጽናሎም ኢና። እቶም ተምሃሮ ኣብ የሆዋ ብምውካሎም፡ ካብቲ ዝሓሰብዎ ንላዕሊ ኺዓምሙ ምኽኣሎም ዚፈጥረሎም ስምዒት ወትሩ ኣይርስዖን እየ።

ብሕታዊ ተገዳስነት ነባሪ በረኸት የምጽእ

እቲ ንኣደይ ዝነበራ ብሕታዊ ተገዳስነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትምህረን ሰባት ዕቤት ኪገብራ ሓጊዝወን እዩ። ዋላ እውን ንኣቦይ ንሓቂ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኺልስልስ ሓጊዝዎ እዩ። ካብቲ ዝሞተትሉ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ህዝባዊ መደረ ንምስማዕ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጸ፡ ገሪሙና እዩ። ድሕሪኡ ኸኣ ን26 ዓመታት ኣኼባታት ምእካብ ኣየቋረጸን። ዋላ እኳ እንተ ዘይተጠምቀ ሰሙን ሰሙን ናብ ኣኼባታት ቅድሚ ዅሉ ኸም ዚመጽእ ግና ሽማግለታት ነጊሮምኒ እዮም።

ኣደይ ኣብ ደቃ እውን ነባሪ ጦብላሕታ ሓዲጋ እያ። ሰለስቲአን ኣሓተይ መምስ ሰብኡተን ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግላ ኣለዋ። እተን ክልተ ኣሓተይ ድማ ሓዲአን ኣብ ጨንፈር ፖርቱጋል ሓዲአን ከኣ ኣብ ጨንፈር ሀይቲ የገልግላ ኣለዋ።

ኣነን ራንዲን ኣብ ኦንታርዮ ኣብ እትርከብ ከተማ ሃሚልተን ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ነገልግል ኣለና። ኣብ ዕዮ መገሻ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ምስ ካልኦት ናብ ተመላሊስካ ምብጻሓቶምን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱሶምን ምኻድ የሐጕሰና ነይሩ እዩ። ሕጂ ግና፡ ናትና ተምሃሮ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ብምርኣይና ደስ እዩ ዚብለና። ኣብዛ ሓዳስ ጉባኤና ምስ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን እናተቓራረብና ብዝኸድና መጠን ከኣ፡ የሆዋ ኣብ ጽቡቕ እዋንን ኣብ ሕማቕ እዋንን ብኸመይ ከም ዚድግፎም ምርኣይ የተባብዓና እዩ።

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኽንሓስቦ ኸለና፡ ነቲ ብዙሓት ዘርኣዩና ብሕታዊ ተገዳስነት ኣዚና ኢና እነማስወሉ። ንሕና እውን ብተራና ንኻልኦት “ብዙሕ ሓልዮት” ከነርኢ ጽዒርና ኢና፣ ብመንፈሳዊ መዳይ ዚከኣሎም ኪገብሩ እውን ኣተባቢዕና ኢና። (2 ቈረ. 7:6, 7) ንኣብነት፡ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝዀኑ ሰበይትን ወድን ጓልን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት የገልግሉ ነበሩ። ኣነ ድማ ነቲ ሰብኣይ ፈላሚ ኪኸውን ሓሲቡ ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ ሓተትክዎ። ንሱ ኸኣ ንሰለስተ ፈለምቲ ይድግፍ ከም ዘሎ መለሰለይ። ኣነ እውን “ካብ የሆዋ ብዝሓሸ ኽትድግፎም ትኽእል ዲኻ፧” ኢለ ሓተትክዎ። እቲ ንሳቶም ዚረኽብዎ ዝነበሩ ሓጐስ ኪረክብ ኣተባባዕክዎ። እቲ ሓው እቲ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ፈላሚ ዀነ።

ብሕጂ እውን ኣነን ራንዲን “ንዚቕጽል ወለዶ” ብዛዕባ እቲ “ዜደንቕ ግብርታት” የሆዋ ኽንነግር ኢና። ከማና ብኣገልግሎቱ ኺሕጐሱ እውን እዩ ትምኒትና።—መዝ. 71:17, 18

a ሕጂ ሓላው ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ተባሂሉ ይፍለጥ።

b ታሪኽ ህይወት ሊዮንስ ክሪፖ ኣብ ናይ ለካቲት 2020 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 26-30 ርአ።