ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ”

“መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ”

“ንህዝቢ ዚንገር ገለ ዜተባብዕ ቃል እንተ ኣልዩኩም፡ ንገሩ።” —ግብ. 13:15

መዝሙር፦ 53, 45

1, 2. ምትብባዕ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ግለጽ።

ክርስቲና [1] ዝስማ ጓል 18 ዓመት ጐርዞ ኸምዚ በለት፦ “ወለደይ ኣተባቢዖምኒ ኣይፈልጡን እዮም፣ እኳ ደኣስ፡ ብዙሕ ይወቕሱኒ ነይሮም። እቲ ቓላቶም ከኣ ዚጐድእ እዩ ነይሩ። ብስለት ከም ዘይብለይን ከም ዘይርድኣንን ኣመና ኸም ዝረጐድኩን ይነግሩኒ ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብዙሕ ሳዕ እበኪ ነይረ፣ ክዛረቦም እውን ኣይደልን እየ ነይረ። ዘይረብሕ ኰይኑ ድማ ይስምዓኒ ነይሩ።” ኣብ ህይወትካ ምትብባዕ ዘይምርካብሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ዚደቍስ ኰን እዩ!

2 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ምትብባዕ ጽቡቕ ጽልዋ ኣለዎ። ሩበን ከምዚ በለ፦ “ንሓያሎ ዓመታት ከም ዘይረብሕ ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ግና፡ ምስ ሓደ ሽማግለ ኽሰብኽ ከለኹ፡ እቲ ሽማግለ ጕህየ ኸም ዘለኹ ኣስተብሃለ። ስምዒተይ ክገልጸሉ ኸለኹ ድማ ብድንጋጽ ሰምዓኒ። ድሕሪኡ፡ እንታይ ጽቡቕ ነገራት እገብር ከም ዘለኹ ኣዘኻኸረኒ። ነቲ የሱስ ካብ ብዙሓት ጨራሩ ኸም እንበልጽ እተዛረቦ ዘረባ እውን ኣዘኻኸረኒ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ወትሩ እየ ዝዝክራ፣ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ልበይ ትትንክፈኒ እያ። ቃላት እቲ ሽማግለ ሓያል ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩለይ።”—ማቴ. 10:31

3. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ምትብባዕ እንታይ እዩ ኢሉ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዘውቲርካ ምትብባዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት፡ “ኣሕዋተየ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኻብቲ ህያው ኣምላኽ ብምርሓቕ፡ ዘይኣምን እኩይ ልቢ ኸይህልዎ፡ ተጠንቀቑ፣ ግናኸ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ብሓጢኣት ተታሊሉ ኸይተርር፡ . . . መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (እብ. 3:12, 13) ካልኦት እተዛረብዎ ቓላት ብኸመይ ከም ዘተባብዓካ እንተ ዘኪርካ፡ እቲ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ እተዋህበና ምኽሪ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኺርድኣካ እዩ። እምበኣር ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ንመርምር፦ ምትብባዕ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ካብቲ የሆዋን የሱስን ጳውሎስን ንኻልኦት ዘተባብዑሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ውጽኢታዊ መተባብዒ ኽንህብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ሰባት መተባብዒ የድልዮም

4. መተባብዒ ዜድልዮ መን እዩ፧ ምትብባዕ ዳርጋ ዚጠፍእ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

4 ኵላትና መተባብዒ የድልየና እዩ። ብፍላይ ክንዓቢ ኸለና መተባብዒ የድልየና እዩ። ቲሞቲ ኢቫንስ ዝስሙ መምህር፡ “ከምቲ ተኽሊ ማይ ዜድልዮ፡ ቈልዑ . . . እውን መተባብዒ የድልዮም እዩ። ውሉዳት መተባብዒ ዚውሃቦም እንተ ዀይኑ፡ ከም ዚጠቕሙን ዜማስዎም ሰብ ከም ዘሎን ኰይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ” ኢሉ ገለጸ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጽንኩር ግዜ ኢና እንነብር ዘለና። ሰባት ፈተውቲ ርእሶምን ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎምን ኰይኖም ኣለዉ፣ ምትብባዕ ድማ ዳርጋ ጠፊኡ እዩ ዘሎ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ገሊኦም ወለዲ፡ ወለዶም ዘየተባብዕዎም ስለ ዝነበሩ፡ ንሳቶም እውን ንውሉዳቶም ኣይንእዱን እዮም። ሓያሎ ሰራሕተኛታት ስለ ዘይንኣዱ፡ ኣብ ስራሕ ምትብባዕ ዚብሃል ከም ዘየለ ይዛረቡ እዮም።

5. ምትብባዕ እንታይ የጠቓልል፧

5 ምትብባዕ ኪብሃል ከሎ፡ ንሓደ ሰብ ስለቲ ዝገበሮ ጽቡቕ ነገራት ምንኣድ የጠቓልል። ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ዘለዎም ጽቡቕ ባህርያት ብምንኣድ ወይ ‘ተስፋ ንዝቘረጹ ብምጽንናዕ’ እውን ከነተባብዕ ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 5:14፡ እ.ጽ.) እታ “ምትብባዕ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ፡ “ኣብ ጐድንኻ ኪኸውን ጻውዒት ምቕራብ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። ኣብ ጐድኒ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኴንና ኸነገልግል ከለና፡ ዜተባብዕ ዘረባ ኽንዛረብ ኣጋጣሚ ንረክብ ኢና። (መክብብ 4:9, 10 ኣንብብ።) ዚምሽእ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ንኻልኦት ስለምንታይ ከም እነፍቅሮምን ከም እነድንቖምን ንዛረቦም ዲና፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕድሚ ምምላስና ግና፡ ብዛዕባ እታ፡ “ብግዜኡ ዚዝረብ ቃል . . . ክንደይ ኰን ጽቡቕ እዩ” እትብል ምሳሌ ምሕሳብና ጽቡቕ እዩ።—ምሳ. 15:23

6. ድያብሎስ ተስፋ ኬቝርጸና ዚደሊ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

6 ሰይጣን ድያብሎስ፡ ተስፋ ምቝራጽ ብመንፈሳዊ መዳይን ብኻልእ መገድን ክሳዕ ክንደይ ኬዳኽመና ኸም ዚኽእል ስለ ዚፈልጥ፡ ተስፋ ኬቝርጸና እዩ ዚደሊ። ምሳሌ 24:10፡ “ብመዓልቲ ጭንቂ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ ሓይልኻ ቝሩብ ይኸውን” ትብለና። ሰይጣን ነቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ ብመዓትን ብኽስን ተስፋ ኬቝርጾ እኳ እንተ ፈተነ፡ ተንኰሉ ግና ኣይሰለጦን። (እዮ. 2:3፣ 22:3፣ 27:5) ንኣባላት ስድራ ቤትናን ጉባኤናን ብምትብባዕ፡ ንግብሪ ድያብሎስ ክንጻረሮ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ቤትናን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ሰላምን ደሓንን ዚርከቦ ቦታ ኪኸውን እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦም ኣብነታት

7, 8. (ሀ) የሆዋ ንምትብባዕ ኣገዳሲ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ዚሕብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት እንታይ እዩ፧ (ለ) ወለዲ ኣብነት የሆዋ ምእንቲ ኺስዕቡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

7 የሆዋ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኸኣ የድሕኖም” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 34:18፡ እ.ጽ.) ኤርምያስ ምስ ፈርሀን ተስፋ ምስ ቈረጸን ከኣ፡ የሆዋ ነቲ እሙን ዝነበረ ነብዪ ዝያዳ ምትእምማን ኪረክብ ሓጊዝዎ እዩ። (ኤር. 1:6-10) ኣምላኽ መልኣኹ ልኢኹ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል ምስ ኣበርትዖ፡ ዳንኤል ክሳዕ ክንደይ ከም እተተባብዐ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቲ መልኣኽ ንዳንኤል “ኣዚኻ እተፈቶኻ” ወይ “ኣዚኻ ዝኸበርካ” እዩ ኢልዎ። (ዳን. 10:8, 11, 18, 19፣ እ.ጽ.) ንስኻኸ ሓይሎም ንዝደኸመ ኣስፋሕትን ፈለምትን ኣረጋውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ከተተባብዕ ትኽእልዶ፧

8 ኣምላኽ ምስ ወዱ ንመዋእላት ብሓንሳእ ስለ ዝዓየየ፡ ንየሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኺንእዶን ኬተባብዖን ከም ዘየድልዮ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። የግዳስ፡ የሱስ፡ ኣቦኡ ኻብ ሰማይ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ኺብል ከሎ ኽልተ ሳዕ ሰሚዑ እዩ። (ማቴ. 3:17፣ 17:5) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ንኢድዎን ጽቡቕ ይገብር ከም ዘሎ ኣረጋጊጽሉን እዩ። የሱስ ነዚ ቓላት እዚ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ፡ ማለት ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋንን ምድራዊ ህይወቱ ኣብ ዝወድኣሉ ዓመትን ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ተተባቢዑ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት ኪሳቐ ኸሎ እውን፡ የሆዋ መልኣኹ ልኢኹ ኣበርቲዕዎ እዩ። (ሉቃ. 22:43) ወለዲ ዘበልና፡ ንውሉዳትና ኣዘውቲርና ብምትብባዕን ጽቡቕ ኪገብሩ ኸለዉ ብምንኣድን ኣብነት የሆዋ ኽንስዕብ ኣሎና። ኣብ ቤት ትምህርቲ መዓልቲ መዓልቲ ንንጽህናኦም ዚፍትን ፈተና ዜጋጥሞም እንተ ዀይኑ ድማ፡ ተወሳኺ ደገፍ ንግበረሎም።

9. ካብቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

9 የሱስ። የሱስ ኣብታ በዓል ዝኽሪ ዘቘመላ ምሸት፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ሃዋርያቱ ዝረኣዮ ሕማቕ ባህርያት ትዕቢት እዩ ነይሩ። ንሱ ብትሕትና ኣእጋሮም እኳ እንተ ሓጸበ፡ መኖም ዝዓበየ ኸም ዝዀነ ይካትዑ ነበሩ፣ ጴጥሮስ ድማ እምብዛ ብርእሱ ይተኣማመን ነበረ። (ሉቃ. 22:24, 33, 34) ይኹን እምበር፡ የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ብፈተናኡ ምስኡ ስለ ዝጸንዑ ንኢድዎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሱ ኻብ ዝገበሮ ግብርታት ዚዓቢ ግብርታት ከም ዚገብሩ ተነብዩን ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮም ኣረጋጊጽሎምን እዩ። (ሉቃ. 22:28፣ ዮሃ. 14:12፣ 16:27) ንሕና እውን፡ ‘ኣብ ድኽመታት ውሉዳተይን ካልኦትን ኣብ ክንዲ ዘተኵር፡ ንዓታቶም ብምንኣድ ንየሱስ ክመስሎዶ ኣይግብኣንን፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና።

10, 11. ሃዋርያ ጳውሎስ ንኻልኦት ምትብባዕ ኣገዳሲ ገይሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

10 ሃዋርያ ጳውሎስ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስትያን ብጾቱ ጽቡቕ ተዛሪቡ እዩ። ምስ ገሊኣቶም ንሓያሎ ዓመታት ስለ እተጓዕዘ፡ ድኽመታቶም ይፈልጥ ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባኦም ጽቡቕ እዩ ተዛሪቡ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ፍቑረይን እሙን ውሉደይን” ኢልዎ ኣሎ፣ ብዛዕባ ኻልኦት ክርስትያናት ናይ ሓቂ ኸም ዚሓሊ እውን ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረ. 4:17፣ ፊል. 2:19, 20) ንጉባኤ ቈረንቶስ ብዛዕባ ቲቶስ ኪገልጸላ ኸሎ ከኣ፡ “ንሱ ብጻየይን ንጥቕምኹም መዓይይተይን እዩ” ኢሉ ኣሎ። (2 ቈረ. 8:23) ጢሞቴዎስን ቲቶስን፡ ጳውሎስ ብዛዕባኦም እንታይ ከም ዚሓስብ ምስ ፈለጡስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተተባቢዖም ይዀኑ!

11 ጳውሎስን በርናባስን ናብቲ ብግፍዒ መጥቃዕቲ ወሪድዎም ዝነበረ ቦታ ተመሊሶም ብምኻድ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮምዋ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ልስጥራ ከቢድ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ነቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ምእንቲ ኼተባብዕዎም ናብኡ ተመሊሶም ከይዶም እዮም። (ግብ. 14:19-22) ኣብ ኤፌሶን ድማ ጳውሎስ ናዕቢ ኣጋጢምዎ እዩ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 20 ፍቕዲ 1ን 2ን ከምዚ ነንብብ፦ “እቲ ናዕቢ ምስ ሃድአ፡ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ልኢኹ ጸውዖም፣ ምስ ኣተባብዖምን ምስ ተሰናበቶምን ከኣ፡ ናብ መቄዶንያ ነቐለ። ነቶም ኣብቲ ዞባታት እቲ ዚነብሩ ብብዙሕ ቃል እናኣተባብዖም ሓሊፉ፡ ናብ ግሪኽ መጸ።” እወ፡ ጳውሎስ፡ መተባብዒ ምሃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ሎሚ ንኻልኦት ምትብባዕ

12. ኣኼባታትና መተባብዒ ኽንህብን ክንቅበልን ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧

12 እቲ ሰማያዊ ኣቦና ስሩዕ ኣኼባ ኽንገብር መሰናድዎ ዝገበረልና ሓደ ምኽንያት፡ መተባብዒ ኽንህብን ክንቅበልን ኢሉ እዩ። (እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።) ንሕና እውን ከምቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ፡ ምእንቲ ኽንምሃርን ክንተባባዕን ብሓንሳእ ንእከብ ኢና። (1 ቈረ. 14:31) ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰት ክርስቲና ኸምዚ በለት፦ “ኣኼባታትና ኣዝየ ዝፈትዎ፡ ኣብኡ ፍቕርን ምትብባዕን ስለ ዝረክብ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ተጨኒቐ ኸለኹ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እኸይድ እየ። ሽዑ ግና፡ ኣሓት ቀሪበን ይሓቝፋንን ከም ዜጸብቐለይ ይነግራንን እየን። ከም ዚፈትዋንን ዝገበርክዎ መንፈሳዊ ዕቤት ብምርኣየን ከም እተሓጐሳን ድማ ይነግራኒ። እዚ መተባብዒ እዚ፡ ጭንቀተይ የፍኵሰለይ እዩ።” ኵላትና ‘ንሓድሕድና ኣብ ምትብባዕ’ እጃምና ኸነበርክት ከለናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ባህ ዜብል እዩ!—ሮሜ 1:11, 12

13. ምኩራት ኣገልገልቲ ኣምላኽ መተባብዒ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

13 ምኩራት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን መተባብዒ የድልዮም እዩ። ንእያሱ ኸም ኣብነት ንርአ። እያሱ ንኣምላኽ ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ኣገልጊልዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ቀቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ዚሳገርን ነታ እትርእያ ምድሪ ዜውርሶምን እያሱ እዩ እሞ፡ ንዕኡ መዝዞ፡ ኣተባብዓዮ፡ ኣበርትዓዮ እውን” ኢሉ ብምንጋር ንእያሱ ኼተባብዖ ነጊርዎ እዩ። (ዘዳ. 3:28) እያሱ ንእስራኤላውያን መሪሑ ነታ ምድሪ ተስፋ ምእንቲ ኺቈጻጸራ ዓብዪ ሓላፍነት ተዋሂብዎ እዩ። ዕንቅፋታት የጋጥሞ ነይሩ እዩ፣ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ከኣ ኣብ ውግእ ተሳዒሩ እዩ። (እያ. 7:1-9) ስለዚ ድማ እዩ መተባብዕን መበራትዕን ዜድልዮ ዝነበረ። እምበኣር፡ ነቶም ንመጓሰ ኣምላኽ ኪኣልዩ ኣበርቲዖም ዚጽዕሩ ሽማግለታትን ሓለውቲ ወረዳን ብብሕቲ ነተባብዓዮም። (1 ተሰሎንቄ 5:12, 13 ኣንብብ።) ሓደ ሓላው ወረዳ፡ “ሓድሓድ ግዜ፡ ኣሕዋትና ምስጋናኦም ዚገልጽ ደብዳበ ብምሃብ በቲ ዝገበርናሎም ምብጻሕ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱ ይገልጹልና እዮም። ነዚ ደብዳበታት እዚ ድማ ነቐምጦን ክንድቈስ ከለና ነንብቦን ኢና። ናይ ሓቂ ምንጪ ምትብባዕ እዩ” በለ።

ንውሉዳትና ንንእዶም እንተ ዄንና፡ ኪበራትዑ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. እቲ እንህቦ ምኽሪ ውጽኢታዊ ምእንቲ ኪኸውን ናእዳን መተባብዕን ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

14 ክርስትያን ሽማግለታትን ወለድን፡ እቲ ዚህብዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ውጽኢታዊ ምእንቲ ኪኸውን ናእዳን መተባብዕን ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ የስተብህሉ እዮም። ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ ነቲ ዝሃቦም ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ምስ ነኣዶም፡ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ተተባቢዖም ኪዀኑ ኣለዎም። (2 ቈረ. 7:8-11) ክልተ ውሉዳት ዘለውዎ ኣንድርያስ ከምዚ በለ፦ “መተባብዒ ንውሉዳት ብመንፈሳውን ብስምዒታውን መዳይ ኪዓብዩ ይሕግዞም እዩ። ምትብባዕ ምስ እትህብ ምኽርኻ ተቐባልነት ይህልዎ። ደቅና ቕኑዕ ዘበለ እንታይ ምዃኑ ዚፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ዚጽዕሩ ግና ወትሩ ስለ እነተባብዖም እዩ።”

ውጽኢታዊ መተባብዒ ኽትህብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

15. ንኻልኦት ንምትብባዕ ክንወስዶ እንኽእል ሓደ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧

15 ነቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ጽቡቕ ጻዕርን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ንዘለዎም ጽቡቕ ባህርያትን ኣማስወሉ። (2 ዜና 16:9፣ እዮ. 1:8) ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ እንገብሮ ጻዕርን ኣበርክቶን ድሩት እንተ ዀነ እውን፡ የሆዋን የሱስን ነቲ እንገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። (ሉቃስ 21:1-4፣ 2 ቈረንቶስ 8:12 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ገሊኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡን ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉን ብዙሕ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። እሞኸ ኽንንእዶምን ከነተባብዖምንዶ ኣይግብኣናን፧

16. ንኻልኦት ክንንእድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ንኻልኦት ንምትብባዕ ተጠቐመሉ። ሓደ ሰብ ዜንእድ ነገር ኪገብር እንተ ርኢና ንንኣዶ። ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እንታይ ከም ዘጋጠመ እሞ ንርአ። መራሕቲ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ምኵራብ ንዓታቶም፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንህዝቢ ዚንገር ገለ ዜተባብዕ ቃል እንተ ኣልዩኩም፡ ንገሩ” በልዎም። ጳውሎስ ከኣ ጽቡቕ መደረ ሃበ። (ግብ. 13:13-16, 42-44) ንሕና እውን ዜተባብዕ ቃል ክንዛረብ ንኽእል እንተ ዄንና፡ ስለምንታይ ዘይንዛረብ፧ ንኻልኦት ናይ ምትብባዕ ልማድ እንተ ኣጥሪና፡ ካልኦት እውን ብግዲኦም ኬተባብዑና እዮም።—ሉቃ. 6:38

17. ናእዳና ዝያዳ ትርጉም ዘለዎ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

17 ካብ ልብኻን ብንጹርን ተዛረብ። ሓፈሻዊ ዝዀነ ቓላት ምትብባዕን ናእዳን ጠቓሚ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ የሱስ ኣብ ጉባኤ ትያትራ ናብ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝለኣኾ መልእኽቲ ግና ንጹር መተባብዒ ምሃብ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ እዩ ዜርኢ። (ራእይ 2:18, 19 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ወለዲ እንተ ዄንና፡ ንውሉዳትና ብዛዕባ እቲ ዚገብርዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ዕቤት ከነማስዎም ንኽእል ኢና። ንሓንቲ ንጽል ሓብቲ፡ ጸገማት እናተጻወረት ንደቃ ብዛዕባ እተዕብየሉ ዘላ መገዲ ዝተንከፈና ነገር ክንነግራ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ናእዳን ምትብባዕን ብዙሕ ኪጠቅም ይኽእል እዩ።

18, 19. ነቶም መተባብዒ ዜድልዮም ክንሃንጾም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 የሆዋ ንሙሴ፡ ንእያሱ ኼተባብዖን ኬበርትዖን ነጊርዎ ነይሩ እዩ። ንዓና ግና ንሓደ ሰብ ከነተባብዕ ብብሕትና ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትናን ንኻልኦትን ዜተባብዕ ቃላት ክንዛረቦም ከለና ኣምላኽ ይሕጐስ እዩ። (ምሳ. 19:17፣ እብ. 12:12) ንኣብነት፡ ንሓደ ተዛራባይ መደረኡ እንታይ ምኽሪ ኸም ዝሃበና ወይ ንሓደ ጥቕሲ ኽንርዳእ ብኸመይ ከም ዝሓገዘና ኽንነግሮ ንኽእል ኢና። ሓንቲ ሓብቲ ንሓደ በጻሒ ተዛራባይ፡ “ንሒደት ደቓይቕ እኳ እንተ ተዘራረብና፡ ጓህየይ ርኢኻ ኣጸናኒዕካንን ኣበራቲዕካንን ኢኻ። ኣብ መድረኽን ብብሕትን ብለውሃት እተዛረብካዮ ዘረባ፡ ካብ የሆዋ እተላእከ ህያብ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” በለቶ።

19 ነቲ ጳውሎስ፡ “ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንተ ቘሪጽና፡ ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሃንጸሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ክንረክብ ኢና። (1 ተሰ. 5:11) እወ፡ ኵላትና፡ ‘መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድና ንተባባዕ’ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ኢና።

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 1) ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።