ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 45

መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘና፧

መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘና፧

“በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።”—ፊል. 4:13

መዝሙር 104 ኣምላኽ ዚህበና ውህበት መንፈስ ቅዱስ

መላለዪ *

1-2. (ሀ) ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኽንሰግር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ግለጽ። (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

“ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍክዎ ፈተና ኽሓስብ ከለኹ፡ ባዕለይ ክወጾ ኸም ዘይከኣልኩ እፈልጥ እየ።” ከምዚ ኢልካስ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ መብዛሕትና ኸምኡ ይስምዓና እዩ። ምናልባት ከቢድ ሕማም ወይ ሞት እትፈትዎ ሰብካ ምስ ኣሕለፍካ እሞ ነዚ ብኸመይ ከም እተዋጻእካሉ ድሕሪ ምሕሳብካ፡ ከምኡ ኢልካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ምልስ ኢልካ ኽትሓስቦ ኸለኻ፡ ንፈተናኻ ኽኢልካ ኻብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኽትሰግር ዝኸኣልካ፡ በቲ ኻብ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብካዮ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ጥራይ ከም ዝዀነ ይስምዓካ ይኸውን።—2 ቈረ. 4:7-9

2 ንጽልዋ እዛ እክይቲ ዓለም ንምጽራር እውን፡ መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ። (1 ዮሃ. 5:19) ብዘይካዚ፡ ምስ “እኩያት መናፍስቲ” ኽንቃለስ ኣሎና። (ኤፌ. 6:12) ነዚ ዅሉ ጸቕጥታት ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ ክንረኽበሉ እንኽእል ክልተ መገዲ ኽንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ይህበና

3. ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ፈተናታት ክንጻወር ዚሕግዘሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

3 ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ፡ ፈተናታት ኣብ ዜጋጥመና ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ሓላፍነታትና ንምፍጻም ዜኽእል ሓይሊ ወይ ብርታዐ ይህበና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ፈተናታት እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ኣገልግሎቱ ኪቕጽል ዝኸኣለ፡ ሳላ “ሓይሊ ክርስቶስ” ከም ዝዀነ ይኣምን ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 12:9) ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብስጋ ዜድልዮ ንምምላእ እውን ኣበርቲዑ ይዓዪ ነይሩ እዩ። ኣብ ቈረንቶስ ኣብ እንዳ ኣኪላስን ጵርስኪላን እዩ ተቐሚጡ ነይሩ። ንሳቶም እውን ዕዮኦም ምስፋይ ድንኳን እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ተመሳሳሊ ዕዮ ይዓዪ ብምንባሩ፡ ብኸፊል ግዜኡ ምሳታቶም ይዓዪ ነይሩ እዩ። (ግብ. 18:1-4) መንፈስ ቅዱስ ድማ ንጳውሎስ፡ ዓለማዊ ስራሕ ንምስራሕን ኣገልግሎቱ ንምፍጻምን ሓይሊ ሂብዎ እዩ።

4. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 12:7ለ-9፡ ጳውሎስ እንታይ ቃልሲ እዩ ነይርዎ፧

4 ካልኣይ ቈረንቶስ 12:7ለ-9 ኣንብብ። ኣብዘን ፍቕድታት እዚአን፡ ጳውሎስ ምስቲ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበረ እሾዅ’ ከም እተቓለሰ ኺዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ሰብነትካ ዚወግኣካ እሾዅ እንተ ኣልዩ፡ ብዙሕ ስቓይ ይህልወካ እዩ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ንዕኡ ዜሳቕዮ ፈተና ኸም ዝነበሮ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ነዚ ፈተና እዚ ድማ፡ “መልኣኽ ሰይጣን ኪጸፋፍዓኒ [“ኪቕጥቅጠኒ፡” እ.ጽ.] ተዋሂቡኒ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ፈተናኡ ሰይጣን ወይ ኣጋንንቱ ብቐጥታ ዘምጽኡሉ ኸይከውን ይኽእል እዩ፣ ማለት ንሳቶም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብቐጥታ በቲ እሾዅ ጠሸቝ ኣየበልዎን ይዀኑ። እቶም እኩያት መናፍስቲ ነቲ “እሾዅ” ምስ ረኣይዎ ግና፡ ንስቓዩ ምእንቲ ኼጋድዱ ኢሎም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ መመሊሶም ናብ ውሽጢ ስጋኡ ይደፍእዎ ነይሮም ይዀኑ። እሞ ደኣ ጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧

5. የሆዋ ንጸሎት ጳውሎስ ብኸመይ እዩ መሊሱሉ፧

5 ኣብ ፈለማ፡ ጳውሎስ፡ እቲ “እሾዅ” ኪውገደሉ እዩ ደልዩ ነይሩ። “እዚ ኻባይ ምእንቲ ኺርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ [ንየሆዋ] ሰለስተ ሳዕ ለሚነዮ” ኢሉ እውን ገሊጹ እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ እኳ እንተ ጸለየ፡ እቲ እሾዅ ግና ካብ ስጋኡ ኣይተወገደን። እዚ ግና፡ የሆዋ ንጳውሎስ ጸሎቱ ኣይመለሰሉን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ጸሎቱ መሊሱሉ እዩ። የሆዋ ነቲ ጸገም እኳ እንተ ዘየወገዶ፡ ንጳውሎስ ግና ኪጻወሮ ዜኽእሎ ብርታዐ ሃቦ። ስለዚ ኸኣ፡ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ፍጹም ዚኸውን” በሎ። (2 ቈረ. 12:8, 9) ጳውሎስ ድማ ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ሓጐሱን ውሽጣዊ ሰላሙን ኪዕቅብ ከኣለ።—ፊል. 4:4-7

6. (ሀ) ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ንጸሎትና እንታይ ምላሽ እዩ ኺህበሉ ዚኽእል፧ (ለ) እንታይ ኣብዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዚርከብ መረጋገጺታት እዩ ብርታዐ ዚህበካ፧

6 ንስኻኸ ኸም ጳውሎስ ንየሆዋ ኻብ ሓደ ፈተና ኼውጽኣካ ለሚንካዮዶ ትፈልጥ፧ ጽኑዕ ልማኖ ድሕሪ ምቕራብካ እቲ ጸገም እንተ ቐጺሉ ወይ እውን እንተ ገዲዱ፡ የሆዋ ብኣኻ ኸም ዝጐሃየ ጌርካ ተጨኒቕካዶ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንጳውሎስ ዘክሮ። ከምቲ የሆዋ ንዕኡ ጸሎቱ ዝመለሰሉ፡ ንዓኻ እውን ብርግጽ ጸሎትካ ኺምልሰልካ እዩ! የሆዋ ነቲ ጸገምካ ኣየወግዶን ይኸውን። ግናኸ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ነቲ ፈተና ኽትጻወሮ ዜኽእለካ ብርታዐ ኺህበካ እዩ። (መዝ. 61:3, 4) ‘ተወቒዕካ ትወድቕ’ ትኸውን፡ የሆዋ ግና ኣይኪርሕርሓካን እዩ።—2 ቈረ. 4:8, 9፣ ፊል. 4:13

መንፈስ ቅዱስ ንቕድሚት ክንግስግስ ይድርኸና

7-8. (ሀ) መንፈስ ቅዱስ ከም ንፋስ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጴጥሮስ ንዕዮ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ገሊጽዎ ኣሎ፧

7 ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ እንረኽበሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧ ከምቲ ጽቡቕ ዚነፍስ ንፋስ ንሓንቲ ኣብ ዚናወጽ ባሕሪ ዘላ መርከብ ናብ መዓልቦ ኽትበጽሕ ዚደፍኣ፡ መንፈስ ቅዱስ እውን ኣብዚ ኸም ማዕበል ዝኣመሰለ ፈተናታት ንቕድሚት ደፊኡ ናብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም የብጽሓና እዩ።

8 ሃዋርያ ጴጥሮስ ገፋፍ ዓሳ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ባሕሪ ንዚግበር ጕዕዞ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ንዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኪገልጽ ከሎ፡ ምስ ጕዕዞ ባሕሪ ዚተሓሓዝ ዚመስል ቃላት ብምጥቃም፡ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ትንቢትሲ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።” እታ “ተደሪኾም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ፡ “ተወሲዶም” ዚብል ትርጉም ኣለዋ።—2 ጴጥ. 1:21

9. ጴጥሮስ “ተወሲዶም” ኪብል ከሎ እንታይ ስእላዊ ቓል እዩ ተጠቒሙ፧

9 ጴጥሮስ “ተወሲዶም” ኪብል ከሎ፡ እንታይ ስእላዊ ቓል እዩ ተጠቒሙ፧ እቲ ንግብሪ ሃዋርያት ዝጸሓፋ ሉቃስ ነታ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንሓንቲ ንፋስ ናብ “ዝወሰዳ” ትኺድ ዝሓደግዋ መርከብ ንምግላጽ ተጠቒሙላ ኣሎ። (ግብ. 27:15) ስለዚ፡ ጴጥሮስ ብዛዕባ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ተወሲዶም” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ “ምስ ጕዕዞ ባሕሪ ዚተሓሓዝ መሳጢ ምሳልያዊ ኣዘራርባ” እዩ ተጠቒሙ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ከምቲ መርከብ ጕዕዞኣ ንምፍጻም ብንፋስ እትውሰድ፡ ነብያትን ጸሓፍትን መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ዕዮኦም ንምፍጻም ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተወስዱ እዩ ጴጥሮስ ዚገልጽ ነይሩ። እዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ምሁር፡ “እቶም ነብያት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ጋንጽላኦም ገቲሮም እዮም” ኢሉ እዩ። የሆዋ እጃሙ ገይሩ እዩ። “ንፋስ” ወይ መንፈስ ቅዱስ ሰዲዱ እዩ። እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እጃሞም ገይሮም እዮም። ምስ መምርሒ እቲ መንፈስ ተሰማሚዖም ዓይዮም እዮም።

1ይ ስጒምቲ፦ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብስሩዕ ተኻፈል

2ይ ስጒምቲ፦ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብዘሎካ ዓቕሚ ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

10-11. ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽንድረኽ እንታይ ክልተ ስጕምቲ ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

10 ሕጂ፡ ብድራኸ መንፈስ ጽሑፋት ዚጽሓፈሉ ግዜ ኸም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ። የሆዋ እጃሙ ይገብር ኣሎ። ከመይ ጌርና ኢና ኻብ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ክንጥቀም እንኽእል፧ እጃምና ንገብር ከም ዘለና ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንገብር፧

11 ነዚ ኣብነት እዚ እሞ ንሕሰበሉ። ሓደ ባሕረኛ ኻብ ዚነፍስ ንፋስ ኪጥቀም እንተ ዀይኑ፡ ክልተ ነገር ኪገብር ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ንጃልባኡ ናብቲ ንፋስ ዚነፍሰሉ መገዲ ኼእትዋ ኣለዎ። ከመይሲ፡ እቲ ባሕረኛ ንጃልባኡ ኻብቲ ንፋስ ዚነፍሰሉ መገዲ ኣርሒቑ ኣብ ወደብ እንተ ኣጽኒሕዋ፡ ንቕድሚት ኣይትጕዓዝን እያ። ካልኣይ፡ ብእተኻእሎ መጠን ንጋንጽላኡ ኺግትሮ ኣለዎ። ንፋስ እናነፈሰ ኸሎ እኳ፡ ጋንጽላኡ ብንፋስ እንተ ተደፊኡ ጥራይ እዩ ንቕድሚት ኪጕዓዝ ዚኽእል። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ እንተ ረኺብና ጥራይ ኢና ንየሆዋ ብቐጻሊ ኸነገልግሎ እንኽእል። ካብቲ መንፈስ እቲ ንምጥቃም፡ ክልተ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ቀዳማይ፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ መንፈስ ኣምላኽ ከም እንኸውን ዚገብር ንጥፈታት ብምክፋል፡ ገዛእ ርእስና ኣብቲ ዚነፍሰሉ መገዲ ኸነእቱ ኣሎና። ካልኣይ፡ ብዘሎና ዓቕሚ ምሉእ ብምሉእ ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ብምስታፍ፡ ምሉእ ብምሉእ “ጋንጽላና ኽንግትር” ኣሎና። (መዝ. 119:32) ነዚ ስጕምትታት እዚ ምስ እንወስድ፡ መንፈስ ቅዱስ ንቕድሚት ኪደፍኣና እሞ፡ ማዕበላት ተቓውሞን ፈተናታትን እናሰገርና ናብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዚግበር ጕዕዞ ብተኣማንነትን ብተጻዋርነትን ክንቅጽል ይሕግዘና እዩ።

12. ሕጂ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንምሃር፧

12 ክሳዕ ሕጂ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ እንረኽበሉ ኽልተ መገዲ ርኢና ኢና። መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ይህበናን ኣብ ትሕቲ ፈተናታት ተኣማንነትና ኽንሕሉ ይሕግዘናን እዩ። ብዘይካዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ንቕድሚት ክንግስግስ ይድርኸናን ኣብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንቅጽል ይሕግዘናን እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ንምጥቃም ክንገብሮ ብዛዕባ ዘሎና ኣርባዕተ ነገር ክንምሃር ኢና።

ካብ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ጌርካ ምሉእ ብምሉእ ትጥቀም፧

13. ብመሰረት 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ኪገብረልና ይኽእል፧ ንሕና ግና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

13 ቀዳማይ፡ ቃል ኣምላኽ ኣጽንዕ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።) እታ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “ኣምላኽ ዘተንፈሰሉ” ማለት እያ። ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ሓሳባቱ ኣብ ኣእምሮ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣተንፊሱ” እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትንን ከለና፡ ትምህርቲ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ይኣቱ እዩ። እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ሓሳባት ከኣ ህይወትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከነሰማምዕ ይድርኸና እዩ። (እብ. 4:12) ካብ መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ኽንጥቀም እንተ ዄንና ግና፡ ግዜ መዲብና ብስሩዕ ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ኣዕሚቝና ኽንሓስብን ኣሎና። ሽዑ፡ ቃል ኣምላኽ ንዅሉ እቲ እንብሎን እንገብሮን ይጸልዎ እዩ።

14. (ሀ) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና “ንፋስ ይነፍስ” ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ኣኼባታትና “ጋንጽላና ገቲርና” እንእከብ፧

14 ካልኣይ፡ ምስ ካልኦት ሓቢርካ ንኣምላኽ ኣምልኮ። (መዝ. 22:22) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና “ንፋስ ይነፍስ” ኪብሃል ይከኣል እዩ። መንፈስ የሆዋ ኣብ ኣኼባታትና ኣሎ። (ራእ. 2:29) ስለምንታይ ከምኡ ኽንብል እንኽእል፧ ምኽንያቱ፡ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ንኣምልኾ ኽንእከብ ከለና፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና ንጽሊ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዝምር፡ ብመንፈስ ቅዱስ ብእተሸሙ ኣሕዋት ዚቐርበልና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ እውን ንሰምዕ ኢና። ብዘይካዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ንኣሓት፡ ክፍለን ተዳልየን ኬቕርባ ይሕግዘን እዩ። ካብ መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ግና፡ ኣብ ኣኼባታት ንምስታፍ ተዳሊና ኽንመጽእ ኣሎና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ ኣኼባታት “ጋንጽላና ገቲርና” ንእከብ።

15. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዕዮ ስብከትና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

15 ሳልሳይ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ተሳተፍ። ኣብ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተጠቒምና፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎትና ኺሕግዘና ነፍቅደሉ ኢና። (ሮሜ 15:18, 19) ካብ መንፈስ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትጥቀም ግና፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ስሩዕ ተሳትፎ ኺህልወካን ብእተኻእለ መጠን ኣዘውቲርካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀመሉን ኣሎካ። ሓደ ኻብቲ ብዝያዳ ትርጉም ዘለዎ ኣገልግሎት ንምግልጋል ዚሕግዘካ ነገር፡ ነቲ ኣብ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ዚርከብ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ምጥቃም እዩ።

16. መንፈስ ቅዱስ ክትረኽበሉ እትኽእል ልዕሊ ዅሉ ቐጥታዊ መገዲ እንታይ እዩ፧

16 ራብዓይ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ። (ማቴ. 7:7-11፣ ሉቃ. 11:13) መንፈስ ቅዱስ ክትረኽበሉ እትኽእል ልዕሊ ዅሉ ቐጥታዊ መገዲ፡ የሆዋ መንፈሱ ምእንቲ ኺህበና ብጸሎት ኣቢልና ብምልማን እዩ። ጸሎትና ናብ የሆዋ ኸይበጽሕ ኪኽልክሎ ወይ እቲ ጽቡቕ ውህበት ዝዀነ መንፈስ ኣምላኽ ናባና ኸይበጽሕ ኺዓግቶ ዚኽእል የልቦን፣ ማእሰርቲ ዀነ ሰይጣን ነዚ ኺዓግቶ ኣይክእልን እዩ። (ያእ. 1:17) ካብ መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ብኸመይ ክንጽሊ ኣሎና፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ንሓንቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ብዛዕባ ጸሎት እትገልጽ ምሳሌ እስከ ንመርምር። *

ከይተሓለልካ ጸሊ

17. ካብታ ኣብ ሉቃስ 11:5-9, 13 እትርከብ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ፡ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ንምሃር፧

17 ሉቃስ 11:5-9, 13 ኣንብብ። የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ፡ መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ ብኸመይ ክንጽሊ ኸም ዚግባእ ትገልጽ። ኣብታ ምሳሌ ኸኣ፡ ሓደ ሰብ ንዓርኩ “ላሕ ስለ ዘበሎ” ዝደለዮ ነገር ኪረክብ ከኣለ። ኣመና መስዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ንዓርኩ ኻብ ምልማን ግና ኣይፈርሀን። (ኣብ ናይ ሓምለ 2018 ደብተር ኣኼባ ዝወጸ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃስ 11:8 ርአ።) እሞ ደኣ የሱስ፡ እዛ ምሳሌ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ከም እትምህር እዩ ተዛሪቡ፧ “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። ንሕና ደኣ ኻብዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ ንምርካብ፡ ከይተሓለልና ኽንጽሊ ኣሎና።

18. ብመሰረት እታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ፡ የሆዋ ቕዱስ መንፈሱ ኸም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

18 ብዘይካዚ፡ እታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ፡ የሆዋ ስለምንታይ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህበና ኽንርዳእ ትሕግዘና እያ። እቲ ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሰ ሰብ፡ ንጋሻኡ ጽቡቕ ገይሩ ኪቕበሎ ኸም ዘለዎ ግዴታ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ነቲ ለይቲ ዝመጾ ጋሻ ዚብላዕ ኬቕርበሉ ደልዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይነበሮን። የሱስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ጐረቤቱ እንጌራ ዝሃቦ፡ እቲ ሰብ ንጐረቤቱ ላሕ ክሳዕ ዜብሎ ስለ ዝለመኖ እዩ። የሱስ እንታይ ነጥቢ እዩ ኼመሓላልፍ ደልዩ ነይሩ፧ ሓደ ዘይፍጹም ሰብ ንሓደ ኸይተሓለለ ዚልምን ብጻዩ ኺሕግዝ ፍቓደኛ ኻብ ኰነ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦና ግዳ ነቶም ከይተሓለሉ ዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም! ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና እነቕርቦ ልማኖ ምላሽ ከም ዚህበሉ ርግጸኛታት ኴንና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።—መዝ. 10:17፣ 66:19

19. ዕዉታት ከም እንኸውን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

19 ሰይጣን ንዓና ንምስዓር ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ከም እንዕወት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኽልተ መገዲ ይሕግዘና እዩ። ቀዳማይ፡ ፈተናታት ንምስጋር ዜኽእል ሓይሊ ይህበና እዩ። ካልኣይ፡ “ንጋንጽላና ዚደፍኦ” ሓይሊ ዀይኑ ይዓዪ እዩ፡ ማለት ናብ ሓዳስ ዓለም ክሳዕ እንበጽሕ ንቕድሚት ክንግስግስ ዚድርኸና ሓይሊ ይዀነልና እዩ። እምበኣር፡ ካብ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ንምጥቃም ቈራጽነት ንግበር!

መዝሙር 41 ጸሎተይ ስማዕ

^ ሕ.ጽ. 5 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ጸገማት ክንጻወር ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ተጕልሕ። ካብ መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል እውን ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 16 ሉቃስ ካብ ካልኦት ጸሓፍቲ ወንጌል ንላዕሊ፡ ጸሎት ኣገዳሲ ኽፍሊ ህይወት የሱስ ምንባሩ ኣጕሊሑ እዩ።—ሉቃ. 3:21፣ 5:16፣ 6:12፣ 9:18, 28, 29፣ 18:1፣ 22:41, 44

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ 1ይ ስጒምቲ፦ ሓደ ሓውን ሓንቲ ሓብትን ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይኸዱ። ምስ ክርስትያናት ብጾቶም ሓቢሮም መንፈስ የሆዋ ኣብ ዘለዎ ኣኼባ ይእከቡ። 2ይ ስጒምቲ፦ ተዳልዮም መጺኦም ኣብቲ ኣኼባ ይሳተፉ። እዚ ኽልተ ስጕምቲ እዚ ኣብቲ ኣብዛ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ ኻልእ ንጥፈታት፡ ማለት ኣብ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ፡ ኣብ ተሳትፎ ዕዮ ስብከት፡ ከምኡ ድማ ናብ የሆዋ ኣብ ዚቐርብ ጸሎት እውን ይዓዪ እዩ።