ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቓል የሆዋ ኣዚኻ ተኽብሮ ዲኻ፧

ንቓል የሆዋ ኣዚኻ ተኽብሮ ዲኻ፧

“ቃል ኣምላኽ ክትቅበልዎ ኸለኹም፡ . . . ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምዎ።”—1 ተሰ. 2:13

መዝሙር፦ 37, 48

1-3. ኣብ መንጎ ኤዎድያን ስንጥኬን ዝነበረ ጸገም እንታይ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኪውገድ ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ድማ፡ ሓድሓደ እዋን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ይውሃበና እዩ። እሞኸ ነዚ እንታይ ምላሽ ኢና እንህበሉ፧ ነተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ኤዎድያን ስንጥኬን ከም ኣብነት ንርአ። ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ቕቡኣት ኣሓት ከቢድ ጸገም ተላዒሉ ነበረ። እቲ ጸገም እንታይ እዩ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኣይነግረናን እዩ። ከም ምሳሌ ኪዀነና ግና እዚ ዚስዕብ ከም እተፈጸመ ጌርና እስከ ንሕሰብ።

2 ኤዎድያ ንእተወሰኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ቤታ ዓዲማቶም ነይራ ንበል። ስንጥኬ ግና ኣይተዓደመትን፣ እቶም ኣሕዋት ባህ ዜብል ግዜ ኸም ዘሕለፉ ድማ ሰምዐት። ሽዑ፡ ስንጥኬ፡ ‘ስለምንታይ እያ ኤዎድያ ዘይዓደመትኒ፧ መሓዙትዶ ኣይኰንናን፧’ ኢላ ትኸውን። ከም እተኸድዐት ስለ እተሰምዓ ኸኣ፡ ንኤዎድያ ኽትጥርጥራ ጀመረት። ስለዚ፡ ኣብ ቤታ ንኻልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ዓደመቶም፣ ንኤዎድያ ግና ኣይዓደመታን። እቲ ኣብ መንጎ ኤዎድያን ስንጥኬን እተላዕለ ባእሲ፡ ንሰላም እታ ጉባኤ ኺዘርግ ይኽእል ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ውጽኢት ዘይነግረና እኳ እንተ ዀነ፡ እዘን ኣሓት እዚአን ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃበን ፍቕራዊ ምኽሪ ጽቡቕ ምላሽ ሂበናሉ ኪዀና ይኽእላ እየን።—ፊል. 4:2, 3

3 ሎሚ እውን ኣብ ጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ ተመሳሳሊ ዅነታት ኪልዓል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ግና ነዚ ጸገማት እዚ ኽንፈትሖ ወይ ከነውግዶ ንኽእል ኢና። ንቓል የሆዋ ኣዚና ነኽብሮ እንተ ዄንና ድማ፡ ምስቲ ዚህበና መምርሒታት ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኢና።—መዝ. 27:11

ቃል ኣምላኽን ስምዒታት ደቂ ሰብን

4, 5. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስምዒትና ምቍጽጻር እንታይ ምኽሪ እዩ ዚህበና፧

4 ከም እተነዓቕና ወይ ከም እተበደልና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ስምዒታትና ምቍጽጻር ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ብሰንኪ ዓሌትና፡ ሕብሪ ቘርበትና፡ ወይ ካልእ ኣካላዊ ትርኢትና እንተ ተገፊዕና ኣዚና ኽንጕሂ ንኽእል ኢና። እዚ ግፍዒ እዚ ዝበጽሓና ብሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና እንተ ዀይኑ እሞ ኸኣ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜጕሂ! ቃል ኣምላኽ ከምዚ ንዝኣመሰለ ብሰንኪ ዘይፍጽምና ዚርአ ሕማቕ ባህርይ ንምስናፉ ዜኽእለና ምኽሪ ይህበና ድዩ፧

5 የሆዋ፡ ሰባት ስምዒታቶም እንተ ዘይተቘጻጺሮም እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ይፈልጥ እዩ። እንተ ሓሪቕና ወይ እንተ ተቘጢዕና፡ ደሓር እንጥዓሰሉ ነገር ክንዛረብ ወይ ክንገብር ንኽእል ኢና። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈስና ኽንገትእን ንዅራ ኸይንህወኽን ዚህበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓሉሲ ኽሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ! (ምሳሌ 16:32፣ መክብብ 7:9 ኣንብብ።) ኵላትና ብቐሊሉ ተነቀፍቲ ኸይንኸውንን ዝያዳ ይቕረ ኽንብልን ጻዕሪ ኽንገብር ከም ዘሎና ፍሉጥ እዩ። የሆዋን የሱስን ንበደል ምሕዳግ ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። (ማቴ. 6:14, 15) እሞኸ፡ ዝያዳ ይቕረ ኽትብል ወይ ስምዒትካ ኽትቈጻጸር የድልየካ ደዀን ይኸውን፧

6. ከይንምረር ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 መብዛሕትኡ ግዜ፡ ስምዒቶም ዘይቈጻጸሩ ሰባት ይምረሩ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ካልኦት ኪቐርብዎም ኣይደልዩን ይዀኑ። ዚምረር ሰብ ኣብ ጉባኤ ሕማቕ ጽልዋ ኺገብር ይኽእል እዩ። ምረቱ ወይ ጽልኡ ኺሓብእ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኣብ ልቡ ዘድበየ ኣሉታዊ ሓሳባት፡ “ኣብ ጉባኤ ኪቕላዕ እዩ።” (ምሳ. 26:24-26) ሽማግለታት ነዚ ሰብ እዚ፡ ምረትን ጽልእን ቂምን ኣብ ውድብ ኣምላኽ ቦታ ኸም ዘይብሉ ምእንቲ ኺፈልጥ ኪሕግዝዎ ይኽእሉ እዮም። እቲ ብዋጋ ዘይሽነን ቃል የሆዋ ድማ ብዛዕባ እዚ ንጹር መምርሒ ይህብ እዩ። (ዘሌ. 19:17, 18፣ ሮሜ 3:11-18) እሞኸ ምስዚ መምርሒታት እዚ ትሰማማዕ ዲኻ፧

ብኸመይ ከም እንምራሕ ኣይንረስዕ

7, 8. (ሀ) የሆዋ ንምድራዊ ኽፋል ውድቡ ዚመርሖ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ መምርሒታት እንታይ እዩ፧ ክንእዘዞ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

7 የሆዋ ኣብታ ምድራዊ ኽፋል ውድቡ ንዘለዉ ህዝቡ በቲ ኣብ ትሕቲ እቲ “ርእሲ ጉባኤ” ዝዀነ ክርስቶስ ዘሎ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገይሩ ይመርሖምን ይምግቦምን እዩ። (ማቴ. 24:45-47፣ ኤፌ. 5:23) እዚ ባርያ እዚ፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓል ወይ መልእኽቲ ይቕበሎን ኣኽቢሩ ይርእዮን እዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:13 ኣንብብ።) ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ ንጥቕምና ተባሂሉ እተጻሕፈ መምርሒታት እንታይ እዩ፧

8 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ኽንእከብ ይእዝዘና እዩ። (እብ. 10:24, 25) ኵላትና ብሓደ ዓይነት ሰረተ እምነት ክንምራሕ ድማ የተባብዓና እዩ። (1 ቈረ. 1:10) ቃል ኣምላኽ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህባ እውን ይነግረና እዩ። (ማቴ. 6:33) ብዘይካዚ፡ ኣብ በቤትን ሰብ ኣብ ዝበዝሖ ቦታታትን ብዘይ ወግዓዊ መገድን ክንሰብኽ ሓላፍነትን ፍሉይ መሰልን ከም ዘሎና ቕዱሳት ጽሑፋት የጕልሕ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 5:42፣ 17:17፣ 20:20) ቃል ኣምላኽ ንሽማግለታት፡ ንውድቡ ንጽህቲ ገይሮም ኪሕዝዋ ይእዝዞም እዩ። (1 ቈረ. 5:1-5, 13፣ 1 ጢሞ. 5:19-21) ኵሎም ኣባላት ውድቡ ኣካላውን መንፈሳውን ንጽህናኦም ኪሕልዉ እውን ይእዝዝ እዩ።—2 ቈረ. 7:1

9. ንቓል ኣምላኽ ክንርድኦ ዚሕግዘና እንኮ መትረብ እንታይ እዩ፧

9 ገሊኦም ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዜብርሃሎም ሰብ ከም ዘየድልዮም ኰይኑ ይስምዖም እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ መንፈሳዊ ምግቢ ንምሃብ ኪጥቀመሉ ዝሸሞ እንኮ መትረብ እቲ ‘እሙን ባርያ’ ጥራይ እዩ። ካብ 1919 ኣትሒዙ፡ እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ፡ ሰዓብቱ ንቓል ኣምላኽ ኪርድእዎን ንመምርሒታቱ ኺስዕቡን ምእንቲ ኺሕግዞም ነቲ ባርያ እቲ ይጥቀም ኣሎ። ንሕና ኸኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒታት ብምሕላው፡ ኣብ ጉባኤ ንጽህናን ሰላምን ሓድነትን ከነስፍን ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ነቲ ሎሚ የሱስ ዚጥቀመሉ ዘሎ መትረብ እሙን ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተታ።

ሰረገላ የሆዋ ትግስግስ ኣላ!

10. ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል፡ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

10 ቃል የሆዋ ብዛዕባ ሰማያዊ ኽፋል ውድቡ ይገልጸልና እዩ። ንኣብነት፡ ነብዪ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ብሰማያዊ ሰረገላ እተወከለ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ራእይ ርእዩ እዩ። (ህዝ. 1:4-28) ነዛ ሰረገላ እዚኣ እተወጥሓ የሆዋ እዩ፣ መንፈሱ ናብ ዝመርሖ ድማ እያ እትኸይድ። እቲ ምድራዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ከኣ በቲ ሰማያዊ ኽፋል እዩ ዚምራሕ። እታ ሰረገላ ድማ ትግስግስ ኣላ! ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ብዛዕባ እተገብረ ሓያሎ ውድባዊ ለውጥታት እሞ ሕሰብ፣ ነዚ ለውጥታት እዚ ዚመርሖ የሆዋ ባዕሉ እዩ። ድሕሪ ቐረባ እዋን፡ ክርስቶስን እቶም ቅዱሳት መላእኽትን ነዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኼጥፍእዋ እዮም። ሰረገላ የሆዋ ድማ ልዑላውነት ኣምላኽ ንምርግጋጽን ስሙ ንምቕዳስን ትግስግስ እያ ዘላ!

ነቶም ከይሰልከዩ ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸት ዚዓይዩ ሓያሎ ወለንተኛታትሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስዎም! (ሕጡብ ጽሑፍ 11)

11, 12. ገለ ኻብቲ ውድብ የሆዋ እትዓምሞ ዘላ ዕማማት እንታይ እዩ፧

11 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚአን ምድራዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚዓምሞ ዘሎ ነገራት እሞ ሕሰብ። ዕዮ ህንጸት ከም ኣብነት ንርአ። ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ ሓድሽ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምህናጽ ኣማእታት ሰራሕተኛታት ዓይዮም እዮም። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ወለንተኛታት ድማ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክፍሊ ንድፍን ህንጸትን ኰይኖም ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ንምስፋሕን ይተግሁ ኣለዉ። ነዞም ከይሰልከዩ ኣብዚ ፕሮጀክትታት ህንጸት እዚ ዚዓይዩ ሓያሎ ኣሕዋትሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስዎም! የሆዋ ነቶም ነዚ ፕሮጀክትታት ህንጸት እዚ ብትሕትናን ብተኣማንነትን ኪምዉሉ ዚጽዕሩ ኣብ መላእ ምድሪ ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚባርኾም እውን ክንርስዕ የብልናን።—ሉቃ. 21:1-4

12 ትምህርቲ። ብዛዕባ እቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ዜስፋሕፍሕ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ እሞ ሕሰብ። (ኢሳ. 2:2, 3) ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ፡ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ፡ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ፡ ቤት ትምህርቲ ኣተውቲ ቤት-ኤል፡ ቤት ትምህርቲ ገየሽቲ ሓለውትን ኣንስቶምን፡ ቤት ትምህርቲ ሽማግለታት ጉባኤ፡ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ቤት ትምህርቲ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን ኣንስቶምን ዚብሃል ኣብያተ ትምህርቲ ኣሎና። የሆዋ ንህዝቡ ኺምህር ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ባህ ዚብሎ! እቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና እውን ትምህርታት መጽሓፍ ቅዱስ የስፋሕፍሕ እዩ፣ ኣብኡ ኸኣ ብኣማእታት ቋንቋታት ጽሑፋት ኪርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ወብ ሳይት እቲ፡ ንቘልዑን ንስድራ ቤታትን ዚኸውን ፍሉይ ክፋልን ዜናታት ዝሓዘ ኽፋልን ኣለዎ። እሞኸ ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትካን jw.org ትጥቀም ዲኻ፧

ንየሆዋ እሙን ኩን፡ ንውድቡ ድማ ደግፍ

13. ከም እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧

13 ኣባል ውድብ የሆዋ ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ስለ ዝፈለጥና፡ ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብርን ንልዑላውነቱ ኽንድግፍን ሓላፍነት ኣሎና። ኣብ ዓለም ዝርጋን የስፋሕፍሕ እኳ እንተሎ፡ ንሕና ግና ከም የሆዋ ‘ኽፍኣት ክንጸልእ’ ኣሎና። (መዝ. 97:10) ከምቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት፡ ‘ንጽቡቕ ክፉእ፡ ንኽፉእ ከኣ ጽቡቕ’ ኣይንብልን ኢና። (ኢሳ. 5:20) ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ስለ እንደሊ፡ ኣካላውን ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህናና ኽንሕሉ ንጽዕር ኢና። (1 ቈረ. 6:9-11) ንየሆዋ ነፍቅሮ ኢና፡ ብእኡ ድማ ንእመን ኢና። ኣብቲ ኽቡር መጽሓፉ ብንጹር ንእተጻሕፈ ስርዓታት ብምሕላው እውን ተኣማንነትና ኸነርኢ ንደሊ ኢና። ኣብ ቤት፡ ኣብ ጉባኤ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኰታስ ኣብ ኵሉ ናብራና ምስዚ ስርዓታት እዚ ተሰማሚዕና ንምምልላስ ዝከኣለና ዘበለ ንገብር ኢና። (ምሳ. 15:3) ንኣምላኽ እሙናት ከም ዝዀንና ኸነርእየሉ እንኽእል ካልእ መገድታት እስከ ንርአ።

14. ክርስትያናት ወለዲ ንኣምላኽ እሙናት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

14 ኣተዓባብያ ቘልዑ። ክርስትያናት ወለዲ ንደቆም ብቓል ኣምላኽ ብምስልጣን ንየሆዋ እሙናት ይዀኑ እዮም። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ውሉድ ዘለዎም ኣረኣእያ ብባህሊ ኣይጽሎን እዩ። ኣብ ክርስትያናዊት ቤት፡ መንፈስ ዓለም ተቐባልነት የብሉን። (ኤፌ. 2:2) ሓደ እተጠምቀ ክርስትያን ኣቦ፡ ‘ኣብ ሃገርና ኣንስቲ እየን ንደቀን ዚምህራ’ ኢሉ ኣይሓስብን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ፡ “ኣቱም ኣቦታት . . . ንውሉዳትኩም ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ ደኣ ኣዕብይዎም” ኢሉ ብንጹር ይእዝዝ እዩ። (ኤፌ. 6:4) ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ኣቦታትን ኣዴታትን ውሉዳቶም ከምቲ ኺዓቢ ኸሎ የሆዋ ምስኡ ዝነበረ ሳሙኤል ኪዀኑሎም እዮም ዚደልዩ።—1 ሳሙ. 3:19

15. ዓበይቲ ውሳነታት ክንገብር ከለና ንኣምላኽ እሙናት ከም ዝዀንና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ውሳነታት ምግባር። ኣብ ህይወትና ዓበይቲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ካብ ቃል ኣምላኽን ካብ ውድቡን ሓገዝ ክንረክብ ብምጽዓር ንኣምላኽ እሙናት ከም ዝዀንና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምግባርና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምብራህ፡ ንሓያሎ ወለዲ ብዛዕባ ዚትንክፍ ሓደ ጕዳይ እስከ ንርአ። ገሊኦም ስደተኛታት ወለዲ ኣብታ እተሰደዱላ ሃገር ሰሪሖም ገንዘብ ምእንቲ ኺእክቡ ንሕጻናት ደቆም ናብ ቤተ ሰቦም ይልእክዎም እዮም። እዚ ብሕታዊ ውሳነ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ በቲ እንገብሮ ውሳነታት ተሓተትቲ ኸም ዚገብረና ግና ክንርስዕ የብልናን። (ሮሜ 14:12 ኣንብብ።) ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ከየናደና ንስድራ ቤትናን ንመነባብሮናን ዚምልከት ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብርሲ ጥበባዊ ድዩ፧ ጥበባዊ ኣይኰነን! ስጕምትና ኸነቕንዕ ስለ ዘይንኽእል፡ ሓገዝ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የድልየና እዩ።—ኤር. 10:23

16. ሓንቲ ኣደ ውሉድ ምስ ወለደት እንታይ ውሳነ ኽትገብር እዩ ኣድልይዋ ነይሩ፧ ቅኑዕ ውሳነ ኽትገብር ዝሓገዛኸ እንታይ እዩ፧

16 ሓንቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክትነብር ከላ ወዲ ዝወለደት ሰበይቲ፡ ንወዳ እንዳ ሓሙታ ምእንቲ ኪከናኸንዎ ናብ ሃገራ ኽትሰዶ ሓሲባ ነበረት። ኣብቲ ዝወለደትሉ እዋን ግና፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ምስኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀመረት። ጽቡቕ ዕቤት ምስ ገበረት ከኣ፡ ንወዳ ንኣምላኽ ዜምልኽ ውሉድ ገይራ ኸተዕቢ ኣምላኽ ሓላፍነት ከም ዝሃባ ፈለጠት። (መዝ. 127:3፣ ምሳ. 22:6) እታ ሰበይቲ፡ ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ክንገብሮ ዚነግረና፡ ልባ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣፍሰሰት። (መዝ. 62:7, 8) ነታ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህራ ሓብቲ ድማ ናይ ልባ ነገረታ፡ ንኻልኦት ኣባላት ጉባኤ እውን ኣዘራረበቶም። ቤተ ሰባ ንወዳ ናብ እንዳ ሓሙታ ኽትሰዶ ጸቕጢ እኳ እንተ ገበሩላ፡ ከምኡ ኽትገብር ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ደምደመት። ሰብኣያ ድማ በቲ ንሳን ወዳን ካብ ጉባኤ ዝረኸብዎ ዕቝባ ስለ እተገረመ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረሉ ፍቓደኛ ዀነ፡ ምስ ሰበይቱን ወዱን ድማ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ጀመረ። እዛ ኣደ እዚኣ፡ የሆዋ ነቲ ኻብ ልባ ዝጸለየቶ ጸሎት ከም ዝመለሰላ ዀይኑ እተሰምዓዶ ይመስለካ፧ እወ፡ ከምኡ እዩ ተሰሚዑዋ።

17. ብዛዕባ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መምርሒ እዩ ተዋሂቡና፧

17 መምርሒ ምስዓብ። ንኣምላኽ እሙናት ከም ዝዀንና ኸነርእየሉ እንኽእል ኣገዳሲ መገዲ፡ ካብ ውድቡ እንቕበሎ መምርሒ ብምስዓብ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስና እተዋህበና ሓሳባት ንርአ። ንሓደ ሰብ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብረሉ ምስ ጀመርና፡ ኵሉ ሳዕ ደድሕሪ መጽናዕቲ ሒደት ደቓይቕ መዲብና ነቲ ተምሃራይ ናብ ውድብ ኣምላኽ ክንመርሖ ኸም ዚግብኣና ተመኺርና ኔርና። ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮን ነታ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘርእስታ ብሮሹርን ተጠቒምና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ዕቤት ንዚገብር ተምሃራይ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ እንተ ወዲእናሉ፡ ምስ ተጠምቀ እውን እንተ ዀነ፡ ነታ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋዘርእስታ መጽሓፍ ከነጽንዖ ተመኺርና ኢና። ውድብ የሆዋ ነዚ መምርሒ እዚ ዝሃበ፡ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ‘ብእምነት ምእንቲ ኺጸንዑ’ እዩ። (ቈሎ. 2:7) እሞኸ ነዚ ውድብ የሆዋ ዝሃበና ምኽሪ እዚ ንስዕቦዶ ኣለና፧

18, 19. ገለ ኻብቲ ንየሆዋ እነማስወሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

18 ንየሆዋ እነማስወሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና! ብዘይ ብእኡ ኽንነብር ኰነ ኽንወሳወስ ስለ ዘይንኽእል፡ ህይወትና ናቱ እያ። (ግብ. 17:27, 28) ክቡር ህያብ፡ ማለት ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ሂቡና እዩ። ከምቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ እተነግሮም መልእኽቲ ኸም ቃል ኣምላኽ ገይሮም እተቐበልዎ፡ ንሕና እውን ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርና ብኣኽብሮት ንቕበሎ ኢና።—1 ተሰ. 2:13

19 ሳላ ቓል ኣምላኽ፡ ናብ የሆዋ ቐሪብና ኢና፡ ንሱ እውን ናባና ቐሪቡ እዩ። (ያእ. 4:8) ኣባላት ውድቡ ኽንከውን ድማ ፍሉይ መሰል ሂቡና እዩ። ነዚ በረኸት እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ፡ ንሱ ድማ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ” ኢሉ ብምዝማር ነዚ ባህ ብዜብል መገዲ ገሊጽዎ እዩ። (መዝ. 136:1) ኣብ መዝሙር 136፡ እቲ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ዚብል ኣዝማች ዕስራን ሽዱሽተ ሳዕ ንረኽቦ ኢና። ንየሆዋን ንውድቡን እሙናት ምስ እንኸውን ንዘለኣለም ስለ እንነብር፡ ሓቅነት እዘን ልቢ ዚትንክፋ ቓላት ክንርኢ ኢና!