ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሕዳር 2019

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 30 ታሕሳስ 2019–2 ለካቲት 2020 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ድልዱል ዕርክነት ኣማዕብል

ካብቲ ኤርምያስ ዘሕለፎ ተመክሮ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና፣ ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ቕድሚ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝነበረ እዋን ሓገዝ ፈተውቱ ኣድልይዎ ነይሩ እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘና፧

ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ጸገማት ክንጻወር ይሕግዘና እዩ። ካብኡ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ግና፡ ኣርባዕተ ኽንገብሮ ዘሎና ነገራት ኣሎ።

ነቲ ‘ዓብዪ ዋልታ እምነትካ’ ትከናኸኖዶ ኣለኻ፧

እምነትና ኸም ዋልታ ተዕቍበና እያ። ዋልታ እምነትና ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ኸም ዘሎ ንምርግጋጽ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ካብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እንምሃሮ ትምህርቲ

ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን፡ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕግታት ይርከብ እዩ። ንሕና ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕግታት እቲ ኣይኰንናን፣ ካብኡ ግና ክንጥቀም ንኽእል ኢና።

“ነቲ ኽትገብርዎ ዝጀመርኩም ፈጽምዎ”

ዋላ እውን ጽቡቕ ውሳነ ድሕሪ ምግባርና፡ ነቲ ዝጀመርናዮ ምፍጻሙ ይኸብደና ይኸውን። ንዝጀመርካዮ ኽትፍጽም ዚሕግዝ ግብራዊ ሓሳባት ርአ።

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣመሓደርቲ ቤት እንታይ ዕዮታት እዩ ነይርዎም፧