ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመሰረት ቃል ኣምላኽ እተወደበ ህዝቢ

ብመሰረት ቃል ኣምላኽ እተወደበ ህዝቢ

“የሆዋ ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ። ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣቘሞ።” —ምሳ. 3:19

መዝሙር፦ 15, 16

1, 2. (ሀ) ገሊኦም ነቲ ኣምላኽ ውድብ ከም ዘለዎ ዚገልጽ ሓሳብ እንታይ ምላሽ እዮም ዚህብሉ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

ኣምላኽ ውድብ ኣለዎዶ፧ ገሊኦም፡ “ዚመርሓካ ውድብ ኣየድልየካን እዩ። ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ምምስራትካ ጥራይ እኹል እዩ” ይብሉ ይዀኑ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ግና ቅኑዕ ድዩ፧ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ ዅሉ ነገር ብስርዓት ዚገብር ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ወዳቢ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና። ካብ ውድብ የሆዋ ንዚውሃበና መምርሒ እንታይ ዓይነት ምላሽ ክንህብ ከም ዘሎና እውን ክንርኢ ኢና። (1 ቈረ. 14:33, 40) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኰነ ኣብዚ ግዜና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ነቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ዕዮ ስብከት ብስራት ኪፍጽም ሓጊዙ እዩ። ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እንለግብን ውድባዊ መምርሒታት ስለ እንሕሉን፡ ንጽህናን ሰላምን ሓድነትን ብምልእታ ጉባኤ ነደንፍዕ ኢና።

የሆዋ መወዳድርቲ ዘይብሉ ወዳቢ እዩ

3. የሆዋ መወዳድርቲ ዘይብሉ ወዳቢ ኸም ዝዀነ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

3 ፍጥረት፡ ኣምላኽ መወዳድርቲ ዘይብሉ ወዳቢ ምዃኑ የረጋግጽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ። ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣቘሞ” ይብለና። (ምሳ. 3:19) “ጫፍ መገድታት” ኣምላኽ ጥራይ ኢና እንፈልጥ፣ “ብዛዕባኡስ ድኹም ሕሹዅሹዅታ ጥራይ እዩ ተሰሚዑ!” (እዮ. 26:14) ኰይኑ ግና፡ እቲ ብዛዕባ ፕላነታትን ከዋኽብትን ጋላክሲታትን ዘሎና ሒደት ፍልጠት፡ ሰማያዊ ኣካላት ኣዝዩ ብዜደንቕ መገዲ ኸም እተወደበ ኽንእመን ይድርኸና እዩ። (መዝ. 8:3, 4) ጋላክሲታት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ እዩ፣ ኵሎም ድማ ኣብ ህዋ ብስርዓት እዮም ዚንቀሳቐሱ። ኣብ ስርዓተ ጸሓይና ዘለዉ ፕላነታት፡ ሕጊ ትራፊክ ብትሕትና ኸም ዚሕልዋ ተሽከርከርቲ ዀይኖም ንጸሓይ ብስርዓት ይዞርዋ እዮም። እዚ ኣብ ዩኒቨርስ ዚርአ ዜስደምም ስርዓት፡ ነቲ ‘ንሰማያትን ንምድርን ብኽእለት ዝገበረ’ የሆዋ ኽንውድሶን እሙናት ክንከውንን ከነምልኾን ከም ዚግብኣና ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።—መዝ. 136:1, 5-9

4. ስነ ፍልጠት ንሓያሎ ሕቶታት ኪምልስ ዘይከኣለ ስለምንታይ እዩ፧

4 ስነ ፍልጠት ብዛዕባ ዩኒቨርስን ብዛዕባ ምድርናን ብዙሕ ገሊጹ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህይወትና ጠቒሙና እዩ። ይኹን እምበር፡ ስነ ፍልጠት ኪምልሶ ዘይከኣለ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ተመራመርቲ ስነ ኰዀብ፡ ዩኒቨርስ ብኸመይ ናብ ህልውና ኸም ዝመጸ ወይ ከኣ ስለምንታይ ኣብዛ ብህያዋን ፍጥረታት ዝመልአት ምድሪ ኸም ዘለና ብልክዕ ኪነግሩና ኣይክእሉን እዮም። ብዘይካዚ፡ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ስለምንታይ ንዘለኣለም ኪነብሩ ሓያል ባህጊ ኸም ዘለዎም ኬብርሁልና ኣይክእሉን እዮም። (መክ. 3:11) ኣዝዩ ብዙሕ ኣገዳሲ ሕቶታት ክሳዕ ሕጂ ምላሽ ዘይረኸበ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያት፡ ሓያሎ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ካልኦትን ብኣምላኽ ስለ ዘይኣምኑን ክልሰ ሓሳብ ስነ ፍልቀት ስለ ዚስዕቡን እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብ መጽሓፉ ምላሽ እቲ ንሓያሎ ሰባት ዜጨንቖም ሕቶታት ሂቡ ኣሎ።

5. ኣብ ሕግታት ተፈጥሮ እንውከል በየናይ መገድታት ኢና፧

5 ኣብቲ የሆዋ ዝሰረቶ ዘይለዋወጥን ዜተኣማምንን ሕግታት ተፈጥሮ ንውከል ኢና። ሰብ ሞያ ኤለክትሪክን ገጠምቲ ቱቦታት ማይን መሃንድሳትን መራሕቲ ነፈርትን ሓካይም መጥባሕትን ዕዮኦም ኪዓይዩ ኸለዉ ኣብዚ ሕግታት እዚ ይውከሉ እዮም። ንኣብነት፡ ሓካይም መጥባሕቲ፡ ስነ ቕርጺ ኣካል ሰብ መሰረታዊ ፍልልይ ከም ዘይብሉ ይተኣማመኑ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓደ ሓኪም መጥባሕቲ፡ ልቢ ሓደ ሕሙም ኣበይ ከም እትርከብ ኣይጠፍኦን እዩ። ኵላትና ኸኣ ንሕጊ ተፈጥሮ ነኽብር ኢና። ንኣብነት፡ ሕጊ ስሕበት እንተ ጥሒስና ህይወትና ኽንስእን ከም እንኽእል ንፈልጥ ኢና።

ብኣምላኽ እተወደበ ህዝቢ

6. ኣምለኽቲ የሆዋ ኺውደቡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

6 ዩኒቨርስ ብሓቂ ብዜደንቕ መገዲ እተወደበ እዩ። እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብዚግባእ እተወደቡ ኪዀኑ ኸም ዚደልዮም ይሕብረና። ብዚግባእ ክንውደብ መምርሒ ምእንቲ ኪዀነና ኢሉ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ። ብመሰረት ውድብን ስርዓታትን ኣምላኽ ዘይንመላለስ እንተ ዄንና፡ ጓህን መከራን ዝመልኦ ናብራ ኢና እንነብር።

7. መጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ እተወደበ ምዃኑ ዜረጋግጽ እንታይ እዩ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓድሕዱ ምንም ርክብ ዘይብሉ ጽሑፋት ኣይሁድን ክርስትያናትን ዝሓዘ መጽሓፍ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ተጻሒፉ ብዚግባእ እተወደበ ብሉጽ መጽሓፍ እዩ። ኵሉ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ልዑላውነት የሆዋ ኸም ዚረጋገጽ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ድማ በታ ኣብ ትሕቲ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ‘ዘርኢ’ ዝዀነ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ኸም ዚፍጸም ዚገልጽ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብቲ ኻብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዘሎ መጻሕፍቲ ንረኽቦ ኢና።ዘፍጥረት 3:15፣ ማቴዎስ 6:10፣ ራእይ 11:15 ኣንብብ።

8. እስራኤላውያን ኣዝዮም እተወደቡ ኸም ዝነበሩ ኽንዛረብ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

8 ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል ኣዝዮም እተወደቡ እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ “ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግላ እተወደባ ኣንስቲ” ነይረን እየን። (ዘጸ. 38:8) ሰፈር እስራኤል ኰነ እቲ ማሕደር ስርዓት ብዘለዎ መገዲ እዩ ዚንቀሳቐስ ነይሩ። ጸኒሑ፡ ንጉስ ዳዊት ንሌዋውያንን ንኻህናትን ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ በብኽፍልታት ወዲብዎም እዩ። (1 ዜና 23:1-6፣ 24:1-3) እስራኤላውያን ንየሆዋ ኺእዘዙ ኸለዉ ድማ፡ ብስርዓትን ብሰላምን ብሓድነትን ይነብሩ ነበሩ።—ዘዳ. 11:26, 27፣ 28:1-14

9. እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ እተወደበት ከም ዝነበረት ዜርኢ እንታይ እዩ፧

9 እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን እተወደበት እያ ነይራ፣ ካብቲ ፈለማ ብሃዋርያት ዝቘመ ኣመሓዳሪ ኣካል ድማ መምርሒታት ትቕበል ነይራ እያ። (ግብ. 6:1-6) ጸኒሑ፡ ካልኦት ኣሕዋት ናብቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ተወሰኹ። (ግብ. 15:6) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ወይ ምሳታቶም ሓቢሮም ዜገልግሉ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም ዝጸሓፍዎ መልእኽትታት ብምልኣኽ፡ ምኽርን መምርሕን ይህቡ ነይሮም እዮም። (1 ጢሞ. 3:1-13፣ ቲቶ. 1:5-9) ጉባኤታት ነቲ ብኣመሓዳሪ ኣካል ዚውሃብ ዝነበረ መምርሒ ብምስዓበን እንታይ ጥቕሚ ረኺበን፧

10. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት ነቲ ብኣመሓዳሪ ኣካል እተዋህበን ትእዛዝ ብምሕላወን እንታይ በረኸት ረኺበን፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5 ኣንብብ። ኣብ ክንዲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ዝገሹ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ “ነቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ዝወሰንዎ ትእዛዛት ኪሕልዉ ይነግርዎም ነበሩ።” ጉባኤታት ነቲ ትእዛዛት ኪሕልዋ ኸለዋ ድማ፡ “ብእምነት ይጸንዓ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብቝጽሪ ይውስኻ ነበራ።” እዚ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ሎሚ ኣብ ውድብ ኣምላኽ ከነተግብሮ ዘሎና ትምህርቲ ዝሓዘዶ ኸይኰነ፧

መምርሒ ትስዕብ ዲኻ፧

11. እተሸሙ ኣሕዋት ነቲ ኻብ ውድብ ኣምላኽ ዚቕበልዎ መምርሒ እንታይ ምላሽ ኪህብሉ ኣለዎም፧

11 ኣባላት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ወይ ኮሚተ ሃገር፡ ሓለውቲ ወረዳ፡ ሽማግለታት ጉባኤ ኻብ ውድብ ኣምላኽ መምርሒ ምስ ዚቕበሉ፡ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ ቃል ኣምላኽ ንዅላትና፡ ክንእዘዝን ክንግዛእን እዩ ዚነግረና። (ዘዳ. 30:16፣ እብ. 13:7, 17) ነቐፋ ወይ ዕልወት ነቲ ኣብ ጉባኤታት ዘሎ ፍቕርን ሰላምን ሓድነትን ኪዘርጎ ስለ ዚኽእል፡ እዚ ባህርያት እዚ ኣብ ውድብ ኣምላኽ ቦታ የብሉን። ብዘይካዚ፡ ከም ድዮትሬፌስ ኣኽብሮት ዘየርእን ዘይእሙንን ኪኸውን ዚድሊ እሙን ክርስትያን የሎን። (3 ዮሃንስ 9, 10 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ‘ካልኦት መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ እሕግዝ ድየ፧ እቶም ዚመርሑ ኣሕዋት ንዚህብዎ መምርሒ ብኡብኡ እቕበሎን እድግፎን ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተታ።

12. ብዛዕባ እቲ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዚሽየሙሉ መገዲ እንታይ ምትዕርራይ እዩ ተገይሩ፧

12 ኣብ ቀረባ እዋን ብኣመሓዳሪ ኣካል እተገብረ ውሳነ ኸም ኣብነት ንርአ። ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2014 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝወጸ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ፡” ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብ ዚሽየሙሉ መገዲ ብዛዕባ እተገብረ ምትዕርራይ ተዘርዚሩ ኣሎ። እታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ንገየሽቲ ሓለውቲ፡ ኪሸሙ ሓላፍነት ሂብዎም ከም ዝነበረ ትገልጽ። በዚ መሰረት እዚ ድማ፡ ካብ 1 መስከረም 2014 ኣትሒዙ፡ ሓለውቲ ወረዳ፡ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ይሸሙ ኣለዉ። እቲ ሓላው ወረዳ ነቶም ነዚ መሰል እዚ ዚበቕዑ ኺፈልጦም፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ድማ ምሳታቶም ሓቢሩ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኼገልግል ይጽዕር እዩ። ንስድራ ቤት እቲ ንሓላፍነት ዚሕሰብ ዘሎ ሓው ኬስተብህለሎም እውን ይጽዕር እዩ። (1 ጢሞ. 3:4, 5) ኣካል ሽማግለታትን ሓላዊ ወረዳን፡ ነቲ ብዛዕባ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ብጥንቃቐ ይምርምርዎ እዮም።—1 ጢሞ. 3:1-10, 12, 13፣ 1 ጴጥ. 5:1-3

13. ሽማግለታት ንዚህቡና መምርሒ ኸም እንድግፍ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ሽማግለታት ንዚህቡና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒ ኽንስዕቦ ኣሎና። እዞም ኣብ ውድብ ኣምላኽ ዘለዉ እሙናት ጓሶት እዚኦም፡ በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ “ጥዑይ” ወይ “ጠቓሚ” መምርሒታት ይምርሑ እዮም። (1 ጢሞ. 6:3፣ እ.ጽ.) ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ ዝሃቦ ምኽሪ እሞ ኸም ኣብነት ንርአ። ገሊኦም ውልቀ ሰባት፡ ‘ኣብ ዘይምልከቶም ዚኣትዉ እምበር፡ ዘይዓይዩ’ እዮም ነይሮም። ብሽማግለታት ተመኺሮም እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ ምኽሪ ነጸግዎ። እሞኸ እታ ጉባኤ ኸምዚኣቶም ንዝኣመሰለ ሰብ እንታይ እያ ኽትገብሮ፧ ጳውሎስ፡ “ምእንቲ ኺሓፍርሲ፡ ምልክት ግበሩሉ፡ ደጊም ምስኡ እውን ኣይትሕበሩ” ኢሉ መምርሒ ሃበ። እዚ ምኽሪ እዚ፡ ነቲ ሰብ ከም ጸላኢ ጌርካ ኽትርእዮ ዜተባብዕ ስለ ዘይኰነ፡ ሚዛናዊ ምኽሪ እዩ ነይሩ። (2 ተሰ. 3:11-15) ሎሚ እውን፡ ሽማግለታት ብዛዕባ ሓደ ምስ ዘይኣማኒ ሰብ ፍቕራዊ ዕርክነት ብምምስራት ኰነ ብኻልእ መዳይ ንስም እታ ጉባኤ ዜካፍእ መገዲ ዚስዕብ ሰብ፡ ናይ መጠንቀቕታ መደረ ኺህቡ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 7:39) ሽማግለታት ነዚ መደረ እዚ ኺህቡ ኸለዉ እንታይ ምላሽ ኢኻ እትህብ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ መደረ እተጠቕሰ ዅነታት ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ምስቲ ሰብ እቲ ምሕባርካ ተቋርጽ ዲኻ፧ ፍቕራዊ ሓልዮትካን ጽኑዕ መትከልካን፡ ነቲ ሰብ ብዘይ ስርዓት ምምልላስ ሓዲጉ ብቕንዕና ኺመላለስ ኬለዓዕሎ ይኽእል እዩ። [1]

ንጽህናን ሰላምን ሓድነትን ሓሉ

14. ኣብ ንጽህና ጉባኤ ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መምርሒ ብምስዓብ፡ ኣብ መንፈሳዊ ንጽህና ጉባኤ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበረ ዅነታት ከም ኣብነት ንርአ። ጳውሎስ ኣብታ ኸተማ ብምስባኽ ከም መስዋእቲ ፈሲሱ እዩ፣ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ “ቕዱሳት” እውን የፍቅሮም ነይሩ እዩ። (1 ቈረ. 1:1, 2) ብዛዕባ እቲ ኣብታ ጉባኤ ዕሽሽ ተባሂሉ ዝነበረ ምንዝርና ኺዛረቦም ከሎ ግና ኣዝዩ ተጨኒቑ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንሽማግለታት ከኣ፡ ነቲ ኣመንዝራ ንሰይጣን ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ማለት ኬወግድዎ መምርሒ ሃቦም። ሽማግለታት ንጽህና እታ ጉባኤ ንምሕላው፡ ነቲ “ማይ ብሑቝ” ኬውጽእዎ የድልዮም ነበረ። (1 ቈረ. 5:1, 5-7, 12) ሽማግለታት ነቲ ዘይንሳሕ ኣባሲ ኼወግድዎ ንዚውስንዎ ውሳነ ምስ እንድግፍ፡ እታ ጉባኤ ኽትነጽህ ኢና እንሕግዝ፣ ነቲ ሰብ ከኣ ኪንሳሕን ምሕረት የሆዋ ኺሓትትን ከነለዓዕሎ ንኽእል ኢና።

15. ሰላም ጉባኤና ኽንሕሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ኣብ ቈረንቶስ ካልእ ኪፍታሕ ዜድልዮ ሽግር እውን ነይሩ እዩ። ገሊኦም ኣሕዋት ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቶም ናብ ቤት ፍርዲ ይወስድዎም ነበሩ። ጳውሎስ ከኣ፡ “ከመይ ግዳ ንስኻትኩም ዘይትብደሉ፧” ኢሉ ኣገዳሲት ሕቶ ሓተቶም። (1 ቈረ. 6:1-8) ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ዅነታት የጋጥም እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብምኽንያት ምኽሳር ሓደ ንግዳዊ ዕዮ ገንዘብ ምስ ጠፍአ፡ ሰላም መንፈሳውያን ኣሕዋት ተዘሪጉ እዩ፣ ገሊኣቶም ከኣ ብምጥፍፋእ ገንዘብ ተኻሲሶም እዮም። አረ ገሊኣቶምሲ ንኣሕዋቶም ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዶምዎም እዮም። ቃል ኣምላኽ ግና ንስም ኣምላኽ ካብ እነጽርፍ ወይ ሰላም ጉባኤ ኻብ እንዘርግ፡ ክንከስር ከም ዚሓይሽ ይገልጸልና እዩ። [2] ከቢድ ጸገማትን ባእስን ንምፋታሕ፡ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። (ማቴዎስ 5:23, 24፣ 18:15-17 ኣንብብ።) ከምኡ እንተ ደኣ ጌርና፡ ኣብ ማእከል ቤተ ሰብ ኣምለኽቲ የሆዋ ሓድነት ኢና እነደንፍዕ።

16. ህዝቢ ኣምላኽ ሓድነት ኪህልዎም ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

16 ቃል የሆዋ፡ ህዝቡ ስለምንታይ ሓድነት ኪህልዎም ከም ዘለዎ ይሕብረና እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓድነት ሓቢሮም ኪቕመጡስ፡ ክንደይ ሰናይን ባህ ዜብልን እዩ!” በለ። (መዝ. 133:1) እስራኤላውያን ንየሆዋ ኺእዘዝዎ ኸለዉ፡ እተወደቡን ሓድነት ዘለዎምን እዮም ዚዀኑ ነይሮም። ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ዅነታት ህዝቡ ኣቐዲሙ ኺዛረብ ከሎ፡ “ከም መጓሰ ኣብ መጓሰዪ፡ ብሓደ ኽገብሮም እየ” በለ። (ሚክ. 2:12) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ብነብዪ ጸፎንያስ ኣቢሉ፡ “ኵላቶም ስም የሆዋ ምእንቲ ኺጽውዑ፡ ብሓድነት ድማ ምእንቲ ኼገልግልዎሲ፡ ንቛንቋ ህዝብታት ናብ ጽሩይ ቋንቋ [ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት] ኽልውጦ እየ” ኢሉ ተነብዩ እዩ። (ጸፎ. 3:9) ንየሆዋ ብሓድነት ከነምልኾ ፍሉይ መሰል ምርካብና ኣዚና ነማስወሉ ኢና።

ሽማግለታት ንሓደ ዝሰሓተ ሰብ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪገብሩሉ ይጽዕሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 17)

17. ሓድነትን ንጽህናን ጉባኤ ምእንቲ ኺሕሎ፡ ሽማግለታት ንፍርዳዊ ጕዳያት ብኸመይ መዕለቢ ኺገብሩሉ ኣለዎም፧

17 ሓድነትን ንጽህናን ጉባኤ ምእንቲ ኺሕሎ፡ ሽማግለታት ንፍርዳዊ ጕዳያት ብቕልጡፍን ብፍቕራዊ መገድን መዕለቢ ኺገብሩሉ ኣለዎም። ጳውሎስ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ብስምዒት ጥራይ እትምራሕ ከም ዘይኰነትን ኣምላኽ ንኣበሳ ዓይኑ ዓሚቱ ኸም ዘይሓልፎን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 15:3) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ለኣኸ፣ እታ መልእኽቲ ኸኣ፡ ተራር፡ ግናኸ ፍቕራዊት እያ። እታ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ሰብ ቈረንቶስ እተጻሕፈት ካልአይቲ መልእኽቲ፡ ሽማግለታት ንመምርሒ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ምምሕያሽ ኸም እተራእየ ትሕብር እያ። እምበኣር፡ ሓደ ክርስትያን ብዘይ ፍላጥ እንተ ስሒቱ፡ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ብልኡም መንፈስ ኬቕንዕዎ ኺጽዕሩ ኣለዎም።—ገላ. 6:1

18. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተዋህበ ምኽሪ እተጠቕማ ብኸመይ እየን፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

18 እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ምኽሪ፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ዀነ ንኻልኦት፡ ንጽህናን ሰላምን ሓድነትን ጉባኤኦም ኪሕልዉ ኸም ዝሓገዞም ንጹር እዩ። (1 ቈረ. 1:10፣ ኤፌ. 4:11-13፣ 1 ጴጥ. 3:8) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ኪዓምሙ ኽኢሎም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጳውሎስ፡ እቲ ብስራት ‘ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ከም እተሰብከ’ ገሊጹ እዩ። (ቈሎ. 1:23) ሎሚ፡ ኣባላት እታ ብሓድነት እትሰብኽ ውድብ ዝዀኑ ክርስትያናት ሳላ ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ብዛዕባ ዜደንቕ ዕላማ ኣምላኽ ዚገልጽ ፍልጠት ኣብ ብምልእታ ምድሪ ይዝርጋሕ ኣሎ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እዞም ክርስትያናት እዚኦም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎን ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኬኽብሩ ኸም ዝቘረጹን ዜረጋግጽ መርትዖ ኽንርኢ ኢና።—መዝ. 71:15, 16

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 13) ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ፡ ገጽ 134-136 ርአ።

^ [2] (ሕጡብ ጽሑፍ 15) ሓደ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ኻልእ ክርስትያን ሕጋዊ ስጕምቲ ኺወስድ ብዛዕባ ዚኽእለሉ ዅነታት ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 223፡ ኣብ እግረ ጽሑፍ ርአ።