ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 31

“ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ”

“ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ”

“ፍቑራት ኣሕዋተየ፡ ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ።”—1 ቈረ. 15:58

መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!

መላለዪ a

1-2. ሓደ ክርስትያን ምስ ነዊሕ ህንጻ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ (1 ቈረንቶስ 15:58)

 ኣብ መወዳእታ 1970ታት፡ 59 ደርቢ ዘለዎ ነዊሕ ህንጻ ኣብ ቶክዮ፡ ጃፓን ተሃንጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ህንጻ እዚ ነቲ ኣብታ ኸተማ ብተደጋጋሚ ዜጋጥም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኸመይ ኪጻወሮ ኸም ዚኽእል ኣተሓሳሲብዎም ነበረ። እሞ ደኣ እቲ ምስጢሩ እንታይ እዩ ነይሩ፧ መሃንድሳት ነቲ ህንጻ ኺነድፍዎ ኸለዉ፡ ጽኑዕ ግናኸ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ኺጻወር ዚኽእል ተዓጻጻፍነት ዘለዎ ገይሮም እዮም ነዲፎምዎ። ክርስትያናት ከምቲ ነዊሕ ህንጻ እዮም። ብኸመይ፧

2 ሓደ ክርስትያን ኣብ መንጎ ጽኑዕነትን ተዓጻጻፍነትን ሚዛኑ ኺሕሉ ኣለዎ። ንሕግታትን ንመለክዒታትን የሆዋ ብምድጋፍ ዝመጸ ጽኑዕን ዘይነቓነቕን ኪኸውን ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 15:58 ኣንብብ።) ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ንዚውሃቦ መምርሒ “ሰማዕ” ደኣሉ ኪኸውን ዘለዎ እምበር፡ ኪለማለም የብሉን። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ኵነታት ኣብ ዜፍቅደሉ ወይ ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ‘ልዙብ፡’ ‘ሚዛናዊ፡’ ወይ ተዓጻጻፊ ኪኸውን ኣለዎ። (ያእ. 3:17) በዚ ኸምዚ ሚዛኑ ዚሕሉ ክርስትያን እምብዛ ተሪር ወይ እምብዛ ሸለልተኛ ኣይከውንን እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብኸመይ ዘይንነቓነቕ ክንከውን ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና። ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ነቲ ጽኑዓት ንምዃን ዝገበርናዮ ቘራጽነት ኬዳኽም ዚፍትነሉ ሓሙሽተ መገድታት ክንርኢ፡ ንጻዕርታቱ ብኸመይ ክንጻረሮ ኸም እንኽእል እውን ክንምሃር ኢና።

ብኸመይ ኢና ጽኑዓት እንኸውን፧

3. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29 ካብቲ ዝለዓለ ሓጋግ ሕግና እተዋህበ እንታይ ሕግታት እዩ ዚርከብ፧

3 የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ሓጋግ ሕጊ ስለ ዝዀነ፡ ንህዝቡ ወትሩ ንጹር ሕግታት ይህቦም እዩ። (ኢሳ. 33:22) ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ክርስትያናት ጽኑዓት ኪዀኑሉ ዚግባእ ሰለስተ መገድታት ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ድማ፦ (1) ንኣምልኾ ጣኦት ነጺጎም ንየሆዋ በይኑ ብምምላኽ፡ (2) ንቕድስና ደም ብምኽባር፡ (3) ነቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ብኸመይ እዮም ኣብዚ ሰለስተ መገድታት ጽኑዕ መትከል ኪሕዙ ዚኽእሉ፧

4. ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት እንህቦ ብኸመይ ኢና፧ (ራእይ 4:11)

4 ኣምልኾ ጣኦት ንነጽግ ኢና፡ ንየሆዋ በይኑ እውን ኢና እነምልኽ። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ንዕኡ በይኑ ጥራይ ተወፋይነት ኪህብዎ እዩ ኣዚዝዎም። (ዘዳ. 5:6-10) የሱስ እውን ብድያብሎስ ምስ ተፈተነ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ በይኑ ጥራይ ከነምልኽ ከም ዚግባእ ብንጹር ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 4:8-10) ስለዚ፡ ጣኦታት ኣይነምልኽን ኢና። ንመራሕቲ ሃይማኖት፡ ንፖለቲካውያን ገዛእቲ፡ ወይ ነዞም ኣብ ናይ ስፖርትን መዘናግዕን ዓለም ዘለዉ ኸዋኽብቲ፡ ኰታስ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ኣምላኽ ጌርና ኽብሪ ኣይንህብን ኢና። ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኢና እንቐውም፡ ነቲ ‘ንዅሉ ዝፈጠረ’ ኣምላኽ ጥራይ ድማ ኢና እነምልኽ።—ራእይ 4:11 ኣንብብ።

5. ነቲ ምስ ቅድስና ህይወትን ደምን ዚተሓሓዝ ሕጊ የሆዋ እንሕሉ ስለምንታይ ኢና፧

5 ምስ ቅድስና ህይወትን ደምን ብዚተሓሓዝ ሕጊ የሆዋ ንሕሉ ኢና። ስለምንታይ፧ ደም ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበና ኽቡር ውህበት ዝዀነ ህይወት ከም ዜመልክት የሆዋ ገሊጹልና እዩ። (ዘሌ. 17:14) የሆዋ ንሰባት፡ ስጋ እንስሳ ኺበልዑ ኣብ ዝፈቐደሉ እዋን፡ ደም ከይበልዑ መምርሒ ሂብዎም እዩ። (ዘፍ. 9:4) ንእስራኤላውያን ሕጊ ሙሴ ኺህቦም ከሎ ኸኣ፡ ነዚ ትእዛዝ እዚ ደጊምዎ እዩ። (ዘሌ. 17:10) በቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣቢሉ እውን ንዅሎም ክርስትያናት፡ “ካብ ደም . . . ርሓቑ” ዚብል ትእዛዝ ሂብዎም እዩ። (ግብ. 15:28, 29) ምስ ሕክምና ዚተሓሓዝ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ነዚ ትእዛዝ እዚ ብጽኑዕ ንሕልዎ ኢና። b

6. በቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ንምምልላስ እንታይ ጻዕርታት ኢና እንገብር፧

6 ነቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ብጽኑዕ ንሕሉ ኢና። (እብ. 13:4) ሃዋርያ ጳውሎስ ብንጹር ስእላዊ ቓላት ገይሩ ንኣካላትና ‘ኽንቀትል’ ምዒዱና ኣሎ። ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ንግጉይ ስጋዊ ትምኒታት ንምውጋድ፡ ተሪር ስጕምትታት ክንወስድ ማለቱ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ናብ ምንዝርና ኺመርሕ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ምርኣይ ወይ ካብ ምግባር ንቝጠብ ኢና። (ቈሎ. 3:5፣ እዮ. 31:1) ፈተና ኼጓንፈና ኸሎ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ኬበላሹ ንዚኽእል ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ወይ ተግባር ብኡብኡ ንነጽጎ ኢና።

7. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

7 የሆዋ ‘ኻብ ልቢ ኽንእዘዞ’ እዩ ዚጽበየና። (ሮሜ 6:17) መምርሒኡ ወትሩ ንጥቕምና እዩ፣ ሕግታቱ እውን ንዋጋ ዕዳጋ ዚቐርብ ኣይኰነን። (ኢሳ. 48:17, 18፣ 1 ቈረ. 6:9, 10) ስለዚ፡ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ኢና እንጽዕር፣ ኣረኣእያና እውን ከምቲ፡ “ኵሉ ግዜ፡ ክሳዕ መወዳእታ፡ ንስርዓታትካ ኽእዘዝ ቈሪጸ ኣለኹ” ዝበለ ዘማሪ ኽንገብር ኢና እንጽዕር። (መዝ. 119:112) ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ንቘራጽነትና ንምድኻም ይጽዕር ኣሎ። እሞ ደኣ እንታይ ሜላታት እዩ ዚጥቀም፧

ሰይጣን ንቘራጽነትና ኼዳኽሞ ዚፍትን ብኸመይ እዩ፧

8. ሰይጣን ንቘራጽነትና ንምድኻም መስጐጕቲ ዚጥቀም ብኸመይ እዩ፧

8 መስጐጕቲ። ድያብሎስ ንቘራጽነትና ንምድኻም፡ ኣካላውን ስምዒታውን መጥቃዕቲ ይጥቀም እዩ። ዕላማኡ ኸኣ፡ ንዓና ‘ንምውሓጥ፡’ ማለት ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምብልሻው እዩ። (1 ጴጥ. 5:8) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ጸኒዖም ኪቘሙ ብምውሳኖም፡ ኣደዳ ምፍርራህን መውቃዕትን ቅትለትን ኰይኖም እዮም። (ግብ. 5:27, 28, 40፣ 7:54-60) ሎሚ እውን ሰይጣን ንመስጐጕቲ ይጥቀመሉ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ሩስያን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚወርድ ግፍዒ ዀነ ኣብቲ ኻብ ተጻረርቲ ዚፍኖ ኻልእ መጥቃዕቲ ኺርአ ይከኣል እዩ።

9. ካብ ረቂቕ ጸቕጢ ኽንጥንቀቕ ከም ዘሎና ዚሕብር ኣብነት ሃብ።

9 ረቂቕ ጸቕጢ። ሰይጣን ኣብ ርእሲ እቲ ቐጥታዊ መጥቃዕቲ፡ “ተንኰል” እውን ይጥቀም እዩ። (ኤፌ. 6:11፡ እ.ጽ.) ንኣብነት፡ ንሓደ ቦብ ዝስሙ ሓው ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። እዚ ሓው እዚ ኸቢድ መጥባሕቲ ንምግባር ናብ ሆስፒታል ኣተወ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ምምሕልላፍ ደም ከም ዘይቅበል እውን ነቶም ሓካይም ነገሮም። እቲ መጥባሕቲ ዚገብረሉ ሓኪም ምስቲ ውሳነኡ ተሰማምዐ። ድሮ እታ መጥባሕቲ ዚገብረላ መዓልቲ ግና፡ ስድራ ቤት ቦብ ናብ ገዛኦም ምስ ከዱ፡ እቲ ናይ ኣነስተዝያ በዓል ሞያ ብለይቲ ናብ ቦብ መጸ። ደም ኪውሃቦ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እኳ እንተ ዀነ፡ ንምናልባት ግና ደም ተቐሪቡ እንተ ጸንሐ ኸም ዚሓይሽ ሓሳብ ኣቕረበሉ። ምናልባት እዚ ሓኪም እዚ፡ ‘ቦብ በይኑ ምስ ኰነ ሓሳቡ ይቕይር ይኸውን’ ኢሉ ኣሚኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቦብ ግና ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ደም ኪውሃቦ ኸም ዘይደሊ ብጽኑዕ ገለጸሉ።

10. ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ መፈንጠራ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ቈረንቶስ 3:19, 20)

10 ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ። ብኣረኣእያ ሰብ ንርኢ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋን ንመለክዒታቱን ክንሓድጎ ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 3:19, 20 ኣንብብ።) “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” መብዛሕትኡ ግዜ ንስጋዊ ትምኒት ዚስሕብ እዩ። ኣብ ጴርጋሞስን ትያቲራን ዚነብሩ ገሊኦም ክርስያናት በቲ ኣብተን ከተማታት ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦትን ምንዝርናን ተጸልዮም ነይሮም እዮም። እተን ጉባኤታት እቲአን ንምንዝርና ዕሽሽ ስለ ዝበላኦ ኸኣ፡ የሱስ ሓያል ምኽሪ ልኢኹለን እዩ። (ራእ. 2:14, 20) ሎሚ እውን ግጉይ ኣረኣእያታት ክንቅበል ጸቕጢ ይወርደና እዩ። ኣባላት ስድራ ቤትናን ፈለጥትናን ኬእምኑና ይጽዕሩ ይዀኑ፣ ካብ መትከልና ኽንለማለም እውን ይደፋፍኡና ይዀኑ። ንኣብነት፡ ትምኒትና እንተ ስዒብና ምንም ጌጋ ኸም ዘይብሉ፡ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ግዜ ዝሓለፎ ኸም ዝዀነ ይዛረቡ ይዀኑ።

11. ጸኒዕና ኽንቀውም ከለና፡ ካብ ምንታይ ኢና ኽንቍጠብ ዘሎና፧

11 ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ዚህበና መምርሒ እኹል ከም ዘይኰነ ይስምዓና ይኸውን። ‘ክንየው እቲ ጽሑፍ ክንከይድ’ እውን ንፍተን ንኸውን። (1 ቈረ. 4:6) ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብዚ መዳይ እዚ በደልቲ እዮም ነይሮም። ንሕጊ ሙሴ፡ ሰብ ዝሰርዖ ስርዓታት ስለ ዝወሰኹሉ፡ ነቶም ተራ ሰባት ከቢድ ጾር ኣሰኪሞምዎም ነይሮም እዮም። (ማቴ. 23:4) የሆዋ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ንጹር መምርሒ ይህበና እዩ። ነቲ ዚህበና መምርሒ ኽንውስኸሉ ኣየድልየናን እዩ። (ምሳ. 3:5-7) ስለዚ፡ ክንየው እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎ ኣይንኸይድን ኢና፣ ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያት እውን ንክርስትያናት ብጾትና ሕግታት ኣይነውጽኣሎምን ኢና።

12. ሰይጣን “ከንቱ ጥበራ” ዚጥቀም ብኸመይ እዩ፧

12 ጥበራ። ሰይጣን ንሰባት ንምስሓትን ንምክፍፋልን፡ “ከንቱ ጥበራን” “መባእታዊ ነገራት ዓለምን” ይጥቀም እዩ። (ቈሎ. 2:8) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባታት እተመስረተ ፍልስፍናታት፡ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ኣይሁድ፡ ከምኡ እውን ‘ክርስትያናት ሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ ኣለዎም’ ዚብል ትምህርቲ ምስዚ ይጠቓለል ነይሩ እዩ። እዚ ነገራት እዚ ንሰባት ካብቲ ምንጪ ናይ ሓቂ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ ስለ ዜርሕቖም፡ ጥበራ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ሎሚ፡ ሰይጣን ብፖለቲካውያን መራሕቲ ዚፍኖ መሰረት ዘይብሉ ወረን ናይ ሓሶት ጸብጻባት ዜናን ንምንዛሕ፡ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ይጥቀም እዩ። ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ነዚ ብብዝሒ ርኢናዮ ኢና። c ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና ነቲ ኻብ ውድብና ዚውሃበና መምርሒ ስለ እንስዕብ፡ ዜጋጊ ሓበሬታ ኻብ ዜስዕቦ ዘየድሊ ጭንቀት ተሰቲርና ኢና።—ማቴ. 24:45

13. ካብ መስገሊ ኽንጥቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 መስገሊ። ኣብቲ “ዚሓይሽ” ዘበለ ኸነተኵር ኣሎና። (ፊል. 1:9, 10) መስገሊ ኻብቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳያት ግዜናን ቈላሕታናን ኪሰርቕ ይኽእል እዩ። ንኸም ብልዕን መስተን መዘናግዕን ዓለማዊ ስራሕን ዝኣመሰለ ንቡር መዳያት ህይወት ኣብ ህይወትና ብቐዳምነት ነተኵረሉ እንተ ዄንና፡ እዚ ነገራት እዚ መስገሊታት ኪዀነና ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 21:34, 35) ኣብ ርእሲ እዚ፡ መዓልቲ መዓልቲ በቲ ምስ ማሕበራዊ ግጭታትን ፖለቲካዊ ጕዳያትን እተተሓሓዘ ጸብጻባት ዜና ንድብደብ ኣለና። በዚ ኽርክራት እዚ ኸነስግል የብልናን። እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ኣእምሮናን ኣብ ልብናን ወገን ክንሕዝ ንጅምር ኢና። ሰይጣን ነቲ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ዘሎና ቘራጽነት ምእንቲ ኼዳኽም ኢሉ፡ ነዚ ዅሉ እተጠቕሰ ሜላታት ይጥቀም እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ንጻዕርታቱ ብኸመይ ከም እንጻረሮን ብኸመይ ጸኒዕና ኸም እንነብርን እስከ ንርአ።

ብኸመይ ኢና ኣብ መትከልና ጸኒዕና ኽንመላለስ እንኽእል፧

ጸኒዕካ ምእንቲ ኽትቀውም፡ ብዛዕባ ወፈያኻን ጥምቀትካን ሕሰብ፡ ቃል ኣምላኽ ኣጽንዕን ኣስተንትነሉን፡ ጽኑዕ ልቢ ኣጥሪ፡ ብየሆዋ እውን ተኣመን (ሕጡብ ጽሑፍ 14-18 ርአ)

14. ሓደ ኻብቲ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ጸኒዕና ኽንመላለስ ዚሕግዘና ነገራት እንታይ እዩ፧

14 ብዛዕባ ወፈያኻን ጥምቀትካን ሕሰብ። ነዚ ስጕምትታት እዚ ዝወሰድካ፡ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኽትቀውም ስለ ዝደለኻ ኢኻ። ሓቂ ኸም ዝረኸብካ ዘእመነካ እንታይ ምዃኑ እሞ ምልስ ኢልካ ሕሰብ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ዝዀነ የሆዋ ልክዕ ፍልጠት ኣጥሪኻ ኢኻ፣ ንዕኡ ዘሎካ ኣኽብሮትን ፍቕርን እውን ዓብዩ እዩ። እምነትካ ማዕቢላ፡ ክትንሳሕ እውን ተለዓዒልካ ኢኻ። ግጉይ ተግባራት ክትሓድግን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ኽትነብርን ድማ ልባዊ ድራኸ ሓዲሩካ እዩ። ኣምላኽ ይቕረ ኸም ዝበለልካ ምስ ተፈለጠካ ኸኣ እፎይታ ተሰሚዑካ እዩ። (መዝ. 32:1, 2) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብን ነቲ እተምሃርካዮ ድንቂ ነገራት ንኻልኦት ከተካፍልን እውን ጀሚርካ ኢኻ። ርእስኻ ወፊኻ እተጠመቕካ ክርስትያን ስለ ዝዀንካ፡ ብመገዲ ህይወት ኢኻ እትመላለስ ዘለኻ፣ ካብታ መገዲ እቲኣ ንዘይምውጻእ እውን ቈሪጽካ ኢኻ።—ማቴ. 7:13, 14

15. መጽናዕትን ምስትንታንን ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ቃል ኣምላኽ ኣጽንዕን ኣስተንትነሉን። ከምቲ ሓደ ኦም ዓሚቝ ሰራውር እንተ ኣልይዎ ጸኒዑ ዚቐውም፡ ንሕና እውን ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዕምቈት ሱር ዝሰደደት እምነት እንተ ኣልያትና ጸኒዕና ንቐውም ኢና። ሓደ ኦም ኪዓቢ ኸሎ፡ ሰራውሩ እናዓመቘን እናሰፍሐን እዩ ዚኸይድ። ንሕና እውን ከነጽንዕን ከነስተንትንን ከለና፡ እምነትና ነደልድል፡ መገድታት ኣምላኽ ብሉጽ ምዃኑ እውን ብዝያዳ ርግጸኛታት ንኸውን ኢና። (ቈሎ. 2:6, 7) እምበኣር፡ ትምህርትታትን መምርሒታትን ዕቝባን የሆዋ ጥንቲ ንዝነበሩ ኣገልገልቱ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ነስተንትነሉ። ንኣብነት፡ ህዝቅኤል ኣብቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ ሓደ መልኣኽ ንሓንቲ ቤተ መቕደስ ኪልክዓ ኸሎ ብኣቓልቦ ተኸታተሎ። እቲ ራእይ እቲ ንህዝቅኤል ኣበርቲዕዎ እዩ፣ ንዓና እውን፡ ነቲ ምስ ንጹህ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ መለክዒታት የሆዋ ብኸመይ ክንድግፍ ከም እንኽእል ግብራዊ ትምህርትታት ይህበና እዩ። d (ህዝ. 40:1-4፣ 43:10-12) እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዓሚቝ ትምህርትታት ግዜ ወሲድና ነጽንዖን ነስተንትነሉን እንተ ዄንና፡ ንጥቀም ኢና።

16. ጽኑዕ ልቢ ንቦብ ዘዕቈቦ ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 112:7)

16 ጽኑዕ ልቢ ኣጥሪ። ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ ዘለዎ ጽኑዕ ፍቕሪ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ልበይ ጽኑዕ እዩ” ኢሉ ዘሚሩ እዩ። (መዝ. 57:7) ንሕና እውን ብየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንእመን እንተ ዄንና፡ ጽኑዕ ልቢ ኺህልወና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 112:7 ኣንብብ።) እዚ ነገር እዚ፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቦብ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ እስከ ንርአ። ንምናልባት ተባሂሉ ደም ተዳልዩ እንተ ጸንሐ ኸም ዚሓይሽ ምስ ተነግሮ፡ ደም ዚውሃቦ እንተ ዀይኑ ብኡብኡ ኻብቲ ሆስፒታል ከም ዚወጽእ ቅጽበታዊ ምላሽ ሃበ። ጸኒሑ ቦብ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ፡ “ፈጺመ ኣይተወላወልኩን። ዋላ ሓንቲ እውን ኣይተጨነቕኩን” በለ።

ድልዱል መንፈሳዊ መሰረት እንተ ሃኒጽና፡ ዝመጸ ፈተና እኳ እንተ መጸ ጸኒዕና ኽንቀውም ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ካብ ተመክሮ ቦብ እንታይ ንምሃር፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

17 ቦብ ኪጸንዕ ዝኸኣለ፡ ነቲ ጸኒዑ ንምቛም ዝገበሮ ውሳነ ናብ ሆስፒታል ቅድሚ ምእታዉ ኣቐዲሙ ስለ ዝገበሮ እዩ። ናብቲ ውሳነ እቲኸ ብኸመይ እዩ ዝበጽሐ፧ ቀዳማይ፡ ንየሆዋ ኼሐጕሶ ደለየ። ካልኣይ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ብዛዕባ ቕድስና ህይወትን ደምን ዚብሎ ተጠንቂቑ ኣጽንዐ። ሳልሳይ፡ መምርሒታት የሆዋ ምስዓብ ነባሪ ጥቕሚ ኸም ዜምጽኣሉ ኣመነ። ንሕና እውን ዝመጸ ፈተና እኳ እንተ መጸ፡ ጽኑዕ ልቢ ኺህልወና ይኽእል እዩ።

ባራቅን ሰቡን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሲሰራ ብትብዓት መጥቃዕቲ ይፍንዉ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. እቲ ባራቅ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ብየሆዋ ኽንእመን ትምህርቲ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ ገበር ርአ።)

18 ብየሆዋ ተኣመን። ባራቅ በቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ ስለ እተኣመነ ብኸመይ ከም እተዓወተ እስከ ንርአ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ተዋጋእቲ እስራኤል ዋልታ ዀነ ሕላስ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ምስቲ ሲሰራ ብዚብሃል ሓለቓ ሰራዊት ዚምራሕ ክሳዕ ኣፍንጫኡ እተዓጥቀ ሰራዊት ከነኣናውያን ኪዋጋእ ካብ የሆዋ መምርሒ ተዋህቦ። (መሳ. 5:8) ነብዪት ዴቦራ ኸኣ ንባራቅ ምስ ሲሰራን ምስቲ 900 ሰረገላታቱን ንምግጣም ናብ ጐልጐል ኪወርድ ነገረቶ። ምስ ሰረገላታት ኣብ ጐልጐል ምግጣም ኣመና ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ባራቅ ግና ተኣዘዘ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ተዋጋእቲ ኻብ ከረን ታቦር ኪወርዱ ኸለዉ፡ የሆዋ ብርቱዕ ዝናም ኣዝነመ። ሰረገላታት ሲሰራ ኸኣ ኣብ ጭቃ ተተኽላ፣ የሆዋ ድማ ንባራቅ ዓወት ሃቦ። (መሳ. 4:1-7, 10, 13-16) ብተመሳሳሊ ንሕና እውን ብየሆዋን በቲ ብተወከልቱ ኣቢሉ ዚህበና መምርሒታትን እንተ ተኣሚንና፡ ንሱ ዓወት ኪህበና እዩ።—ዘዳ. 31:6

ጸኒዕካ ንምምልላስ ቍረጽ

19. ስለምንታይ ኢኻ ጸኒዕካ ኽትመላለስ እትደሊ፧

19 ኣብዚ ስርዓት እዚ ኽሳዕ ዘለና፡ ንምጽናዕ እንገብሮ ቓልሲ ኪቕጽል እዩ። (1 ጢሞ. 6:11, 12፣ 2 ጴጥ. 3:17) እምበኣር፡ ብመስጐጕትን ብረቂቕ ጸቕጥን ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባን ብጥበራን ብመስገልን ከይንነቓነቕ ቈራጽነት ንግበር። (ኤፌ. 4:14) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነትን ንትእዛዛቱ ዘሎና ተኣዛዝነትን ጸኒዕና ንቑም። ማዕረ እዚ ድማ ሚዛናውያን ክንከውን ኣሎና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ የሆዋን የሱስን ብኸመይ ፍጹም ኣብነት ሚዛናውነት ከም ዚዀኑና ኽንመያየጥ ኢና።

መዝሙር 129 ክንጻወር ኢና

a ሰይጣን ካብ ግዜ ኣዳምን ሄዋንን ኣትሒዙ፡ ሰባት ቅኑዕን ጌጋን ባዕሎም ኪውስኑ ይግባእ ዚብል ሓሳብ እዩ ዜስፋሕፍሕ ዘሎ። ንዓና እውን ምስ ሕግታት የሆዋን ምስ ቲኦክራስያዊ መምርሒታትን ብዚተሓሓዝ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኸነሕድር እዩ ዚደልየና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብታ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ብርእስኻ ቕኑዕን ጌጋን ናይ ምውሳን መንፈስ ክንሕሎ ትሕግዘና፣ ጸኒዕና ኣብ ጐድኒ የሆዋ ንምቛም ዝገበርናዮ ቘራጽነት እውን ተደልድለልና።

b ሓደ ክርስትያን ነቲ ምስ ደም ዚተሓሓዝ ኣረኣእያ ኣምላኽ ብኸመይ ኪሕልዎ ኸም ዚግባእ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 39 ርአ።

c ኣብ jw.org፡ “ካብ ግጉይ ሓበሬታ ተሓሎ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።