ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 29

ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ተዳሊኻ ዲኻ፧

ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ተዳሊኻ ዲኻ፧

“ድሉዋት ኩኑ።”​—ማቴ. 24:44

መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ

መላለዪ a

1. ንሓደጋ ምድላው ጥበባዊ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

 ምድላው፡ ህይወት ኬድሕን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ተዳልዮም ዝጸንሑ ሰባት ህይወቶም ኬድሕኑን ንኻልኦት ኪሕግዙን ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኤውሮጳ ዚነጥፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ዚገብር ውድብ፡ “ጽቡቕ ምድላው ወሳኒ ኪኸውን ይኽእል እዩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ።

2. ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ኽንዳሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ማቴዎስ 24:44)

2 እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ብሃንደበት ኪመጽእ እዩ። (ማቴ. 24:21) ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ኻብ ካልኦት ሓደጋታት ፍልይ ዜብሎ ግና፡ ንሕና እንጽበዮ ምዃኑ እዩ። ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር የሱስ ንሰዓብቱ ነታ መዓልቲ እቲኣ ኺዳለዉ መጠንቀቕታ ሂብዎም እዩ። (ማቴዎስ 24:44 ኣንብብ።) እንተ ተዳሊና፡ ነቲ ጽንኩር እዋን ንምስጋርን ንኻልኦት ንምሕጋዝን ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና።—ሉቃ. 21:36

3. ተጻዋርነትን ርሕራሐን ፍቕርን ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ንምድላው ብኸመይ ይሕግዘና፧

3 ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ድሉዋት ክንከውን ዚሕግዘና ሰለስተ ባህርያት እስከ ንርአ። ተሪር መልእኽቲ ፍርዲ ኽንሰብኽ እንተ ተሓቲትና እሞ ዘይኣመንቲ እንተ ተጻሪሮምና እንታይ ኢና ኽንገብር፧ (ራእ. 16:21) ካብ የሆዋ ዕቝባ ኸም እንረክብ ብምትእምማን ንዕኡ እዙዛት ክንከውን እንተ ዄንና፡ ተጻዋርነት ኬድልየና እዩ። ኣሕዋትና ገለ ኻብ ንብረቶም ወይ ብምሉኡ ንብረቶም እንተ ስኢኖም እንታይ ኢና ኽንገብር፧ (ኣን. 3:17, 18) ዜድሊ ረድኤት ንምሃብ ምእንቲ ኽንልዓዓል፡ ርሕራሐ ኸተድልየና እያ። ኣህዛብ ብሓደ ሰሚሮም እንተ ኣጥቂዖምና እሞ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ጸቢብ መንበሪ ኽንነብር እንተ ተገዲድና እንታይ ኢና ኽንገብር፧ (ህዝ. 38:10-12) ነቲ ኣጸጋሚ እዋን ንምስጋር፡ ንዓታቶም ሓያል ፍቕሪ ኣማዕቢልና ኽንጸንሕ ኣሎና።

4. ተጻዋርነትን ርሕራሐን ፍቕርን ብቐጻሊ ኸነማዕብል ከም ዘሎና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቢሩ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ ተጻዋርነትን ርሕራሐን ፍቕርን ብቐጻሊ ኸነማዕብል መተባብዒ ተዋሂቡና ኣሎ። ንኣብነት፡ ሉቃስ 21:19፡ “ንህይወትኩም ብተጻዋርነትኩም ከተድሕንዋ ኢኹም” ትብል። ቈሎሴ 3:12፡ “ርሕራሐ . . . ልበሱ” ትብል። 1 ተሰሎንቄ 4:9, 10 ከኣ፡ “ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ኻብ ኣምላኽ ተማሂርኩም ኢኹም። . . . ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ንምሕጸነኩም ኣለና” ትብል። እዚ ዅሉ ፍቕድታት እዚ፡ ነቶም ድሮ ተጻዋርነትን ርሕራሐን ፍቕርን ዘማዕበሉ ደቀ መዛሙርቲ እዩ ተጻሒፉሎም። ኰይኑ ግና፡ ብቐጻሊ እዚ ባህርያት ኬማዕብሉ ነይርዎም። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ባህርያት እዚ ብኸመይ ከም ዘማዕበሉ ኽንርኢ ኢና። ድሕሪኡ ነዞም ደቀ መዛሙርቲ እዚኦም ብኸመይ ክንመስሎም ከም እንኽእል፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ብኸመይ ድሉዋት ክንከውን ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

ተጻዋርነትካ ኣሐይል

5. ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ፈተናታቶም ኪጻወርዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

5 ንቐዳሞት ክርስትያናት እውን ተጻዋርነት የድልዮም ነይሩ እዩ። (እብ. 10:36) ኣብ ርእሲ እቲ ንዅሉ ሰብ ዜጋጥም ጸገማት ተወሳኺ ፈተናታት የጋጥሞም ነይሩ እዩ። ንብዙሓት ካባታቶም ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ካብ ሰበ ስልጣን ሮሜን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ገዛእ ቤተ ሰቦም እውን መስጐጕቲ የጋጥሞም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:21) ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ምስ ጽልዋ ኸሓድትን ምስቲ ኸፋፋሊ ትምህርትታቶምን ኪቃለሱ የድልዮም ነይሩ እዩ። (ግብ. 20:29, 30) ኰይኑ ግና፡ እቶም ክርስትያናት እቲኦም ተጻዊሮም እዮም። (ራእ. 2:3) ብኸመይ፧ ንኸም እዮብ ዝኣመሰሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብነታት ተጻዋርነት ይዝክርዎም ነይሮም እዮም። (ያእ. 5:10, 11) ብርታዐ ንምርካብ ጸልዮም እዮም። (ግብ. 4:29-31) ተጻዋርነቶም ኣብ ዜፍርዮ ጽቡቕ ፍረ እውን ኣተኲሮም እዮም።—ግብ. 5:41

6. ካብቲ መሪታ ንተጻብኦ ንምጽዋር ዝገበረቶ ነገር እንታይ ትምሃር፧

6 ነቶም ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ጽሑፋትናን ዚርከቡ ኣብነታት ተጻዋርነት ብስሩዕ ነጽንዖምን ነስተንትነሎምን እንተ ዄንና፡ ተጻዋርነት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ኣብ ኣልባንያ እትነብር መሪታ ዝስማ ሓብቲ ኸምኡ ብምግባር፡ ካብ ስድራ ቤታ ንዘጋጠማ ሓያል ተጻብኦ ኽትጻወር ከኣለት። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ እዮብ ምስ ኣጽናዕኩ ውሽጠይ እየ ተተንክየ። ጠንቂ ፈተናታቱ ኸይፈለጠ ኣዝዩ ብዙሕ መከራ እዩ ኣጋጢምዎ። ኰይኑ ግና፡ ‘ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!’ ኢሉ ተዛሪቡ። (እዮ. 27:5) ፈተናታተይ ምስቲ ናይ እዮብ ኪወዳደር ከሎ ኣዝዩ ንእሽቶይ ምዃኑ ሓሲበ። ጠንቂ እዚ ፈተናታት መን ምዃኑ እውን እፈልጥ እየ።”

7. ኣብዚ ሕጂ እዋን ከቢድ ፈተና የጋጥመና እኳ እንተ ዘየሎ፡ እንታይ ኢና ግና ክንምሃር ዘሎና፧

7 ኣብ ልብና ዘሎ ዜተሓሳስበና ነገራት ብተደጋጋሚ ንየሆዋ ብምንጋር እውን ተጻዋርነት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። (ፊል. 4:6፣ 1 ተሰ. 5:17) ምናልባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ከቢድ ፈተና ኣየጋጠመካን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ክትበሳጮ ወይ እትገብሮ ኺሕርብተካ ኸሎ፡ ካብ የሆዋ መምርሒ ትደሊዶ፧ ሕጂ ኣብ መዓልታዊ ጸገማትካ ኣዘውቲርካ ኻብ ኣምላኽ መምርሒ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ኣብ መጻኢ ዝዓበየ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ ኸምኡ ምግባር ኪቐልለካ እዩ። ንሱ መዓስን ብኸመይን ከም ዚሕግዘካ ብልክዕ ከም ዚፈልጥ ከኣ ምትእምማን ከተጥሪ ኢኻ።—መዝ. 27:1, 3

ተጻዋርነት

ሓደ ፈተና ብእተጻወርና ቝጽሪ፡ ንዚቕጽል ፈተና ሓይሊ ንረክብ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8. ሎሚ ፈተናታት እንተ ተጻዊርና ነቲ ናይ መጻኢ ፈተናታት ክንጻወር ከም ዚሕግዘና ኣብነት ሚራ ብኸመይ የርእየና፧ (ያእቆብ 1:2-4) (ስእሊ እውን ርአ።)

8 ሎሚ ፈተናታት እንተ ተጻዊርና፡ ኣብ መጻኢ ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ንምጽዋር ዝያዳ ዓቕሚ ኺህልወና እዩ። (ሮሜ 5:3) ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ብዙሓት ኣሕዋት ሓደ ፈተና ተጻዊሮም ብዘሕለፉ መጠን፡ ነቲ ዚቕጽል ጸገም ኪጻወሩ ኸም ዝሓገዞም ይገልጹ እዮም። ተጻዋርነት ኣጽርይዎም እዩ፣ የሆዋ ኺረድኦም ድሉውን ፍቓደኛን ምዃኑ እውን እምነቶም ኣደልዲሉሎም እዩ። እምነት ብተራኣ ኸኣ ነቲ ዚቕጽል ፈተና ኺጻወሩ ሓጊዛቶም እያ። (ያእቆብ 1:2-4 ኣንብብ።) ኣብ ኣልባንያ እትነብር ሚራ ዝስማ ፈላሚት፡ እቲ ኣብ ሕሉፍ ዘርኣየቶ ተጻዋርነት ብቐጻሊ ኽትጻወር ከም ዝሓገዛ ርእያ እያ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ሓድሓደ ግዜ ንዓኣ ንበይና ኣዝዩ ብዙሕ ጸገም ከም ዜጋጥማ ዀይኑ ይስምዓ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት የሆዋ ንዓኣ ንምድጋፍ እንታይ ከም ዝገበረ ትዝክር እያ። ንገዛእ ርእሳ ድማ፡ ‘እምንቲ ኹኒ። ነዚ ዅሉ ዓመታትን ንዅሉ እቲ ብሓገዝ የሆዋ ዝረኸብክዮ ዓወታትን ኣይትጕሓፍዮ’ ኢላ ተጸናንዓ እያ። ንስኻ እውን ምእንቲ ኽትጻወር፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዘካ ኽትዝክር ትኽእል ኢኻ። ንዅሉ እቲ ፈተና እተጻወርካሉ እዋናት ከም ዚዝክሮን ዓስብኻ ኸም ዚህበካን ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ማቴ. 5:10-12) እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጀመረ ኸኣ፡ ብኸመይ ከም እትጻወር ፈሊጥካ ስለ እትጸንሕ ነቲ መከራ ኽትጻወሮ ኢኻ።

ርሕራሐ ኣርኢ

9. እቶም ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዝነበሩ ክርስትያናት ርሕራሐ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

9 ኣብ ይሁዳ ዚነብሩ ክርስትያናት ብርቱዕ ጥሜት ምስ ኣጋጠሞም እንታይ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ። ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዚርከቡ ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ጥሜት ምስ ሰምዑ፡ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዚርከቡ ኣሕዋቶም ርሕራሐ ኸም እተሰምዖም ኣየጠራጥርን እዩ። ድሕሪኡ ግና፡ ነቲ ርሕራሐኦም ብተግባር ኣርኣዩ። “ነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሙ፡ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዚነብሩ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰድዱሎም ወሰኑ።” (ግብ. 11:27-30) እቶም በቲ ጥሜት እተተንከዩ ኣሕዋት ኣብ ርሑቕ ዚነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዚነብሩ ክርስትያናት ኪረድእዎም ወሰኑ።—1 ዮሃ. 3:17, 18

ርሕራሐ

ባህርያዊ ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ፡ ርሕራሐ እነርእየሉ ኣጋጣሚ ንረክብ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ክርስትያናት ብጾትና ብሓደጋ ኺጽለዉ ኸለዉ ብኸመይ ኢና ርሕራሐ ኸነርእዮም እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ሎሚ እውን ንሕና፡ ክርስትያናት ብጾትና ብሓደጋ ኸም እተጸልዉ ኽንሰምዕ ከለና ርሕራሐ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ሓደ ዕዮ ንምስታፍ ድሉዋት ከም ዝዀንና ንሽማግለታትና ብምሕባር፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ወፈያ ብምግባር፡ ወይ ምእንቲ እቶም ብሓደጋ እተጸልዉ ብምጽላይ ብቕልጡፍ ምላሽ ንህብ ኢና። b (ምሳ. 17:17) ንኣብነት፡ ብ2020 ነቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ብለበዳ ኮቪድ-19 እተጸልዉ ንምሕጋዝ ልዕሊ 950 ኮሚተታት ዕዮ ረድኤት ተመዚዙ ነይሩ እዩ። እቶም ኣብቲ ኮሚተታት ረድኤት ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ናእዳ ይግብኦም እዩ። በቲ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ዘለዎም ርሕራሐ ተለዓዒሎም፡ ረድኤት ኣበጻጺሖም፡ መንፈሳዊ ኽንክን ገይሮም፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ ኣባይትን ቦታታት ኣምልኾን ጸጊኖም ወይ ዳግም ሃኒጾም እዮም።—ምስ 2 ቈረንቶስ 8:1-4 ኣረኣኢ።

11. እቲ ብርሕራሐ እንገብሮ ተግባር ንሰማያዊ ኣቦና ኽብሪ ዜምጽኣሉ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብ እዋን ሓደጋ ርሕራሐ ኸነርኢ ኸለና፡ ካልኦት ሰባት ነቲ እንኸፍሎ መስዋእትታት የስተብህሉሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብ2019 ኣብ ባሃማስ እትርከብ ሓንቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብሰንኪ ህቦብላ ዶሪያን ዓነወት። ኣሕዋት ነቲ ኣዳራሽ ዳግም ኪሃንጽዎ ኸለዉ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ተዃናታራይ እተወሰነ ዕዮ ብኽንደይ ከም ዚዓይየሎም ሓተትዎ። ንሱ ግና፡ “መሳርሕን ጕልበትን ናውትን ክውፊ እደሊ እየ። . . . ንውድብኩም እየ ኽውፍዮ ዝደሊ። እቲ ንኣሕዋትኩም እትገብርዎ ነገር ኣመና እዩ መሲጡኒ” በሎም። ኣብ ዓለም ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ንየሆዋ ኣይፈልጥዎን እዮም። ብዙሓት ግና ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዕዘብዎም እዮም። እቲ ብርሕራሐ እንገብሮ ተግባር ንሰባት ናብቲ “ብምሕረት ሃብታም” ዝዀነ ኣምላኽ ኪስሕቦም ዚኽእል ምዃኑስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!—ኤፌ. 2:4

12. ሎሚ ርሕራሐ ምምዕባል ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ዜዳልወና ብኸመይ እዩ፧ (ራእይ 13:16, 17)

12 ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ርሕራሐ ኸነርኢ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ሕጂ ዀነ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ንፖለቲካዊ ስርዓት ደገፎም ዘይህቡ ሰባት ጸገማት ከም ዜጋጥሞም መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (ራእይ 13:16, 17 ኣንብብ።) ኣሕዋትናን ኣሓትናን መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ እኳ ሓገዝ ኬድልዮም ይኽእል እዩ። ንጉስና ክርስቶስ የሱስ ንፍርዲ ኣብ ዚመጸሉ እዋን፡ ርሕሩሓት ኴንና እንተ ረኺቡና፡ “መንግስቲ ውረሱ” ኢሉ ኺዕድመና እዩ።—ማቴ. 25:34-40

ፍቕርኻ ኣሐይል

13. ኣብ ሮሜ 15:7 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ፍቕሮም ዘሐየሉ ብኸመይ እዮም፧

13 ቀዳሞት ክርስትያናት ብፍቕሮም እዮም ዚልለዩ ነይሮም። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና ፍቕሮም ንምርኣይ ዜኽእል ቀሊል ኵነታት ነይርዎም ማለት ድዩ፧ ንኣብነት፡ እታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ በበይኖም ዓይነት ሰባት እዮም ነይሮምዋ። ገሊኣቶም ካብ ንእስነቶም ብሕጊ ሙሴ ዚመላለሱ ዝነበሩ ኣይሁድ እዮም ነይሮም፣ ገሊኣቶም ግና ፈጺሙ እተፈልየ ኣተዓባብያ ዝነበሮም ኣህዛብ እዮም ነይሮም። ገሊኦም ክርስትያናት ባሮት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ገሊኦም ግና ጭዋታት፡ ምናልባት እውን ወነንቲ ባሮት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እሞ ደኣ እዞም ክርስትያናት እዚኦም ነቲ ፍልልያቶም ሰጊሮም ፍቕሮም ኬሐይሉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (ሮሜ 15:7 ኣንብብ።) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እታ “ተቓባበሉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ንሓደ ሰብ ብጽቡቕ ናብ ቤትካ ኽትቕበሎ ወይ ፈታዊኻ ኽትገብሮ ዚብል መልእኽቲ ተመሓላልፍ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ንፊልሞን፡ ነቲ ሃዲሙ ዝነበረ ኦኔሲሞስ ዚብሃል ባርያ፡ “ብጽቡቕ ተቐበሎ” ኢሉ ተማሕጺንዎ እዩ። (ፊሞ. 17) ጵርስኪላን ኣኪላስን እውን ነቲ ብዛዕባ ክርስትና ኣጸቢቑ ዘይፈልጥ ዝነበረ ኣጵሎስ “ወሲዶም” ስለ ዝገለጹሉ፡ ብጽቡቕ ተቐቢሎምዎ እዮም። (ግብ. 18:26) ኰታስ እቶም ክርስትያናት እቲኦም በቲ ፍልልያቶም ኣብ ክንዲ ዚከፋፈሉ፡ ነቲ ፍልልያቶም ብምስጋር ንሓድሕዶም ይቃባበሉ ነይሮም እዮም።

ፍቕሪ

ናይ ኵሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍቕሪ የድልየና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

14. ኣናን ሰብኣያን ፍቕሪ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

14 ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከም ፈተውትና ጌርና ብምቕባል እውን ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ንሳቶም እውን ፍቕሮም የርእዩና እዮም። (2 ቈረ. 6:11-13) ኣናን ሰብኣያን ዘሕለፍዎ ተመክሮ እስከ ንርአ። ናብቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኬገልግሉ እተመደቡሉ ሓድሽ ምድብ ምስ ገዓዙ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ጀመረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ምስ ደቂ ጉባኤኦም ብኣካል ኪራኸቡ ኣይከኣሉን። እሞ ደኣ ፍቕሮም ብኸመይ ኣርእዮም፧ ምስቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብቪድዮ ኮንፈረንስ ተራኸቡ፡ ብዝያዳ ኺፈልጥዎም ከም ዚደልዩ እውን ገለጹሎም። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ፡ በዚ ልቦም ስለ እተተንከየ፡ ብተደጋጋሚ ይድውሉሎምን መልእኽቲ ይልእኩሎምን ነበሩ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ዝገበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ኣና ኸምዚ ትብል፦ “እቲ ኣነን ስድራይን ኣብ ጽቡቕ እዋን ኰነ ኣብ ሕማቕ እዋን ዝረኣናዮ ፍቕሪ ኣብ ልበይን ኣእምሮይን ተቐሪጹ እዩ፡ ፍቕሪ ኸርኢ እውን የለዓዕለኒ እዩ።”

15. ንዅሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዛዕባ ምፍቃር ካብ ቫነሳ እንታይ ትምሃር፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

15 መብዛሕትና ኣብ ጉባኤታትና ኻብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹን እተፈላለየ ስብእና ዘለዎምን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና። ኣብ ጽቡቕ ባህርያቶም እንተ ኣተኵርና፡ ንዅላቶም ዘሎና ፍቕሪ ኸነሐይል ንኽእል ኢና። ኣብ ኒው ዚላንድ እትነብር ቫነሳ ዝስማ ሓብቲ ኣብ ጉባኤኣ ምስ ዚርከቡ ገሊኦም ሰባት ጽቡቕ ርክብ ኣይነበራን። እንተዀነ ግና፡ ካብቶም ቅጭ ዜምጽኣላ ባህርያት ዘለዎም ሰባት ኣብ ክንዲ እትርሕቕ፡ ምሳታቶም ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍ ጀመረት። ከምኡ ብምግባራ ኸኣ የሆዋ ስለምንታይ ከም ዘፍቅሮም ክትርኢ ኸኣለት። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ሰብኣየይ ሓላው ወረዳ ኻብ ዚኸውን ንነጀው፡ እተፈላለየ ስብእና ምስ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ግዜ ነሕልፍ ኣለና። ምሳታቶም ምቅርራብ ከኣ ቀሊል እዩ ዀይኑለይ ዘሎ። ሕጂ፡ በበይኑ ዓይነት ሰብ ምህላዉ የሐጕሰኒ እዩ። የሆዋ ንበበይኑ ዓይነት ሰብ ናብኡ ስለ ዚስሕብ፡ በበይኑ ዓይነት ዚፈቱ ይመስለኒ።” ንሰባት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና እንተ ርኢናዮም ከም እነፍቅሮም ነመስክር ኢና።—2 ቈረ. 8:24

ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ሓድነት እንተ ዓቂብና፡ እቲ የሆዋ ዘተስፈወና ዕቝባ ኽንረክብ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ፍቕሪ ወሳኒ ግደ ዚህልዋ ስለምንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

16 ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ፍቕሪ ወሳኒ ግደ ኺህልዋ እዩ። እቲ ጸበባ እቲ ምስ ጀመረ፡ ኣበይ ኢና ዕቝባ እንረክብ፧ ኣብ ልዕሊ ጥንታዊት ባቢሎን መጥቃዕቲ ምስ ተፈነወ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸምዚ ዚስዕብ ኪገብሩ እዩ ትእዛዝ ሂብዎም፦ “ኣቱም ህዝበይ፡ ኪዱ፡ ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታትኩም እተዉ፡ ማዕጾኹም እውን ብድሕሬኹም ዕጸዉ። ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ ንሓጺር ህሞት ተሓብኡ።” (ኢሳ. 26:20) እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጀመረ፡ ንሕና እውን ነዚ መምርሒ እዚ ኽንትግብር የድልየና ይኸውን። እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ “ውሽጣዊ ኽፍልታት” ንጉባኤታትና ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ሓድነት እንተ ዓቂብና፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጀመረ፡ እቲ የሆዋ ዘተስፈወና ዕቝባ ኽንረክብ ኢና። ስለዚ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክኢልናዮም ክንነብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከነፍቅሮም እውን ካብ ሕጂ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ድሕነትና ኣብኡ እተመርኰሰ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሕጂ ተዳሎ

17. ሕጂ እንተ ተዳሊና፡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እንታይ ኢና ኽንገብር፧

17 “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” ንዅሎም ደቂ ሰብ ጭንቂ ኸተምጽኣሎም እያ። (ጸፎ. 1:14, 15) ህዝቢ የሆዋ እውን ጸገማት ኬጓንፎም እዩ። ሕጂ እንተ ተዳሊና ግና፡ ክንሃድእን ንኻልኦት ክንሕግዝን ንኽእል ኢና። ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ክንጻወር ኢና። ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ብጾትና መከራ ኺወርድ ከሎ፡ ርሕራሐ ብምርኣይን ዜድልዮም ሓገዝ ብምሃብን ዚከኣለና ኽንገብር ኢና። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ካብ ሕጂ ፍቕሪ ስለ ዘማዕበልና እውን፡ ናባታቶም ክንለግብ ኢና። ሽዑ ድማ፡ የሆዋ ዅሉ ሓደጋን ጸበባን ኣብ ዘይዝከረላ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ኪባርኸና እዩ።—ኢሳ. 65:17

መዝሙር 144 ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!

a ኣብ ቀረባ ግዜ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺጅምር እዩ። ተጻዋርነትን ርሕራሐን ፍቕርን ከኣ፡ ነቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣጸጋሚ እዋን ክንዳሎ ይሕግዘና እዩ። እምበኣር፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ባህርያት እዚ ብኸመይ ከም ዘማዕበልዎ፡ ሎሚ ንሕና ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል፡ ከምኡ እውን እዚ ባህርያት እዚ ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ብኸመይ ከም ዜዳልወና ንርአ።

b እቶም ኣብ ዕዮ ረድኤት ኪሕግዙ ዚደልዩ ሰባት፡ ፈለማ መመልከቲ ወለንተኛታት ከባብያዊ ንድፊ/ህንጸት (DC-50) ወይ መመልከቲ መደብ ወለንታ (A-19) ኪመልኡ፡ ድሕሪኡ ጻውዒት ክሳዕ ዚግበረሎም ኪጽበዩ ይግባእ።