ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ጸልማት እተጸውዑ

ካብ ጸልማት እተጸውዑ

‘የሆዋ ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃኑ ጸዊዑኩም።’—1 ጴጥ. 2:9

መዝሙር፦ 43, 28

1. የሩሳሌም ኣብ ዝጠፍኣትሉ እዋን እንታይ ከም ዝዀነ ግለጽ።

ብ607 ቅ.ክ. ብንጉስ ነቡካድነጻር ዚምራሕ ዓብዪ ሰራዊት ባቢሎን ንኸተማ የሩሳሌም ወረራ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝሃለቐ ህዝቢ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “[ነቡካድነጻር] ከኣ፡ ኣጕባዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሰይፊ ቐተለ፣ ንጐበዝ ኰነ ንድንግል፡ ንዓብዪ ዀነ ንኣረጊት ኣይራሕርሐን። . . . ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣንደዳ፡ ንመካበብያ የሩሳሌም ኣፍረሶ፡ ንዅሉ እተዓርደ ግምብታታ ብሓዊ ኣንደዶ፡ ኵሉ ኽቡር ነገር ድማ ኣጥፍአ።”—2 ዜና 36:17, 19

2. የሆዋ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃበ፧ ኣይሁድከ እንታይ ከም ዚዀኑ እዩ እተነግሮም፧

2 ነበርቲ የሩሳሌም ብዛዕባ ጥፍኣት ከተማኦም ተነጊርዎም ነይሩ እዩ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ነብያት ኣምላኽ ንኣይሁድ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ዕሽሽ ዚብልዎ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ኣሕሊፍካ ኸም ዚውሃቡ የጠንቅቕዎም ነይሮም እዮም። ብዙሓት ኣይሁድ ብስሕለት ሰይፊ ኸም ዚሞቱ፡ እቶም ካብ ሞት ዜምልጡ ድማ ዝተረፈ ህይወቶም ኣብ ምርኮ ባቢሎን ከም ዜሕልፍዎ ተነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ኤር. 15:2) እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ህይወቶም ከመይ ይመስል ነይሩ፧ ብግዜ ክርስትና ምስ ምርኮ ባቢሎን ዚመሳሰል ነገር ነይሩዶ፧ እንተ ነይሩ፡ መዓስ እዩ ነይሩ፧

ኣብ ምርኮ ዝነበሮም ህይወት

3. ምርኮ ባቢሎን ካብቲ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ዘሕለፍዎ ባርነት እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

3 እቲ ነብያት እተነበይዎ፡ ተፈጺሙ እዩ። የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ ነቶም ናብ ምርኮ ዚኸዱ ነቲ ሓድሽ ኵነታቶም ተቐቢሎም፡ ህይወቶም ብዝሓሸ መገዲ ኺነብሩ ኺምዕዶም ከሎ ኸምዚ በሎም፦ “[ኣብ ባቢሎን] ኣባይቲ ህነጹ እሞ ንበሩለን። ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ። ነታ ኣነ ናብኣ ተማሪኽኩም ከም እትውሰዱ ዝገበርኩኹም ከተማ ኸኣ ሰላማ ድለዩ፣ ብሰላማ ሰላም ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፡ ምእንታኣ ናብ የሆዋ ጸልዩ።” (ኤር. 29:5, 7) እቶም ንፍቓድ ኣምላኽ እተኣዘዙ፡ ኣብ ባቢሎን ብተዛማዲ ንቡር ህይወት እዩ ነይርዎም። እቶም ማረኽቶም ከኣ ንጕዳያቶም ባዕሎም ኬመሓድሩ ብእተወሰነ ፈቒዶምሎም ነይሮም እዮም። እቶም ምሩኻት ኣብታ ሃገር ናብ ዝደለይዎ ኺጐዓዓዙ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ባቢሎን ኣብ ጥንታዊት ዓለም ማእከል ንግዲ እያ ነይራ፣ ተፋሒሩ እተረኽበ ሰነዳት ድማ፡ ሓያሎ ኣይሁድ ምዕዳግን ምሻጥን ከም ዝለመዱ፡ ገሊኦም ከኣ ክኢላታት ኢደ ጥበበኛታት ከም ዝዀኑ ይሕብር። አረ ገሊኦም ኣይሁድሲ ሃብቲሞም ነይሮም እዮም። ምርኮ ባቢሎን ካብቲ እስራኤላውያን ዘመናት ኣቐዲሞም ኣብ ግብጺ ዘሕለፍዎ ባርነት እተፈልየ እዩ ነይሩ።—ዘጸኣት 2:23-25 ኣንብብ።

4. እቲ ምርኮ ብዘይካ ነቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያን፡ ንመን እውን እዩ ጸልይዎም ዝነበረ፧ ኣብቲ ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ንምምላኽ ዚገብርዎ ጻዕሪኸ እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ዝነበሮም፧

4 ኣይሁድ ብስጋ ዜድልዮም ዘበለ ይማልኣሎም እኳ እንተ ነበረ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ነገራት ግና ይማልኣሎምዶ ነይሩ፧ ቤተ መቕደስ የሆዋ ምስ መሰውኢኣ ዓንያ እያ ነይራ፣ እቲ ኽህነት ድማ ብእተወደበ መልክዕ ኣየገልግልን እዩ ነይሩ። ካብቶም ምሩኻት መቕጻዕቲ ዚግብኦ ነገር ዘይገበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነይሮም እዮም፣ ንሳቶም ግና ምስቲ ዝተረፈ ህዝቢ መከራ ይጸግቡ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ሕጊ ኣምላኽ ንምሕላው ዚከኣሎም ገይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ዳንኤልን እቶም ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዚብሃሉ ሰለስተ ብጾቱን ነቲ ንኣይሁድ እተኸልከለ ምግቢ ተሓሪሞምዎ እዮም። ብዘይካዚ፡ ዳንኤል ኣዘውቲሩ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ምንባሩ እውን ንፈልጥ ኢና። (ዳን. 1:8፣ 6:10) ኰይኑ ግና፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣረማውያን ኰይኖም ሕጊ ሙሴ ዚእዝዞም ዘበለ ዅሉ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም።

5. የሆዋ ንህዝቡ እንታይ ኢሉ እዩ ዘተስፈዎም፧ እዚ ተስፋ እዚኸ ዜደንቕ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ‘እስራኤላውያን ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ኼምልኽዎ ዚኽእሉሉ እዋን ኪመጽእ ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኺልዓል ይኽእል ነይሩ እዩ። ሽዑ ዄንካ ኽትሓስቦ ኸለኻ፡ ከምኡ ዝበለ ግዜ ዘይመጽእ እዩ ዚመስል ነይሩ። ቅድሚኡ፡ ምሩኻት ካብ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ንየሆዋ ኣምላኽ ግና ዚስኣኖ ነገር የልቦን። ህዝቡ ሓራ ኸም ዚወጹ ኣተስፍይዎም ነይሩ እዩ፣ ከምኡ ኸኣ እዩ ዀይኑ። ኣምላኽ ዘተስፈዎ ቓል ብዘይ ፍረ ኸቶ ኣይተርፍን እዩ።—ኢሳ. 55:11

ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ዝኣተዉሉ ግዜ ነይሩዶ፧

6, 7. ብዛዕባ ዘመናዊ ምርኮ ባቢሎን ዘሎና ግንዛበ ኸነነጽር ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ክርስትያናት ምስ ምርኮ ባቢሎን ዚመሳሰል ነገር ኣጓኒፍዎምዶ ይፈልጥ፧ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብ1918 ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ከም ዝኣተዉ፡ ካብ ባቢሎን ከኣ ብ1919 ሓራ ኸም ዝወጹ ንሓያሎ ዓመታት ክትገልጽ ጸኒሓ እያ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ ስዒባ ዘላ ተገሊጹ ብዘሎ ምኽንያታት ግና፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ዳግመ ምርምር ክንገብረሉ ኣድልዩ እዩ።

7 ነዚ እሞ ንሕሰበሉ፦ ዓባይ ባቢሎን ናይ ዓለም ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እያ። ስለዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብ1918 ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ንምእታው፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ባሮት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪዀኑ ነይርዎም። ጭቡጥ ሓቅታት ከም ዚሕብሮ ግና፡ ኣብቲ ናብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዚመርሕ ዓመታት፡ ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ዓባይ ባቢሎን ሓራ እናወጹ ይኸዱ ደኣ እምበር፡ ናብ ባርነት ኣይኰኑን ዚኣትዉ ነይሮም። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እቶም ቅቡኣት ይስጐጉ ነይሮም እዮም፣ እቲ ዘጋጠሞምም ጸበባ ግና ብቐንዱ ኻብ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ደኣ ኣምበር፡ ካብ ዓባይ ባቢሎን ኣይኰነን ዚመጾም ነይሩ። ስለዚ፡ ህዝቢ የሆዋ ናብ ትሕቲ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ዝኣተዉሉ ግዜ ብ1918 ኪኸውን ዘይመስል ነገር እዩ።

መዓስ ደኣ እዮም ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ዝነበሩ፧

8. ናይ ሓቂ ክርስትና ኸመይ ኢሉ ኸም እተበላሸወ ግለጽ። (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

8 ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ኣሽሓት ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብኡ። እቶም ሓደስቲ ክርስትያናት እቲኦም፡ “ሕሩይ ዓሌት፡ ንጉሳዊ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ፍሉይ ጥሪት ዝዀነ ህዝቢ” ዀኑ። (1 ጴጥሮስ 2:9, 10 ኣንብብ።) ሃዋርያት ብህይወት ክሳዕ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ተጠንቂቖም ይሕልዎ ነይሮም እዮም። ምስ ሞቱ ግና፡ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚዛረቡ” ሰባት ተንስኡ። (ግብ. 20:30፣ 2 ተሰ. 2:6-8) ሓያሎ ኻባታቶም ከኣ ኣብ ጉባኤታት ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ፡ ደሓር ድማ “ኣቡናት” እተባህሉ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት ነበሩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንስኻትኩምሲ ዅላትኩም ኣሕዋት ኢኹም” ኢልዎም ክነሱ፡ ኣቕሽሽቲ ኻብ ተራ ሰባት እተፈልየ ጕጅለ ኬቝሙ ጀመሩ። (ማቴ. 23:8) ፍልስፍናታት ኣሪስቶትልን ፕላቶን ዚፈትዉ ምርኡያት ሰባት ድማ፡ ሓሳባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣታኣታተዉ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ጽሩይ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ በብቝሩብ ተክኦ።

9. ናይ ክሕደት ክርስትና፡ ደገፍ መንግስቲ ሮሜ ብኸመይ ከም ዝረኸበን እዚ እንታይ ከም ዘስዓበን ግለጽ።

9 ብ313 ድ.ክ.፡ እዚ ናይ ክሕደት ክርስትና እዚ፡ በቲ ቆስጣንጢኖስ ዚብሃል ኣረማዊ ሃጸይ ሮሜ ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸበ። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ኢድን ጓንትን ኰይነን ኪዓይያ ጀሚረን እየን። ንኣብነት፡ ድሕሪ ዋዕላ ኒቅያ፡ እቲ ኣብቲ ዋዕላ ተኣኪቡ ዝነበረ ቆስጣንጢኖስ ንሓደ ኣርዮስ ዚብሃል ካህን ካብ ዓዲ ሰጐጎ፣ ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ኣርዮስ፡ የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ምቕባል ብምእባዩ እዩ። ደሓር፡ ኣብ ትሕቲ ሃጸይ ቴዎዶሲዮስ ቀዳማይ (379-395 ድ.ክ.)፡ እታ እተበከለ ክርስትና ዝሓዘት ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ፡ ወግዓዊ ሃይማኖት ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዀነት። ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ እታ ኣረማዊት ሮሜ ብራብዓይ ዘመን “ክርስትና” ብወግዒ ኸም እተቐበለት ይጽሕፉ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ክሕደት ክርስትና ምስ ኣረማዊ ሃይማኖታት ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ብምሕባር ኣባል ዓባይ ባቢሎን እዩ ዀይኑ። ከም ስርናይ ዝኣመሰሉ ሒደት ቅቡኣት ክርስትያናት ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ዚከኣሎም ይገብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ድምጾም ግና ይወሓጥ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 13:24, 25, 37-39 ኣንብብ።) እወ፡ ብሓቂ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን እዮም ነይሮም!

10. ኣብ ቀዳሞት ሒደት ዘመናት ድሕሪ ክርስቶስ፡ ቅኑዓት ሰባት ኣብ ምንታይ ተመርኲሶም እዮም ንትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሕቶ ዘእተውዎ፧

10 ኰይኑ ግና፡ ኣብ ቀዳሞት ሒደት ዘመናት ድሕሪ ክርስቶስ፡ ሓያሎ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብግሪኽኛ ወይ ብላቲን ኬንብብዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ንትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ምስ ትምህርቲ እታ ቤተ ክርስትያን ኬነጻጽርዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ብመሰረት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብዎ ድማ፡ ገሊኣቶም ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ነጺጎምዎ እዮም፣ እንተዀነ ግና፡ ርእይቶኦም ብግህዶ ምግላጽ ሓደገኛ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንህይወቶም ዜስግእ እዩ ነይሩ።

11. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣቕሽሽቲ ዝኣተወ ብኸመይ እዩ፧

11 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ሓፋሽ ህዝቢ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከበሉ ዝነበረ ቛንቋታት ምጥቃም ሓደጎ፣ ቤተ ክርስትያን ከኣ ነቲ ቓል ኣምላኽ ናብ ተራ ቛንቋታት ንምትርጓም ዚግበር ጻዕርታት ትጻረሮ ነበረት። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣቕሽሽትን ምሁራትን ጥራይ እዮም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ፣ እቶም ኣቕሽሽቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ኵሎም ኣይኰኑን ጽቡቕ ገይሮም ኬንብቡን ኪጽሕፉን ዚኽእሉ ዝነበሩ። ካብቲ ቤተ ክርስትያን እትምህሮ እተፈልየ ርእይቶ ዘለዎ ድማ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ እዩ ዚጽበዮ ነይሩ። እሙናት ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ በብሒደት ኪእከቡ ይግደዱ ነይሮም፣ ገሊኣቶም ድማ ጠሪሶም ኪእከቡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ምስቲ ኣይሁድ ኣብ ምርኮ ባቢሎን ዝነበሩሉ እዋን ብዚመሳሰል ከኣ፡ እቶም ቅቡኣት “ንጉሳዊ ኽህነት” ብእተወደበ መገዲ ኼገልግሉ ኣይከኣሉን። ዓባይ ባቢሎን ንህዝቢ ኣምላኽ ዓትዒታ እያ ሒዛቶም ነይራ!

ብርሃን ኪበርህ ጀመረ

12, 13. እንታይ ክልተ ረቛሒ እዩ ዓባይ ባቢሎን ኣብ ሰባት ዘለዋ ቝጽጽር ከም ዚደክም ዝገበረ፧ ግለጽ።

12 እሞኸ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣምላኽ ብግህዶን ብቕቡልን ንምምላኽ ናጻ ዚዀኑሉ ግዜ መጺኡዶ፧ እወ! ሳላ ኽልተ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ ቍሩብ መንፈሳዊ ብርሃን ነቲ ጸልማት ኪስንጥቖ ጀመረ። እቲ ቐዳማይ፡ ኣብ መፋርቕ መበል 15 ዘመን እተገብረ ምህዞ ሓታሚት ማኪና እዩ ነይሩ። ሕትመት ናብ ምዕራባዊ ዓለም ቅድሚ ምትእትታዉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኢድ ይቕዳሕ ብምንባሩ፡ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዘይርከብን ክቡርን እዩ ነይሩ። ሓደ ኽኢላ ቐዳሒ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኢዱ ቐዲሑ ንምድላው፡ ዓሰርተ ወርሒ የድልዮ ኸም ዚነበረ እዩ ዚንገር። ብዘይካዚ፡ እቲ ቐዳሕቲ ዚጽሑፍሉ ብራና ኽቡር እዩ ነይሩ። ሓታሚት ማኪናን ወረቐትን ኣብ ኣገልግሎት ምውዓሉ ግና፡ ዝሓሸ ኣማራጺ ብምንባሩ፡ ሓደ ኽኢላ ሓታሚ ኣብ መዓልቲ 1,300 ገጽ ኬዳሉ ይኽእል ነይሩ እዩ።

ቍጽጽር ባቢሎን ብምህዞ ሕትመትን ብተባዓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስን ተዳኺሙ (ሕጡብ ጽሑፍ 12, 13 ርአ)

13 እቲ ኻልኣይ ኣገዳሲ ረቛሒ ድማ፡ ኣብ መጀመርታ መበል 16 ዘመን ገሊኦም ተባዓት ሰባት ንቓል ኣምላኽ ብተራ ህዝቢ ናብ ዚዝረብ ቛንቋታት ንምትርጓም ዝገበርዎ ውሳነ እዩ። ሓያሎ ተርጐምቲ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነዚ ዕዮ እዚ ዓየዩ። ቤተ ክርስትያን ድማ በዚ ሰምበደት። መራሕቲ ቤተ ክርስትያን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን እንተ ኣትዩ፡ ሓደገኛ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣፍርሆም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድ ሰባት ምስ ኣተወ፡ ሰባት ኣንበብዎ። ምስ ኣንበብዎ ኸኣ፡ ‘ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ቦታ ንስሓ፡ ፍትሓት ምዉታት፡ ወይ ጳጳሳት ዚምህሮ ኣበይ ኣሎ፧’ ኢሎም ኪሓትቱ ጀመሩ። ብዓይኒ ቤተ ክርስትያን፡ እዚ ዜቘጥዕ እዩ ነይሩ። እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ንመራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኪሓትቶም ከም ድፍረት ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ስለዚ፡ ቤተ ክርስትያን ነዚ ኽትቃለሶ ጀመረት። ሰብኡትን ኣንስትን ንትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ብዘይምቕባሎም መናፍቓን ተባሂሎም ተወግዙ፣ መብዛሕትኡ እቲ ዘይተቐበልዎ ትምህርትታት ከኣ ኣብ ኣረማዊ ፍልስፍናታት እቶም የሱስ ክርስቶስ ከይተወልደ ዝነበሩ ኣሪስቶትልን ፕላቶን እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ቤተ ክርስትያን ድማ ነቶም ንትምህርታታ ዘይተቐበልዎ ብሞት ፈረደቶም፣ መንግስትታት ከኣ ነቲ ፍርዲ የፈጽማኦ ነበራ። መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ንሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘየንብቡን ሕቶታት ከም ዘይሓትቱን ኪገብርዎም እዮም ደልዮም ነይሮም። ኣብ ብዙሕ መዳያት፡ እዚ ውጥኖም ዓይዩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሒደት ተባዓት ሰባት ብዓባይ ባቢሎን ኣይጃጀዉን። ንቓል ኣምላኽ ሓንሳእ ስለ ዝጠዓምዎ፡ ዝያዳ ኺፈልጡ ደለዩ። ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ናጽነት ዚርከበሉ ግዜ ይቐርብ ነበረ።

14. (ሀ) ነቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1800ታት ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ እናዓበየ ዝመጸ ግንዛበ መገዲ ዘጣጥሐ እንታይ ኵነታት እዩ ነይሩ፧ (ለ) ሓውና ራስል ንሓቂ ዝነበሮ ጽምኢ ግለጽ።

14 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዝጸምኡ ብዙሓት ሰባት፡ ጽልዋ ቤተ ክርስትያን ናብ ዝነከየሉ ሃገራት ሃደሙ። ናይ ሓሳብ ናጽነት ኣብ ዘለዎ ዓዲ ዀይኖም ኬንብቡን ኬጽንዑን ኪዛራረቡን ደለዩ። ኣብ ሓንቲ ኻብተን ናጽነት ዚሕለወለን ሃገራት ዝነበረት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸኣ፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ሒደት ብጾቱን ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1800ታት ጽቡቕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። ኣብ ፈለማ፡ ሓውና ራስል ካብተን ዝነበራ ስሙያት ሃይማኖታት ኣየነይተን ሓቂ ትምህር ከም ዘላ ንምፍላጥ እዩ ነቲ መጽናዕቲ ጀሚርዎ። ስለዚ፡ ንትምህርትታት ብዙሓት ሃይማኖታት፡ እንተላይ ንትምህርታት ክርስትያን ዘይኰና ሃይማኖታት፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቑ ኣነጻጸሮ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ዋላ ሓንቲ ኻብተን ሃይማኖታት ንቓል ኣምላኽ ጠቢቓ ኸም ዘይትስዕቦ ፈለጠ። ሓደ ግዜ፡ ነቲ ንሱን ብጾቱን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብዎ ሓቅታት ተቐቢሎም ንምእመናኖም እንተ መሃሩ ኢሉ ድማ፡ ምስ ብርክት ዝበሉ ኣቕሽሽቲ ኣኼባ ገበረ። እቶም ኣቕሽሽቲ ግና ግዲ ኣይነበሮምን። ስለዚ፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስቶም ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ለጊቦም ኪመላለሱ ዝቘረጹ ሕብረት ኪህልዎም ከም ዘይግባእ ተገንዘቡ።—2 ቈረንቶስ 6:14 ኣንብብ።

15. (ሀ) ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዓባይ ባቢሎን እተቘርኑ መዓስ እዮም፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ሕቶታት እዩ መልሲ ኺውሃቦ፧

15 ክሳዕ ኣብዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ነዊሕ ከይጸንሑ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ከም ዝኣተዉ ርኢና ኣለና። ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ሕቶታት ከነበግስ ንኽእል ኢና፦ ናብ 1914 ኣብ ዜምርሕ ዓመታት፡ እቶም ቅቡኣት ካብ ባርነት ዓባይ ባቢሎን ሓራ እናወጹ ይኸዱ ምንባሮም ዚሕብር እንታይ ተወሳኺ መርትዖ ኣሎ፧ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ንጥፈታት ስብከቶም ብሓቂዶ ዛሕቲሎም፡ በዚ ኸምዚ እውን ንየሆዋ ኣጕህዮምዎ እዮም፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ገሊኦም ኣሕዋትና ኣብ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ብምልምላሞም ሞገስ የሆዋ ስኢኖም ድዮም፧ ክርስትያናት ካብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ባርነት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንተ ነይሮም፡ መዓስ እዮም ናጻ ወጺኦም፧ እዚ ሕቶታት እዚ ጽቡቕ እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ድማ ምላሹ ኽንረኽቦ ኢና።