ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 30

ብፍቕሪ ዕበ

ብፍቕሪ ዕበ

“ብዅሉ . . . ብፍቕሪ ንዕበ።”—ኤፌ. 4:15

መዝሙር 2 የሆዋ እዩ ስምካ

መላለዪ a

1. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝጀመርካሉ እዋን፡ እንታይ ሓቅታት ኢኻ ተማሂርካ፧

 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጀመርካሉ ግዜ ትዝክሮዶ፧ ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ብምፍላጥካ ገሪሙካ ይኸውን። ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዘየሳቒ ብምፍላጥካ ኸኣ እፎይታ ተሰሚዑካ ይኸውን። ብተወሳኺ እውን፡ ንእተፍቅሮም ሰብካ ዳግም ክትርኢ ኸም እትኽእልን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ምሳታቶም ሓቢርካ ኽትነብር ከም እትኽእልን ምስ ፈለጥካ፡ ኣመና ተሓጒስካ ትኸውን።

2. ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርእሲ ምፍላጥካ፡ እንታይ ተወሳኺ ዕቤት ኢኻ ጌርካ፧ (ኤፌሶን 5:1, 2)

2 ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ ብዘጽናዕካ መጠን፡ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ እናዓበየት እያ ኸይዳ። እታ ፍቕሪ እቲኣ ድማ ነቲ እተምሃርካዮ ኽትትግብር ደሪኻትካ። ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ እውን ዝሓሸ ውሳነታት ጌርካ። ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ስለ ዝደለኻ ኸኣ፡ ጠባይካን ኣካይዳኻን ኣመሓይሽካ። ከምዚ ኽትገብር ከለኻ፡ ከምቲ ውሉድ ንፈቃር ወላዲኡ ዚመስሎ፡ ንሰማያዊ ኣቦኻ ኢኻ እትመስሎ ኔርካ።—ኤፌሶን 5:1, 2 ኣንብብ።

3. ገዛእ ርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት እንኽእል፧

3 ኰይኑ ግና፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ሕጂ ንየሆዋ ዘላትኒ ፍቕሪ፡ ካብቲ ፈለማ ክርስትያን ኣብ ዝዀንኩሉ እዋን ዝነበረትኒ ፍቕሪ ትሕይል ድያ፧ ካብ ዝጥመቕ ንነጀው ኣተሓሳስባይን ተግባራተይን ምስ መገዲ የሆዋ ብዝያዳ ይሳነ ድዩ ዘሎ፧ ምናዳ ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ፍቕሪ አርእዮም ድየ፧’ እታ “ቐዳመይቲ ፍቕርኻ” እንተ ዝሒላ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢምዎም እዩ። የሱስ ብኣታቶም ተስፋ ኣይቈረጸን፣ ብኣና እውን ተስፋ ኣይቈርጽን እዩ። (ራእ. 2:4, 7) ነታ ሓቂ ኽንፈልጥ ከለና ዝነበረትና ፍቕሪ ዳግም ከነጐሃህራ ኸም እንኽእል ይፈልጥ እዩ።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንየሆዋን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ኸመይ ጌርና ብቐጻሊ ኸም እነዕቢ ኽንመያየጥ ኢና። ድሕሪኡ፡ ገለ ኻብቲ ፍቕርና ኸነሐይል ከለና ንሕና ዀንና ኻልኦት ሰባት እንረኽቦ በረኸት ክንርኢ ኢና።

ነታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኣዕብያ

5-6. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎ፧ ካብ ምንታይ ተላዒሉ እዩ ግና ንየሆዋ ብቐጻሊ ኼገልግሎ ኽኢሉ፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዜዕግብ ህይወት እዩ ኣሕሊፉ፣ እንተዀነ ግና፡ ብዙሕ ጸገማት እውን ኣጋጢምዎ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነዊሕ ርሕቀት ይጕዓዝ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ መገሻ ቐሊል ኣይነበረን። ኣብቲ ጕዕዞታቱ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ “ካብ ኣፍላግ ኣብ ሓደጋ፡ ካብ ከተርቲ ኣብ ሓደጋ” እዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ እውን፡ ካብ ተጻረርቲ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ይወርዶ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-27) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ኣሕዋት ነቲ ንዓታቶም ንምሕጋዝ ዚገብሮ ልባዊ ጻዕርታት ዘየማስዉሉ እዋናት ነይሩ እዩ።—2 ቈረ. 10:10፣ ፊል. 4:15

6 እሞ ደኣ እንታይ ነገራት እዩ ንጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ጸኒዑ ኪቕጽል ዝሓገዞ፧ ጳውሎስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ካብ ተመክሮታቱን ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ብዙሕ ተማሂሩ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንዕኡ ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ጽኑዕ እምነት ነይርዎ እዩ። (ሮሜ 8:38, 39፣ ኤፌ. 2:4, 5) ንሱ እውን ንየሆዋ ኣዝዩ የፍቅሮ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ‘ነቶም ቅዱሳት ብምግልጋል’ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ።—እብ. 6:10

7. ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸነዕብየሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧

7 ቃል ኣምላኽ ብትግሃት ብምጽናዕ፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኸነዕቢ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ እቲ እተንብቦ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚገልጽ ከተስተውዕል ጽዓር። ‘እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ እንታይ ይነግረኒ፧ ንየሆዋ ንምፍቃር ዜኽእልከ እንታይ ምኽንያታት ይህበኒ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።

8. ጸሎት ነታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ዜዕብያ ብኸመይ እዩ፧

8 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸነዕብየሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ ብጸሎት ኣቢልና ኣዘውቲርና ልብና ንዕኡ ብምኽፋት እዩ። (መዝ. 25:4, 5) የሆዋ ድማ ብተራኡ ጸሎትና ኺምልሰልና እዩ። (1 ዮሃ. 3:21, 22) ኣብ እስያ እትነብር ክሃን ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ንየሆዋ ዘላትኒ ፍቕሪ ፈለማ ኣብ ፍልጠት እተመርኰሰት እያ ነይራ። ጸሎተይ ብኸመይ ከም ዝመለሰለይ ምስ ረኣኹ ኸኣ፡ እናዓመቘት ከይዳ። እዚ ድማ ንዕኡ ባህ ዜብል ነገራት ክገብር ድሌት ኣሕዲሩለይ።” b

ነታ ንሰባት ዘላትካ ፍቕሪ ኣዕብያ

9. ጢሞቴዎስ ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ዕቤት ይገብር ከም ዝነበረ ብኸመይ ኣርእዩ፧

9 ጳውሎስ ክርስትያን ድሕሪ ምዃኑ ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት፡ ምስ ሓደ ጢሞቴዎስ ዚብሃል መንእሰይ ተራኸበ። ጢሞቴዎስ ንየሆዋ ፍቕሪ ነበሮ፡ ንሰባት እውን ፍቕሪ ነበሮ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ “ብዛዕባኹም ናይ ሓቂ ዚሓልስ፡ ካልእ ከምኡ [ከም ጢሞቴዎስ] የብለይን” በሎም። (ፊል. 2:20) ኣብዚ ጳውሎስ ነቲ ጢሞቴዎስ ዝነበሮ ናይ ምውዳብ ወይ ህዝባዊ መደረ ናይ ምቕራብ ክእለት ኣይኰነን ንኢድዎ። የግዳስ፡ በታ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ዝነበረቶ ፍቕሪ እዩ ተማሪኹ። ስለዚ፡ እተን ጢሞቴዎስ ዚበጽሐን ጉባኤታት ተሃንጥየን ይጽበያኦ ነይረን ኪዀና ኣለወን።—1 ቈረ. 4:17

10. ኣናን ሰብኣያን ነታ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ዘላቶም ፍቕሪ ብኸመይ ገሊጾም፧

10 ንሕና እውን ንክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንሕግዘሉ መገድታት ነናዲ ኢና። (እብ. 13:16) ነታ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ኣና ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ከቢድ ህቦብላ ምስ ኣጋጠመ፡ ንሳን ሰብኣያን ናብ እንዳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ስድራ ቤት ከዱ። ኣብኡ ድማ ናሕሲ እታ ቤት ፈሪሱ ጸንሖም። ብሰንኪ እዚ፡ ኣባላት እታ ስድራ ቤት ጽሩይ ክዳን ኣይነበሮምን። ኣና ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዝገበርዎ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ክዳውንቶም ወሲድና፡ ሓጺብና፡ ኣስታሪርና፡ ዓጺፍና መሊስናሎም። ንሕና ንእሽቶ ነገር ኢና ጌርናሎም። እዚ ነገር እዚ ግና፡ ክሳዕ ሕጂ ዝቐጸለ ምሕዝነት ፈጢሩልና።” ኣናን ሰብኣያን፡ እታ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ዘላቶም ፍቕሪ ግብራዊ ሓገዝ ኪገብሩ ሓጊዛቶም እያ።—1 ዮሃ. 3:17, 18

11. (ሀ) ፍቕሪ ንምርኣይ እንገብሮ ጻዕሪ ንኻልኦት ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል፧ (ለ) ብመሰረት ምሳሌ 19:17፡ ፍቕሪ እንተ ኣርኢና፡ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገብረልና፧

11 ንሰባት ፍቕሪ እንተ ኣርኢናዮምን ሰናይ እንተ ጌርናሎምን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ንየሆዋ ንምምሳል እንገብሮ ጻዕርታት የስተብህሉሉ እዮም። ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ እውን ንለውሃትና የማስዉሉ ይዀኑ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ክሃን ብዛዕባ እተን ዝሓገዛኣ ጽቡቕ ተዘክሮ እዩ ዘለዋ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ንዅለን እተን ናብ ኣገልግሎት ዝወሰዳኒ ፍቑራት ኣሓት ብዙሕ እየ ዘመስግነን። ካብ ገዛይ ወሲደን፡ ጠዓሞት ወይ ምሳሕ ጋቢዘን፡ ብደሓን ናብ ገዛይ እየን መሊሰናኒ። እዚ ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዚሓትት ሕጂ ተረዲኡኒ እዩ። ነዚ ድማ ብፍቕሪ እየን ገይረናኦ።” ልክዕ እዩ፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ስለቲ እተገብረሉ ተግባር ዜመስግን። ክሃን ብዛዕባ እተን ዝሓገዛኣ ኸምዚ ትብል፦ “ስለቲ ብዙሕ ሰናይ ተግባራተን ውሬታ ኽመልስ ምደለኹ። ኣበይ ከም ዚነብራ ግና ኣይፈልጥን እየ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ንሱ ውሬታ ኺመልሰለይ እየ ዝጽሊ።” ክሃን ሓቃ እየ። የሆዋ ነቲ ንሰባት እንገብረሎም ንእሽቶ ሰናይ ተግባር እኳ የስተብህለሉ እዩ። ከም ክቡር መስዋእትን ከም ዕዳን ገይሩ እዩ ዚርእዮ።—ምሳሌ 19:17 ኣንብብ።

ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ዕቤት እንተ ገይሩ፡ ንሰባት ዚሕግዘሉ መገድታት የናዲ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ኣሕዋት ንጉባኤ ዘለዎም ፍቕሪ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

12 ሓው እንተ ዄንካ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሰባት ፍቕሪ ኸተርእን ክትሕግዝን እትኽእል፧ ጆርዳን ዝስሙ ሓደ መንእሰይ ሓው ንሓደ ሽማግለ፡ ኣብ ጉባኤ ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ሕቶ ኣቕረበሉ። እቲ ሽማግለ ኸኣ ስለቲ ዝገበሮ ዕቤት ድሕሪ ምንኣድ፡ ብኸመይ ተወሳኺ ኺገብር ከም ዚኽእል ምኽሪ ሃቦ። ንኣብነት፡ ብኣጋኡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መጺኡ ንሰባት ሰላም ኪብል፡ ኣብ ኣኼባታት ኪሳተፍ፡ ምስ ጕጅለ ኣገልግሎቱ ኣዘውቲሩ ኺሰብኽ፡ ንሰባት ዚሕግዘሉ ግብራዊ መገድታት እውን ኬናዲ ሓሳብ ሃቦ። ጆርዳን ነዚ ምኽሪ እዚ ምስ ዓየየሉ፡ ሓድሽ ክእለታት ጥራይ ኣይኰነን ተማሂሩ፣ የግዳስ፡ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ዘለዎ ፍቕሪ ኣዕብዩ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ጆርዳን ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ተማህረ፦ ሓደ ሓው ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ኣብ ዚሽየመሉ እዋን፡ ንኻልኦት ምሕጋዝ ኣይኰነን ዚጅምር፣ የግዳስ፡ ነቲ ድሮ ዚዓይዮ ዝነበረ ዕዮ እዩ ዚቕጽል።1 ጢሞ. 3:8-10, 13

13. ክርስቺያን ዝስሙ ሓው ዳግም ሽማግለ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግል ብኸመይ እዩ ብፍቕሪ ተደሪኹ፧

13 ኣቐዲምካ ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ዄንካ እተገልግል ዝነበርካ እንተ ዀንካኸ፧ የሆዋ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርካዮ ዕዮን ነዚ ንምግባር ዝደረኸካ ፍቕርን ይዝክሮ እዩ። (1 ቈረ. 15:58) ነቲ ሕጂ እተርእዮ ፍቕሪ እውን የስተብህለሉ እዩ። ክርስቺያን ዝስሙ ሓው ካብ ሽምግልናኡ ምስ ተሰረዘ፡ በዚ ጕህዩ ነበረ። ይኹን እምበር፡ “ፍሉይ መሰል ይሃልወኒ ወይ ኣይሃልወኒ ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ብፍቕሪ ንምግልጋል ዚከኣለኒ ኺገብር ወሲነ” ይብል። ድሕሪ ግዜ፡ ዳግም ሽማግለ ዀይኑ ተሸመ። ክርስቺያን ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ዳግም ምግልጋል ቍሩብ ኣፍሪሁኒ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ብምሕረቱ ዳግም ሽማግለ ዀይነ ኸገልግል እንተ ፈቒዱ፡ ብምኽንያት እታ ንዕኡን ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ዘላትኒ ፍቕሪ ኽገብሮ ወሲነ።”

14. ኣብ ጆርጅያ እትነብር ሓብቲ ኻብ ዝሃበቶ ሓሳባት እንታይ ትምሃር፧

14 ኣገልገልቲ የሆዋ ንሰባት ዘላቶም ፍቕሪ እውን የርእዩ እዮም። (ማቴ. 22:37-39) ንኣብነት፡ ጆርጅያ ኣብ እትብሃል ሃገር እትነብር ኢሌና እትብሃል ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ፈለማ፡ በታ ንየሆዋ ዘላትኒ ፍቕሪ ጥራይ ተደሪኸ እየ ዝሰብኽ ነይረ። ንሰማያዊ ኣቦይ ዘላትኒ ፍቕሪ እናዓበየት ምስ ከደት ግና፡ ንሰባት ዘላትኒ ፍቕሪ እውን ዓብያ። እንታይ ጸገማት ከም ዜጋጥሞምን እንታይ ርእሰ ነገራት ንልቦም ከም ዚትንክዮን ክሓስብ ጀሚረ። በዚ ኸምዚ፡ ብዛዕባኦም ብዝያዳ ብዝሓሰብኩ መጠን፡ ንምሕጋዞም ብዝያዳ ድሌት ሓዲሩኒ።”—ሮሜ 10:13-15

ፍቕሪ ብምርኣይ ዚርከብ በረኸት

ብፍቕሪ እንገብሮ ሓደ ተግባር፡ ንብዙሓት ሰባት በረኸት ኬምጽኣሎም ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ)

15-16. ከምቲ ኣብዚ ስእልታት ዚርአ ዘሎ፡ ንኻልኦት ፍቕሪ ብምርኣይ እንታይ በረኸት ይርከብ፧

15 ንኣሕዋትና ፍቕሪ እንተ ኣርኢናዮም፡ ንሳቶም ጥራይ ኣይኰኑን ዚጥቀሙ። ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ጀመረ፡ ፓውሎ ዝስሙ ሓውን ሰበይቱን ብዕድመ ንዝደፍኣ ብዙሓት ኣሓት፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ብኸመይ ንኣገልግሎት ከም ዚጥቀማሉ ኣርኣይወን። ኣጠቓቕማ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣጸጊምዋ ዝነበረት ሓንቲ ሓብቲ፡ ኣብ መወዳእታ ኽትመልኮ ኸኣለት። ብእኡ ገይራ ድማ ንኣዝማዳ ናብ በዓል ዝኽሪ ዓደመቶም። ካብቶም ኣዝማዳ ኸኣ 60 ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብቲ ኣኼባ ተኣከቡ። እታ ሓብትን ኣዝማዳን ካብቲ ፓውሎን ሰበይቱን ዝገበርዎ ጻዕርታት ተጠቒሞም እዮም። ጸኒሓ እታ ሓብቲ ንፓውሎ፡ “ንዓና ንኣረጋውያን ስለ ዝመሃርካና አመስግነካ። ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ሓልዮትን ነቲ ደኺመ ኸይበልካ ዝገበርካዮ ጻዕርታትን ፈጺመ ኣይርስዖን እየ” ኢላ ጸሓፈትሉ።

16 ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ንፓውሎ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ምሂርዎ። ፍቕሪ ኻብ ፍልጠት ወይ ባህርያዊ ኽእለት ንላዕሊ ኣገዳሲት ምዃና ተገንዚቡ እዩ። ስለዚ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ሓላው ወረዳ ዀይነ አገልግል ነይረ እየ። ሎሚ ኸኣ፡ ኣስፋሕቲ ነቲ መደረታተይ እኳ እንተ ረስዕዎ፡ ነቲ ዝሃብክዎም ግብራዊ ሓገዝ ከም ዘይርስዕዎ ኸስተውዕል ክኢለ እየ።

17. ፍቕሪ እንተ ኣርኢና፡ መን እውን እዩ ዚጥቀም፧

17 ንሰባት ፍቕሪ እንተ ኣርኢና፡ ንሕና ባዕልና ብዘይተጸበናዮ መገድታት ንጥቀም ኢና። ኣብ ኒው ዚላንድ ዚነብር ጆናታን ነዚ ዜረጋግጽ ተመክሮ ኣለዎ። ሓደ ቐዳም ድሕሪ ቐትሪ ብርቱዕ ሙቐት ከሎ፡ ንሓደ ፈላሚ ኣብ ደረት መገዲ ዀይኑ ኺሰብኽ ረኣዮ። ኣብተን ዚቕጽላ ቐዳም ድሕሪ ቐትሪ ድማ ምስቲ ፈላሚ ሓቢሩ ኼገልግል ወሰነ። ካብዚ ሰናይ ተግባሩ ንሱ ባዕሉ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚጥቀም ግና ኣይፈለጠን ነይሩ። ጆናታን ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣገልግሎት ኣይፈቱን እየ ነይረ። ንኣመሃህራ እቲ ፈላሚ ምስ ሰማዕኩን ኣገልግሎቱ ኽሳዕ ክንደይ ፍረ ኸም ዘለዎ ምስ ረኣኹን ግና፡ ነዚ ዕዮ እዚ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣሕዲረ። ብመንፈሳዊ መዳይ ክዓቢ፡ ኣገልግሎት ክፈቱ፡ ንየሆዋ ድማ ብዝያዳ ክቐርቦ ዚሕግዘኒ ብሉጽ ዓርኪ እውን ረኺበ።”

18. የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧

18 የሆዋ፡ ኵላትና ንዕኡን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ኸነዕቢ እዩ ዚደልየና። ክሳዕ ሕጂ ኸም እተምሃርናዮ፡ ቃሉ ብምንባብን ብዛዕባ ቓሉ ብምስትንታንን ምስኡ ብጸሎት ኣዘውቲርና ብምዝራብን፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ኸነዕቢ ንኽእል ኢና። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብግብራዊ መገዲ ብምሕጋዝ ከኣ፡ ንዓታቶም ዘላትና ፍቕሪ ኸነዕቢ ንኽእል ኢና። ፍቕርና እናዓበየት ምስ ከደት ድማ፡ ንየሆዋን ንመንፈሳውያን ስድራናን ብዝያዳ ኽንቀርቦም ኢና። ነቲ እንምስርቶ ዕርክነት እውን ንዘለኣለም ከነስተማቕሮ ኢና!

መዝሙር 109 ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ

a ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ንኹን ወይ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸናሕና፡ ኵላትና ቐጻሊ ዕቤት ክንገብር ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል ኣገዳሲ መገዲ ኺጐልሕ እዩ። እዚ ድማ ነታ ንየሆዋን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ብምዕባይ እዩ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ኸተስተንትነሉ ኸለኻ፡ ክሳዕ ሕጂ እንታይ ዕቤት ከም ዝገበርካን ብሕጂ እውን ተወሳኺ ዕቤት ብኸመይ ክትገብር ከም እትኽእልን ሕሰብ።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።