ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 32

ንየሆዋ ምሰሎ—ሚዛናዊ ኹን

ንየሆዋ ምሰሎ—ሚዛናዊ ኹን

“ሚዛናውያን ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ።”—ፊል. 4:5፡ እ.ጽ.።

መዝሙር 89 ክትባረኽ ተኣዘዝ

መላለዪ a

ከም ኣየነይቲ ዓይነት ኦም ኢኻ ኽትከውን እትደሊ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ)

1. ክርስትያናት ከም ኦም ኪዀኑ ዘለዎም ብኸመይ እዮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

 “ንፋስ ንእትዕጸፍ ኦም ኣይሰብራን።” ኣብዛ ምስላ እዚኣ፡ ገሊኡ ኣእዋም ጸኒዑ ንምንባር ዜድልዮ ባህርይ ጐሊሑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ተዓጻጻፍነት እዩ። ክርስትያናት እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ጸኒዖም ኪመላለሱ እንተ ዀይኖም፡ ተዓጻጸፍቲ ኪዀኑ ኣለዎም። ብኸመይ፧ ብሕታዊ ዅነታትና ኺልወጥ ከሎ፡ ምስቲ ለውጢ ተዋሃሂድና ንምንባር፡ ከምኡ እውን ንኣረኣእያታትን ንውሳነታትን ካልኦት ሰባት ንምኽባር፡ ሚዛናውያን ክንከውን ኣሎና።

2. ምስ ለውጥታት ተዋሃሂድና ንምንባር እንታይ ባህርያት እዩ ዚሕግዘና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን ሚዛናውያን ክንከውን ንደሊ ኢና። ትሑታትን ርሕሩሓትን ክንከውን እውን ንደሊ ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ለውጥታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ እዚ ባህርያት እዚ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ክንርኢ ኢና። ንዓና ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል እውን ክንርኢ ኢና። ፈለማ ግና፡ ካብቶም ፍጹም ኣብነት ሚዛናውነት ዚዀኑና የሆዋን የሱስን እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ።

የሆዋን የሱስን ሚዛናውያን እዮም

3. የሆዋ ሚዛናዊ ኸም ዝዀነ እንታይ መርትዖ ኢና እንርኢ፧

3 የሆዋ ጽኑዕን ዘይነቓነቕን ብምዃኑ፡ “ከውሒ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ዘዳ. 32:4) ይኹን እምበር፡ ሚዛናዊ እውን እዩ። ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት ኪለዋወጥ ከሎ፡ ኣምላኽና እውን ዕላማኡ ንምፍጻም ምስቲ ዅነታት ይተዓጻጸፍ እዩ። የሆዋ ንዓና ንሰባት ብመልክዑ እዩ ፈጢሩና። ስለዚ፡ ምስ ለውጥታት ናይ ምውህሃድ ክእለት ኣሎና። ዝመጸ ጸገም እኳ እንተ መጸ፡ ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባር ዚሕግዘና ንጹር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ሂቡና እዩ። ነቲ የሆዋ ባዕሉ ዝሓደገልና ኣብነትን ነቲ መሰረታዊ ስርዓታቱን ክንርኢ ኸለና፡ የሆዋ “ኸውሒ” ኽነሱ ሚዛናዊ እውን ከም ዝዀነ መርትዖ ንርኢ ኢና።

4. ሚዛናውነት የሆዋ ዜርኢ ኣብነት ሃብ። (ዘሌዋውያን 5:7, 11)

4 መገድታት የሆዋ ፍጹምን ሚዛናውን እዩ። የሆዋ ኣብቲ ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ ተሪር ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ንእስራኤላውያን ብኸመይ ሚዛናዊ ኸም ዝዀነሎም እስከ ንርአ። ካብ ኵላቶም፡ ማለት ካብ ሃብታም ኰነ ኻብ ድኻ ሕደ መስዋእቲ ኣይሓተተን። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ዓቕሙ መስዋእቲ ኬቕርብ እዩ ፈቒዱ።—ዘሌዋውያን 5:7, 11 ኣንብብ።

5. የሆዋ ትሕትናን ርሕራሐን ዘርኣየሉ ኣብነት ሃብ።

5 የሆዋ ብትሕትናን ብርሕራሐን ተደሪኹ እዩ ሚዛናዊ ዚኸውን። ንኣብነት፡ ነቶም ኣብ ሶዶም ዝነበሩ እኩያት ሰባት ኬጥፍኦም ምስ ሓለነ፡ ትሕትናኡ ተራእያ እያ። ብመላእኽቱ ኣቢሉ ነቲ ጻድቕ ሎጥ ናብ ኣኽራን ኪሃድም መምርሒ ሃቦ። ሎጥ ግና ናብኡ ምኻድ ፈርሀ። ስለዚ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ናብታ ጾዓር እትብሃል ንጥፍኣት ተመዲባ ዝነበረት ንእሽቶ ኸተማ ኺሃድም ለመነ። የሆዋ ንሎጥ መምርሒኡ ብልክዕ ኪስዕብ ኬገድዶ ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ንሎጥ ከምቲ ልማኖኡ ፈቐደሉ፣ ንጾዓር እውን ነሓፋ። (ዘፍ. 19:18-22) ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት፡ የሆዋ ንነበርቲ ነነዌ ርሕራሐ ኣርኣዮም። እታ ኸተማን እቶም እኩያት ነበርታን ጥፍኣቶም ከም ዝቐረበ ንምሕባር፡ ንነብዪ ዮናስ ለኣኾ። ሰብ ነነዌ ምስ ተነስሑ ግና፡ የሆዋ ደንገጸሎም፡ ነታ ኸተማኦም እውን ነሓፋ።—ዮና. 3:1, 10፣ 4:10, 11

6. የሱስ ሚዛናዊ ብምዃን ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዝመሰሎ ግለጽ።

6 የሱስ እውን ሚዛናዊ ብምዃን ንየሆዋ መሲልዎ እዩ። ናብ ምድሪ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ ነተን “ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” ኪሰብከለን እዩ ተላኢኹ። ነቲ ዕዮኡ ግና ብሚዛናዊ መገዲ እዩ ፈጺምዎ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓንቲ ዘይእስራኤላዊት ሰበይቲ ነታ “ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ” ዝነበረት ጓላ ኼሕውየላ ለመነቶ። የሱስ ብርሕራሐ ተደሪኹ ነታ ሰበይቲ ኸምቲ ልማኖኣ ንጓላ ኣሕወየላ። (ማቴ. 15:21-28) ካልእ ኣብነት እውን እስከ ንርአ። የሱስ ኣቐዲሙ፡ “ንዚኽሕደኒ ዘበለ፡ . . . ኣነ እውን . . . ክኽሕዶ እየ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:33) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሰለስተ ሳዕ ዝኸሓዶ ጴጥሮስ ክሒድዎዶ፧ ኣይፋልን። የሱስ ንንስሓን ንእምነትን ጴጥሮስ ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ። ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ንጴጥሮስ ተራእይዎ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን፡ ይቕረታ ኸም ዝገበረሉን ከም ዜፍቅሮን ኣረጋጊጹሉ ኪኸውን ኣለዎ።—ሉቃ. 24:33, 34

7. ምስ ፊልጲ 4:5 ብምስምማዕ፡ እንታይ ዓይነት ስም ኪህልወና ኢና እንደሊ፧

7 የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ሚዛናውያን ምዃኖም ርኢና ኢና። ንሕናኸ ኸመይ ኢና፧ የሆዋ ሚዛናውያን ክንከውን ይጽበየና እዩ። (ፊልጲ 4:5 ኣንብብ።) ሓደ ትርጉም ነዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “ሚዛናውያን ዚብል ስም ይሃሉኹም” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። እምበኣር፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ሰባት ንዓይ ከም ሚዛናውን ልዙብን ከኣልን ገይሮም ድዮም ዚርእዩኒ፡ ወይስ ከም ተሪርን ሕሱምን ዘይዕጸፍን፧ ካልኦት ልክዕ ከምታ ዝሓሰብክዋ ኺገብሩ ድየ ግዲ ዝብሎም፡ ወይስ እሰምዖምን ግቡእ ኪኸውን ከሎ ድሌቶም እገብረሎምን እየ፧’ እቲ ሚዛናውያን እንዀነሉ ደረጃ፡ ነቲ ንየሆዋን ንየሱስን እንመስለሉ መጠን እዩ ዜንጸባርቕ። ሕጂ እምበኣር፡ ሚዛናውያን ክንኰነሉ ዚግባእ ክልተ መዳያት እስከ ንርአ። እዚ ድማ እቲ ቐዳማይ፡ ብሕታዊ ዅነታትና ኣብ ዚልወጠሉ እዋን ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣረኣእያታትን ውሳነታትን ሰባት ካብ ናትና እተፈልየ ኪኸውን ከሎ እዩ።

ኵነታት ኪልወጥ ከሎ፡ ሚዛናዊ ኹን

8. ኵነታት ኪልወጥ ከሎ፡ እንታይ ነገራት እዩ ሚዛናውያን ክንከውን ዚሕግዘና፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

8 ሚዛናውነት ኪብሃል ከሎ፡ ናይ ኵነታት ለውጢ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ተዓጻጻፊ ምዃን የጠቓልል። ለውጥታት ዘይተጸበናዮ ጸገማት ኪፈጥረልና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ህጹጽ ናይ ጥዕና ጸገም ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ኣብ ቍጠባዊ ወይ ኣብ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዚፍጠር ሃንደበታዊ ዅነታት ንህይወትና ምሉእ ብምሉእ ኪርብሾ ይኽእል እዩ። (መክ. 9:11፣ 1 ቈረ. 7:31) ዋላ እውን ኣብ ቲኦክራስያዊ ምድብ ዚግበር ለውጢ ኺፍትነና ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ዜጋጥመና ብድሆ ብዘየገድስ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ስጕምቲ እንተ ወሲድና፡ ምስቲ ሓድሽ ኵነታት ክንወሃሃድ ንኽእል ኢና። እዚ ስጕምትታት እዚ ድማ፦ (1) ንኽውንነት ተቐበሎ፡ (2) ናብ መጻኢ ጠምት፡ (3) ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ኣተኵር፡ (4) ንኻልኦት ሰናይ ግበር ዚብል እዩ። b እዚ ስጕምትታት እዚ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ንምርኣይ፡ ብሓቂ ኣብ ህይወት ዘጋጠመ ኣብነታት እስከ ንርአ።

9. ሚስዮናውያን ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ንዘይተጸበይዎ ፈተናታት ኪጻወሩ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

9 ንኽውንነት ተቐበሎ። ኢማኑወለን ፍራንቸስካን ኣብ ዓዲ ጓና ሚስዮናውያን ኰይኖም ኬገልግሉ ተመደቡ። ንቛንቋ እቲ ዓዲ ኺምሃሩ፡ ነታ ሓዳስ ጉባኤ እውን ኪለምድዋ ምስ ጀመሩ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ጀመረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምስ ሰባት ኣካላዊ ቕርርብ ኪገብሩ ኣይከኣሉን። ድሕርዚ፡ ኣደ ፍራንቸስካ ብሃንደበት ሞተት። ኣብቲ ግዜ እቲ ፍራንቸስካ ምስ ስድራኣ ኽትከውን ደለየት። ብሰንኪ እቲ ለበዳ ግና ናብኡ ኽትጕዓዝ ኣይከኣለትን። እሞ ደኣ ነዚ ኣጸጋሚ ዅነታት ብኸመይ ክትጻወሮ ኽኢላ፧ ቀዳማይ፡ ኢማኑወለን ፍራንቸስካን ጥበብ ምእንቲ ኺረኽቡን ናይ ጽባሕ ንጽባሕ ምእንቲ ኺሓድግዎን ብሓባር ኰይኖም ጸለዩ። የሆዋ ድማ እዋናዊ መንፈሳዊ ምግቢ ብምሃብ ንጸሎቶም መለሰሎም። ንኣብነት፡ በቲ ሓደ ሓው ኣብ ቪድዮ ኣብ ዝገበሮ ቓለ መጠይቕ ተተባቢዖም እዮም፣ እቲ ሓው ኣብቲ ቓለ መጠይቕ፡ “ነቲ ሓድሽ ኵነታት ቀልጢፍና እንተ ተቐቢልናዮ፡ ሓጐስና ቐልጢፉ እዩ ዚምለሰልና፣ ነቲ ሓድሽ ኵነታት ድማ ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመሉ ንኽእል” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ነይሩ እዩ። c ካልኣይ፡ ብተሌፎን ናይ ምምስካር ክእለቶም ኬመሓይሹ ወሰኑ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣጀመሩ። ሳልሳይ፡ ነቲ ኻብ ጉባኤኦም እተገብረሎም ፍቕራዊ መተባብዕን ደገፍን ብሞሳ ተቐበልዎ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓላዪት ሓብቲ ንሓደ ዓመት መዓልቲ መዓልቲ ሓጺር ቅዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ትልእከሎም ነበረት። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ነቲ ሓድሽ ኵነታትና እንተ ተቐቢልናዮ፡ በቲ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ዕግበት ንረክብ ኢና።

10. ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ህይወታ ምስ ዘጋጠማ ዓብዪ ለውጢ ብኸመይ እያ ተወሃሂዳ ኽትነብር ዝኸኣለት፧

10 ናብ መጻኢ ጠምት፡ ኣብ ኣወንታዊ ነገራት እውን ኣተኵር። ክሪስቲና ዝስማ ኣብ ጃፓን እትነብር ሩማንያዊት ሓብቲ፡ እታ ንሳ እትእከበላ ዝነበረት ጉባኤ እንግሊዝኛ ምስ ተበተነት፡ በዚ ጐሃየት። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሕሉፍ ኣየተኰረትን። የግዳስ፡ ብቛንቋ ጃፓንኛ ምስ እትምራሕ ጉባኤ ሓቢራ ብምሉእ ዓቕማ ብምግልጋል ዚከኣላ ኽትገብር ወሰነት። ስለዚ፡ ኣቐዲማ መሳርሕታ ንዝነበረት ሰበይቲ፡ ኣብቲ ናይ ጃፓንኛ ኽእለታ ንምምሕያሽ እትገብሮ ጻዕሪ ኽትሕግዛ ሓተተታ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ንክርስቲና ቛንቋ ጃፓንኛ ንምምሃር፡ መጽሓፍ ቅዱስን ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! እትብሃል ብሮሹርን ክትጥቀም ፍቓደኛ ዀነት። በዚ ኸምዚ፡ ክሪስቲና ጃፓንኛኣ ኣመሓየሸት፣ እታ ሰበይቲ እውን ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ኣሕደረት። ናብ መጻኢ እንጥምትን ኣብ ኣወንታዊ ነገራት እነተኵርን እንተ ዄንና፡ ዘይሓሰብናዮ ለውጥታት ናብ ዘይተጸበናዮ በረኸት ኪቕየር ይኽእል እዩ።

11. ቍጠባዊ ጸገማት ዘጋጠሞም ሰብ ሓዳር ነቲ ጸገሞም ብኸመይ ኪጻወርዎ ኽኢሎም፧

11 ንኻልኦት ሰናይ ግበር። ዕዮና ኣብ እተኣገደላ ሃገር ዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ ብሰንኪ ቝጠባዊ ቕልውላው ምንጪ ኣታዊኦም ሰኣኑ። እሞ ደኣ ምስቲ ዅነታት ተወሃሂዶም ኪነብሩ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ፈለማ፡ ህይወቶም ንምቕላል ስጕምትታት ወሰዱ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ጸገማቶም ኣብ ክንዲ ዜተኵሩ፡ ንዕዮ ስብከት ሰፊሕ ግዜ ብምውፋይ፡ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ኬተኵሩ ወሰኑ። (ግብ. 20:35) ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ፦ “ኣብ ኣገልግሎት ትሑዛት ምዃንና፡ ንኣሉታዊ ሓሳባት ዚኸውን ግዜ ኣይሃበናን፣ የግዳስ፡ ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምግባር ከነተኵር ዜኽእለና ዝያዳ ግዜ ረኺብና።” ኵነታትና ምስ ዚልወጥ፡ ምናዳ ብክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣቢልና ንኻልኦት ሰናይ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኽንርስዕ የብልናን።

12. እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ኣብ ኣገልግሎት ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

12 ኣብ ኣገልግሎትና ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ኣሎና። በበይኑ እምነትን ኣረኣእያን ዘለዎም፡ ካብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ እውን ዝመጹ ሰባት ንረክብ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ተዓጻጻፊ እዩ ነይሩ፣ ካብ ኣብነቱ እውን ክንምሃር ንኽእል ኢና። የሱስ ንጳውሎስ፡ “ንኣህዛብ ሃዋርያኦም” ኪኸውን እዩ ሸይምዎ። (ሮሜ 11:13) ስለዚ፡ ጳውሎስ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ንሊቃውንትን ንትሑታት ገባሮን ንሰበ ስልጣንን ንነገስታትን ሰቢኹ እዩ። ነዞም እተፈላለዩ ሰባት ልቦም ምእንቲ ኺትንክዮም ኢሉ ድማ፡ ‘ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኵሉ ዀይኑ እዩ።’ (1 ቈረ. 9:19-23) ንባህልን ንድሕረ ባይታን ንእምነታትን ሰማዕቱ ድሕሪ ምስትብሃሉ፡ ንኣቀራርባኡ ኸከም ኵነታቶም ይቐያይር ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ተበላሓትቲ እንተ ዄንና፡ ኣቀራርባና እውን ከከምቲ ንሰማዕትና ዜድልዮም ንቐያይር እንተ ዄንና፡ ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ውጽኢታውያን ክንከውን ንኽእል ኢና።

ኣረኣእያ ኻልኦት ኣኽብር

ሚዛናውያን እንተ ዄንና፡ ንኣረኣእያ ኻልኦት ነኽብር ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ንኣረኣእያ ኻልኦት ነኽብር እንተ ዄንና፡ ኣብ 1 ቈረንቶስ 8:9 ተጠቒሱ ኻብ ዘሎ እንታይ ሓደጋ ኢና ኽንስተር እንኽእል፧

13 ሚዛናውነት ንኣረኣእያ ኻልኦት ከነኽብር እውን ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ገሊአን ኣሓት ኵሕለ ምሕሊ ምግባር ይፈትዋ እየን፣ ገሊአን ግና ኣይፈትዋን እየን። ገሊኦም ክርስትያናት ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ምስታይ ይፈትዉ እዮም፣ ገሊኦም ግና ፈጺሞም እዮም ዚሕረሙ። ኵሎም ክርስትያናት ጽቡቕ ጥዕና ኺህልዎም ዚደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ እተፈላለየ ሜላታት ክንክን ጥዕና ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም። ንሕና ወትሩ ቕኑዓት ከም ዝዀንና ንሓስብ እንተ ዄንና እሞ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ጉባኤ ኸነስፍሖ እንተ ጽዒርና፡ ንኻልኦት ክንዕንቅፍ፡ ክፍፍል እውን ክንፈጥር ንኽእል ኢና። ብርግጽ መሸም ከምኡ ኽንገብር ኣይንደልን ኢና! (1 ቈረንቶስ 8:9 ኣንብብ፣ 1 ቈረ. 10:23, 24) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እንተ ተግቢርና፡ ሚዛናውያን ንምዃንን ሰላም ንምዕቃብን ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ዜርኢ ኽልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ሚዛናውያን እንተ ዄንና፡ ንኣረኣእያ ኻልኦት ነኽብር ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ብምንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኺምራሕ ዚግባእ፧

14 ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን። የሆዋ ብዛዕባ ኣከዳድናና፡ ክንስዕቦ ዘሎና መሰረታዊ ስርዓታት ደኣ እምበር፡ ጽኑዕ ሕግታት ኣይሃበናን። ሚዛናውነትን ትሕትናን “ልብምናን” ዜርኢ ንኣገልጋሊ ኣምላኽ ዚበቅዕ ክዳውንቲ ኽንክደን እዩ ትጽቢት ዚግበረልና። (1 ጢሞ. 2:9, 10፣ 1 ጴጥ. 3:3) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብኣከዳድናና ናብ ገዛእ ርእስና ዘየድሊ ኣቓልቦ ኣይንስሕብን ኢና። ሽማግለታት እውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀሙ እንተ ዀይኖም፡ ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣተሓሕዛ ጸጕሪ ርእስን ናይ ርእሶም ሕጊ ኣየውጽኡን እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዚርከቡ ሽማግለታት፡ ኣብ ጉባኤኦም ንዚርከቡ ሓድሽ ፋሽን ኣቀማቕማ ዚስዕቡ መንእሰያት ኣሕዋት ኪሕግዝዎም ደለዩ። እቶም መንእሰያት ንጸጕሪ ርእሶም ኣሕጺሮም እኳ እንተ ተቐምቀምዎ፡ ጸጕሮም ግና ጠሪሱ ስርዓት ኣይነበሮን። እሞ ደኣ እቶም ሽማግለታት ባዕሎም ሕጊ ኸየውጽኡ ብኸመይ እዮም ኪሕግዝዎም ክኢሎም፧ ሓላው ወረዳኦም ሓደ ሓሳብ ሃቦም፣ እቶም ሽማግለታት ነቶም ኣሕዋት፡ “ኣብ መድረኽ እንተ ደዪብካ እሞ እቶም ሰማዕቲ ኻብቲ እትብሎ ንላዕሊ ንትርኢትካ ዜተኵሩሉ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ኣከዳድናኻን ኣመለኻኽዓኻን ጸገም ኣሎካ” ኺብልዎም መኸሮም። ሳላ እዚ ቐሊል መግለጺ ኸኣ፡ እቶም ሽማግለታት ባዕሎም ሕጊ ኸየውጽኡ ነቲ ጕዳይ ፈትሕዎ። d

ሚዛናውያን እንተ ዄንና፡ ንኣረኣእያ ኻልኦት ነኽብር ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ኣብ እንገብሮ ምርጫ ብምንታይ ሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንምራሕ፧ (ሮሜ 14:5)

15 ክንክን ጥዕና። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንጥዕናኡ ብኸመይ ከም ዚከናኸን ባዕሉ እዩ ኺውስን ዘለዎ። (ገላ. 6:5) ነቲ ሓደ ክርስትያን ሕክምና ኺመርጽ ከሎ ዚገብሮ ውሳነታት ዚጸሉ ሒደት ሕግታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ዘሎ፣ ገለ ኻብዚ ድማ እቲ ኻብ ደምን ካብ መናፍስትነትን ክንርሕቕ እተዋህበና ትእዛዝ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። (ግብ. 15:20፣ ገላ. 5:19, 20) ኣብ ካልእ መዳያት ናይ ብሕትና ምርጫ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ገሊኦም ውልቀ ሰባት ኣብ ክንክን ጥዕና ነቲ ኻብ ሰብ ሞያ ሕክምና ዚውሃብ መምርሒ ጥራይ እዮም ዚስዕቡ። ገሊኦም ግና ኣማራጺ ዚብሃል ዓይነት ሕክምናታት ይፍትኑ እዮም። ንሓደ ዓይነት ሕክምና ኽሳዕ ክንደይ ኣጸቢቕና ንእመነሉ ብዘየገድስ፡ ነቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብርእሶም ዚገብርዎ ውሳነ ኸነኽብረሎም ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ክንርስዕ የብልናን፦ (1) መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ከተሕውየና እትኽእል። (ኢሳ. 33:24) (2) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ነቲ ንዕኡ ዚጠቕሞ ነገር ‘ኣጸቢቑ ኺኣምነሉ’ ኣለዎ። (ሮሜ 14:5 ኣንብብ።) (3) ንኻልኦት ክንፈርዶም ወይ መዐንቀፊ ኽንገብረሎም የብልናን። (ሮሜ 14:13) (4) ክርስትያናት ፍቕሪ የርእዩ እዮም፡ ነቲ ብሕታዊ ምርጫ ንምግባር ዘለዎም ናጽነት ከኣ ልዕሊ እቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሓድነት ኣይሰርዑን እዮም። (ሮሜ 14:15, 19, 20) ነዚ ነጥብታት እዚ እንተ ዘኪርና፡ ነቲ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ናይ ቀረባ ርክብ ክንዕቅብ፡ ንሰላም ጉባኤ እውን ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

ሚዛናውያን እንተ ዄንና፡ ንኣረኣእያ ኻልኦት ነኽብር ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ሓደ ሽማግለ ኣብቲ ምስ ብጾቱ ሽማግለታት ዘለዎ ርክብ ብኸመይ እዩ ሚዛናዊ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

16 ሽማግለታት ልዙባት ወይ ሚዛናውያን ብምዃን፡ ሰናይ ኣብነት ኪዀኑ ኣለዎም። (1 ጢሞ. 3:2, 3) ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ ኻብ ካልኦት ሽማግለታት ብዕድመ ዝዓበየ ብምዃኑ ርእይቶኡ ወትሩ ኪቕበልዎ ትጽቢት ኪገብር የብሉን። የግዳስ፡ ዝዀነ ይኹን ሽማግለ ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኹ ንጥበባዊ ውሳነ ኣበርክቶ ኺገብር ዚኽእል ዘረባ ኺዛረብ ከም ዚኽእል የስተውዕል እዩ። ሚዛናውያን ዝዀኑ ሽማግለታት፡ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዘይተጣሕሰ፡ ነቲ ብመብዛሕትኦም ኣካል ሽማግለታት እተገብረ ውሳነ ብፍታዎም ይድግፉ እዮም፣ ዋላ እውን ካልእ ኣካይዳ ሓርዮም እንተ ነበሩ፡ ነቲ ናይ ሽማግለታት ውሳነ ይድግፉ እዮም።

ሚዛናውነት ዜምጽኦ ጥቕምታት

17. ሚዛናውያን ዝዀኑ ክርስትያናት እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

17 ክርስትያናት ሚዛናውያን ምስ ዚዀኑ፡ ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ እዮም። ሚዛናውያን እንተ ዄንና፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝሓሸ ርክብ ይህልወና፡ ጉባኤና እውን ሰላም ትረክብ። በቲ ኣብቶም ብሓድነት ኣብ ዝሰመሩ ኣምለኽቲ የሆዋ ዘሎ ውቁብ ዝዀነ በብዓይነቱ ባህርያትን ባህልታትን ደስ ይብለና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ ሚዛናዊ ዝዀነ ኣምላኽና የሆዋ ስለ እንመስሎ፡ ዕግበት ንረክብ።

መዝሙር 90 ንሓድሕድና ንተባባዕ

a የሆዋን የሱስን ሚዛናውያን እዮም፣ ንዓና እውን ነዚ ባህርይ እዚ ኸነማዕብል ይደልዩና እዮም። ሚዛናውያን እንተ ዄንና፡ ምስ ናይ ጥዕና ዀነ፡ ምስ ናይ ገንዘብ ኰነ፡ ምስ ዝዀነ ኻልእ ለውጥታት ተዋሃሂድና ንምምልላስ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና። ንሰላምን ንሓድነትን ጉባኤ እውን ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

b ኣብ ንቕሑ! ቍ. 4 2016 ዝወጸት፡ “ንለውጢ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c ነታ ምስ ዲሚትሪ ሚኻይሎፍ እተገብረ ቓለ መጠይቕ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ። እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ምስታ ኣብ ናይ መጋቢት-ሚያዝያ 2021 ሕታም ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ ዝወጸት፡ “የሆዋ ንመስጐጕቲ ናብ ምስክርነት ይቕይሮ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተተሓሒዛ ኣላ።