ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘እቲ ዕዮ ዓብዪ እዩ’

‘እቲ ዕዮ ዓብዪ እዩ’

ሓያሎ ዘመናት ይገብር፡ ኣብ የሩሳሌም ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ ተገብረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ንጉስ ዳዊት ንዅሎም መሳፍንቱን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን ጀጋኑኡን ኣከቦም። ሽዑ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንኣምልኾኡ ዚኸውን ሓደ ዓብዪ ህንጻ ኺሃንጽ ከም ዝመዘዞ ዚገልጽ ሓደ ዜሕጕስ ፍሉይ ምልክታ ተነግረ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ንጉስ ድማ ነቲ ብመሪሕነት መንፈስ እተመሓላለፈሉ ንድፊ ንሰሎሞን ሃቦ። ዳዊት ድማ፡ “እቲ ዕዮ ኸኣ ዓብዪ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንሳ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እትኸውን ቤተ መቕደስ እያ” በለ።—1 ዜና 28:1, 2, 6, 11, 12፣ 29:1

ዳዊት ከኣ ኣስዒቡ፡ “ሎሚኸ መን ንየሆዋ ኣብ ኢዱ ህያብ ሒዙ ብፍታው ይመጽእ፧” ኢሉ ሓተተ። (1 ዜና 29:5) ንስኻ ኣብኡ እንተ ትነብር ኔርካ፡ እንታይ ምገበርካ፧ ነቲ ዓብዪ ዕዮ ንምድጋፍ ምተለዓዓልካዶ፧ ህዝቢ እስራኤል ህጹጽ ምላሽ እዩ ሂቡ። “ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ መስዋእቲ ፍታው ስለ ዝሃብዎ፡ እቲ ህዝቢ በቲ ዝሃብዎ መስዋእቲ ፍታው ተሓጐሰ።”—1 ዜና 29:9

ድሕሪዚ ዘመናት ጸኒሑ፡ የሆዋ ኻብቲ ሽዑ እተሃንጸ ቤተ መቕደስ ኣጸቢቑ ዚዓቢ ነገር ኣቝሙ እዩ። እዚ ኸኣ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ፡ ማለት ሰባት ብመስዋእቲ የሱስ ኣቢሎም ንዕኡ ኼምልኽዎ ዜኽእሎም መሰናድዎ እዩ። (እብ. 9:11, 12) ሎሚ፡ የሆዋ ንሰባት ምስኡ ንምትዕራቕ፡ ብኸመይ ይሕግዞም ኣሎ፧ በቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ገይሩ እዩ ዚሕግዞም ዘሎ። (ማቴ. 28:19, 20) ሳላ እዚ ዕዮ እዚ ድማ፡ ዓመት ዓመት፡ ንሚልዮናት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይምራሕ፡ ኣሽሓት ደቀ መዛሙርቲ ይጥመቑ፡ ኣማእታት ሓደስቲ ጉባኤታት ድማ ይቘማ ኣለዋ።

ከምዚ ዝበለ ዕቤት ስለ ዘሎ ድማ፡ ዝያዳ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኪሕተም፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽን ኪጽገንን፡ ከምኡ እውን ንዓበይቲ ኣኼባታት ዚኸውን ሓድሽ ቦታታት ኪርከብ የድሊ እዩ። እዚ ብስራት ናይ ምስባኽ ዕዮናስ ዓብይን ዜዕግብንዶ ኸይኰነ፧—ማቴ. 24:14

ህዝቢ ኣምላኽ፡ ንኣምላኽን ንብጻዮምን ዘለዎም ፍቕርን እቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ህጹጽነትን፡ ‘ንየሆዋ ኣብ ኢዶም ህያብ ሒዞም ብፍታው ኪመጹ’ ደሪኽዎም እዩ። ‘ንየሆዋ ብጥሪትና ምኽባርና፡’ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ነቲ ዝዓበየ ዕዮ ንምምዋል ብልክዕ ኪውዕል ምርኣይናስ ከመይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!—ምሳ. 3:9