ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሕዳር 2016

እዛ ሕታም እዚኣ፡ 26 ታሕሳስ 2016–29 ጥሪ 2017 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ኣዝዩ ዜተባብዕ ቃል!

የሱስ ንኣንስቲ ኺዛረበን ከሎ ነየነይቲ ኻብ ትሕትና ንላዕሊ እተመልክት ቃል እዩ ተጠቒሙ፧

“መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ”

ምትብባዕ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ካብቲ የሆዋን የሱስን ጳውሎስን ንኻልኦት ዘተባብዑሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ውጽኢታዊ መተባብዒ ኽንህብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ብመሰረት ቃል ኣምላኽ እተወደበ ህዝቢ

የሆዋ መወዳድርቲ ዘይብሉ ወዳቢ እዩ። ኣምለኽቱ እውን እተወደቡ ኪዀኑ ኽንጽበዮምዶ ኣይግባእን፧

ንቓል የሆዋ ኣዚኻ ተኽብሮ ዲኻ፧

ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ንውድብ ኣምላኽ ብተኣማንነት ንምድጋፍን ኪጽዕሩ ኸለዉ ይባረኹ እዮም።

‘እቲ ዕዮ ዓብዪ እዩ’

ንስኻ እውን ንምድጋፉ ኣጋጣሚ ኣሎካ።

ካብ ጸልማት እተጸውዑ

ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ንደሓር ኣብ ጸልማት ዝኣተዉ ብኸመይ እዮም፧ ብርሃን ዝበርሃሎምከ ብኸመይን መዓስን እዩ፧

ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ወጺኦም

ህዝቢ ኣምላኽ መዓስ እዮም ካብ ምርኮ ባቢሎን ምሉእ ብምሉእ ሓራ ዝወጹ፧

“ኣቱም ኣብ ብሪጣንያ ዘለኹም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንቕሑ!!”

ኣብ ብሪጣንያ ንዓሰርተ ዓመት ዚረብሕ ወሰኽ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይነበረን! እዚ ኪቕየር ዝኸኣለ ግና ብኸመይ እዩ፧